ትግራይ፡ ዝተረስዐ መረጻን ስግኣት ዳግማይ ኵናትን

ሓወልቲ ሰማእታት ብዓቢይ ዝርኣየሉ ስእሊ ናይ ከተማ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, DT

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት መበል ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ኣብ ምድላው ትርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት እታ ሃገር ሰልፊታት ብኽትዕን ጐስጓስን ይወዳደሩ ኣለዉ። ሃገራዊ ቦርድ መረፃ፡ ነቝጣታት (ጣብያታት) መረፃ የዳሉ፡ መረጽቲ ድማ ይምዝገቡ ኣለዉ።

ገዛኢ ሰልፊ ብልፅግና፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንሃገራዊ ባይቶ ይዅን ክልላዊ ቤትምኽሪን ሕፁይ ከም ዘየቕረበ ቢቢሲ ዝረኣዮ ዝርዝር ሕፁያት የመልክት። ሽዱሽተ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ክልተ ጥምረት 101 ሕፁያት ኣመዝጊቦም ኣለዉ።

ይዅን እምበር እታ ንልዕሊ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ባይቶታት ውክልና ዘይብላ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ክልል ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ካብዚ ሃገራዊ መስርሕ ወፃኢ እያ ዘላ። ኣብ ትግራይ፡ ይትረፍዶ ብዛዕባ መረፃ ክዝረብ፡ ነበርታ 'ሎሚዶ ፅባሕ ድምፂ መዳፍዕ ይነብሕ' ብዝብል ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝርከቡ ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ይገልፁ።

ስግኣት ዘዘኻኽር ዘሎ መረፃ

ነዚ ሕዚ ዘሎ ሃዋህው ንምርዳእ፡ ነቲ ኣብ 2012 (ግእዝ) ዝነበረ ኵነታት ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። መንግስቲ ፈደራል፡ ብምኽንያት ቫይረስ ኮረና፡ ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ምስ ኣናውሖ፡ ህወሓት፡ "እዋኑ ዝሓለፎ መንግስቲ ሕጋዊ ተቐባልነት የብሉን" ብምባል ነቲ ውሳነ ነጺጉ፡ ክልላዊ መረፃ ስለ ዘካየደ ኣብ መንጎ ብልፅግናን ህወሓትን ዝጸንሐ ምትፍናን ዓሪጉ።

መንግስቲ ፈደራል ነቲ መረፃ "ዘይሕጋዊ'ዩ" ኢሉ ክዅንኖ እንከሎ፡ ህወሓት ከኣ፡ "ልዑላዊ መሰል ህዝቢ" እዩ ክብል መጒቱ። እቲ ሕጋዊን ፖለቲካውን ምጕት ግን ብቓላት ኣየብቅዐን።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 (ግእዝ)፡ 03 ሕዳር 2020 እቲ ኣስታት ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐዘፈ ዝንገረሉ ዘስካሕክኽ ኲናት ተባሪዑ። እቲ ተዅሲ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብቂዑ ኣንፃራዊ ሰላም ሰፊኑ ነይሩ።

እንተዀነ ሎሚ እውን ጉዳይ መረፃ ክለዓል እንከሎ፡ ንህዝቢ ትግራይ እቲ ናይ ኲናት ስግኣትን ታሪኻዊ በሰላን'ዩ ዝቕጀሎ፣ ካልእ ጠንቊ ኲናት ከይኸውን የስግእ ኣሎ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ እቲ ብመረፃ ዝቘመ ክልላዊ መንግስቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ተተኪኡ። ድሕሪ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተሸይሙ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ካብ ቀንዲ ዕማማቱ ከኣ ትግራይ ንመረፃ ምድላው እዩ ነይሩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ 3 ጥሪ 2018 (ግ) ናብ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝፀሓፎ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ቤትፅሕፈት ጣብያታት መረፃ ድልዋት እንተዀይኖም፡ ክሳብ 25 ጥሪ ከፍልጥ ይሓትት።

