ዓበይቲ መራሕቲ ትግራይ ብሕልፈት ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, TPLF
ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ኣቦ ወንበር ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅርን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ - ህወሓት- ኰይኑ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝሰርሐ ኣይተ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ብ10 ሚያዝያ 2018 (ግእዝ) ኣብ 70 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።
ኣይተ ተኽለብርሃን፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ሻሎም ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ዓበይቲ መራሕቲ ትግራይ ብሕልፈት ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።
ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ "ብዕረፍቲ. . . ነባር ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ ዝተሰመዐና መሪር ሓዘን እናገለፅና ንመቓልስቱ፡ ስድርኡን መቕርቡን ምፅንዕናዕ ንምነ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እውን ዝተሰምዖ ሓዝን ኣብ ፌስቡክ ኣስፊሩ'ሎ።
"ሕልፈተ ህይወት ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ኣርኣያ እንትሰምዕ መሪር ሓዘን እናተሰመዐኒ እዩ፡" ኢሉ።
"ተኽለብርሃን ጀግና ተቓላሳይን መቃላሳይን ዕድመ ልክዑ ህይወቱ ንህዝቢ ዘወፈየ፡" ክብል ዝነኣደ እቲ ፕረዚደንት፡ "ኣብ ዝተዋፈረሉ ቃልሲ ብፅንዓትን ብሕራነን ዝተጋደለ ንዝኣመነሉ ዕላማ ክሳብ መወዳእታ ዝተቓለሰን ጅግና ተጋዳላይ ነይሩ፡" ኢሉ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ "ልዕሊ ህልውና ትግራይ ዝዀነ ዛዕባ ከም ዘየለ ዕድመ ልክዑ ዝተሟገተ፡ ኣብነት መትከላዊነትን ፅንዓትን'ዩ። ትግራይ ናይ ብሓቂ ሓደ ዓብይ ሰብ ስኢና። ብሰላም ዕረፍ ብፃይ!" ክብል ናእዳኡን ሓዘኑን ኣብ ኤክስ ገሊጹ።
ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት'ዉን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝዝርግሑዎም ጽሑፋት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።
ኣይተ ተለኽብርሃን፡ ሓደ ካብ ተጋደልቲ ህወሓት ኰይኑ፡ ብ2024 ኣብ ውሽጢ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ከቢድ ምክፍፋል ተፈጢሩ ምህላዉ ብምምልኻት፡ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝተኻየደ ጉባኤ እቲ ሰልፊ ካብ መንጐ ዝተቓወሙ ውልቀሰባት ሓደ እዩ።
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ቦርድ መረጻ ከይመዝገቦ እንከሎ ጉባኤ ምክያዱ ኣካታዒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን'ዩ ኣይተ ተኽለብርሃን ኣቦ መንበር ማእከላይ ኮሚሽን ቍጽጽር ህወሓት ዝነበረ።
ንሱ ዝመርሖ ኮሚሽን ቍጽጽር ኣብ ምክያድ እቲ ጉባኤ ዝዀነ ተቓውሞ ከም ዘይብሉ ብምርግጋጽ "ግልጽነትን ዲሞክራሲያውነትን ኣብ ዘይብሉ ኵነታት እንተተኻይዱ ግን ሳዕቤን ክህልዎ እዩ፡" ብምባል ተቓውምኡ ገሊጹ ነይሩ።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተ ተኽለብርሃን ሎሚ ሰንበት 11 ሚያዝያ 2018 ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ትግራይ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን እንዳገብርኤል መቐለ ክፍጸም እዩ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


