ብምስጢር ተቐዲሐን ኣብ ኦንላይን ግዳያት ላግጽን በደላትን ዝዀና ደቀንስትዮ

ኣብ መዓልቲ ፍቑራት፡ ጆይ ካሌኬ፡ ዓርካ ስልኪ ክትድውለላ ከላ፡ ዝተጨነቐት ትመስል ምንባራ ትረዛብ። ንሳ ድማ ሓደ ሰብ ቪድዮኺ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለ ዝጠቅዖ ኣቲኺ ርኣይዮ ትብላ።
እቲ ቪድዮ፡ ሽዑ ጓል 19 ዓመት ተምሃሪት ዝነበረት ካሌኬ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ጐድኒ ጽዑቕ ጽርግያ ደው ኢላ ናብ ተሌፎና ኣብ እትጥምተሉ ዝነበረት እዋን ዘርኢ እዩ። እቲ ዝስእላ ዝነበረ ሰብ ናብኣ ገጹ ጽግዕ ኢሉ፡ "ሰላም፡ ኣከዳድናኺ ደስ ዝብል'ዩ፡" ይብላ።
ካሌኬ፡ ከምኡ ዝበላ ሰብ ከም ዝገጠማ ዳርጋ ረሲዓቶ እያ።
"እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝረኸብክዎ ሩስያዊ ወዲ ምዃኑ ተረዲኡኒ፡" ክትብል ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ተዛሪባ። ነታ ቪድዮ ምስ ረኣየት ድማ ክቐርጻ ከም ዝጸንሐ ተረዲኣ።
እቲ ቪድዮ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ሓያሎ ቪድዮታት፡ ሓደ ውልቀሰብ ናብተን ኣብ ኬንያን ጋናን ዝርከባ ደቀንስትዮ ክቐርብ ከሎ ዘርኢ ኰይኑ፡ እተን ደቀንስትዮ ይቕረጻ ከም ዘለዋ ዝፈልጣ ኣይመስላን።
ጸጕረን ብምትንካፍ፡ ኣእዳወን ሒዙ፡ ቍጽሪ ተሌፎን ይሓተን፣ ድሒሩ ድማ ክረኽብኦ ይሓተን።
እተን ደቀንስትዮ ግዳያት ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ሕቡእ ካሜራ ዝሓዙ ደቂተባዕትዮ ብዘይ ፍቓደን ብምቕዳሕን ነቲ ቪድዮታት ኣብ ኢንተርነት ብምዝርጋሕን ሚልዮናት ርእይቶታት ዝእክቡሉን ዘለዉን ዝንባለታት እየን።
ገለ ካብቶም ነቶም ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጥቅዑ ዘለዉ ሰባት ገንዘብ ይረኽቡ ወይ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ንደቀንስትዮ ዝረኽብሉ መገዲ ይሕግዙ እዮም ዝብሉዎም መምርሒታት ብምሻጥ መኽሰብ ይረኽቡ።
ኣብ ኬንያን ጋናን ኣብ መንጐ ተሓለቕትን ፖለቲከኛታትን ቍጥዐ ፈጢሩ ኣሎ፤ እቲ ኣብቶም ቪድዮታት ካብ ሩስያ ዝመጽአ ምዃኑ ዝገልጽ ሰብኣይ ክእሰር ይጽውዑ።
ብኢንተርነት ግን እተን ደቀንስትዮ ክውቀሳ፡ ሰባት ክላገጹለንን ክግፍዓን እውን ጸኒሐን እየን።
"ተፈላጢ ሰብ ከም ምዃን'ዩ፣ ግን ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ጽቡቕ ኣይኰነን፡" ትብል ካሌኬ።
ኣብ ፈደረሽን ጠበቓታት ደቀንስትዮ ኬንያ (ፊዳ-ኬንያ) ኣማኻሪት ሕጊ ብሬንዳ ያምቦ፡ እቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታታት፡ ንጐዳኢ ጾታዊ ጽልዋታት ዘደልድልን ግዳያት መሰሊን ጾር እቲ ወቐሳ ክስከማ ዝገብርን እዩ ኢላ።
