ኲናት ኢራን ንኪም ጆንግ ኡንን ሰሜን ኮርያን የስግእ ድዩ?

ኲናት ኢራን ንመጻኢ ንኪም ጆንግ ኡንን ሰሜን ኮርያን የስግእ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, BBC / Andro Saini

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብልፍንቲ ዝወለዐኦ ኲናት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ልሒሙ ንዓለም ኣሻቒሉዋ ኣሎ።

እቲ ካብቲ ዞባ ኣዝዩ ርሒቑ ኣብ ምብራቕ ኤስያ ዝርከብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣብ ጽባሕ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሃገሩ "ዘይምኽኑይ ኲናት" ኢላ ብምዅናን ነቲ ምዕባለ ብጥንቃቐን ብዝተፈልየ ስምዒትን ትከታተሎ ከምዘላ ኣየጠራጥርን እዩ።እዚ ኲናት እዚ ንመጻኢ ሰሜን ኮርያ እንታይ ትርጕም ክህልዎ እዩ?

ኪም ጆንግ ኡን ከ ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሓዛኡ ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ እንታይ ክመሃር'ዩ? እዚ ጽሑፍ እዚ ክድህስሶ እዩ።

ዝምድና ሰሜን ኮርያን ኢራንን ትማሊ ዝጀመረ ኣይኮነን።

ካብቲ ኣብ 1979 ኣብ ኢራን ዝተኻየደ እስላማዊ ሰውራ ጀሚሩ ዝተነድቀ እዩ።

ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ጸላኢ (ኣመሪካ) ስለዘለወን፡ "ጸረ-ኣመሪካዊ ናይ ቅድመ ግንባር ምሕዝነት" ፈጢረን።

ኣብ እዋን ኲናት ኢራን-ዒራቕ (1980-1988)፡ ሰሜን ኮርያ ሓንቲ ካብተን ንኢራን ኣጽዋር ብምሻጥ ዝሓገዛ ውሑዳት ሃገራት ነይራ።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፡ ክልቲአን ሃገራት ካብ ንግዳዊ ስምምዓት ክሳብ ኣብ ምምዕባል ሚሳይላትን ወተሃደራዊ ሽርክነትን ሃኒጸን ከምዝጸንሓ እዩ ዝንገር።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ዲፕሎማት ሰሜን ኮርያ ነበር፡ ኢራን ኣብ ሰደድ ኣጽዋር ቀዳመይቲ መሻርኽቲ እታ ሃገር ምዃና ይዛረብ።

እዚ ድማ ንቁጠባ ሰሜን ኮርያ ዓቢ ደገፍ እዩ። ይኹን እምበር ሰሜን ኮርያ ብኽልተ ነገራት፡ ካብ ኢራን ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ከም እትርከብ ተንተንቲ ይገልጹ። እዚኦም ድማ ኒዩክለራዊ ኣጽዋርን ቻይናን እዮም።

ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ ብዓቢ ስግኣት እዮም ዝርእይዎ።

ኣብ 2003 ኣመሪካ ንዒራቕ ክትወርር እንከላ፡ ነፍስሄር መራሒ ኪም ጆንግ ኢል ን50 መዓልታት ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተሰዊሩ ነይሩ።

እዚ ድማ ኣመሪካ ቀጺላ ናብ ፒዮንግያንግ ከይትመጽእ ካብ ዝነበሮ ስግኣት ዝተላዕለ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ስለያ ደቡብ ኮርያ፡ ኪም ጆንግ ኢል ዝበዝሕ ግዜኡ ካብ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ ኣስታት 600 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ድፋዓት እዩ ዘሕልፎ ነይሩ።

ሎሚ ግን ኵነታት ተቐይሩ፤ ወዱ ኪም ጆንግ ኡን፡ ዋላ'ውን ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ዓሊ ኻሜኒይ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ስግኣት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኣይተኸወለን።

ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ ደቡብ ኮርያ ዳይረክተር ትንተን ሰሜን ኮርያ ነበር ጃንግ ዮንግ-ሴክ፡ ሰሜን ኮርያ ሓይላ ከም ዘዕበየት ዘርኢ ምልክት እዩ ክብል ይገልጾ።

ኪም ጆንግ ኡን ንዝተኮሰለይ ክትኩሰሉ እየ ዝብል ናይ መኸተ ስምዒት ዘሕደረ ይመስል።

'ገለ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ'

ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲ ኪም ጆንግ ኡን ብቐጻሊ ሚሳይላት ክትፍትን ጸኒሓ እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP / KCNA VIA KNS

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲ ኪም ጆንግ ኡን ብቐጻሊ ሚሳይላት ክትፍትን ጸኒሓ እያ

ሰሜን ኮርያ ብግብሪ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እትውንን ሃገር እያ፤ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከይተረፈ ኣብ 2025 እታ ሃገር "ብዙሕ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር" እትውንን ሃገር ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ።

ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶክሆልም ኣብ 2025 ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ ኣስታት 50 ዓረር ኒዩክለስን ተወሳኺ 40 ንምፍራይ ዝኣክል ንጥረ ነገራት ኣለዋ ይብል።

ኣብ ሓምለ 2024 ደቡብ ኮርያ፡ ሰሜን ኮርያ ዝሓጸረ ርሕቀት ዝውንጨፍን ኣብ ዓውደ ውግእ ዝውዕልን ታክቲካዊ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ኣብ "ናይ መወዳእታ ደረጃ" ከም እትርከብ ኣጠንቂቓ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ሊ ጄ ሚዩንግ እውን፡ ሰሜን ኮርያ ንመሬት ኣመሪካ ክሃርም ዝኽእል ስግረ-ኣህጉር ባሊስቲክ ሚሳይል ንምምዕባል ተቓሪባ ከምዘላ ምግላጹ ዝዝከር እዩ፣ ዋላ'ኳ እቲ መምርሒ ናይቲ ሚሳይል ዳግማይ ናብ ክሊ ኣየር ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ነቲ ዓረር ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ገና ኣብ ሕቶ እንተሃለወ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራን "ኣዝዩ ዓቢን ሰፊሕን ኒዩክለሳዊ መደብ" ከምዘለዋ እኳ እንተሓበረ፡ "ዝተዋደደ መደብ ምፍራይ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር" ከምዘለዋ ዘረድእ መርትዖ ግን ከምዘይረኸበ ይገልጽ።

ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ዘካይዶም መርመራታት ከም ዘረድኦ ኣብ 2015 ድሕሪ ዝተገብረ ፍሉይ ስምምዕ ኒዩክለር፡ ኢራን ኣብ መደብ ምህብታም ዩራንየም ተወሳኺ ደረት ክትገብር ተሰማሚዓ ነይራ።

እዚ ድማ ንፕሮግራም ኒዩክለስ ኢራን ንምዝሕሓል ከም ዝሓገዘ ኣብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፖሊሲ ኣሳን ክኢላ ማእከላይ ምብራቕ ጃንግ ጂ-ህያንግ ይዛረብ።

እንተኾነ ትራምፕ ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ኒዩክለር ስለ ዝሰሓበ ኢራን ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ናብ ኒዩክለሳዊ ትካላት ዝገብሮ ምብጻሕ ክትድርት ጀሚራ።

ኤፒ ኒውስ ኤጀንሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ተቘጻጻሪ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ምስጢራዊ ጸብጻብ፡ ኢራን ድሕሪ'ቲ ኣብ ሰነ 2025 ምስ እስራኤል ዘካየደቶ ኲናት ኵሉ ምትሕብባር ከም ዘቋረጸቶ ኣፍሊጡ ክብል ጸብጺቡ ነይሩ።

