ኲናት ኢራን ብኸመይ'ዩ ጀሚሩ፤ ድሕሪኡኸ እንታይ'ዩ ክኸውን?

ኣብ ኢራን ኣብ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲ ብለይቲ ድሕሪ ዝበጽሖ መጥቃዕቲ ዝተላዕለ ሃልሃልታ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

ንባብ: 7 ደቓይቕ

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ብዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ ብቐዳም 28 ለካቲት 2026 ድሕሪ ምቕታሉ፡ እቲ ረጽሚ ናብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መሓዙት ሃገራት ኣመሪካን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ግብረመልሲ ሂባ። እቲ ውግእ ቀልጢፉ ናብ ሊባኖስ ክሰፍሕ እንከሎ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ይበጽሕ ኣሎ።

ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጕጅለ ሊባኖስ ሕዝቦላህ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ናብ እስራኤል ሮኬታት ብምውንጫፍ ናብቲ ውግእ ተጸንቢሩ። እስራኤል ድማ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ሂባ።

ኣብ ኢራን እንታይ ከጋጥም ጸኒሑ?

መግለጺ ቪድዮ, መረጻዪ ነዳዲ ኢራን ምስ ተጠቕዐ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ኣመሪካን እስራኤልን ብቐዳም፡ ንመሰረተ ልምዓት ሚሳይላት፡ ወተሃደራዊ ቦታታትን ላዕለዎት መራሕትን ኢራን ዒላማ ብምግባር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም።

ካብ 1989 ጀሚሩ ንኢራን ዝመርሕ ዝነበረ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ ማዕበል መጥቃዕቲ ኣብ ቴህራን ተቐቲሉ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሓያል ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ (IRGC) ዝርከቡ ዓሰርተታት ላዕለዎት ፖለቲካውያን ፍሉጣት ሰባትን መራሕትን ኢራን እውን ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።

ወዲ ኻሜኒ ሞጅታባ ኻመኒ ብ8 መጋቢት 2026 ተካኢ ኣቦኡ ኰይኑ ተሰይሙ።

ምኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ድሒሩ ሞጅታባ በቲ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ተጐዲኡ እዩ ኢሉ፤ ኢራን ነዚ ነጺጋቶ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓላፊ ጸጥታ ዓሊ ላሪጃኒ፡ ምኒስተር ስለያ እስማዒል ኻጥብን ሓላፊ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ባሲጅ ጎላምረዛ ሶሌማኒን ዝርከቡዎም ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢራን ተቐቲሎም።

እስራኤል ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ዒላማ ከም ዝገበረቶም ትገልጽ።

ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ፕሮግራም ኑክሌር ኢራን ዝተኣሳሰሩ ወሰንቲ ቦታታት ከምኡ'ውን ናይ ነዳድን ጋዝን ቦታታት ኢራን ዒላማ ገይረን ኣለዋ። ኢራን፡ ፕሮግራም ኒዩክሌር እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ንሰላማዊ ዕላማ ዝዓለመ ምዃኑ ትምጕት።

ኣመሪካ፡ ቀንዲ ምንጪ ቍጠባ ኢራን ንዝዀነት ማእከል ነዳዲ ኢራን ደሴት ኻርግ ኣጥቂዓ እያ።

እስራኤል፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ማእከል ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዝዀነ ሳውዝ ፓርስ እውን ዒላማ ገይራ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ጕጅለ ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢራን (HRANA) ክሳብ 21 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ 3,230 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ጸብጺቡ።

እዚኦም፡ 1,167 ወተሃደራዊ ኣባላትን 1,406 ሲቪላትን ዝርከቡዎም ምዃኖም ይገልጽ።

ካብዚኦም ብውሑዱ 210 ህጻናት እዮም። ካልኦት ሲቪላዊ/ወተሃደራዊ ምዃኖም ዘይተገልጹ 657 ሞት እውን መዝጊቡ።

ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ብ28 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ጥቓ መደበር ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣዋልድ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከሲሳ፤ በዚ ኣስታት 110 ህጻናት ዝርከብዎም 168 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጻ።

ኣመሪካ ነቲ ፍጻመ ትምርምሮ ከም ዘላ ክትገልጽ ከላ፡ እስራኤል ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ይኹን ወተሃደራዊ ስርሒታት ምፍጻሙ "ከም ዘይትፈልጥ፡" ገሊጻ።

ትንታነ ቪድዮ ክኢላታት ቢቢሲ ቨሪቫይ ከም ዘመልክትዎ፡ ሚሳይል ኣመሪካ ቶማሃውክ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሃሪሙ።

ዓለምለኻውያን ጋዜጠኛታት ናብ ኢራን ምብጻሕ ድሩት ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ኢንተርነት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተገዲቡ ኣሎ።

ካብ ግዝኣት ኢራን ወጻኢ፡ ሓንቲ መርከብ ውግእ ኢራን ብ4 መጋቢት ኣብ ከባቢ ሲሪላንካ ኣብ ዝርከብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብሳብማሪን ኣመሪካ ተሃሪማ ጥሒላ፣ ብውሕዱ 87 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ኢራን ኣበይ ኣጥቂዓ?

