ታሪኽ፡ ኣመሪካ እቲ ሕጂ ዘለዋ ቅርጺ ንምሓዝ ዝጠቕለለተን ግዝኣታት

ባንዴራ ኣመሪካ ዝተሰለመ ካርታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣዒንቱ ኣብ ኸፊላዊት ግዝኣት ዴንማርክ ዝዀነት ደሴት ኣርቲክ ግሪንላንድ ምስ ኣዕረፈ፡ ተመራመርቲ፡ ኣመሪካ ዝነበራ መሬት ናይ ምግዛእ ታሪክ ከጽንዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ታሪኽ፡ "ዋሽንግተን ግሪንላንድ፡ ኣብ ኢድ ሓያላት ከይወደቐት እንከላ፡ ነዞም ግዝኣታት ምቁጽጻር ኣድላዩ'ዩ ትብል፡" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ ተመራማሪ ታሪኽ ዝዀነ ጄይ ሳክስተን።

ትራምፕ፡ ንድሕነት ክብል ኣመሪካ ግሪንላንድ "ክትውንና" ከም ዘለዋ ይምጕት። ኣብ ሓደ እዋን'ዉን፡ ብሓይሊ'ዉን እንተዀነ ግሪንላንድ ክውንና ይዳሎ ከም ዘሎ ዝተዛረበ ትራምፕ፡ ሕጂ "ህጹጽ ልዝብ"ን "ሓይልን ኣይጥቀምን፡" ይብል ኣሎ።

እዘን ዝስዕባ፡ ኣብ ዝሓለፈ 200 ዓመታት፡ ኣመሪካ ዶባታ ንምስፋሕ ዝዓደገተን ገዘፍቲ ግዝኣታት እየን።

ዕድጊት ሊዊዚያና (1803)

ካርታ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ1803 ግዝኣት ሊዊዚያና ኣገዳሲት ምዕራፍ ሓዳሽ ኣመሪካ ኰይና

ፕረዚደንት ቶማስ ጄፈርሰን፡ ብ1803 ግዝኣት ሊዊዚያናን ካብ ፈረንሳ ንምዕዳግ ብምውሳኑ፡ ክልተ ሚሊዮን ትርብዒት ኪሎ ሜትር መሬት ንምርካብ ወሳኒ ምዕራፍ ኰይኑ።

ዕድጊት ሊዊዚያና፡ ንሓዳሽ ሃገር ኣመሪካ፡ ብደረጃ ዓለም ሓያል ሃገር ንክትኸዉን ንዝገበረቶ ስግግር ወሳኒ እጃም ኣለዎ።

ግዝኣት ሊዊዚያና፡ ንፈረንሳይ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝዓበየት ትሕዝቶኣ ነይራ።

እንተዀነ፡ ኣብ ትሕቲ ፈረንሳ ኣብ ዝነበረት ናይ ሕጂ ሄይቲ - ሴንት ዶሚኒግ ብዝብል ሽም ትፍለጥ ዝነበረት - ዝተላዕለ ተደጋጋሚ ዓመጽ ጊላታት ምስ ስግኣት ሰራዊት ኣመሪካ ተደሚሩ፡ መራሒ ፈረንሳ ናፖሊዮን ቦናፖርት እታ ግዝኣት ንኣመሪካ ክሸጣ ደሪኹዎ እዩ።

ሊዊዚያና ኣብቲ እዋን ዝሰፍሐት ግዝኣት እያ ነይራ፤ ሕጂ 15 ግዝኣታት ኣመሪካ ካብዛ ግዝኣት እየን ተሸንሺነን ወጺአን፤ ብምልእታ ግን ካብ ሩባ ሚሲሲፒ ክሳብ ኣኽራናት ሮኪ ትዝርጋሕ ነይራ።

እዚ መሬት ምርካብ፡ መጻኢ ሃገርነት ኣመሪካ ቶማስ ጄፈርሰን ንዝሓዞ ውጥን ምስፍሕፋሕ ዓብዪ መደብ'ዩ ነይሩ።

መንግስታት ኣመሪካን ፈረንሳን፡ ብሕዳር 1803፡ ኣመሪካ ሊዊዝያና ንምዕዳግ 15 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል ተሰማሚዖም።