ሕብረተሰብ ኣብ ክንዲ ኣብቲ በደል - ብዘይ ፍቓድካ ምቕራጽን ኣብ ኢንተርነት ምዝርጋሕን ናይተን ክሊፓት - ዘተኮረ፡ ንባህርያት እታ ጓለንስተይቲ ብጽኑዕ ይምርምር ትብል።
"ብዛዕባ ምርጫታታ፡ ሞራላ፡ ኣከዳድናኣ እዮም ዝዛረቡ፡" ብምባል እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝወርድ ጉድኣት ከም ዝውስኽን ግዳያት ብወግዒ ወጺአን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከይቃለሳኦ ተስፋ ከም ዘቝርጽን ትገልጽ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት ምስ ተጸግዓ፡ ካሌኬ ነቲ ንራኸብ ዝብል ሕቶኡ ነጺጋቶ እያ።
ግን እቲ ቪድዮ፡ ኣብዚ ዓመት'ዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ወጺኡ። ካልኦት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኬንያን ጋናን ዳግማይ ነቶም ቪድዮታት መሊሶም ሰቒሎምዎም።
ኣብዚ እዋን ስራሕ ኣልቦ ኰይኑ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ኢንተርነት ትሕዝቶታት ዘዳሉ 'ኮንተንት ክሪኤተር' ህላወ ወዲ 22 ዓመት ከልቪን ካሩመ፡ እቲ ቪድዮታት ኣብ ናይ ሩስያ ዩቱብ ቻነል ከም ዝረኸቦም ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Kelvin Karume
ሓደ ሰንበት፡ ቅድሚ ናብ ቤተክርስትያን ምኻዱ፡ ሓደ ካብቲ ቪድዮታት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቲክቶክ ከም ዝጠቅዖ ይዝክር። ድሕሪኡ ተሌፎኑ ኣጥፊኡ።
ከልቪን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንዓይ እቶም ቪድዮታት ምልጣፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፣ ምኽንያቱ ሰባት ከምኡ ስለ ዝደልዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ድማ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ርእዮምዎ፤ ኣስታት 3 ሽሕ ርእይቶታትን ከም ዝረኸበሉ ይዛረብ።
ንሱን ካልኦትን ነቲ ካሌኬ ዘላቶ ቪድዮ ድሕሪ ምልጣፎም፡ ካብ ገዛኣ ወጻኢ እናተጓዕዘት ከላ፡ ሓደ ሰብኣይ ብቋንቋ ስዋሂሊ "enda umeze dawa" ኢሉዋ፤ እዚ ማለት ጸረ ኤችኣይቪ መድሃኒት ጸረ-ሬትሮቫይረስ ውሰዲ ከም ማለት እዩ።
" 'Uta kufa wewe' [ክትሞቲ ኢኺ] ኢሉኒ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ነይሩ። ድምጹ ዓው ኣቢሉ ይረዛብ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ሰባት ይጥምቱኒ ነይሮም፡" ትብል።
