'ጋሽ' ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣካታዒ ደራስን ጋዜጠኛን

ደራሲ ሰብሓት ገ/ሄር

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ደራሲ ሰብሓት ገ/ሄር
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣቶ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ብዘመኖም ምርኡይ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ምንባሮም ኣየካትዕን። ግናኸ ንዘመኖም ቀዲሞም፡ ንባህሊ ጐቢኦምን ናይ ውሽጦም ኣግሂዶም ከም ድላዮም ይጽሕፉ ስለ ዝነበሩ ተጠማቲ - እኳ ድኣ ብጎቦ-ዓይኒ - ገይሩዎም ክበሃል ይከኣል።

እንተ ንሶም ግን ብጠመተ ማሕበረሰብ ሰገጥ ዘይብሉ፡ ብርእሰ ተኣማምነትን ብናይ ባዕሎም ቅዲ ተደፊኦም፡ ብበሊሕ ስነጥበብን ኣብ ፍልስፍና ዝተጠጅኡን ሓተታታት ብምቕራብ፡ ንዓቃባዊ ሕብረተሰብ ብዝብድህ ቋንቋ ተጠቒሞም ብርክት ዝበሉ መጻሕፍtቲ ዘበርከቱ ዓቢይ ጸሓፋይ ነበሩ።

ኣቶ ስብሓት ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረእግዚኣብሄር ዮውሃንስ - ብማሕረስ ዝናበሩ ዝነበሩ ቀሺ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን፣ ካብ ኣደኦም መኣዛ ተወልደመድህን እዮም ተወሊዶም።

[ወይዘሮ መኣዛ፡ ጓሎም ነቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ጐኒ'ቶም ቀዳሞት ወንጌላውያን ኰይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ኣለቃ ተወልደመድህን ገብሩ እየን]።

እዞም ብ1936፡ ጣልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረርሉ ዘመን፡ ኣብ ሩባ-ገረብ ዝበሃል ቍሸት፣ ኣብ ትግራይ ዝተወልዱ ጸሓፊ ኣብ ስነጽሑፍ ኣምሓርኛ መጻሕፍትን፡ ሓጸርቲ ዛንታታትን ድርሰታትን - እኳ ድኣ ብደረጃ ክላሲክስ ዝርኣዩ - ኣበርኪቶም'ዮም።

ንኣብነት ከም "ሌቱም ኣይነጋልኝ"፡ "ትኩሳት"፡ "ኣምስት፡ ስድስት፡ ሰባት"፡ "እግረ መንገድ"፡ "ሰባተኛው መላክ" ዘኣመሰሉ ዛንታታት ክጥቀሱ ይከኣል።

ኣቶ ስብሓት በቶም ግኑንን ፍሉይን ሰብ ብዝገበሮም ባህሪን ተሰንዮም፡ ጥውይዋይ ዘይብሉን ብዓሚቝ ፍልስፍና ዝተሰለሙ ተራ-ንባባቶም ዝልልዩ ጸሓፊ ኰይኖም፡ ንህይወት ከም ዘለዋ ብምስኣል ካብ ባህላዊ ስነጽሑፋዊ ደረታት ኢትዮጵያን ኦርቶዶክሳዊ ስነቓላትን ተፈንጪሎም ብፍሉይ ኣገባብ ዝተዋፈሩ ጸሓፋይ ነበሩ።

ንሶም ብስነ-ጽሑፍ ፈረንሳ ተጸልዮም - ከም ጽሑፋት ናይ በዓል ኤሚል ዞላን ኣልበርት ካሙን ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ - ዝያዳ ተፈጥሮኣዊ ቅዲ ብዝኽተል ስልቲ ኣብ ስነጽሑፍ ኣምሓርኛ ከተኣታትዉ ብምኽኣሎም ሞገስ ረኺቦም'ዮም። እቲ ሞጎስ'ቲ ግን ብቐሊሉ ኣይረኸቡዎን። ብሕብረተሰብ ይዕንቀፉ ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ሃሊኾም'ዮም።