ብናይ ሕጂ ዋጋ ገንዘብ፡ 400 ሚልዮን ዶላር ይበጽሕ ማለት'ዩ።

ጸረ ፖሊሲ ምስፍሕፋሕ ዘርኢ ስእሊ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኲናትን ዕድጊት መሬትን ከብዲ መንግስቲ ኣመሪካ ክሰፍሕ ገይሩ'ዩ

ዝውውር ሞክሲኮ (1848)

ብ1840፡ መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ኣመሪካ፡ ብገምገም ፓስፊክ ናብ ምብራቕ ምስፋሕ፡ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህበኒ ዕጫ እዩ ኢሉ ይኣምን ነይሩ። እዚ ድማ፡ ንሜክሲኮ ዋጋ ኣኽፊሉዋ።

ጄምስ ኬ ፖልክ፡ ሓደ ካብ ደገፍቲ ምንቅስቓስ ምስፋሕ ዶብ ኣመሪካ እዩ።

ኣብ 1845፡ በዓለ ሹመቱ ምስ ጸበንለ፡ ብ1836 ነጻነታ ዝረኸበት ቴክሳስ ንምቁጽጻር ዝነበረ ግርጭ ወሪሱ ኣሎ።

ዋሽንግተን፡ ብ1845፡ ንቴክሳስ ብምግንጻል ኣካል እታ ሃገር ገበረታ፤ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ኣመሪካን ሜክሲኮን ጎንጺ ምስ ተላዕለ፡ ኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ ኲናት ኣዊጁ። ይኹን'ምበር፡ መንቀሊ እቲ ኲናት ካብዚ ዝዓበየ እዩ።

ክኢላ ታሪክ ጄይ ሳክስተን፡ "ኣመሪካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ናይ ሜክሲኮ ዝነበረት ካሊፎርኒያ ዓይና ኣዕሪፋ ነይራ እያ፤ ምስ ኤዥያ ንዝግበር ልውውጥ ንግዲ፡ ዓሞቕቲ ማያት ዘለዎም ወደባት ኣለውዋ። ኣብ ኣመሪካ ድማ፡ ብቁጠባ ካብ መንጎ ዝተነቓቕሓ ከባቢታት ሓንቲ'ያ ነይራ፡" ይብል።

እንተዀነ፡ ዝዀነ መንግስቲ ሜክሲኮ፡ ካሊፎርኒያ ንምሻጥ ተሰማሚዑ፡ ኣብ ስልጣን ክቕጽል'የ ኢሉ ክሓስብ ኣይኽእልን ይብል።

ኲናት ኣመሪካን ሜክሲኮን ዘርኢ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ1848 ንሜክሲኮ ብምስዓር ዝተረኽበ ዓወት፡ ኣመሪካ ደቡባዊ ክፋል ጎረቤታ ደፊኣ ግዝኣታ ከተስፍሕ ገይሩዋ

ኣመሪካውያን ኣብቲ ኲናት ምስ ተዓወቱ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 1848 "ጓዳሉፕ ሂዳልጎ" ዝተባህለ ውዕል ፈሪመን።

ዋሽንግተን ኣብ መወዳእታ 15 ሚልዮን ዶላር ማለት ብናይ ሎሚ 615 ሚልዮን ዶላር ከፊላ ወሲዳታ።

እዛ መሬት እዚኣ ነተን ናይ ሕጂ ካሊፎርንያ: ኔቫዳን ዩታን ከምኡውን ንገለ ክፋል ኣሪዞና: ኮሎራዶ: ኒው ሜክሲኮ: ከምኡውን ዋዮሚንግ ዘጠቓለለት እያ ነይራ።

ጸሓፊ ታሪኽ ሳክስቶን ግን፡ ሜክሲኮ ኣብቲ ኲናት እንተዘይትስዓር ነይራ ነታ ግዝኣት ንምሻጥ ኣይምተሰማምዐትን ይብል።

"ናይ ኣስገዳድ መሸጣ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

ብሓፈሻ ሜክሲኮ ፍርቂ ናይቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበራ መሬት ስኢና፤ ኣመሪካ 1.360 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎ ሜተር ወሲኻ።

መሸጣ ላ መሲላ (1853)

ኲናት ሜክሲኮን ኣመሪካን ብ1848 እኳ እንተ ተዛዘመ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ውጥረት ግን ቀጺሉ።