ከልቪን፡ ነቲ ካሌኬ ዘላቶ ቪድዮ ኣብቲ ዝጠቅዖ ትሕዝቶ ርእይቶ ምስ ሃበት ከም ዝኣለዮን፡ ምስ ሓተተቶ ናይ ካልእ ጓለንስተይቲ ቪድዮ'ውን ከም ዘውረደን ይዛረብ። ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ቪድዮታት ብብዝሒ ክርኣዩ ምስ ጀመሩ፡ "ብኸምዚ መገዲ ንሰባት ምቅላዕ" ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ናይ ካልኦት ክልተ ብዘይ ፍቓደን ዝተቐድሓ ደቀንስትዮ ቪድዮታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ቻነሉ ተዘርጊሐን ኣለዋ።
ከልቪን፡ ዝዀነ ዘማርር ሰብ ስለ ዘይነበረን እተን ቪድዮታት ከምተን ካልኦት ክልተ ኣቓልቦ ስለ ዘይረኸባን፡ ነዚ ምጥፋእ ኣድላዪ'ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ገሊጹ።
ካልኦት ቻነላት ነቶም ቪድዮታት ዳግማይ ኣብ ዝሰቕሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ዳይረክቶሬት መርመራታት ገበናዊ ኬንያ (DCI) ከምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ዳግማይ ምክፋል መሊስካ ነቲ ሰብ ግዳይ ምግባር ምዃኑን ገበናዊ ክሲ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቑ።
ሰብመዚ ጋና፡ ነቲ ቪድዮታት ብምቕራጽ ሓላፍነት ዝወሰደ ሰብ ወዲ 36 ዓመት ቭላድስላቭ ሊውልኮቭ እዩ ብምባል፡ ስእሊ ፓስፖርቱ ዘርጊሑ።
ንሱ፡ ደቀንስትዮ ካብ ፍቓደን ወጻኢ ብምቕዳሕ ምስለን ኣብ ኢንተርነት ብምዝርጋሕ መኽሰብ ረኺቡ'ዩ ብምባል፡ ብመሰረት ሕግታት ድሕነት ሳይበር ክሲ ክቐርበሉ ናብ ጋና ክመልስዎ ከም ዝደልዩን ገሊጾም። እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ዘለወሉ ቦታ ኣይፍለጥን።
ካብቶም ቢቢሲ ዝርኣዮም ገጻት፡ እቲ ሰብኣይ ዘርኢ ቪድዮ ስለ ዘየለ ሊውልኮቭ እቲ ናብ ካሌኬ'ውን ዝተጸግዐ ሰብ ድዩ ኣይኰነን ክፈልጥ ኣይከኣለን።
ሰለስተ ካብ ቅዳሓት እተን ደቀንስትዮ ናብ ናይሮቢ ሳሪት ሰንተርን ቲኣርኤም ሞልን፡ ካልኦት ድማ ከተማ ሞምባሳ ናብ ንያሊ ሞል ኣብ ዝኸዳሉ እዋን ብሕቡእ ከም ዝተስኣላ ብጂኦ-ሎኬሽን ክንርዳእ ክኢልና ኢና።
ኣብ ጋና፡ ኣብ ጥቓ ኣክራ ሞል፡ ገለ ደቀንስትዮ ተጸጊዑ ስኢወሉን።
ኣብ ኵሉ ቪድዮታት ዘሎ ድምጺ ኣዝዩ ዝመሳሰል ኰይኑ ገጹ ኣብ ዘይርኣየሉ እዋን ቅልጽሙ ምናቱ ይረአ እሞ እቲ ሰብኣይ ሰማያዊ ካሲዮ ዝመስል ሰዓት ከም ዝኣሰረ ይርአ።
ኣብ ገለ ቪድዮታት ክልቲአን ኣእዳዉ ካሜራ ከም ዘይሓዘ የርእያ።
ስማ ከይግለጽ ዝሓተተት ኣብ ጋና እትነብር ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ጥሪ ዝዀነ ሰብ ተጸጊዑ ከም ዝሓተታን ክትስዕቦ ዝቐረበላ ዕድመ ከም ዝነጸገቶን ትዛረብ።
እዚ ኣብ ኢንተርነት ከም ዝተዘርግሐ ኣይትፈልጥን'ያ፤ ግን ተመሳለሊ ውልቀሰብ ከም ዝዀነ ትኣምን።
"ነዞም ቪድዮታት ምስ ርኣኹ ግን ሕማቕ ተሰሚዑኒ፤ ነቲ ኣጋጣሚ'ዩ ዘዘክረኒ። ኣነ ሓንቲ ካብአን ክኸውን እኽእል ነይረ፡" ትብል።
