ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ስዒቡ፡ ኢራን ዝወሰደቶ ብግዜን ቦታን ሰፊሕ ግብረመልሲ ዓለማዊ ቍጠባዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ሎ።
ብፍላይ እቲ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣገደስቲ መስመራት ነዳዲን ጋዝን ዓለም ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ ቀረብ ጸዓት ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓደጋ ወዲቝ ይርከብ።
ቀጥታዊ ተጠቀምቲ እዚ ብኢራን ተሓኒቝ ዘሎ መስመር ዝዀና ሃገራት ኤስያ ብፍላይ፡ ነቲ ዘጋጠመን ቅልውላዋት ንምግጣም ዝተፈላለየ ስጕምትታ ይወስዳ ኣለዋ።
ከም ፍሊፒንስ ዝኣመሰላ ድማ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ቅልውላው ጸዓት ክሳብ ምእዋጅ በጺሐን እየን።
እዚ ጽልዋኡ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይሰጋገር ምህላው ዝኽወል ኣይኰነን።
እቲ ብቐጥታ ንኣፍሪቃ ዝጸሉ መስመር ባብኤል መንደብ ዛጊት ክፉት ይሃሉ እምበር ኣብ ሓደጋ ምህላው ንጹር እዩ።
ኲናት ኢራን እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብዚ መስመር ዕግታ ክገብር ትንዕ ዝብል ዘሎ፡ ቀንዲ ደጋፊ ኢራን ዝዀነ ሓይሊ ሑቲን መሻርኽቱ ዕጡቓት እቲ ዞባን ክንቀሳቐሱ ኣብ ዝጀመሩሉ እቲ ሳዕቤን ክመርር ከም ዝኽእል ድማ ብኣጋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ሃገራት ቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ነዚ ዘሎን ዝስዕብን ብድሆታትን ንምግጣም ዘኽእለን ምንቅስቓሰ፡ ዝተፈላለየ ስጕምታትን ውሳነታትን ክወስዳ ይርአ'ሎ።
ኤርትራ
እዚ ዓለማዊ ኵነታት ኣብ ዘለወሉ፡ ካብ ወገን ኤርትራ ነዚ እዋናዊ ክስተት ዝምልከት ዛጊት ዝዀነ ብዕሊ ዝተሰምዐ ነገር የለን።
ይዅን ግን እታ ሃገር በቲ ኵነታት ኣይትጽሎን ማለት ኣይኰነን።
ኣብ ኤርትራ ዋጋ ነዳዲ ብሓፈሻ ሕሱር ከም ዘይኰነ እዩ ዝግመት።
እታ ሃገር፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ኲናት፡ ዝኸፈለቶ ዋጋን ዝሰዓበ እገዳን... ተደማሚሩ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት ብጉዳይ ጸዓትን ነዳድን ነዊሕ ክትሳቐ ጸኒሓ እያ።
እዚ ኰይኑ ድማ ብዘይካ - መብዛሕትኡ ግዜ በንዚን - እቲ ኻልእ ብፍላይ ናፍታ፡ ላምባን ጋዝን ጽኑዕ መንግስታዊ ቍጽጽር እዩ ዝግበረሉ፤ ብመቝነን ኮፖን ብምምሕዳራት ከባቢ ኸኣ እዩ ዝዕደል።
ብፍላይ እቲ ህዝቢ ንመብሰሊ መግቢ ዝጥቀመሉ ጋዝን ላምባን ሕጽረት ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዝርጋሐኡ እውን ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ጥራይ ዝተደረተ እዩ።
ንጀነሬተራት ኣብያተ ፎርኖ፡ ዝተወሰና ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ሞተራት ጀራዲንን ዝኣመሰሉ ዘገልግል ተባሂሉ ዝዕደል ናፍታ ኣዝዩ ውሱን፣ ትሕቲ ዓቐን ጠለብ ምዃኑን ነዊሕ መረረ ዝጸንሖ ጉዳይ እዩ።
ነዚ ዝጐደለ ንምምላእን ኣብዚ ብመንግስቲ ዝተወሰነ ተንቀሳቓሲ ማሽናት ወጻኢ ንምንቅስቓስ ድማ ሰባት፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዝተረኽበ ነዳዲ እዮም ብኮንትሮባንድ ዝዕድጉ።
ንኣብነት ወነንቲ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት - ቅድሚ እቲ ኣብ እዋንን ድሕሪን ዕጽዋ ለበዳ ኮሮና ጠቕሊለን ደው ምባለን፡ ካብ መዐደሊ ነዳዲ ብወግዒ ዝወሃበን ነዳዲ ዳርጋ ኣይነበረን፤ ወይ ኣዝዩ ንፍሉይ ኵነታት - ብምምሕዳር ፍቓድ ዝተዋህቦ ከም ቀብሪ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት - እንተዘይኰይኑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ - ብዋጋን ብግዜን - ርኡይ ቅልውላው ፈጢሩ ዝጸንሐን ዘሎን ኵነታት እዩ።