ክልቲኦም መንግስታት ብ1854 ብዝተፈረመ ውዕል፡ ኣብ ደቡባዊ ሜክሲኮ ዝርከብ ንእሽቶ መሬት ወይ ወሽመጥ ንምሻጥ ተሰማምዑ።

ብሜክሲካውያን 'ቬንታ ደል ላ ሜሲላ' ተባሂሉ ዝፍለጥ መሸጣ፡ ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ስግር ዶብ መስመር ባቡር ንምህናጽ ዝሓንጸጸቶ መደብ ኰይኑ፡ ብኸፊል መንግስቲ ሜክሲኮ ኣብ ቁጠባዊ ጸገማት ብምእታው ዝስዓበ'ዩ።

ኣመሪካ 10 ሚልዮን ዶላር ከፊላ፤ እዚ ድማ ማዕረ 421 ሚልዮን ዶላር'ዩ፤ ነዚ ከፊልካ ድማ ሎሚ፡ 76,900 ትርብዒት ኪሎ ሜተር መሬት የግዝእ። እዚ መሬት እዚ ሕጂ ደቡባዊ ዶብ ኣመሪካ ኰይኑ ይርከብ።

ስምምዕ መሸጣ ኣላስካ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ብ1867 ንኣላስካ ብምዕዳጋ ነቐፌታ ገጢሙዋ እዩ

ዕድጊት ኣላስካ (1867)

ብ1867 ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዊልያም ስወርድ፡ ንግዝኣት ኣርቲክ ዝዀነት ኣላስካ ካብ ሩስያ ንምዕዳግ ዝሓዞ ቆራጽነት ብዙሓት ሰባት ኣይተረድኦምን።

እቲ ጸሓፊ፡ እቲ ግዝኣት ዓቢ ስትራተጂካዊ ዋጋ ከም ዘለዎ ይኣምን ነበረ። እንግሊዛውያን ናብ ሰሜን ኣመሪካ ከየስፍሑ ኣብ ምኽልካልን ኣመሪካ ዓብዪ ጸጋ ምህርቲ ዓሳ ክትረክብን ክሕግዝ እዩ ዝብል እዩ ነይሩ።

ሩስያ፡ ነቲ ንምሕደራኡ ክቡር ዝዀነ ግዝኣታ ልዑል ወጻኢ ተባኽን ከም ዘላ ትኣምን'ኳ እንተነበረት፡ ብቐንዲ መነሓንሕታ ዝዀነት ዓባይ ብሪጣንያ ንእትፍንዎ መጥቃዕቲ ተቓላዓይ ቦታ ከም ዝዀነ ግን ትግንዘብ ነይራ።

ስወርድ፡ ነቲ 1,554,000 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ካብ ሩስያ ብ7.2 ሚልዮን ዶላር ክገዝኦ ተሰማሚዑ፤ ብናይ ሎሚ ዋጋ 158 ሚልዮን ዶላር እዩ። ህዝቢ ኣመሪካ ግን ነቲ ስምምዕ ኢዱ ኣጣቒዑ ኣይተቐበሎን።

እቲ ስምምዕ ብተቓወምቱ "ዕሽነት ስወርድ" ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ።

እቲ ኣካታዒ ውዕል፡ ብህዝቢ ኣመሪካ ዘይተሓተተ መሬት ምዕዳግ ምዃኑ ብሰፊሑ ይእመን ነይሩ።

ነቲ ውዕል ተቓውሞ እኳ እንተነበረ፡ ኮንግረስ ግን ነቲ ዕድጊ ኣጽዲቑዎ፡ ኣላስካ ድማ ኣካል ኣመሪካ ኰነት። ክሳብ 1959 ግዝኣት ኣመሪካ ኣይነበረትን።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኣላስካ ወርቅን ዓቢ ዕቑር ነዳድን ምስ ተረኽበ፡ እቲ ግዝኣት ድማ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ወተሃደራዊ ረብሓ ምስ ኣረጋገጸ፡ መዋእለ ንዋይ ስወርድ ፍረ ኣፍርዩ።

ዕድጊት ደሴታት ቨርጂንያ (1917)

ኣመሪካ፡ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ዴንማርክ እያ ግዝኣት ዓዲጋ።

ኣብቲ እዋን፡ ዴኒሽ ዌስት ኢንዲስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ከባቢ፡ ኣብ ካሪብያን ዝርከባ ደሴታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ካብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣትሒዛ ኣብዚ ከባቢ እዚ ጥሙሕ ነይርዋ።

