ሕቡራት ሃገራት፡ 'ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰባት ከም ኣጣል ይሕረዱ ኣለዉ'

ናይ ጽዕነት መኪና ንብረት ገዛን ሰባትን ጽዒና ብናይ ሓመድ ጽርግያ ትኸይድ። ሰባት'ውን ኣብቲ መንገዲ ብእግሮም እናኸዱ ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, UN

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ሱዳን እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ውግእን ልዑል ምንካይ ባጀትን፡ ንሚልዮናት ሰላማውያን ሰባት ንሓደጋ የቃልዖም ከም ዘሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንቤትምኽሪ ጸጥታ ገሊጾም።

እታ ፍልይቲ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኰይና ዝተመዘዘት ኣኒታ ኪኪ ጌሆ፡ ኣብ ቀዳማይ መግለጺኣ ከም ዝሓበረቶ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ደቡብ ሱዳን (SSPDF)ን ሰራዊት ተቓውሞን (SPLA-IO) ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብምስፍሕፋሑ፡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣብ 2025 ዝሞቱ ሰባትን ዝሰዓበ ጉድኣትን "ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ፡" ኢላ።

"እቲ ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ክሳራ ኣይተፈልጠን"

እዚ መግለጺ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዞባ ጆንግሌይ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጽርግያ ስራሓት ሬሳታት ከም ዝተረኽቡ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን እዩ ተዋሂቡ።

እቲ ኮምሽን ወሲኹ፡ "እቲ ብሰንኪ ሓድሽ ውግእ ዝስዕብ ዘሎ ሓቀኛ ሰብኣዊ ክሳራ፡ ካብቲ ሕጂ ብወግዒ ዝፍለጥ ዘሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ትሕቲ ዋና ጸሓፊ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ዝዀነ ቶም ፍሌቸር ብወገኑ፡ ኣብ ጆንግሌይ ዘካየዶ ዑደት ጠቒሱ ንቤትምኽሪ ጸጥታ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብቲ ኣሰቃቒ ዓመጽ ዝሃደማ ደቀንስትዮ፡ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸለን ሰላማውያን ሰባት ድማ "ከም ኣጣል ይሕረዱ ከም ዝነበሩ"ን ምስክርነተን ከም ዝሃባኦ ሓቢሩ።

ኣብ ኣፋፌት ሓደጋ ዝርከብ ተነቃፊ ሰላም

እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዓመጽ፡ መቐጸልታ ናይቲ ደቡብ ሱዳን ብ2011 ናጽነታ ካብ እትረክብ ጀሚሩ ክርአ ዝጸንሐ ናይ ስልጣን ግጭት እዩ።

እታ ሃገር ኣብ 2013 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ምክትሉን ሪክ ማቻርን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ናብ ደማዊ ኲናት ምእታዋ ይዝከር።

ኣብ 2018 "ዝተመሓየሸ ናይ ሰላም ስምምዕ" ተፈሪሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣፈጻጽማኡ ግን ክተዓናቐፍ ጸኒሑ እዩ።

እቲ "ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንሰራዊት ኣብ ምሕዋስ፡ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምርቃቕን ብሰንኪ ምስሕሓብ መሬትን ራስያ ከብትን ዝለዓል ግጭታት ንምቍጽጻርን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቃልሲ ኣሎ።

ተንተንቲ ከም ዝሕብሩዎ፡ እዚ ሃገር ሕጂ ወዲቓቶ ዘላ "ሓደገኛ ኣፋፍኖት" ውጽኢት እቲ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ እዩ።

ምንካይ ባጀትን ብድሆታት ትግባረን

እዚ ዓመጽ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን፡ ምስቲ ባጀት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተገብረ ምንካይ ይተሓሓዝ እዩ።

ሓዳስ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኰይና ዝተረቝሐት ጌሆ ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ልኡኽ ዘካይዶም ንጥፈታት "ካብ 24 ክሳብ 30 ሚእታዊት ጐዲሉ ኣሎ።"

እዚ ድማ ሰላም ንምንጋስ ንዝግበር ጻዕሪ ብቝጠባዊ መዳዩ ዘይውሑስ ይገብሮ።

"ኣብቲ ቦታ ክግበር ዘድሊ ዘሎ ስፍሓትን ጠለባትን ምስቲ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ዘድሊ ተወፋይነትን ወፍርን ገና ኣይተመጣጠነን፡" ኢላ።

ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ደቡቡ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ደቡቡ ሱዳን

ዓባይ ብሪጣንያ፡ "ውግእ ብህጹጽ ደው ክብል" ጸዊዓ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምክትል ቀዋሚ ወኪል ዓባይ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ኣርቺ ያንግ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ እዩ ፍታሕ ክመጽእ ዝኽእል፡" ክብል ገሊጹ።

"ነዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ዝኸውን እንኮ ፍታሕ፡ ውግእ ብህጹጽ ደው ምባልን ኵሎም መነሓንሕቲ ኣካላት ናብ መዓዲ ዘተ ምምጻእን እዩ፡" ኢሉ።

ኣምባሳደር ያንግ ወሲኹ፡ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ዝፈጥሩዎ ዘለዉ ዕንቅፋት "ዘሕዝን" ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ንኸበጽሕ እቲ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክተሓባበር ጸዊዑ።

ዘንጸላሉ ዘሎ ሰብኣዊ ዕንቅፋት

እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘሰቅቕ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ክልተ-ሲሶ ህዝቢ ወይ 7.5 ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም ኣሎ። ይዅን'ምበር፡ ካብቲ ንረድኤት ዘድሊ 1.46 ቢልዮን ዶላር ዛጊት 22 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ተረኺቡ።

እዚ ጸገም'ዚ፡ ብፍላይ ኣብ ጆንግሌይ ዝኸፍአ ኰይኑ፡ ብሰንኪ ምዕጻው 26 ትካላት ጥዕና፡ 1.35 ሚልዮን ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ስኢኖም ኣለዉ።

እዚ ቅልውላው ኣብ ዘይርግኣሉ ዘሎ እዋን፡ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ዳግማይ ናብ ምሉእ ውግእ ምምላስ ወይ ድማ ናብ ዝተሓላለኸ ናይ ሰላም ጐደና ምምራሕ ኣብ ዘኽእል "ቃራና መንገዲ" ትርከብ።