ብኢትዮጵያ ዝግደስ ኖርወጃዊ ተመራማሪ - ራይዱልፍ ኑት ሞልቨር - ብዛዕባ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ዝጸሓፎ ሓተታ (ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ) ምስ እነንብብ ዛንታኦምን ኣተሓሳስቦኦምን ኣካይድኦምን ከምኡ'ውን ሰብኣዊ መንነቶም ክንርዳእ ንኽእል።

እቲ ሓተታ ኣቶ ስብሓት ብቈልዓኦም ኣብ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ኣቦኦም ኰይኖም ፊደል ከም ዝቘጸሩ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሓደ ብሚስዮን ሽወደን ዝካየድ ዝነበረ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ (ኣዲስ ኣበባ) ከም ዝተማህሩ ይገልጾም።

እቶም ኣብ ጋዜጣታት ኣዲስ ዘመንን ኢትይፕያን-ሄራልድን ከምኡ'ውን ኣብ መጽሔት መነን ኣዘውቲሮም ዝጽሕፉ ዝነበሩ ግኑን ጸሓፊ፡ ጽሑፋቶም ጸብለል ዝበልሉ ምኽንያት ንገዛእ-ነብሶም ብዝምርምር ኣስተንትኖ፡ ባህርያዊ ግን ካብ ባህሊ ፍንትት ዝበሉን ዝተራቐቑን ዛዕባታት ኣልዒሎም ይገጥምዎም ስለ ዝነበሩ'ዮም- ይበሃል ።

ብሓጺሩ ቅዲ ጽሑፎም ካብ መዛኑኦም ዝተፈልየ፡ ዛዕባታቶም ድማ ንዘቤታዊ ባህሊ ብዝትዅቱዅ ኣገባብ ይጽሕፉ ነበሩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ጽሑፋቶም ብምመያ ካብ ሕትመት ይዕገቱ ነበሩ፣ ምኽንያቱ ድማ ኣቶ ስብሓት ብወሲባዊ ዛዕባታት ብግልጺ ብምጽሓፍ ንዓቃቢ ባህሊ ሃገር ርእሱ ከም ዘድንን ይገብሩ ስለ ዝነበሩ'ዮም ክንብል ንኽእል።

ነቲ ሓዲስ ወለዶ ጸሓፍቲ - ብዘመነ ኣቶ ስብሓት ዝነበሩ ማለት'ዩ - ብስነጽሑፎም ኣቢሎም ክልውጥዎ ክኢሎም'ዮም ዝብሉ ኣለዉ። ብርግጽ ኣመሓዪሾምዎ'ዮም ዝብሉ ኸኣ ብዙሓት'ዮም።

ዓለማዎ ስነጽሑፋት ትርጕሞም ምስ ዘቤታዊ ባህልታት ከዳቕሉ ብምኽኣሎም ንኣተሓሳስባ ህዝቢ ብመጠኑ ጸልዮም'ዮም ይብል እቲ ዝተወከስናዮ ሓተታ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ስብሓት፡ ክንዮ ስነጽሑፋዊ ኣበርክቶኦም፡ ብባህሪኦም ፍልይ ዝበሉ ሰብ ስለ ዝነበሩ፡ ነቶም ብግልጺ ዝዛረቡሎም ዝነበሩ ዛዕባታት ብትብዓት ክምጕቱሎም ምስማዕ ንሰማዒ ይድንጽዎ ከም ዝነበረ ይጥቀስ'ዩ።

ከምኡ ስለ ዝነበሩ ድማ'ዩ መዋሳይ ስነጽሑፍ ክዀኑ ዝበቕዑ ኢልና ኣብ መደምደምታ ክብጻሕ ኣየሸግርን፣ ንማሕለኻታት ባህሊ ፈንጢዞም ብትብዓት ይጽሕፉ ስለ ዝነበሩ።

በቶም ዝጥቀምሎም ዝነበሩ ኣብ ፍልስፍና ዝዓረዱ ርእይቶታቶም ንባይታ ስነጽሑፍ ኢትዮጵያ ከም ዝሰፍሕን ዝዓሙቝን ገይሮም'ዮም ዝበሃለሉ ምኽንያት፡ ክሳብ ሎሚ ዘበርከትዎም ጽሑፋት መምህራን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ከም መምሃሪ ስለ ዝጥቀምሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቅዲ ኣጸሓሕፋኦም፡ ሓቀኛ ትረኻኦም ኰነ መጐተኦም ነቲ ሓዲስ ወለዶ ብርቂ ኰይኑዎ'ዩ።

