ኢትዮጵያ፡ ኣርቲስት ሰራዊት ፍቕሬ ዝርከቦም ፍሉጣት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, sm
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ብምትላልን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተኣከበ ገንዘብ "ብምክፋል" ዝተጠርጠሩ ፍሉጣት ውልቀሰባትን ሰብ ሞያ መወዓውዕን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወን ክሲ ከምዝመስረተን ኣፍሊጡ።
እቲ ጉዳይ ማእሰርኦም፡ 'ፊንቴክ ኢንቨስትመንት' ምስ ዝተብሃለ ትካል ብዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ "ብዘይግቡእ"ን "ብዝተጋነነን" ምልላይ ዝብል ገበን ይርከቦ።
እቲ ፌደራል ፖሊስ፡ ሎሚ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ኣብ ልዕሊ መስራትን ወነንቲን ፊንቴክ ኢንቨስትመንት ዝቐረበ ክሲ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ትካል ልዕሊ 1200 ዜጋታት ብምትላል፡ 1.7 ቢልዮን ብር ክሳራ ከምዘብፀሐ የርኢ።
እቶም ወነንቲን መስረትትን'ቲ ትካል፡ ብ19 ዝተፈላለዩ ገበናት ተጠርጢሮም ተኸሲሶም ምህላዎም እቲ ካብ ፌደራል ፖሊስ ዝወፀ መግለፂ ኣመልኪቱ።
እዞም ተጠርጠርቲ ንልዕሊ 1200 ግዳያት ኣታሊሎም ነፍሲ ወከፎም ብመልክዕ ቅድመ ክፍሊት 95 ሽሕ ብር፡ 285 ሽሕ ብር ንመንግስቲ ግብሪ፡ 130 ሽሕ ብር ድማ ኤሌክትሪክ መኪና ቻርጀርን ንምፍራይን ንበዓል ሞያን ብዝብል፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ እቶም ውልቀሳበት፡ 1 ሚልዮንን 365 ሽሕ ብር ከምዝተቐበሉ እዩ።
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መስረትን ወነንትን - ፊንቴክ ኢንቨስትመንት ትካል፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተረኽበ ገንዘብ ከም ሕጋዊ ኣምሲልካ ብምቕባል ዝብል ዝርከቦም 19 ገበናዊ ተግባራትን፣ ስግረ-ዶባዊ ገበናት ሓዊሱ፡ ክሲ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ፡ "ተፈላጥነቶምን ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነትን ብምጥቃም፡ ኮነ ኢሎም ዝተጋነነ መወዓውዒታት ምስራሕ" ከምኡ'ውን ብመገዲ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ናይ ሓሶት ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብምዝርጋሕ" ብዙሓት ሰባት ክታለሉ ጠንቂ ኰይኖም- ይብል እቲ ክሲ።
ፖሊስ፤ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ፍሉጣት ሰባትን ሰብ ሞያ መወዓውዒን፡ ካብቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝረኸብዎ ገንዘብ፡ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዝግመት ህያብ መኪና ቢዋይዲ- ሶንግ ፕላስ [ BYD Song Plus] ከምዝረኸቡ ገሊጹ።
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ዝግመት ጉድኣት ብምብፃሕ፡ ብዝፈፀምዎ ገበን ይምርምር ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።
ካብቶም ብፌደራል ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ፍሉጣት ሰባት ስነጥበባውያን ሰራዊት ፍቕሬ፣ ሰሎሞን ቦጋለ፣ ፣ ዳኒኤል ተገኝን ይገረም ደጀኔን ይርከብዎም።
ከምኡ'ውን፡ ሰብ ሞያ መወዓውዒ ኣብርሃም ግዛው፣ መንሱር ጀማልን ካሊድ ናስርን እውን ኣብቲ መግለፂ ፌደራል ፖሊስ ስሞም ተጠቒሱ ኣሎ።
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ነዞም ፍሉጣት ስነጥበባውያንን ሰብ ሞያ መወዓውዒን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕረቡ ገሊፁ።
እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ 30 መጋቢት 2018 ተወሳኺ መርመራ ከካይዱ ንፖሊስ ፍቓድ ሂቡ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክቶሬት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ መስራትን ወነንቲን ኩባንያ ፊንቴክ ኢንቨስትመንት፡ ዳንኤል ዮውሃንስ ኢየሱስን ግርማይ ገብረ ሚካኤል ይሕደጎን ብቀዳማይ ክሲ ናብ መጋባእያ ከምዘቕረበ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ሓደ ካብ መስረትቲ ትካል ፊንቴክ ዝኾነ ዳኒኤል ዮውሃንስ ዝተባህለ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ካልእ ጥርጡር ግርማይ ገብረሚካኤል'ውን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ምክትታል ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ግርማይ ገብረሚካኤል ቅድሚ ሕዚ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ 2010 ዋንጫ ዓለም ኣብ ዘሰናደአትሉ፡ 'ኣስካሉካን' ብዝብሃል ትካል፡ "ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትከዱ ኢኹም" ብዝብል፡ ካብ ዜጋታት ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ኣታሊሉ፡ ብዝብል ብገበን ተጠርጢሩ ነይሩ።
ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ምስ ኢንተርፖል ብምትሕብባር ነቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ብሕጊ ክሕተት ገይሩ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, sm
ዝርዝር ሓበሬታ'ቲ ምትላል
ፌደራል ፖሊስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ መስረትቲ ኢንቨስትመንት ፊንቴክ ኤሌክትሪክ መኪና ክገዝኡ ንዝደልዩ ውልቀሰባት፡ 950 ሽሕ ብር 50 ሚኢታዊ ቅድመ ክፍሊት ብምኽፋል፡ "ኣብ ውሽጢ 90 መዓልቲ ወነንቲ መኪና ክዀኑን" ቃል ኣትዩ ከምዘላለየ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ፊንቴክ "ነቲ ዝተረፈ 950 ሽሕ ብር ንኤሌክትሪክ መኪና ብባንክ ልቓሕ ከዳሉ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ብዘይ ወለድ ክኽፍሉ" ብዝብል ሓሳብ፡ ዜጋታት ክታለሉ ከምዝገበረ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ይሕብር።
ኣብቲ እዋን እቶም ጥርጡራት ካብ ጅቡቲ 148 መካይን ከም ዘእተዉን ንውሱናት ውልቀሰባት 100 መካይን ከም ዝዓደሉን ይግለጽ።
እቲ መግለጺ፡ እተን ዝተረፋ 48 መካይን "ብሕቡእ" ከምዝተሸጣ እውን ኣመልኪቱ።
ፖሊስ፡ ወነንቲ እቲ ኩባንያ "350 መካይን ናብታ ሃገር ከምዝኣተዋ ዝገልጽ ዝኾነ ሓበሬታ ይኹን መርትዖ ከይተገብረለን ካብ ወጻኢ ከምዘእተዋ ኣምሲሎም ንህዝቢ ኣታሊሎም" ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ ፖሊስ "400 መካይን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ደው ኢለን ከምዘለዋ ነቶም ግዳያት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከምዝሃቡ" ኣረጋጊጹ'ሎ።
ፖሊስ፡ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ካብ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት መካይን ብምእካብነእ ንምርኢት ብምቕራብን፡ ህዝቢ ከም ዘጋገዩ እውን ገሊፆም።
ፖሊስ፡ ምስ ኤሌክትሪክ መካይን ዘፍሪ BYD ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ውዕል ከም ዘለዎም ኣምሲሎም ናይ ምትላል ገበን ከም ዝፈጸሙ'ውን ኣመልኪቱ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


