ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ካብ ምፍዳይ ተቘጢበን?

ሚሳኤል ክትኰስ እንከሎ ዘርኢ ምስሊ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ዝኸፈታላ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ግብረ-መልሲ ሂባን፡ ትቕጽል ኣላን።

እስራኤል፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መፍረዪ ነዳዲ ዝዀነ ትካል ሳውዝ ፓርስ ድሕሪ ምጥቅዓ፡ ብሓሙስ ቴህራን ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ትካል ጸዓት ራስ ላፋ ብምህራም መልሲ ሂባ።

ቐጠር ኰነት ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግን፡ ነቲ ብኢራን ክሳብ ሕጂ ዝወርደን ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሕነ ክፈድያ ኣይፈተናን፤ ከምኡ ክገብራ'ውን ኣይመረጻን።

ስለምንታይ ካብ ከምዚ ዓይነት ግብረ-መልሲ ተቘጢበን? ናብ ምጥቃዕ ክኣትዋ ዝገብረንከ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ልዑል ተቓላዕነት፡ ውሱን ረብሓ

ኣመሪካን እስራኤልን፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን ሓበራዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክጅምራ ከለዋ፡ ቴህራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ረብሓታት ኣመሪካ ዝዀኑ ትካላት እውን ብምጥቃዕ'ያ ቕልጡፍ መልሲ ሂባ።

ባሕሬን፡ ኩዌት፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ዖማን ብፍላይ ድማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኵለን ዒላማ ተገይረን እየን።

ኢራን ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ካብ ምጥቃዕ ብተወሳኺ፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሆቴላት፡ መንበሪ ቦታታትን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሓዊሱ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጺ ዒላማ ከም ዝገበረት ሰበስልጣን ወሽመጥ ዓረብ ገሊጾም።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግና ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ካብ ምፍዳይን ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ካብ ምስታፍን ክቝጠባ መሪጸን ኣለዋ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ብናቶም ኣረኣእያ እዚ ኲናት ናቶም ኣይኰነን፤ ብስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ተቓላዕቲ እንተዀይኖም፡ ካብ ተዓዘብቲ ናብ ዒላማ ክቕይሮም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ካብ ዝረብሑዎ ንላዕሊ ዝኸስርዎ ስለ ዘለዎም፡" ትብል ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማእከል ኣህጉራዊ ፖሊሲ እትሰርሕ ሲና ቱሲ።

እዚ ኣብቲ ኲናት ናይ ዘይምስታፍ ውሳነ ካብ "ናይ ተቓላዕነት ስምዒት፡ ስትራተጂያዊ ገምጋምን ድሩት ረብሓን፡" ዝመጽአ'ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ መራኽብን ርእሰ ምትእምማን ኣውፈርትን ዝተመርኰሰ ቍጠባ ብምህናጸን፡ "ኢራን ንዅሎም ከተዳኽሞም ከም እትኽእል ኣርእያ እያ፡" ኢላ።

ብፍላይ ኢራን ንዓለምለኻዊ ቍጠባ ወሰንቲ ዝዀኑ ወሽመጥ ፋርስን መጻብቦ ሆርሙዝን ከም ቀንዲ መሓንቘ ትጥቀመሉ ከም ዘላ ተረድእ።

ማኔጂን ዳይሬክተር ትረንድስ ሪሰርች ኤንድ ኣድቫይዘሪን ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ ጸሓፊ ምክልኻልን (ፔንታጎን) ዝነበረን ቢላል ሳብ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ተቘጢበን እንተቐጺለን፡ "ብዘይ ዝዀነ ሕነ ምፍዳይ ከቢድ ዕንወት ከውርዳ ከም ዝኽእላ ንቴህራን ይነግርኣ እየን ዘለዋ፡" ኢሉ።

"ዕላማ ሕነ ምፍዳይ፡ ኢራን ኣብ ሓጺር ግዜ መጥቃዕታታ ደው ከተብል ምግዳድ'ዩ፣ ኣብ ነዊሕ ግዜ ድማ ኣንጻር መጻኢ መጥቃዕትታት ኢራን ገለ ዓቕሚ ምክልኻል ምፍጣር'ዩ፡" ኢሉ።

ወሲኹ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝበጽሐን ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ንመስርሕ እቲ ኲናት ብዓቢኡ ክቕይሮ ድዩ ወይስ ስትራተጂያዊ ክዀና ይኽእላ'የን? ዝብል ግልጺ ስለ ዘይኰነ፡ እቲ ሓደጋታት "ልዑል" ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ክፍሊ መጽናዕቲ ምክልኻል ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን መምህር ኣህጉራዊ ጸጥታ ሮብ ጌስት ፒንፎልድ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ምላሽ ዘይምሃበን ምስ እስራኤልን ነቲ ዞባ ምስ ዘለዋ ዕላማታትን ንምትሕብባር ድሌት ከም ዘይብለን'ውን ዘርኢ'ዩ ኢሉ።

