ንሓንቲ ጻጸ 220 ዶላር? ንጸሊም ዕዳጋ ዝህደኑ ዘለው ዓሌታት ጻጸ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጻጸ ዝእክቡ ሰባት፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዝዀነ ጻጸ ኣብ ምስግጋር ይነጥፉ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Dino Martins

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጻጸ ዝእክቡ ሰባት፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዝዀነ ጻጸ ኣብ ምስግጋር ይነጥፉ ኣለው
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እዘን ጻጸ፡ ኣብ ናይ ዝናብ ወቕቲ ኣብ ኬንያ ሪፍት ቫሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ እትርከብ ጽምው ዝበለት ናይ ሕርሻ ከተማ ጊልጊልን ከባቢኣን፡ ግዳይ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኰይነን ይርከባ።

ክንፊ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ጻጸ፡ ካብቲ ንቡር ሰፈሮም ወጺኦም ምስ ንግስቲ ጻጸ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙሉ ወቕቲ'ዩ። እንተዀነ፡ እታ ንግስቲ ጻጸ፡ ኣብዚ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ግንባር ዓለማዊ ጸሊም ዕዳጋ ክትሽየጥ፡ ትህደን ኣላ።

እተን ዓበይትን ቀይሕ ሕብሪ ዘለወንን ዓበይቲ ናይ ኣፍሪቃ ንግስቲ ጻጸ፡ ብደረጃ ዓለም ዝርከቡ ኣከብቲ ብክቡር ዋጋ ይገዝኡወን ኣለዉ - ሓደ ሰብ ብጸሊም ዕዳጋ ክሳብ 220 ዶላር ክሸጠን ይኽእል።

ሓንቲ ንግስቲ ጻጸ፡ ሙሉእ ዓሌት ክትፈጥርን ንዓሰርተታት ዓመታት ክትነብር ትኽእል፤ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከቡ ስካነራት ድማ ተፈጥሮኣዊ ነገራት ናይ ምልላየዕ ዝንባለ ስለ ዘይብሎም ብቐሊሉ ክትሓልፍ ትኽእል እያ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰብኣይ፡ ኣብ ሓደ እዋን ደላላይ ኰይኑ ንወጻእተኛታት ዓደግቲ ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ መርበባት ብምትእስሳር ዝሰርሐ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ መጀመርታ፡ ዘይሕጋዊ ምዃኑ'ውን ኣይፈልጥን ነይረ፡" ኢሉ።

እዞም ሜሶር ሴፋሎትስ -Messor cephalotes- ብዝብል ዝፍለጡ ዔሌታት ጻጸ፡ መበቈሎም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ብፍሉይ ናይ ዘርኢ ምእካብ ባህርያቶም ዝፍለጡ ብምዃኖም ተፈታዉቲ ይገብሮም።

"ሓደ ዓርከይ ሓደ ወጻእተኛ ንንግስቲ ጻጸ ጽቡቕ ገንዘብ ይኸፍል ከም ዘሎ ነጊሩኒ - እተን ኣብዚ ከባቢ ብቐሊሉ ዝረኣያ ዓበይቲ ቀያሕቲ ጻጸ፡" ይብል እቲ ደላላይ ነበር።

"ኣብ ጥቓ ክፉት ግራውቲ ዝርከቡ ጐቦታት ኢና ንደልየን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጸሓይ ቅድሚ ምድማቓ። እቶም ወጻእተኛታት ባዕሎም ናብቲ ግራውቲ መጺኦም ኣይፈልጡን - ኣብ ከተማ፡ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ወይ መኪና እዮም ዝጽበዩና፤ ንሕና ድማ እቶም ጻጸ ኣብ ንኣሽቱ ብልቃጥ ወይ ኣብ ዘቕርቡልና መርፍእ ዓሺግና ነምጽአን።"

ጻጸ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩምራ ሓመድ ክርከቡ ይኽእሉ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጻጸ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩምራ ሓመድ ክርከቡ ይኽእሉ'ዮም
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ ስዒቡ፡ ዝሓለፈ ዓመት 5000 ዓበይቲ ንግስቲ ጻጸ ቀውዒ - ብቐንዱ ኣብ ከባቢ ጊልጊል ዝተኣከባ - ኣብ ከተማ ናይቫሻ ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ ብህይወት ምስ ተረኽባ እዩ ኣቓልቦ ስሒቡ።