እንተኾነ ሰሜን ኮርያ ኣብ 2006 ፈላሚ ፈተነ ኒዩክለስ ኣካይዳ፤ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ንዅሎም ተቘጻጸርቲ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ኣባሪራ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ ተወሳኺ ሓሙሽተ ፈተነታት ኒዩክለስ ኣካይዳ፤ እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ 2017 ዘካየደቶ እዩ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ሰሜን ኮርያ ምስ ኣመሪካ ክትሰማማዕ ድሌት ነይርዋ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 2018ን 2019ን ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክልተ ታሪኻዊ ዘተታት ተኻይዶም።

ኪም እቲ ዓለምለኻዊ እገዳ ክለዓል ስለዝደለየ፡ መመንጨዊ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ዮንግብዮን ክፈርስ ምዃኑ ሓቢሩ። ትራምፕ ግን ካብኡ ወጻኢ ተወሳኺ ጠለባት ስለዘቕረበ ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርብ ኣይሰመረን።

ኣብዚ እዋን ሰሜን ኮርያ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዋ ትመስል፣ ምኽንያቱ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስታ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ቍጠባውን ወተሃደራውን ምትሕብባር እትገብር ሩስያ ክትቀርብ ስለዘኽኣላ ምዃኑ ኣብ ኮርያ ናይ ኣመሪካ ፕሮግራም ትካል ኣተሓሳስባ ስቲምሰን ሰንተር እትመርሕ ጀኒ ታውን ትገልጽ።

ትራምፕን ኪምን ግን ጽቡቕ ርክብ ዘለዎም ይመስሉ፤ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኪም ክንእድ ተሰሚዑ እዩ።

ኪም፡ "ምስ ትራምፕ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ፍሉይ ዕድላት" ዘለሊ'ኳ እንተኾነ "ነቲ ዝምድና ዳግማይ ንምትንሳእ መስዋእቲ ኣይክኸፍልን'ዩ" ትብል ጀኒ ታውን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰሜን ኮርያ ንኲናት ኢራን ክትኵንን ከላ ንትራምፕ ብግልጺ ኣይወቐሰትን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ውድባዊ ጉባኤ እውን፡ ሰሜን ኮርያ ደረጃኣ እንተ ተኸቢሩ ምስ ኣመሪካ ኣለዋ ጽቡቕ ዝምድና ክትዕቅብ ምዃና ገሊጻ ነይራ። እዚ ድማ ንዘተ ዘሎ ዕድል ክፉት ኰይኑ ክጸንሕ ዝሕግዝ እዩ።

ቻይና፡ ሩስያን 'ጅሆታት ኒዩክለስን'

ትራምፕን ኪምን ኣብ 2018 ኣብ ሲንጋፖር ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶም
መግለጺ ስእሊ, ትራምፕን ኪምን ኣብ 2018 ኣብ ሲንጋፖር ታሪኻዊ ርክብ ኣካይዶም

ሰሜን ኮርያ ብጂኦግራፊ እውን ተረባሒት እያ። ምስ ቻይና ትዳወብ፡ ንቻይና ከም ወሳኒ ዕርዲ ኣንጻር ኣመሪካን መሓዛኣ ደቡብ ኮርያን ትርእያ። ስርዓት ሰሜን ኮርያ እንተፈሪሱ ድማ ቻይና ብዙሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ከጋጥማ ይኽእል እዩ።

በዚ ድማ እዩ ዝምድና ክልቲአን ዴሳውያን ሃገራት፡ ብፍሉይ ክግለጽ ዝጸንሐ።

ቻይና ካብ 1961 ጀሚራ፡ ሰሜን ኮርያ እንተ ተወሪራ ብመሰረት ውዕለን ክትከላኸለላ ቃል ኣትያ እያ። እዚ ውዕል እዚ፡ በይጂን ዝፈረመቶ እንኮ ከምዚ ዓይነት ውዕል እዩ።

እዚ ማለት ቻይና ንሰሜን ኮርያ ኵሉ ግዜ ከም ፍጽምቲ መሓዛ እያ ትርእያ ንምባል ኣይኰነን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ደቡብ ኮርያ ነቲ ዘምርግጋእ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ናይቲ ዞባ ተስፍሖ ስለዘላ እዩ።

