ህወሓት፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስ ወሲኑ

ህወሓት፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክፈርስን፡ በቲ ቅድመ-ኲናት ትግራይ ብህዝቢ 'ዝተመርፀ' ዝበሎ ምምሕዳር ክትካእን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ኣብዚ ቕነ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣመልኪቱ፡ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውፀኦ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ ነዚ ውሳነኡ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለፂ፡ "ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ህወሓት፡ ካብ 7 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያን ህልዊ ኵነታትን ብዕምቈትን ስፍሓትን ብምዝታይ፡ ምእንተ ሰላም ተባሂሉ ተወንዚፉ ዝፀንሐ መግለፂ ልዑላዊ ስልጣንን፡ ወሳንነት ህዝብናን ዝዀነ፡ 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ዝመረፆ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስርሑ ክምለስ ወሲኑ ኣሎ" ይብል።
እቲ ኣብ መስከረም 2013 ዓ.ም ዝተኻየደ ክልላዊ መረፃ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ መንግሰቲ ኢትዯጵያ ሃገራዊ መረፃ ክናዋሕ ንዘመሓላለፎ ውሳነ ብምንፃግ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ 'ዘይሕጋውን ዘይፀንዕን' ኢሉዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እዚ ፍፃመ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልል ትግራይን ማእካላይ መንግስትን ዝነበረ ምትፍናን ናብቲ ደማዊ ኲናት ከምርሕ ጠንቂ ካብ ዝዀኑ ምኽንያታት እቲ ቀንዲ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።
ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ምቍራፅ ተፃብኦታት- ውዕል ፕሪቶርያ፡ ነቲ ህይወት ኣማኢት ኣሸሓት ዝበልዐ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ኰይኑ፡ ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክቐውምን ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ክመፅእን ደሪኹ ነይሩ።
ንሰለስተ ዓመታት ዝመርሖ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዕጡቓት ካብ ስልጣኑ ምስተኣለየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት ብምክትሉ ዝነበረ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምትክኡ ይዝከር።
መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሽመት ፕረዚደንትነት ጀነራል ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ዘናውሐ ዀይኑ፡ ህወሓት ካብቲ ከይዲ ከም ዝተገለለን ከም ዘይቅበሎን ምግላፁ ዝዝከር እዩ።
እቲ ውድብ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድመ ስልጣኑ ምንውሑ፡ "ካብ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህወሓት ወጻኢ ዝተገብረ በይናዊ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል እዩ፡" ክብል እዩ ነጺጉዎ።
እቲ ጉዳይ ናበይ ከምርሕ ይኸውን ብዝብል ስግኣት ፈጢሩ ዝቐነየ ዀይኑ፤ ጀነራል ታደሰ ወረደ ህወሓት 'ስልጣን ከይቅበል' ኣጠንቂቘምዎ ምንባሮም፣ በዚ ከምዘይስማመዕን ክሳብ መወዳእታ ከምዝቃለሶምን ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ እዩ፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡በቲ ኣብ 2013 ዓ.ም ዝተኻየደ ክልላዊ መረፃ ዝቘመ ምምሕዳር ናብ ቦታኡ ክምለስ ወሲኑ ዘሎ።
ህወሓት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሓዊሱ ባጀት ብምኽልካልን፡ ተጀሚሮም ዝነበሩ ኣገልገሎታት ብምቍራፅን፡"ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዳግመ-ዕፅዋን ክባን ብምንባርን፡ ሰራዊቱ ናብ ወሰና ወሰን ትግራይ ብምፅጋዕን፡ ዳግማይ ኲናት ንምኽፋት ኣብ ምህንዳድ ይርከብ" ክብል ይኸስስ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕጋዊ ሰብነቱ ካብ ዝስእን ጀሚሩ፡ ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ምትፍናን ዝሰፈነ ዀይኑ፤ ኣብ ከባብታት ፀለምትን መዋሰንቲ ዓፋርን ናብ ውሱን ወተሃደራዊ ግጭት ኣምሪሖም ምንባሮም ይዝከር።
እቲ ግጭት ከይሰፍሐ እንተ ተገትአ'ኳ፡ እቲ ወጥሪ ኣይዘለቐን፤ ክልቲኦም ወገናት ድማ ነንሕድሕዶም ነቲ ውዕል ብምጥሓስ ክካሰሱ ይስምዑ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሐትት፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ክልላዊ ባጀት መንግስቲ፡ ካብ ኣፍ ህዝቢ መንጢሎም፡ ንዕጥቅን ምድላው ኲናትን የውዕልዎ ኣለዉ ብምባል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተተፋኒነን ዝርከባ ዀይነን፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኹ ክወግኣና ይዳሎ ኣሎ" ኢሉ ይኸስስ።
ኣብ መንጐ ገለ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ዕላዊ ዘይኰኑ ርክባት ከምዘለዉ ፀብፃባት ዝሕብሩ ዀይኖም፡ ነቲ ህዝቢ ዘካትዕ ዘሎ ርክብ፡ ብወገን ህወሓት 'ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ' ብዝብል እዮም ዝገልፅዎ።
ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለፂ ህወሓት'ውን፡ 'ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን ዓድታትን ዝተጀመሩ ርክባት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ' ከምዝወሰነ ይገልፅ።

ምንጪ ስእሊ, Office of the Prime Minister
ካብ ጌታቸው ረዳ ክሳብ ታደሰ ወረደ
እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ፡ ነቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ዝተኣልየሉ ኵነታት ዘዘኻኽር እዩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ዝተኣለየሉ መገዲ፡ "ብዕጡቓት ሓይልታት ዝተደገፈን ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝጠሓሰን ኢ-ደሞክራስያዊ ስጕምቲ፡" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ፡ እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ምሉእ ቍጽጽር ንምግባር ካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዝነቐለ ምዃኑ ይንገር።
ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ኣንፈት እናተራእየ ኰይኑ፡ እቲ ብመንግስቲ ፈደራል ሽመቱ ዝተናወሓሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ተመሳሳሊ ጸቕጥታት ይበጽሖ ኣሎ።
ጀነራል ታደሰ፡ መራሕቲ እቲ ውድብ ነቲ ዝተዋህቦ ሽመት "ከይትቕበል" ኢሎም ትእዛዝ ከም ዝሃቡዎ ብምግላጽ፡ "ዘሊልካን ፈኪርካን ዝኸውን ነገር የሎን፡" ብምባል ነቲ ጻውዒት ነጺግዎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EBC









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