ይዅን እምበር፡ ነቲ ቦርድ መረፃ ዝተዋህበ ምላሽ ከም ዘየሎ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ካብቲ ቤትፅሕፈት ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ብዛዕብኡ ክዛረብ ስለ ዘይተፈቕደሉ፡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓላፊ፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት፡ መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ኣይኰነን፡" ዝብል ድምዳመ ተበፂሑ ከም ዘሎ፡ እንተዀነ ዛጊድ ዝተዋህበ ዕላዊ ምላሽ ከም ዘየሎ ንቢቢሲ ትግርኛ ይገልፅ።

ኣብ ቀረባ እዋን ምላሽ ክወሃበ ከም ዝኽእል ዝኣንፈተ እቲ ምንጪ፡ "መረፃ መሰል ህዝብታት እንተዀነ'ኳ፡ ሕዚ ኣብ ትግራይ መረፃ ዝካየደሉ ዕድል ዳርጋ የሎን፡" ይብል።

ኣብ ካናዳ ዩኒቨርሲቲ ካልጋሪ ዝምህር ንፖለቲካ ትግራይ - ኢትዮጵያ ብቕርበት ዝከታተል ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ፡ ብዛዕባ'ቲ ኵነታት ርእይቶ ክህብ እንከሎ፡ ነቲ ካብ ቦርድ መረፃ ዝተፅሓፈ ደብዳበ ኣመልኪቱ እዩ ዝጅመር።

"ኣብ ትግራይ ሓደ ዝተዓዘብኩዎ ነገር ኣሎ፤ እዚ ኣብ እዋን ጌታቸው ረዳ'ውን ዝነበረ ኣካይዳ ይመስለኒ። ሓደ ገዛ ዕዮ እንትወሃቦም ወይ ድማ ሕቶ እንትቐርበሎም፡ ፀገም ከጋጥም ከሎ ወይ ድማ እንድሕር ከይሰርሑዎ ተሪፎም፡ መልሲ ከይሃብካ ስቕ ምባል ከም ታክቲክ እዮም ዝጥቀምሉ፡" ይብል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር፡ ንጥፈታት መረፃ እናተኻየዱ፡ ኣብ ትግራይ ግን እንታይ ይግበር ከም ዘሎ'ውን ከም ዘይፍለጥ እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ይዛረብ።

"ኣብ ትግራይ መረፃ ክግበር ድዩ ኣይግበርን ዝብል ከይተፈልጠ፡ እዋኑ ይበፅሕ እዩ ዘሎ፡ ሕዚ'ውን ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝመርሑዎ ምምሕዳር ቅዋሙ እንታይ ከም ዝዀነ ዝፍለጥ ኣይመስልንን፡" ኢሉ።

ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ውድብ ስምረት ሓዊሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝንቀሳቐሱ ክልላዊ ውድባት ትግራይ፡ ኣብቲ ብዛዕባ መረፃ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዘይግበረሉ ዘሎ ክልል፡ ሕፁያት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እቶም ኣብቲ ዝሓለፈ ኣካታዒ ክልላዊ መረፃ ዝተሳተፉ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ብወገኖም፡ "ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይተመልሱን ግዝኣት ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ከይተመልሰን ኣብ ትግራይ ዝካየድ መረፃ የሎን፡" ኣብ ዝብል ሓበራዊ ስምምዕ ከም ዝበፅሑ ምንጭታትና ኣረጋጊፆም።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሕቶ መረፃ ምግያፅ እዩ"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ቋንንቋን ስነፅሑፍን ኣብርሃ ሃይለዝጊ ነባሪ ከተማ መቐለ እዩ። ንሱ "ሕዚ ኣብ ትግራይ፡ ሓደ ሰብ ንግሆ ካብ ገዛ ወፂኡ ናብ ገዝኡ ብሰላም ከም ዝምለስ ርግፀኛ ዘይኰነሉ ኵነታት እዩ ዘሎ። ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ክትድቅስ እንተለኻ፡ ስልክን ካልኦት ርክባትን ተዓፅዮም ከም ዘይፅንሑኻ ውሕስና የብልካን፡" ብምባል ስግኣቱ ንቢቢሲ ትግርኛ ብስልኪ ገሊፁ።

