ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ብሃብቲ ኣዛብኣ ዘይተጠቕመት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብጽኑሕ ባህሊን ኣተሓሳስባን፡ ዝብኢ ክለዓል እንከሎ ምስ ሕማቕ ወይ ክፉእ ነገር ተኣሳሲሩ እዩ ዝግለጽ። ካብቲ ንኣዛብእ ምዅላስ ባህሊ ዝዀነሉ ምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ወጻኢ፡ ኣብቲ ካልእ ከባቢታት፡ ኣብ ዝብኢ ዘሎ ኣረኣእያ ተመሳሳሊ እዩ።
ይዅን እምበር ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሸፊልድን ተመራማሪ ዶ/ር ግደይ ይርጋ ግን ዝተፈለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ።
ኣብ ልዕሊ ኣዛብእ ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ እቶም እንስሳታት ንሓለዋ ከባቢ ሓዊሱ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘለዎም ረኺቡ።
"ኣዛብእ ኣብ ምንካይ ልቀት ካርቦን፡ ዕቃበ ጽሬት ከባቢ ብምዕቃብ ሕማማት ኣብ ምክልኻልን፡ ገንዘብ ኣብ ምቝጣብን ረብሓታት ኣለዎም ኢልካዮ፡ ብዙሕ ሰብ ክኣምን ኣይክእልን እዩ፡" ይብል።
ኣዛብእ ብኸመይ ልቀት ካርቦን የጕድሉ?
ኣብዚ እዋን ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ሓደ ጫፍ፡ ዘስካሕክሕ ደርቂ ኣብቲ ካልእ ጫፍ ውሕጅ እናፈጠረ ንዓለም ድቃስ ከሊኡ ዘሎ ጉዳይ ኰይኑ'ሎ።
ልቀት ካርቦን ካብቶም ንለውጢ ክሊማ ዘጋድዱ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ካርቦን ዳይኦክሳይድን ሚቴንን ምስ ካልኦት ጋዛት 'ግሪን ሃውስ' ተደማሚሮም ክፍነዉ እንከለዉ ልቀት ካርቦን ይበሃል።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣባጊዕ፡ ኣጣል፡ ደርሁ ወይ ካልኦት እንስሳታት ምስ ተሓረዱ፡ ኣዕጽምቶምን ካልእ ተረፍ ኣካላቶምን ፈቐዶኡ ተደብዩ ይርአ እዩ።
እዚ ድማ ብመሰረት መጽናዕትን ሓበሬታን ዶ/ር ግደይ እዚ ተረፍ-መረፍ ኣካላት እንስሳታት ኣብ ዝብስብሰሉ እዋን ከም ሚቴንን ካርቦን ዳይኦክሳይድን ዝኣመሰሉ ጋዛት ይፍኑ።
ኣዛብእ ግን፡ እዚ ተረፍ-መረፍ ኣካላት እንስሳ በስቢሱ ካርቦን ቅድሚ ምፍናዉ፡ ኣብኡ ከይበጽሐ በሊዖም ስለ ዘጽርይዎ በዚ መዳይ ኣብ ምንካይ ልቀት ካርቦን ኣበርክቶ ይገብሩ - ክብል ዶ/ር ግደይ ይምጕት።
"ሃይናስ ቅድሚ ምብስባሱ ቅርሲ እንስሳታት ስለ ዝበልዑ፡ ካርቦን ንኸይወጽእ ይከላኸሉ፡" ይብል።
ዶክተር ግደይ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ይዅን እምበር፡ ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ግን ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል እዩ።
መቐለ ከም ኣብነት ንውሰድ፤ ኣብ መቐለ ጥራይ፡ ኣዛብእን ካልኦት 'ስካንቬጀርስ' ዝበሃሉ እንስሳታትን በብዓመቱ ኣስታት 1063 ሜትሪክ ቶን ልቀት ካርቦን የወግዱ።
እዚ ድማ ዝብኢ ኣብ ምሕላው ከባቢ "ዘይተሓሰበ ተራ" ከም ዝህልዎም እቲ ተመራማሪ ይድምድም።
በቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣብ መቐለ ጥራይ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እንስሳ ይሕረዱ። ክልተ ሲሶ ናይዞም ጥሪት ድማ ፈቐድኡ ይድርበ።