እቶም ጥርጡራት - ካብ ቤልጅየም፣ ቬትናምን ኬንያን - ነተን ናይ መርመራ ብልቃጥ፡ መርፍእን ርጥብ ዝበለ ጡጥን ዓሺጎም ከም ዝነበሩን፡ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ጻጸ ንኽልተ ኣዋርሕ ብህወይት ክጸንሓ ከም ዝገብር ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ (KWS) ሓቢሩ።

እቲ መደብ ናብ ኤውሮጳን ኤስያን ወሲድካ ንመሸጣ ንምቕራብ እዩ ነይሩ። እዚ ንግዲ ጻጸ ንተመራመርትን ሰበስልጣንን ኣሰንቢዱዎም ይርከብ። ኬንያ፡ ስኒ ሓርማዝን ቀርኒ ሓርሽን ዘጠቓልል ልዑል ሽም ዘለዎ ገበናት እንስሳ ዘገዳም ዝያዳ ከጋጥማ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ቸርቻሪ ጻጸ ኣር ዩስ፡ ነተን ዓበይቲ ጻጸ ቀውዒ፡ "ብዙሓት ሰባት ዝምነዩወን፡" ክብል ይገልጸን። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መኽዝን ዝነበሮ እተን ንግስቲ ጻጸ ከም ዝተወድአ ዝገልጽ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ቸርቸርቲ ምንጪ ክረኽቡ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብታ ኣስታት 600 ዓይነታት ጻጸ ኣብ ዘለዋ ኬንያ ዝመደበሩ ዲኖ ማርቲንስ ዝተባህለ ተመራማሪ ስነ ህይወት፡ "ኣነ ከም ክኢላ ስነ-እንስሳ፡ ብመጠን እቲ ንግዲ ተገሪመ'የ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዓቐን እታ ንግስቲ ጻጸ፡ ክሳብ 25 ሚ.ሜ (0.98 ኢንች) ትበፅሕ ዀይና፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኣ እንቋቑሖ እተፍሪ እያ፤ እዚ ድማ ዝያዳ ተጠማቲት ክገብራ ከም ዝኽኣለ የረድእ።

"ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ምስጢራዊ ዝዀኑ ዓይነታት ጻጸ እዮም - ዓበይቲ ዕስለ ይፈጥሩ፡ ኣብ መሳጢ ባህርያት ይዋፈሩን ንምዕቃቦም ቀለልቲን እዮም፤ ኣይጓድኡን፡" ኢሉ።

እቶም ጻጸ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙሉ ወቕቲ ክበጽሕ ከሎ፡ እተን ንግስቲ ጻጸ ምስ ሓያሎ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝራኸባ ይዛረብ።

"ድሕሪኡ ደቂ ተባዕትዮ ስርሖም ወዲኦም ... መብዛሕትኦም ብሃደንቲ ይብልዑ ወይ ይሞቱ" ይብል እቲ ክኢላ።

ቀጺሉ፡ እታ ንግስቲ ንእሽቶ ጉድጓድ ኲዒታ እንቋቝሖ ከተውድቕን ከተፍርን ትጅምር። በዚ ኣቢላ ናይ ባዕላ ዕስለ ትፈጥር።

እተን ነቲ ዝሰርሓቶ ሰፈር ዝከላኸሉ ሰራሕተኛታታን ወተሃደራትን ጻጸ፡ ኩለን ደቀንስትዮ ኰይነን፡ ቁጽረን ኣማኢት ኣሽሓት ክኸዉን ይኽእል'ዩ።

"እቲ እታ ንግስቲ እትሰርሖ ሰፈር ንልዕሊ 50 ዓመታት፡ ምናልባት'ውን ክሳብ 70 ዓመት ክጸንሕ ይኽእል። ኣብ ጥቓ ናይሮቢ ዝርከቡ ሰፈር ብውሑዱ 40 ዓመት ዝገበሩ ምህላዎም ይፈልጥ'የ፡" ይብል ማርቲንስ።