ኣብዚ መዳይ መንግስቲ በተን ዝውንነን ኣውቶቡሳት "ሓራት" ንዅሉ ከባቢታት ከም ዝሽፍን'ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ምስ ስፍሓት ቦታታትን ዘሎ ጠለባትን ዘሎ ጋግ ዝመጣጠን ከም ዘይኰነ እዩ ዝምረር።
እቲ ዝዓበየ ጸገም ጉዳይ ኤሌክትሪሲቲ ኰይኑ፡ ቀረብ ኤሌክትሪክ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ምስ እርጋንን ሕጽረት መቀያየሪ ኣቍሑ ጀነሬተራትን እቲ ዝዓበየ ጸገሙ ሕጽረት ነዳዲ እዩ።
ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ብዙሕ ገጠራት ኤርትራ መስመራት ኤሌክትሪክ ተዘርጊሑ'ኳ እንተዀነ እቲ ቀረብ ግን ድሩት እዩ።
ኤርትራ ሓይሊ ኤሌክትሪካ ንምፍራይ ኣብ ኣእትዎት ነዳዲ ኣመና ስለ እትምርኮስ፡ ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ህጹጽ ኵነታት ጸዓት ከም ዘበገሰ ይግመት።
ኣገልግሎት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ እውን፡ ብተመሳሳሊ ብሕጽረትን ድሩትነትን ነዳዲ ዝተጸልወ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ዅሉ ተደማሚሩ ድማ ኣብ ዋጋ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ከም ዝጸንሐ ዝከሓድ ኣይኰነን።
እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለማዊ ነውጺ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዅሉ ክጸሉ ከም ዝኽእል ኣሻቒሉ ዘሎ ጉዳይ ኰይኑ፡ ኤርትራ'ውን ካብቲ ኵነታት ክትወጽእ ኣይትኽእልን።
ብኸመይ ክትገጥሞ እያ ዝብል ሕቶ ግን ዛጊት ዘነጸረቶ ስትታተጂ የለን - ብሕጂ ዝርአ ክኸውን እዩ።
ብሓፈሻኡ ግን ስትራተጂ ኣተሓሕዛ ነዳዲን ጋዝን ኤርትራ ነዊሕ ኣብ ሕጽረት ዝተመርኮሰ ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ
እዚ ኵነታት ብዝፈጠሮ ስክፍታን ቅልውላውን ኣቐዲመን ክጣርዓ ካብ ዝጀመራ ሃገራት ሓንቲ እያ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኵባንያታት ቀረብ ነዳዲ፡ ንትካላት ጸጥታ፡ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት መንግስቲ፡ ብፍላይ ንመዓልታዊ መነባብሮ ህዝቢ ዝጸልዉ ወሰንቲ ኢንዱስትሪታትን ምፍራይ ኣገደስቲ ኣቑሑትን ቀዳምነት ክህባ መምርሒ ሂቦም እዮም።
በዓል መዚ ነዳድን ጸዓትን ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትካላት መዐደሊ ነዳዲ ንህዝባዊ መጓዓዝያ ቀዳምነት ክህባ፣ ከምኡ'ውን ነዳዲ ንምዕቃብ እገዳታት ክገብራ ኣተሓሳሲቡ።
ምኒስተር ፋይናንስ ኣሕመድ ሽደ "ኣብ ቀረባ እዋን ተወሳኺ ስጕምትታት ምቑጣብ ነዳዲ ዝምልከት መምርሒታት ክግለጽ ምዃኑ" ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብድሕሪ'ዚ እውን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ኣከፋፈልቲ ነዳዲ፡ ነቝጣታትን ተጠቀምትን "ነዳዲ ብውሑድ ዓቐን ክጥቀሙን ኣገደስቲ ነገራት ቀዳምነት ክህቡን" ኣተሓሳሲቡ።
ሰበስልጣን እታ ዳግም ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይትምለስ ኣብ ስግኣት እትርከብ ክልል ትግራይ እውን፡ ቀረብ ነዳዲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቛረጸ ኣፍሊጦም።
ብኻልእ መዳይ ደቡብ ሱዳንን ሞሪሽየስን ብሰንኪ ኲናት ኢራን ዘበገሶ ቅልውላው ነዳዲ፡ ንሃልኪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝድርት ስጕምትታት ከም ዘውጽኣ ኣፍሊጠን።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ደቡብ ሱዳንን ሞሪሽየስን
ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምቕራሕ ክትጅምር እንከላ፣ ሞሪሽየስ ብፍላይ ኣብ ልዑል ሃልኪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝርከባ ከባቢታት ብኽነት ክንክያ ዘገድድ እገዳታት ኣንቢራ ኣላ።
ቀንዲ ኣከፋፋሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን - ጁባ ዝዀነ ትካል ጀድኮ፡ ገለ ክፋል እታ ከተማ በብእብረ መዓልታዊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክጅምር ምዃኑ ብረቡዕ ገሊጹ።
"ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኢራንን ኣመሪካን... ጀድኮ ነቲ ዘሎ ዕቝር ጸዓት ብኣድማዕነት ከመሓድር ኣለዎ... ስትራተጂያዊ ምምቕራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቀዳምነት ንህቦ ኣለና" ኢሉ።
እታ ኤሌክትሪክ ንምፍራይ ኣብ ነዳዲ እትምርኰስ ሞሪሽየስ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ክመጽእ ዝነበሮ ጽዕነት ነዳዲ ጭቡጥ ስለዘይተፈጸመ፡ እታ ሃገር ን21 መዓልታት ጥራይ ዝኸውን ክዙን ነዳዲ ተሪፋዋ ከምዘሎ ሓቢራ'ላ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዕቝር ነዳዲ ዘለዋ'ኳ እንተዀነት፡ እቲ ዝበዝሐ ግን ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ እዩ።
ንመምስርሒ ዘድሊ ዝተጻረየ ፍርያት ከኣ ካብ ወጻኢ ተእቱ።
እዚ ዝተኣታቶ ዘሎ ምምቕራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብሰንኪ ስርሓት ጽገና ዝቕጽል ቀጻሊ ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ።
ኣብ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ጁባ ዝነብር ኤረነዮ ሞጋ ዝተባህለ መሃንድስ ኤሌክትሪክ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሰዓት 16፡00 ከም ዝጠፍእን ንጽባሒቱ ክሳብ ሰዓት 04፡00 ከም ዘይውላዕን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"እዚ ንመብዛሕትአን ትካላት ንግዲ የሰናኽል" ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ግን ናብ ጸሓያዊ ጸዓት ይቕይሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ኬንያ 20% ሕጽረት ቀረብ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ከም ዘጋጥመ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር ንዝርከባ ትካላት ነዳዲ ዝውክል ማሕበር፡ ብሰንኪ ስግኣት ዝተገብረ ምዕዳግ፡ ልዑል ጠለብ ነዳዲ ከም ዝተራእዮ ብምጥቃስ፡ ንኽዙን ትሕዝቶ ነዳዲ እታ ሃገር ብመጠኑ ከም ዘጕደሎ ገሊጹ።
ኣብ ኬንያ ንፍርያትን ኣገልግሎታትን ሸል ዝዝርግሕ ቪቮ ኢነርጂ ኬንያ፡ ወሰኽ ጠለብ ኣብ ገለ መደበራት ኣገልግሎት ነዳዲ "ግዝያዊ ምቍራጽ" ከም ዘስዓበ ብሓሙስ ገሊጹ።
ነቲ ኵነታት ግን ይከታተሎን፣ ኣብቶም ዝተጸልዉ ቦታታት ነዳዲ ክህሉ ይሰርሕ ከምዘሎን ድማ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ጸዓት ኬንያ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሕጽረት ነዳዲ ከምዘየለ ብምንጻግ፡ ቸርቸር ግን እቲ ሃልኪን ጠለብን ክውስኽ ይኽእል እዩ ኢሎም ብምግማት ይእክብዎ ከም ዘለዉ ከሲሱ።
ኬንያዊ ምኒስተር ኦፒዮ ዋንዳይ፡ ኬንያውያን ተሰናቢዶም ኣብ ዕድጊን ምኽዛንን ከይዋፈሩ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ጐረቤት ሃገር ዩጋንዳ እውን፡ ሕጽረት ነዳዲ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ እኹል ነዳዲ ንኽህሉ ስጕምትታት ይወስድን ዘድሊ ጻዕሪታትን ይገብር ከም ዘሎ ንዜጋታቱ ኣረጋጊጻ።
መንግስቲ ኣከፋፈልቲ ትካላት ነዳዲ ዋጋታት ከይውስኹ ኣጠንቂቑ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