"ድሕሪ ፕሪቶርያ፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመፅእ እቲ ዝኸፍአ ዓመት ኢና ኣሕሊፍና፤ ልዕሊ ኣርባዕተ ግዜ ሎሚ ፅባሕ ቃታ ተሳሕበት እናበልና ነሕልፎ ኣለና፤ ኣብያተ ትምህርቲ ዳርጋ ተዓፅየን እየን፡" ይብል።

"በቲ ዝሓለፈ ተስፋ ምቍራፅ ከም ዘለዎ ኰይኑ፡ ሎሚ ኲናት ተጀመረ ፅባሕ ተጀመረ፡ መንእሰይ ፎቘድኡ ናብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ኢትዮጵያ ይብተን እዩ ዘሎ።"

ህዝቢ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ኲናት ዝፈጠሮ ስነኣእመሮኣዊ በሰላ ይነብር ከም ዘሎ ዝዛረብ ኣብርሃ፡ "ሕዚ ኣብዚ ኣለኹ፡ ቡን ይሰቲ ኣለኹ፣ ፅባሕ እዚኣ ዕድል ክረኽባ ምኳነይ ርግፀኛ ኣይኰንኩን፡" ኢሉ።

ንሱ ብፍላይ ቅድሚ ኲናት ኢራን ምውልዑ ዝነበራ መዓልታት ኣዝየን ዘፍርሓ ከም ዝነበራን ግጭት ክውላዕ ከም ዝኽእል ጭቡጥ ምልክታት ከም ዝነበሩን የረድእ።

እቲ ወጥሪ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለ ዝዀነ፡ እቶም ግዳማውያን ተዋሳእቲ ብዅነታት ማእከላይ ምብራቕ ስለ ዝተትሓዙ፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሕል ዝበለ ይምስል።

"ብኣኦም ወገን [ብኢትዮጵያ] ዝሕል ዝበለ ይምሰል ምበር፡ በዚ ወገን ከኣ ነቲ ኵነታት ከም ምችው ባይታ ንምጥቃም፡ 'ድኹም ጐድኒ ናይ ኣብዪ ሕዚ እዩ' ካብ ዝብል ገምጋም ዝነቐለ፡ [ልክዕ ድዩ ኣይልክዕን ብዘየገድሰ]፡ ኣብ ትግራይ ኣዐርዩ ዝነሃረ ምንቅስቓስ ኣሎ፣ ሎሚ ጀመርና ፅባሕ ጀመርና እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

"እቲ ኵነታት ከምዚ እዩ ዘሎ፤ ብዛዕባ መረፃ ኣይኰነን ዘሎ፣ መሰላት ደሞክራሲ ካብ ዝትግበረሎም መንገድታት ሓደ መረፃ እንተዀነ'ኳ፡ መረፃ ሕዚ ዳርጋ ምግያፅ [luxury] እዩ ኰይኑ ዘሎ፡" ክብል ወሲኹ።

ምስ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ብዝተኣሳሰር ድማ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ስልጣኑ ካብ ዘብቅዕ ፀኒሑ እዩ ዝብል ድምዳመ እዩ ዘለዎ።

"ብግብሪ፡ ርክብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ መንግስቲ ፈደራል ካብ ዘብቅዕ ፀኒሑ እዩ፤ ባዕሉ'ኮ በጀት ተኸልኪልና ኢሉ ደጋጊሙ ነጊሩና እዩ፤ ብሕጊ ጥራይ እዩ ፈሪሱ ዘይተባህለ።"