"እስራኤል ንኣመሪካ ናብዚ ኲናት ጐቲታታ ዝብል ስምዒት ኣሎ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ መዓፈፎ ነፈርቲ ዱባይ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ መዓፈፎ ነፈርቲ ዱባይ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ'ዩ

'መናፍስቲ 2003'

ብዙሓት መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ፡ ድሕሪ ኣመሪካ ምስ ዒራቕ ዝነበራ ኲናት ዝመጽእ ሳዕቤናት ክሳብ ሕጂ ካብ ዝኽሮም ከም ዘይሃሰሰ ፒንፎልድ ይዛረብ።

ኣመሪካ ኣብ 2003 ንዒራቕ ወሪራ ንመንግስቲ ሳዳም ሑሴን ብቕልጡፍ ኣውዲቓቶ። እቲ ስዒቡ ዝመጽአ ሃጓፍ ስልጣን ግን ኣብ ዒራቕን እቲ ዞባን ንዓመጽ፡ ሃይማኖታዊ ጐነጻትን ንዓመታት ዝቐጸለ ዘይምርግጋእን ኣስዒቡ።

ፒንፎልድ፡ "መንፈስ 2003 ገና ኣብቲ ዞባ ኣንጸላልዩ'ዩ ዘሎ፡" ይብል።

"ኣብ ኣፍደገ ገዛኦም ንዝፍጠር ናዕቢን ዘይምርግጋእን ኣፍደገ ከይኸፍትን ጽልዋ ኢራን ከይስፍሕን ይሰግኡ። በዚ ኩነታት ጌጋ ከም ዘይፍጽሙ ከረጋግጹ ድማ ይደልዩ።"

ፒንፎልድ ወሲኹ፡ ኣመሪካ "ድሕሪ ኲናት እንታይ'ያ ከተዐውት እትደሊ ዝብል ንጹር ዕላማ ወይ ኣንፈት ዘይብሉ ዕሽሽነት ዝመልኦ ወፍሪ ትገብር ኣላ፡" ኢሉ። እቲ ዞባ ድማ ድሕሪ ኲናት "ኣብ ዕግርግር ከይተርፍ፡ " ይሰግኡ።

ኣመሪካን እስራኤልን ነዚ ኲናት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ምጅማረን ሕጕሳት ከም ዘይኰና ብሰፊሑ ክረአ እንከሎ፡ ንዞባአን ንምክልኻል ግን ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣዝየን ጽግዕተኛታት ኰይነን ይቕጽላ ኣለዋ።

ብዙሓት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ሰራዊትን ኣመሪካ ካብ ምእንጋድ ብተወሳኺ ስለያዊ ሓበሬታ ይካፈላን ኣብ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ኣመሪካ ይምኰሳን።

ብመሰረት ሰበስልጣን ወሽመጥ ዓረብ፡ እዞም መከላኸሊ ኣየር ንመብዛሕትኡ ካብ ኢራን ዝካየድ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ዓጊቶምዎ ኣለዉ።

"[ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ] ንኣመሪካ ብፖለቲካዊ መዳይ እኳ ክሓትኣ እንተጸንሐ፡ ብኣሰራርሓን ወተሃደራውን መዳይ ግን እቲ ዝምድና ተፈቲኑ'ዩ፡ ነቲ ፈተና ድማ ክሓልፎ ክኢሉ'ዩ፡" ይብል ፒንፎልድ።

ኣመሪካ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ እትጅምር ኣትሒዛ፡ ንወተሃደራዊ ስርሒታታ ካብ ምጥፋእ ዓቕሚ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኢራን ክሳብ ለውጢ ስርዓት ዝበጽሕ ዝተፈላለየ ዕላማታት ኣቐሚጣ ኣላ።

መራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ግን፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኲናት ንምውዳእ እቲ እንኮ መንገዲ ዲፕሎማሲ'ዩ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ፒንፎልድ ገሊጹ።

"መጥቃዕቲ ከም ዘይበጽሖም ንምርግጋጽ እቲ እንኮ መገዲ ኣብ ገለ ዓይነት ስምምዕ ምብጻሕን ዘተ ምግባርን እዩ።"

ኣብ ዱባይ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዱባይ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ህንጻ