ኣብ ሓደ ናይ ሩስያ መርበብ 'ዴቲን' ናይቲ ሩስያዊ ዝመስሉ ኣሳእል ረኺብና፤ እዚ ድማ እቲ ውልቀሰብ ምስቲ ነተን ቪድዮታት ዝቐረጸ ሰብኣይ ኣዝዩ ዝመሳሰል ሰማያዊ ሰዓት ዝመስል ስእሊ ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ሚያዝያ 2025 ዝተለጠፈ ስእሊ'ውን ናቱ ምስሊ ኣሎ። 'ሜታ ሬይ ባን' ዝበሃል ምልክት ዘለዎ ስማርት መነጽርን ቈቢዕን ገይሩ ዝተስኣሎ ስእሊ'ዩ።
እቲ ቦታ ካብ ሞምባሳ ወጻኢ ኣብ እትርከብ ከተማ ምትዋፓ ኣብ ኣፍደገ ሓደ መስጊድ ደው ኢሉ ዝተስኣሎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Photo via Fotostrana.ru
ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ እቶም ቪድዮታት ብቋንቋ ሩስያ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይን ክብርን ዝገልጹ ቃላት ብምጥማር ኣብ ዝተኸፍተ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ቻነል ከም ዝተሰቐሉ ሓቢረን።
በዚ ስም'ዚ መርበብ ሓበሬታ'ውን ኣሎ፤ ሕጂ ኵሎም ተኣልዮም ኣለዉ።
ኣብ ሓደ ኣብ ማህደር ዝተቐመጠ ስሪት ናይቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ዋናኡ ንደቀንስትዮ ከመይ ትቐርበን ዝብል መምርሒ ይሸይጥ፡ ዋጋኡ ድማ 250 ሩብል (ኣስታት ሰለስተ ዶላር) እዩ።
ሊውልኮቭ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ዝተጠቕሰ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ መርበብ ሓበሬታ ከም ዘይውንን፡ ኣብ ኬንያ፡ ጋና ወይ ኩባ ንዝርከባ ደቀንስትዮ ስማርት መነጽር ተጠቒሙ ከም ዘይቀረበን ወይ ድማ ክፍሊት ኣብ ዝረበኽሉ ቻነላት ነዚ ቪድዮታት ከም ዘይጠቅዐ ተዛሪቡ።
ንናይ ሩስያ ሚድያ ዝዀነ ቮት ታክ፡ ኣብ ኬንያን ጋናን ምስ ደቀንስትዮ ከም ዝተራኸበ እኳ እንተኣመነ፡ ብቪድዮ ግን ኣይስኣልኩወንን ኢሉ።
መብዛሕትኡ ኣብ ኦንላይን ኣብ ዝወጽአ ቪድዮታት ዝተዋህበ ርእይቶታት፡ ኣብ ባህርያት ኬንያውያንን ጋናውያንን ደቀንስትዮ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ላግጽን ንደቀንስትዮ ዝጸልእ ጸርፊ ምጥቃምን ዝርኣዮ ኰይኑ፡ ፈጺመን ግዳያት ከም ዘይኰና ይገልጹ።
ካሌኬ ብዛዕባኣ ዝተባህለ ንምምካት ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ መከራ ብግልጺ ትዛረብ ከም ዘላ ትዛረብ።
ንነብሳ ክትሓብእ ከም ዝሓሰበት ብምግላጽ ግን ከኣ "ሓያል እየ። ብሰንኪ ሓደ ሰብ ዝበሎ ነገር ጥራይ ክድረት ኣድላዪ ኣይኰነን፡" ኢላ ከም ዝሓሰበት ትዛረብ።
ሰባት ግን "ንእሽቶ ኣሉታዊ ርእይቶ ክሳብ ክንደይ ከም እትሃስየካ ኣይግንዘቡን እዮም፡" ኢላ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