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ክተዛረብ እንተዄንካ፡ ባጀት የድሊ፡ መንግስታዊ ርክባት የድሊ፤ እዚ ድማ ካብ ዝቋረፅ ፀኒሑ ኣሎ ይብል።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተፈጥረ ፍሕፍሕ፡ ናብ ትግራይ ዝለኣኽ ባጀት ካብ ዝቋረፅ ኣዋርሕ ኣቍፂሩ ኣሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ፡ ብትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ህወሓት ምስ ኤርትራ ዝገብሮም ርክባት ከቋርፅ ምጥንቃቑ ዝዝከር እዩ።

በዚ መሰረት፡ ብሰንኪ ምቍራፅ መሃያን እገዳ ነዳድን፡ ህዝበዊ ምንቅስቓሳት ተገዲቡ ከም ዘሎ ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።

ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ 'ዕፅዋ' ዝመስል ዝበሎ፡ ውፅኢት እቲ ርክባት ከም ዝዀነን እቲ ቀንዲ ብመሰረት እቲ ውዕል ፕሪቶርያ ምትእምማን ከም ዘይተፈጥረን ይዛረብ።

"ህወሓት ሕጋዊ ኣፍልጦኣ እንድሕር ዘይተመሊሱ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ድላዩ ዋላ እንተ ዝገብር፡ ህወሓት ዝዕብልሎ ትግራይ ክሳብ ዘሎ፡ ልዕሊ ህልውናኣ ጉዳይ ህዝቢ ተቐድም እያ ኢለ ስለ ዘይኣመን፡ ጉዳይ ተመዛበልትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ንመቃለሲ ክትጥቀመሉ እያ፡" ኢሉ።

ክልቲኦም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ፡ ኲናት ከይውላዕ ከቢድ ስግኣት ኣለዎም።

ግዝኣታዊ ሓድነትን ተመዛበልትን ኣብ ዘይምምላስ እቲ ዝዓበየ እጃም ዝነበሮ መንግስቲ ፈደራል ከም ዝዀነ ዝዛረብ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ከምኡ ክኸውን ዝገበሮ ግን ብወገን ትግራይ ሓቋፋይ ዝዀነ መንግስቲ ምፍጣር ስለ ዘይተኻኣለ ምዃኑ ይዛረብ።

"ብታደሰ ወረደ ዝምራሕ ካቢነ፡ ንመንግስቲ ፈደራል ምችው ኵነታት እዩ ፈጢሩሉ፤ ሕዚ ግን ኲናት ንምትራፍ ዓቕሚ ይዅን ድሌት ዘለዎ ኣይመስለንን፡" ኢሉ፡ ክሳብ ሕዚ ኲናት ከይውላዕ ሰሪሑ እንተዀይኑ ግን ክምስገን ይግባእ ይብል።

ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ኣብዝሓ እቶም ተፅቢት ዝተገብረሎም ጉዳያት ከም ዘይተፈፀሙን ሓቛፋይ ዝዀነ መንግስቲ መስሪትካ፡ ንጉዳይ መረፃ ሓዊሱ፡ ንረብሓታት ትግራይ ኣቐዲምካ ኣብ ምቅላስ፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ታደሰ እቲ ዝደሓረ ከም ዝዀነ ይነቅፍ።

"ደጊም ካብ ኲናት ዝትረፍ ኣይመስልን" ዝብል ስግኣት ዘለዎ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ብወገኑ፡ "ሕዚ ኲናት ንምትረፍ ፀቢብ ዕድል እዩ ዘሎ፤ ሕዚ'ውን በታ ዘላ ፀባብ ዕድል፡ ዋላ እቲ ፀላኢ ትብሎ 'ሰላም ኣይደልን' ኢልካ ኣሚንካ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይ ሰላም ኣማራፂ ንምጥቃም ክፉት ልቢ የድሊ፡" ኢሉ።

ህዝቢ ንመረጻ ተሰሪዑ ዘርኢ ስእሊ

መረፃ ዘይምክያድ እንታይ ሳዕቤን ይህልዎ?