ኰይኑ ድማ፡ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ፍልስፍናውን ስነጥበባውን ዶባት ልቢ-ወለድ ኢትዮጵያ ዘስፍሑ ፈላሚ ሓዳሳይ ስነ-ጽሑፍ ኰይኖም ይዝከሩ'ዮም ምባል ምግናን ኣይኰነን።

እዞም ካልኣይ ደረጃዊ ትምህርቶም ኣብ ተፈሪ መኰነን ዝተማህሩ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቶም ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከም መምህር ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ክዀኑ ዝሰልጠኑ ጸሓፊ፡ ብስነኣእምሮኣዊ ምስትውዓሎም፡ ብፈላስፋዊ ኣስተንትኖኦም፡ ብሃብታም ቅኔኣዊ ቋንቍኦም፡ ብኽልሰ-ሓሳብ ህላወኣውትነት ብዝምልከት ድማ ንርክባት ደቂሰብ ብምፍታሽ - እንኮላይ ወሲባዊ - ኣራቒቖም ንኣንባቢ ሓሳቦም ዘቕረቡ ተመራማሪ'ዮም ነይሮም።

ጋሽ ስብሓት ናይ ዩኒቨርሲቲ ተምሃራይ ኣብ ዝነበርሉ ወቕቲ'ዮም ኣብ ስነጽሑፍ ዓቢ ግዳሰ ዘሕደሩ፣ ብመጀመርታ ብስነጽሑፍ እንግሊዝ፡ ጸኒሖም ብስነጽሑፍ ሩስያ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ስነጽሑፍ ፈረንሳ ጠለቑ።

ገለ-ገለ ካብቶም ብትዅረት ኣብ ጽሑፎም ዘቕረቡዎም ፍረነገራት ንምጥቃስ፡ ከም ፍቕሪ / ኣጓናይነት / ሞራላውነት / መንነት / ሕልኽላኻት ኵነታት ደቂሰብ ... ወዘተ. ነበሩ። ንዘቤታዊ ባህልታት ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኻዊ ጕዳያት ፍልስፍና ኣወሃሂዶም ብምቕራብ ድማ ንደቀባትን ንወጻእተኛታትን ብዘገድስ ሜላ ብምጽሓፍ የጋውሕዎ ነበሩ።

እዞም ብቋንቋታት እንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይኛ ከምኡ'ውን ቋንቋ ኣደኦም (ትግርኛ) ኣጽርዮም ዝዛረቡ ምሁር፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ክጽሕፉ ዝወሰንሉ ምኽንያት ምስ ዳኛቸው ወርቁ ዝተባህሉ (1936 – 1994) ጸሓፍ-ተዋስኦ፡ ኖቨለኛ፡ ገጣሚ፡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር፡ ተርጓሚ ከም ዓላማይ ብዘሕደሩሎም ጽልዋ 'ዩ።

ዞላ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ስብሓት ርኡይ ስምብራት - ኣውራ ብዛዕባ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ወድሰብ - ኣሕደሩሎም።

ደራሲ ሰብሓት ገ/ሄር

ምንጪ ስእሊ, EBC

ንእሽቶ ብዛዕባ ጋሽ ስብሓት

ብ1958፡ ብናይ ዩኒቨርሲቲ ደረጃ ምህሮኦም ምስ ተመረቑ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስፋወሰን መሃሩ፣ ከይጸንሑ ግን ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ተቘጺሮም ሰርሑ።

ኣብ ክልተ ዓመቶም ድማ ብማህደረ-ትምህርቲ ናብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ብኣናብያ ቤተ-መጻሕፍቲ ንኽምሃሩ ንሓደ ዓመት ተላእኩ። ካብ ኣመሪካ ምስ ተመልሱ ኸኣ ኣብ ምምህርና ተመልሱ።