እዚ ማለት እታ ንግስቲ እውን ክንድኡ ዝኣክል ግዜ ትነብር ማለት'ዩ፡ ምኽንያቱ እታ ንግስቲ ምስ ሞተት እቲ ዕስለ ይፈርስ እሞ ዝዀነት ብህይወት ዝተረፈት ሰራሕተኛ ካልእ ሰፈር ክትደሊ ትጅምር።

ዘራእቶም ወይ ገዝኦም በዞም ጻጸ ዝተወረረ ኬንያውነን ነዚ ኣጸቢቘም ይፈልጡዎ'ዮም፤ ዕስለ እዞም ጻጸ ንምውጋድ መብዛሕትኡ ግዜ ጐዳጉድ ወይ ኩምራ ሓመድ ብዕምቆት ዝተሓብአት ንግስቲ ክረኽቡ ይጽዕሩ።

እቲ ደላላይ ነበር፡ ነቲ ኩምራ ሓመድ ብምፍራስ ክሃድማ ኣብ ዝፍትናሉ እዋን ከም ዝእክቡወን ገሊጹ።

"እቲ ማእሰርቲ ብዜና ምስ ሰማዕኹ ጥራይ'የ ኣካል እንታይ ዓይነት መርበብ ከም ዝነበርኩ ዝተረዳእኩ - ብኡንብኡ ድማ ደው ኣቢለ፡" ኢሉ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጥርጡራት፡ መበቈላዊ እንስሳት ብምስግጋር ተኸሲሶም ብማእሰርቲ 12 ኣዋርሕ ወይ ብገንዘብ ክቕጽዑ ተኣዚኦም።

እቶም ዜጋታት ወጻእ ድማ፡ 7700 ዶላር ከፊሎም ካብታ ሃገር ወጺኦም።

ቅድም ኢሉ፡ ሓደ ቻይናዊ - ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዝነበረ መርበብ ቀንዲ ቀላሲ ምዃኑ ዝንገረሉ - ካልእ ፓስፖርት ተጠቒሙ ከም ዝሃደመ ይንገር። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኬንያ ምስ ካልኦት 2000 ንግስቲ ጻጸ ዝሓዘ ብልቃጥ ሒዙ ተረኺቡ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ መዓፈፎ ነፈርቲ ኬንያ ዝተትሓዛ ጻጸ

ምንጪ ስእሊ, KWS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ መዓፈፎ ነፈርቲ ኬንያ ዝተትሓዛ ጻጸ

ኣካል ናይቲ ኣብ 2023 ኣብ ቻይና ዘተኰረ ጸብጻብ ንግዲ ጻጸ ዝዘርግሐ ጉጅለ ተመራመርቲ ዝነበረ ዠንግያንግ ዋንግ፡ እዚ ኣዝዩ ዘሰክፍን ኣብ ስነ-ማሕድሮ "ዕንወት" ከስዕብ ዝኽእልን'ዩ ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቹዋን ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዝዀነ ዋንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ መጀመርታ ብዙሓት ሰባት ጻጸ ክዕቅቡ ከም ዝጀመሩ ምስ ፈለጥና ኣዚና ተሓጒስና፡" ኢሉ።

"ዕስለ ጻጸ መብዛሕትኡ ግዜ ከም እንስሳ ዘቤት ኰይኖም ኣብ ፎርሚካርየም ይቕመጡ፡ እዚ ድማ ብመሰረቱ ግሉጽ ሳንዱቕ ፕላስቲክ ኰይኑ፡ ሰባት እቶም ጻጸ ክሰርሑ ከለው፡ ጉዳጉዲ ክኹዕቱ፡ መግቢ ክእክቡን ንግስቶም ክሕልዉን ከለዉ ይዕዘቡዎም። እዚ ድማ ኣዝዩ መሳጢ'ዩ ... ንሰባት ብዛዕባ ጻጸን ባህርያቶምን ንምምሃር ጽቡቕ መገዲ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