ዝተኸፋፈለ ዞባ

ኢራን ንዅለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ "ብማዕረ" ዒላማ ከም ዘይገበረት ፒንፎልድ ገሊጹ። እዚ ድማ ነቲ ምስኦም ዘለዋ ዝተፈላለየ ዝምድናታት ዘንጸባርቕ እዩ።

ኢማራት ዓረብ ኣብዚ ኲናት ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ኢማራትን ባሕሬንን ኣብ 2020 ምስ እስራኤል ዝነበረን ዝምድና ናብ ንቡር መሰሊንኦ።

ብኣንጻሩ እታ ንነዊሕ እዋን ኣብ መንጐ ኢራንን ሃገራት ምዕራብን ከም ድልድልን መንጐኛን ኰይና ዘገልገለት ዖማን፡ ብቴህራን ብዙሕ ዒላማ ኣይተገብረትን።

ፒንፎልድ፡ "ዖማን እታ እንኮ ንሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን [ሞጅታባ ካሜነይ] እንቋዕ ሓጐሰካ ዝበለት ሃገር ወሽመጥ ዓረብ እያ፤ ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ግን ነዚ ኣይስዓብኦን፡" ኢሉ።

ዋና ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ ማእከል መጽናዕቲ ህዝባዊ ፖሊሲ መሓመድ ባሃሮን፡ "ኢራን ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምጥቃዕ ናብ ጸላእቲ ትቕይረን ማንም ዘይደልዮ ምሉእ ኲናት ከተለዓዕል ትፍትን ኣላ፡" ክብል ገሊጹ።

ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፡ መሰል ርእሰ ምክልኻል ከም ዘለዎም ኣስሚሮምሉ።

ስጕምቲ ሕነ-ምፍዳይ እንታይ ከስዕብ ይኽእል?

ኣብ ባሕሬን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባሕሬን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ህንጻ

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሕጂ ሕነ ናብ ምፍዳይ እኳ እንተ ዘይኣተዋ፡ እቲ ኵነታት ቀልጢፉ ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብሉ ተንተንቲ'ውን ኣለው። ብፍላይ መጥቃዕቲ ኢራን ትሕተ ቅርጺ ጸዓት እንተደምሲሱ ክገድድ ከም ዝኽእል የገንዝቡ።

ሓደ ካብቲ ነቲ ኵነታት ክቕይሮ ዝኽእል ኣማራጺ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ዓቢ መጥቃዕቲ ምፍጻም እዩ።

ድሕሪ'ቲ ብሓሙስ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያ ጸዓት ቐጠር ራስ ላፋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ኢራን ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታታ መጥቃዕቲ እንተቐጺሉ፡ ንመሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ወሽመጥ "ምሉእ ብምሉእ ከተጥፍአን፡" ምዃና ተሓንያ እያ።

ካልእ ነዚ ክቕይሮ ዝኽእል ነገር ድማ፡ ዞባዊ ደገፍቲ ኢራን ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዒላማ ዝገብሩ እንተዀይኖም'ዩ።

"ብሑቲ መጥቃዕቲ እንተበጺሑዎ ... እዚ ሓድሽ ግንባር ምኸፈተ፡" ይብል ፒንፎልድ።

ከምኡ እንተዀይኑ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እቲ ግጭት ኣብ መንጐ ኣመሪካን እስራኤልን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናተን እውን ጌረን ክርእያኦ ይኽእላ እየን ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ገና ዝዀነ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ እንተዘይወሰዳ፡ ስትራተጂ ኢራን ግን "ኣዝዩ ልዑል ሓደጋ ኣለዎ፡" ይብል ፒንፎልድ።

"ኢራናውያን ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዘለዎም ኵሉ ድልድላት የቃጽልዎ ኣለዉ። እዚ ድማ ኢራናውያን ነዚ ግጭት ክሳብ ክንደይ ጉዳይ ህልዉና ከም ዝገበርዎ ዘርኢ'ዩ፡" ኢሉ።

ሄሊየር፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ነቲ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ኢራን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ዒላማታት "ኣይቅበላን እየን" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኢራን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዋሽንግተን ንኽርሕቃ ጸቕጢ ንምግባር እትኽተሎ ዓቢ ስትራተጂ ክሰርሕ ከም ዘይክእል ይኣምን።

"[ንሳቶም] ንናይ ገዛእ ርእሶም ጸጥታ ቀዳምነት ብምሃብ፡ ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጸም መጥቃዕትን ኣብ ልዕሊኦም ዘስዕቦ ስግኣትን ደው ንምባል ዝግበር ወፍሪ ምድጋፍ ዝያዳ ምቹእ ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።"

ኣብ ባሕሬን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ መጻረዪ ነዳዲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባሕሬን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ መጻረዪ ነዳዲ