ሰሜን ኮርያ ምስ ሩስያ ዘለዋ ርክብ እናበረኸ ምኻዱ ንቻይና ብዙሕ ዘሐጕስ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ - ብፍላይ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2024 ውዕል ምክልኻል ምፍራመን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ሴኡል በጻሒ ተመራማሪ ጃንግ ዮንግ-ሴክ ይገልጽ።

እንተኾነ፡ "ቻይና ኣብ ሰሜን ኮርያ ስትራተጅያዊ ተገዳስነት ኣለዋ...ቻይና ኣብዚ ስትራተጅያዊ ረብሓታታ ኣዝያ ጽኑዕ መርገጺ ኣለዋ፣ ኪም ጆንግ ኡን ድማ ነዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ'ዩ" ይብል ጃንግ ዮንግ-ሴክ።

ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ኮርያን ጃፓንን እውን ብሰንኪ ጂኦግራፍያዊ ቅርበተን ከም "ጅሆታት ኒዩክለስ" ሒዛተን ከምዘላ ካብ ኢንስቲትዩት ኣሳን ዝዀነ ጃንግ ይዛረብ።

ክልቲአን ኮርያታት በቲ ኣስታት 250 ኪ.ሜ ንውሓትን 4 ኪ.ሜ ስፍሓትን ዘለዎ ወተሃደራዊ ዞባ ጥራይ እየን ዝፍለያ፡ ኣብ መንጎ ርእሰ ከተማታተን ዘሎ ርሕቀት እውን ኣስታት 200 ኪ.ሜ ጥራይ እዩ።

እዚ ማለት እቲ ብኢንቸኦንን ግዝኣት ግዮንግጊን ዝቘመ ሜትሮፖሊታን ኤርያ ሴኡል፡ ኣብ ውሽጢ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ዞባ ሰሜን ኮርያ ከምዘሎ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያ ደቡብ ኮርያ ዝነበረ ጃንግ ይዛረብ።

"ደቡብ ኮርያ ከም በዓል እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝኣመሰሉ ሚሳይላት ክትዓግት ዘለዋ ብቕዓት ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣተወ'ዩ" ክብል ይውስኽ።

ጃፓን እውን ኣብ ዞባ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ሰሜን ኮርያ ትርከብ። ሰሜን ኮርያ ኣብ እዋን ፈተነታታ ብቐጻሊ ናብ ባሕሪ ጃፓን ሚሳይላት ክትትኩስ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።

እዘን ክልተ ሃገራት ኤስያ ኣስታት 80 ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ ከአንግዳ እንከለዋ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግን ኣስታት 50 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ጥራሕ እዮም ዓስኪሮም ዘለው።

ኲናት ኢራን፡ ኣብ ውሽጢ መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ዓሊ ኻሜነይ "ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ስለዘይነበሮ ረዳኢ ስኢኑ" ዝብል ጽኑዕ ኣረኣእያ ኣስሪጹ ክኸውን ይኽእል እዩ።

በዚ ከኣ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ድርድር ንህላወ እቲ ስርዓት ውሕስነት ከም ዘይህብን ኣብ ዲሲ ዝመደበሩ ኢኮኖሚክ ኢንስቲትዩት ኮርያ-ኣሜሪካ ኢለን ኪም ትዛረብ።

ጄኒ ታውን እውን ምስ እዚ ሓሳብ ትሰማማዕ።

"ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኒዩክለሳዊ መከላኸሊ ዓቕሚ ንምድላይ ብዙሕ ተቓሊሳ ክትከውን ትኽእል'ያ፤ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞታት ግን ኪም ጆንግ ኡን ንሓንቲ ኒዩክለሳዊ ዕጥቂ ዘለዋ ሃገር ምጥቃዕ ዘስዕቦ ዕዳ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑን ግብራዊ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዘይክእል ስለዝፈልጥ፡ ቅኑዕ ውሳነ ከም ዝወሰደ ዳርጋ ርግጸኛ'ዩ፡" ትብል።