"ድሕሪኡ ግን፡ እዞም መበቈላዊ ዘይኰኑ እንስሳት ምዕቃብ ንምእማኑ ዘጸግም ሓደገኛ ነገር ምዃኑ ተረዲኡና፡" ኢሉ።

እቶም ተመራመርቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቻይና ብኢንተርነት ዝካየድ መሸጣ - ልዕሊ 58 ሽሕ ዕስለ - ብምክትታል፡ ልዕሊ ርብዒ ካብቶም ዝተሸጡ ዓሌታት እንስሳታት መበቈሎም ቻይና ከም ዘይኰነ ተገንዚቦም፤ ካብ ወጻኢ ምእታው'ዉን ሕጋዊ ኣይኰነን።

ንግዲ መበቈላዊ ዘይኰኑ ጻጸታት እናሰፍሐ ከይኸይድ ድማ ከም ዝሰግእ ሓቢሩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጽሔት ባዮሎጂካል ኮንሰርቬሽን ዝተሓትመ ኰይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ሓደ ካብቶም ኣብ ቻይና ብብዝሒ ዝሽየጡ ዘለዉ ዓይነታት እንስሳታት ዝዀነ ግዙፍ ኣፍሪቃዊ እንስሳ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል የብርህ።

"ንኣብነት፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝውለድ ሜሶር ሴፋሎትስ፡ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝዓበዩ ዘርኢ ጻጸ ቀውዒ ኰይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቻይና ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ከባብያዊ ሳዕቤን ኣብ ኬንያ እውን ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

"እዞም ጻጸ ቀንዲ መሃንዲሳት ስነ-ማሕድሮ እዮም። ዘርኢ ሳዕሪ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ተኽልታት ይእክቡ፡ ከምኡ ብምግባር ድማ ነቲ ዘርኢ ንምብታን'ውን ይሕግዙ፡" ዝበለ ማርቲንስ፡ እቶም ጻጸ "ዝያዳ ጥዑይን ዳይናሚካውን ሳዕሪ ይፈጥሩ፡" ኢሉ።

ኣብ ትካል ምርምርን ስልጠናን እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ላዕለዋይ ተመራማሪ ዝዀነ ሙኮኒ ዋታይ ተመሳሳሊ ስግኣት ኣለዎ።

"ብፍላይ ድማ ምእላይ ንግስቲ ጻጸ፡ እቲ ዕስለ ንክፈርስ፡ ስነ-ከባቢ ክዝረግን ብዝሓ-ህይወት ኣብ ሓደጋ ከእቱን ይኽእል'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ኬንያ ጻጸ ብሕጋዊ መገዲ - ምስ ዝተፈላለዩ ዓለማዊ ውዕላት ዝሰማማዕ - ብፍሉይ ፍቓድ ምእካብ ይከኣል እዩ። እዚ ድማ ዓዳጊ ዝዀነ መኽሰብ ንምክፋል ምስቲ ዝምልከቶ ማሕበረሰብ ናይቲ ከባቢ ስምምዕ ክገብር ይጠልብ።

ግን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ሕጋዊ ውዕላት ከም ዘይገብረን፡ ክንደይ ጻጸ ይእከቡን ናበይ ይልኣኹ ከም ዘለዉን ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዘየለ ኣመልኪቱ።

ሕጂ ገለ ተጣበቕቲ ዕቃበ፡ ብመሰረት ውዕል ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት (Cites)፡ ዓለማዊ ውዕል ንግዲ እንስሳ ዘገዳም፡ ንኹሎም ዓይነታት ጻጸ ዝያዳ ንግዳዊ ሓለዋ ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ።

"እቲ ክውንነት ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትሕቲ ሲተስ ዝተዘርዘረ ዓይነት ጻጸ የለን፡" ክብል ተመራማሪ ዓለማዊ ንግዲ ጻጸ ሰርጅዮ ሄንሪከስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ነዞም ምንቅስቓሳት ዝከታተሉ ዓለማዊ ውዕላት እንተዘይሃልዮም፡ ስፍሓት እቲ ንግዲ ብዓቢኡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣይክርኣዮምን'ዩ፡" ኢሉ።

ንኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ግን እቲ ጸገም ከመይ ጌርካ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጻጸ ክትከታተሎን ክትዓግቶን ትኽእል ዝብል ኰይኑ፡ እቲ ትካል ኣብ መዓርፎ ነፈርትን ዶባትን ዝሓሸ ቁጽጽር ክህሉ ምግባር፡ ጽቡቕ ጅማሮ ክኸውን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።