ክሎድ ሳምነር ዝተባህሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ፍልስፍና ዝምህሩ ዝነበሩ ካናዳዊ ተመራማሪ - ብዛዕባ ዘርኣያዕቆብ ዝጸሓፉ መምህር - ንዓቕሚ ኣቶ ስብሓት ኣስተብሂሎም ናብ ፈረንሳ (ብፍልስፍናን ማሕበረሰብን (Sociology) ትምህርቶም ንኽቕጽሉ ናይ ዩነስኮ ማህደረ-ትምህርቲ ረኸቡሎም።

ጋሽ ስብሓት ግን ኣብ ክንዲ ዋኒን ትምህርቶም ዝገብሩ መጽሓፍ ኣብ ምጽሓፍ ተኸተቱ። ሽዑ'ዮም ነታ ቀዳመይቲ መጽሓፎም - 'ሌቱን ኣይነጋልኝ' - ዝጸሓፉ።

እታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዞና-ኣመንዝራታት፡ ባዕሎም ከምዝበሉዎ 'እንደ ወረደ' ከም ዘለዎጌራ እያ እተውክእ።

ብዙሓት ኣንበብቲ ኸኣ ነቲ ትሕዝቶ ከም ጽያፍን ነውርን ጌሮም ኣነኣኣስዋ ይበሃል። ሽዑ ኣይተሓትመትን፣ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሓ'ያ ተሓቲማ።

ካብ ፈረንሳ ምስ ተመልሱ (1965) ስብሓት ኣብ ምኒስትሪ ትምህርቲ ተወዲቦም ሰርሑ። ካብ 1966-68 ግን ከም ምኽትል በዓሉ ግርማ - እቶም ዋና ኣሰናዳኢ መጽሔት 'መነን' ዝነበሩ ውሩይ ጸሓፍን ጋዜጠኛን ኰይኖም ሰርሑ። ሽዑ'ዮም ኣቶ ስብሓት ነታ ካልአይቲ መጽሓፎም "ትኩሳት" ዝጸሓፉ።

ንሳ'ውን ብመግለጽያታት- ወሲብ ስለ ዝመልአት ንኸይትሕተም ተኸልከለት፣ ብ1994'ያ ንመጀመርታ እዋን ዝተሓትመት።

ብድሕሪኡ ኣቶ ስብሓት ኣብ ምድላው መጽሔት መነን - ብኣምሓርኛን ኣብ ወርሒ-ወርሒ ንኸሕትሙ፡ ብተወሳኺ ድማ - Ethiopia Mirror - ኣብ ዓመት ኣርባዕተ-ግዜ ንኸሕትሙ ምስ መዘናኦም ደረጀ ደሬሳ ኰኖም ተዓጥቁ።

እቲ ናይ ሓባር ስራሕ ንሽድሽተ ዓመት - ክሳብ ደርጊ ብ1974 ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ እዋን - ቀጸለ፣ ደርጊ ግን ሽዑ-ሽዑ ንትካሎም ዓጸዎ።

ኣቶ ስብሓት ደርጊ ኣብ ዝኣተወሉ ዘመን ምስ ሃና ይልማ (ጓል'ቶም ምኒስተር ዝነበሩ ይልማ ደሬሳ ምዃና'ዩ) ሓዳር መስሪቶም ሓደ ወዲ ወሊዶም ነበሩ።

ብዘመን ደርጊ ናብራ ስለ ዘይመችአ ግን ሃና ምስ ወዳ ንኣሜሪካ ገዓዘት። ኣቶ ስብሓት ብድሕሪ ሃና ክልተ ግዜ ሓዳር ጌሮም ኣርባዕተ ቈልዑ ከም ዝወለዱ ኣብቲ ብዛዕባኦም ዝቐረበ ሓተታ ተጠቒሱ ንረኽቦ።

ስብሓት ገ/ሄር

ምንጪ ስእሊ, SG

ብስጭት ጋሽ ስብሓት

ጋሽ ስብሓት - ፈተውቶም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ተለቃብ ስም - በቲ ኣዝዮም ክጽሕፍሉ ዝደልዩ ዝነበሩ ኣርእስቲ ንኽጽሕፉ ሽግራት የጓንፎም ነበረ።