ኣዛብእ ምስ ጐሓፍ ዝገብርዎ ቅልስ
ብሐፈሻኡ ምሕደራ ጐሓፍ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኢትዮጵያ ድኽመት ከም ዘሎ ዘጽንዐ ዶክተር ገደይ፡ እታ መጽናዕቱ ዘካየደላ መቐለ እውን መስርሕ ምሕደራ ጐሓፍ "ድኽመት" ከም ዝተዓዘበ የመልክት።
"ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ 40% ጐሓፍ ጥራይ እዩ ዝእከብ፡" ይብል። ስለዚ'ዩ ድማ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኵምራ ጐሓፍ ፈቐድኡ ዝርአ።
በዚ መንጽር'ዚ እንክርአ ድማ ኣዛብእ ጐሓፍ ብምብላዕ፡ ጽሬት ከተማታት ኣብ ምሕላው ተራ ኣለዎም። እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ዓመት 4,455 ሜትሪክ ቶን ኦርጋኒክ ጐሓፍ ከም ዘወግዱ ይሕብር።
ኣዛብእ ባህሪያዊ ኣከብቲ ጐሓፍ ክንብሎም ንኽእል ኢና፡ ክብል ዘስፈረ እቲ መጽናዕቲ፣ መቐለ ከም ኣብነት ጐሓፍ ንምእካብ ወይ ንምጕሓፍ ኣብ ዓመት ዘድሊ 89,000 ዶላር ምቝጣብ ይከኣል እዩ፡ ክብል ኣመልኪቱ።
በዚ መዳይ ድማ ኣዛብእ ነቲ ክእከብን ክጓዓዝን ዘለዎ ጐሓፍ ይንክዩ። ስለዚ ድማ'ዮም ባህሪያዊ ሓለውቲ ጽሬት ከተማ ተባሂሎም ዝጽውዑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዛብእ ኣብ ምክልኻል ሕማም
ተረፍ-መረፍ ኣካላት እንስሳታት ፈቐዶኡ ክድርበን ክብስብስን እንከሎ፡ ሃመማ፡ ኣናጹን ካልኦት ሕማማት ዘመሓላልፉ ጽንጽያታትን ታህዋስያንን ይስሕብ እዩ።
ውህሉል ጐሓፍ መፋረዪ ጐዳእቲ ባክተርያ እዩ፤ እዚ ድማ ንሰባት፡ ኣትክልትን ኣከባቢን ከም ዝሃሲ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ዶክተር ግደይ፡ "እምበኣር ኣዛብእ፡ እቲ እኵብ ጐሓፋት ኣብቲ ኵሉ ከይበጽሐ በሊዖም ብምጽራይን፡ ክመጽእን ክመሓላለፍን ካብ ዝኽእል ሕማማት ከም ዝከላኸሉ" ይገልጽ።
"ብዙሓት ነበርቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብቲ ኣዛብእ ዝንቀሳቐሱሉን ዝምገቡሉ ከባቢታት፡ ጐሓፍ ክሳብ ዝብስብስ ኣይጸንሕን፣ ጽንጽያታት ድማ ውሑዳት እዮም" ይብል።
ስለዚ ኣዛብእ፡ ነቲ ካብ ፈቐዶ ከባቢታት ህዝባዊ ቦታታትን ጐሓፍ ብምእላይ፡ ካብቲ ኣብ ሰባት ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋ ሕማም ይቕንሱ። በዚ መሰረት፡ ጽሬት ከባቢ ምሕላው ድሕነት ሰባት ንምሕላው ይሕግዙ እዮም ዝብል መደምደምታ ይወስድ።
ረብሓኡ ዘይተፈልጠሉ እንስሳ
ተመራማሪ ዶ/ር ግደይ፡ ኣዛብእ ከም "ሓደገኛታትን ዘይኣድለይትን" እንስሳታት ከም ዝቝጸሩ ብምምልካት፡ "መጽናዕትና ግን ዝተፈለየ ገጽ ኣዛብእ ከምዘ ዘሎ እዩ ዘርኢ፡" ይብል።
እዞም እንስሳታት ብኣሽሓት ዝግመት ቶናት ጐሓፍ የወግዱ፤ ካብ ምንካይ ልቀት ካርቦን ብተወሳኺ ጽሬት ይሕልዉ።
"ብዙሓት ሰባት ነዚ ከም ዝርድእዎ መጽናዕትና ይሕብር፤ እቲ መጽናዕቲ 72% ነበርቲ ኣዛብእ ጠቐምቲ እዮም ኢሎም ከም ዝኣምኑ ረኺቡ እዩ፡" ይብል ዶክተር ግደይ።
ስለዚ፡ ኣዛብእ ከም ጸገም ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝርኣዩ፡ ከም ኣካል ናይቲ ሰባት፡ እንስሳታት፡ ኣትክልትን ካልኦት ህይወታውያንን ብሓባር ዝነብሩሉ ከተማዊ ስርዓተ-ህይወት (urban ecosystem) ብምቕባል "ዋጋኦም ምርኣይ" የድሊ።
ኢትዮጵያ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ብሃብቲ ኣዛብኣ ዘይተጠቕመት?