ዊልያም ስወርድ፡ ነዚ ከባቢ እዚ'ዉን ኣካል ሰላማዊ ውጥናት ምስፍሕፋሕ ገይሩ እዩ ዝርእዮ ነይሩ።

ብፍላይ እታ ሓንቲ ካብተን ሕጂ ደሴታት ቨርጂን ኣመሪካ ተባሂለን ዝፍለጣ ሰለስተ ቀንዲ ደሴታት ዝዀነት ወደብ ሴንት ቶማስ፡ ኣብ ዓይኒ ኣመሪካ ኣትያ ነይራ።

ሓደ ምኽንያት ድማ እቲ ወደብ ንካሪብያን ንምቁጽጻር ቁልፊ ማእከል ክኸውን እዩ ዝብል እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዴንማርክ ኣብተን ደሴታት ዝነበራ ተገዳስነት ይጐድል ነይሩ።

ኣብታ ደሴት ዓቢ ሕርሻ ሽኮር ብምምስራት ካብ ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን ነጋዶ ዝተሸጡ ባሮት ክሰርሑ ትገብር ነይራ።

ባንዴራ ግሪንላንድ ዝሓዙ ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Sean Gallup/Getty

መግለጺ ስእሊ, ዜጋታት ግሪንላንድ፡ ኣመሪካ ግዝኣት ንምስፋሕን ካልእ መሸጣ ክፍጸም ከም ዘይደልዩ ይገልጹ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋጋ ሽኮር ኣብ ዕዳጋ ዓለም ክወርድ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ናይ ሕርሻ መሬት ምምሕዳር ንምቕጻል ዝነበራ ድልየት'ዉን ነክዩ።

ብ1867፡ ክልቲአን ሃገራት ነተን ክልተ ደሴታት ብ7.5 ሚልዮን ዶላር ንምሻጥ ኣብ መባእታዊ ስምምዕ በጺሐን፤ እዚ ድማ ምስ ናይ ሎሚ ዋጋ ዶላር፡ 164 ሚልዮን ዶላር ዝመጣጠን እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ ኮንግረስ ኣመሪካ ስለ ዘየጽደቘ፡ ፈሺሉ።

ምጅማር ቀዳማይ ኲናት ዓለምን ስግኣት መጥቃዕቲ ሳብማሪናት ጀርመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኣመሪካን ግን፡ ተገዳስነት ዋሽንግተን ዳግም ክበራበር ገይሩ።

ጀርመን ንዴንማርክ ወሪራ ነተን ደሴታት ክትቈጻጸር እያ ዝብል ስግኣት ከምኡ'ውን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ሴንት ቶማስ፡ ዋሽንግተን ነዘን ግዝኣታት ክትጥቕልለን ደሪኽዋ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፕረዚደንት ዉድሮው ዊልሰን፡ ዴንማርክ ነተን ደሴታት ንኣመሪካ እንተዘይሸይጣተን፡ ኣመሪካ ነተን ደሴታት ቅድሚ ብኻልእ ሃገር ምውሳደን ክትቈጻጸረን ምዃና ኣጠንቂቑ።

ኣብ ዓለምለኻዊ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ዴኒሽ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ዝዀነት ኣስትሪድ ኣንደርሰን፡ ኣብ መንጎ እተን ደሴታትን ሕጂ ኣብ ልዕሊ ግሪንላድ ዝንጸባረቕ ዘሎ ኵነታትን ምምስሳል ዘለዎ ምዃኑ ተረድእ።

"እዚ ሕጂ ብዛዕባ ግሪንላንድ ንሰምዖ ዘለና ኣዝዩ ተመሳሳሊ'ዩ። ምኽንያቱ ኣመሪካ 'ሽጡለይ ወይ ክንወስዶ ኢና' እያ ትብል ዘላ፡" ትብል።

ብ1917 ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ በጺሐን፤ ደሴታት ካሪብያን ብ25 ሚልዮን ማለት ብናይ ሕጂ ዋጋ ኣስታት 630 ሚልዮን ዶላር ክሽየጣ ተሰማሚዐን።

ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ፡ ዴንማርክ ኣብ ግሪንላንድ ፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታታ ከተስፍሕ እንከላ ኣመሪካ ከይትቃወም ተሰማሚዐን።