ደጋጊሞም፡ ብጾታዊ ርክባት ዝተሰነዩ ዛንታታት ኣብ ዝጽሕፍሉ እዋን ብሳንሱር ይእገዱ ነበሩ።

እንተ ንሶም ግን ብተፈጥሮኦም ተቓላሳይ ስለ ዝነበሩ ድልየቶም ካብ ምጽሓፍ ኣየዕረፉን። ይዅኑ'ምበር ገለ-ገለ ናይ ጽሕፈት ፕሮጀክትታት ተቐቢሎም የስተናግዱ ነበሩ።

ንሓደ 'ቍምነገር' ዘርእስቱ መጽሔት፡ ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ክጽሕፉ ጀመሩ።

ጋዜጠኛን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን እዮም ነይሮም። ብመመይቲ ግን ስለ ዝተሸገሩ ነቲ ስራሕ ጠንጢኖሞ ከዱ።

ብድሕሪኡ - ኣብ ሰብዓታት (ደርጊ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን) - ኣብ ምኒስትሪ ሓበሬታ ስራሕ ረኺቦም ንዉዕዉዕ መንፈሶም ብምግታእ ክሰርሑ ጀመሩ። ሽዑ'ዮም ምስ በዓሉ ግርማ ('ኦሮማይ' ዝጸሓፉ ፍሉጥ ደራሲ) ዝተዓራረኹ።

ዝዝከር'ዩ፡ በዓሉ ግርማ ንኣቶ ስብሓት ኣብታ 'ደራሲው' ዘርእስታ - ኣብ ናብራን ውሽጣዊ ዓለምን ናይ ሓደ ጸሓፊ (ኣብ ኢትዮጵያ) ዘጓንፍ ብብስጭት ዝተሓጽረ ህይወት እትገልጽ መጽሓፎም - ይገልጹዎም'ዮም።

ኣቶ ስብሓት ብሉጽ ጸሓፊ'ኳ እንተ ነበሩ ብስርሖም ከይዓገቡ ኣብዝን-ኣብትን እናበሉ ክሰርሑ ይግደዱ ነበሩ። ምስ ናይ ውልቀ-ኣሕተምቲ፡ ምስ ኮምሽን ቱሪዝም ኰይኖም ሰሪሖም'ዮም።

ደርጊ ብኢደ-ኣዙር ንኣቶ ስብሓት ካርል ማርክስ ዝጸሓፋ 'ዳስ ካፒታል' ዘርእስታ ዓባይ መጽሓፉ ንኽትርጕሙ ሓደ ጋንታ መስሪቱ ኣብኡ ኣእተዎም።

ምስኦም ኣቶ ግርማ በሻሽ ዝተባህሉ ጸሓፊ ከም ዝነበሩ ይንገር። ብግዜ ደርጊ ነቶም ዴሳዊ መጻሕፍቲ ተርጕሙ ዘሕትም ዝነበረ ቤት-ማሕተም 'ኩራዝ' ዝበሃል ትካል ነበረ። ኣቶ ስብሓት ከኣ ከም ቀንዲ ኣሰናዳዊ ኰይኖም ይሰርሑ ነበሩ።

ደርጊ ተሳዒሩ ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ ኣቶ ስብሓት ኣብ ብርክት ዝበሉ ትካላት ሰሪሖም 'ዮም - ኣብ ቤት ማሕተም 'ብርሃንና ሰላም'፡ 'ኣዲስ ዘመን'፡ 'ኣዲስ ኣድማስ'፡ ኢትዮፕያን ሄራልድ' ሰሪሖም'ዮም።

እቲ ሕብራዊ፡ ግን ከኣ ብዙሕ መሰናኽላት ዘጓነፎ ህይወት ጋሽ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝሰፈሩ ሕጡባት ይመስል።

ኣብ ግዜ ስንብታኦም ማዕረ ክልተ ሽሕ ፈተውቶም ኣብ 'ቅድስት ስላሴ ካተድራል' ብክብሪ ሓመድ ኣዳም ኣልበሶም።