ተመራማሪ ዶ/ር ግደይ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተራኦም ብግቡእ ኣይተፈልጠን ጸኒሑ፤ እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ትሑት ኣጠቓቕማ ናይዞም እንስሳ ዘገዳም ዝዀነ ምኽንያት እዩ፡ ኢሉ።
ፖሊሲታት ውጥን ምዕባለ ከተማን ምሕደራ ጎሓፍን ብመሰረቱ ኣብ ሰባትን ቴክኖሎጅን ዘተኰረ ጥራይ ምዃኑ እውን ከም ሓደ ምኽንያት ይሕብር።
እዚ ስለዝዀነ፡ እንስሳ ዘገዳም ዝህብዎ ኣገልግሎት ድማ ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይተዋህቦን ጸኒሑ።
ከተማታት ክውጠኑ እንከለዉ፡ "ሰባትን እንስሳ ዘገዳምን ብሰላም ክነብሩሉ ዝኽእሉ መንገድታት ከተኵሩ፡" ከም ዘለዎም ዶ/ር ግደይ ይመክር።
ዝብኢን ክሊማዊ ለውጢን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እንስሳ ዘገዳም ኣብ ዕቃበ ስነህይወታዊ ብዙሕነት ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ይፈልጡ ጸኒሖም እዮም።
እንተዀነ ኣብ መንጎ እቶም ናብ ከተማ ዝኣትዉ እንስሳታትን ልቀት ካርቦንን ዘሎ ምትእስሳር ግን ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተዳህሰሰ ዶክተር ገደይ ይዛረብ።
"ከም ብዓል ዝብኢ ዝኣመሰሉ እንስሳታት፡ ዝተኣከበ ጐሓፍ ብምብላዕ ልቀት ጋዝ ኣብ ምቕናስ ዘለዎም ተራ ብንጹር ዘርኢ፡ እዚ ናይና ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ እዩ፡" ይብል።
ስነህይወታዊ ብዙሕነት ብኸመይ ንለውጢ ክሊማ ንምምካት ክውዕል ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።
እዚ ኰይኑ ግን፡ ተሓዳሲ ጸዓት - ከም ጸሓያዊ ጸዓት - ዝኣመስሉ ምንጪታት ብምጥቃም ግን ብርግጽ ልቀት ካርቦን ኢንዱስትሪ ብምንካይ ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ዝከሓድ ከም ዘይኰነ ኣስሚሩሉ።
እዞም ስጕምትታት ኣብ ምክልኻል ለውጢ ክሊማ ልዑል ተራ ዝጻወቱ እዮም።
"መጽናዕትና ግን፡ ተፈጥሮ ኣብ ምክልኻል ለውጢ ክሊማ'ውን ተራ ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ" ይብል።
ስነህይወታዊ ብዙሕነት ምዕቃብን ምቕጻልን፡ ሕብረተሰባት ንጸቕጢ ለውጢ ክሊማ ክጻወሩ ሓጋዚ እዩ። ስነ-ፍልጠተኛታት ድማ ኣብ ተፈጥሮ ዝተመርኰሰ መፍትሒታት የተባብዑን ኣፍልጦ ይህቡን።
መጽናዕቲ ዶ/ር ግደይ ኣዛብእ ከመይ ገይሮም ብዘይተጸበናዮ መንገዲ ኣካል መፍትሒ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዘመልክት እዩ።
እዚ ኣዛበ ዝህብዎ ኣገልግሎት እውን ወጻኢታት ዘድሕን እውን እዩ።
ኣብ ኣዛብእ ምጽናዕ ምክያድ
"ብዙሕ ግዜ ኣብ ከባቢቲ ዩኒቨርሲቲ ብለይቲ ኣዛብእ ይርኢ ነይረ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ጥቓ ከተማታት ከምዚ ዝበለ ጭፍራ ዓበይቲ እንስሳታት ስለ ዘይርአ ብዛዕባኦም ክፈልጥ ሃንቀውታ ነይሩኒ፡" ክብል ይዝክር።
ኣብ ከም ብዓል መቐለን ሃረርን ዝኣመሰላ ከተማታት፡ ኣዛብእ ኣብ ጥቓ ደቂ ሰባት ምንባር ተላሚዶም እዮም።
ነዚ "ፍሉይ ዝምድና" ብምዕዛቡ፡ ብሓባር ምንባር ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ከም ዝደሊ ከኣ ድርኺት ፈጢሩሉ።
"እዚ ፍሉይ ዝምድና'ዚ፡ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድእዎ ረብሓታት ዝብኢ ክህሉ ይኽእል'ዩ ኢለ ክሓስብ ገይሩኒ፡" ይብል።
እዞም እንስሳታት ኣብታ ከተማ ምንባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ "ነታ ከተማ'ውን ይሕግዙ" ከም ዝነበሩ እውን ኣስተብሂሉ።
እዚ ተገንዝቦ'ዚ፡ ንኣዛብእ ዝያዳ ንኸጽንዑን ሰባት ተራ እንስሳ ዘገዳም ንኽርድኡን ከም ዘነቓቕሖ ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