ብፍላይ ምስ ምቍራፅ ባጀት መምሃራን ተኣሳሲሩ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ከተማታት ትግራይ፡ ብሰሉስ መጋቢት 15፡ ተምሃሮን መምህራንን ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ውዒሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ንግዝያዊ ምምሕዳር ወኪሉ ዝተረኸበ ምክትል ፕረዚደንትን ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓትን ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ "እዚ ቅፅዓት ኣብ ልዕሊ ህፃናት ትግራይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምድንቋር ስራሕ እዩ ዝስራሕ ዘሎ፡" ብምባል፡ ንመንግስቲ ፈደራል ከሲሱ ኣሎ።

ኣቶ ኣማኑኤል፡ " ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተደፊኡ ክወፅእ ይግበር ኣሎ፡" ብዝብል ዘስምዖ ቃል ዘዘራርብ ዘሎ ኰይኑ፡ እታ ክልል ኣብ ኣብያተ ምኽሪ እታ ሃገር ውክልና ዘይምህላዋ'ውን ዘዘኻኽር እዩ።

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ መዝገብ ፖለቲካዊ ሰልፊታት እታ ሃገር ከም ዝሰረዞ ዝዝከር ኰይኑ፡ ብድሕሪኡ ርክቦም ሓረፊፉ ቀፂሉ ኣሎ።

ወሃቢ-ቓል ውድብ ህወሓት ኣቶ ሚኪኤለ ኣስገዶም፡ ቅድም ክብል፡ "ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ናብ ንቡር እንተ ዘይተመሊሱ ኣብ ትግራይ መረፃ ክካይድ ኢልካ ኣይሕሰብ፣" ዝብል ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሕዚ ድማ፡ ውዕል ፕሪቶርያ መሊኡ ፈሪሱ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ ኣሎ።

ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ "እዚ ዘረባታት ደማሚርካ ክትረእዮ እንተለኻ፡ ሕዚ'ውን ትግራይ ዘይብሉ መረፃ እንተ ተኻይዱ'ሞ፡ ሕዚ'ውን ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ውክልና ዘይብላ ክትቕፅል እንተዀይና፡ ንኣስታት 12 ዓመት ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኰይና፡ ከም ሶማሊላንድ 'ዲፋክቶ' ሃገር ኰይና ኣላ ማለት እዩ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ኣብ ትግራይ ከምኡ ኴንካ ንምቕፃል ዘኽእል ፀጥታዊ ዓቕሚ ስለ ዘየሎ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ካብ ቦርድ መረፃን ምኒስተር ገንዘብን ርእይቶ ንመርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ወፃኢ ዝካየድ መረፃ

ካብ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ፡ ሕቶ ይግብኣኒ ዝለዓሎም ከባብታት፡ ብፍላይ እቲ ዳርጋ ርብዒ እቲ ክልል ዝዀነ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ካብ እዋን ምውላዕ እቲ ኲናት ጀሚሩ፡ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ኣምሓራ ይርከብ።

ካብዚ ከባቢ፡ ዝተመዛበለ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከብ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለሱ ፃዕሪ ይግበር'ኳ እንተ ነበረ፡ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ነንባዕሎም እናተኻሰሱ ዛጊድ ግብራዊ ኣይኰነን።

እቶም ከባብታት፡ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወፃኢ፡ ሃገራዊ መረፃ ከካይዱ ዝብል ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 16 [ግ] ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ዝወፅአ ውሳነ፡ ዳርጋ ካብ ኵሎም ወገናት ትግራይ ተቓውሞ ገጢሙዎ ኣሎ።

ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ መረፃ፡ እቲ ክልል ብዝምልከት ዝተልዓለ ነገር እንተሎ፡ እዚ ብዛዕባ እዞም ከባብታት ዝምልከት ኰይኑ፤ እዚ'ውን እንተዀነ ዛጊድ ዕልባት ኣይረኸበን።