ኢራን ንመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን "ምኽኒት ዘይብሉ፡ ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን፡" ክትብል ኰኒናቶ፤ ከም ግብረ መልሲ ድማ ኣብቲ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ፈጺማ።

ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ተልኣቪቭን ካልእ ቦታታትን ንዝርከቡ መንግስታውን ወተሃደራውን ቦታታትን እስራኤል ዒላማ ከም ዝገበረ ገሊጹ።

ክሳብ 19 መጋቢት፡ ሰብመዚ እስራኤል፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 15 ሰባት - ኵሎም ሲቪላት - ብሚሳይላት ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።

ኣብተን ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ዘአንግዳ ሃገራት - ቐጠር፡ ባሕሬን፡ ዮርዳኖስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (ኢማራት ዓረብ)ን ኩዌትን - ከምኡ'ውን ምስ ኣመሪካ መሓዙት ዝዀና ዖማንን ስዑዲ ዓረብን መጥቃዕቲታት ፈጺማ።

13 ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ተቐቲሎም። ኢራን ንመሳለጥያታት ነዳድን ጋዝን፣ መራኽብን ሲቪላዊ ቦታታትን ብምጥቃዕ'ውን ትኽሰስ።

ብ18 መጋቢት ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ ትካል ጸዓት መጥቃዕቲ ፈጺማ፤ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እስራኤል ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ማእከል ነዳዲ ሳውዝ ፓርስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ሂባ፣ ዝሞተ ሰብ የለን።

ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ጸጥታ ወይ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት እዮም።

ሸሞንተ ሰባት ኣብ ኢማራት ዓረብ ሽዱሽተ ድማ ኣብ ኩዌት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዖማን፡ ስዑዲ ዓረብን ባሕሬንን ድማ ነፍሲ ወከፈን ክልተ ሰባት ሞይቶምወን።

ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ፡ ሓደ ወተሃደር ፈረንሳ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኩርዳውያን ብድሮን ተቐቲሉ።

ኣብ ዒራቕ እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ንጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንምምካት ዝተመስረተ ህዝባዊ ምልዕዓል ሓይልታት - 27 ኣባላቶም ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።

ኣብቲ ብእስራኤል ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ኣርባዕተ ፍልስጤማውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሓደ ናይ ጽባቐ ሳሎን ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ኢራን ተቐቲለን።

ቱርኪ፡ ምክልኻል ኣየር ኔቶ ኣብ ልዕሊ ክሊ ኣየራ ሰለስተ ሚሳይላት ኢራን ከም ዘውደቐ ገሊጻ።

ኣዘርባጃን፡ ኢራን ኣብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ድሮን ፈጺማ ክትብል ከሲሳ።

ኣመሪካን መሻርኽታ ሃገራት ዓረብን፡ "ንሲቪላትን ኣብ ተጻብኦታት ዘይተዋፈራ ሃገራትን ዒላማ ምግባር ሸለልትነት እዩ፡" ብምባል ንመጥቃዕቲ ኢራን ኰኒነናኦ።

ብ14 መጋቢት፡ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ተማሕጺኑ፤ እዚ ድማ ሳሕቲ ናብ ቀንዲ መሓዛኡ ዘቕረቦ ጻውዒት እዩ።

ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ብድሮን ከም ዝተሃርመ ምኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢሩ። ድሒሮም ሰበስልጣን ምዕራባውያን እታ ድሮን ካብ ኢራን ከም ዘይተወንጨፈት ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኢራን ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ዲየጎ ጋርስያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዓባይ ብሪጣንያ ክልተ ባሊስቲክ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ይንገር - እንተዀነ ክልቲኡ ሚሳይላት ዒላማኡ ከም ዘይሃረመ ይግለጽ።

ብ7 መጋቢት ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን ነተን መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ጐረባብቲ ሃገራት ይቕሬታ ​​ብምሕታት "ካብ ሕጂ ንደሓር" ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን "መጀመርታ እንተ ዘይተጠቒዑ" ንጐረባብቲ ሃገራት ከጥቅዕ የብሉን ኢሉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ደው ዝበለ መጥቃዕቲ የለን።

ኣብ ሊባኖስ እንታይ የጋጥም ኣሎ?

ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ቤይሩት ብ9 መጋቢት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብብዝሒ ዝነብሩ ህንጻ ጉድኣት ወሪዱ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ብ2 መጋቢት፡ ብሊባኖስ ሓድሽ ግንባር እቲ ኲናት ተኸፊቱ። ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሕዝቦላህ ንቕትለት ኻሜኒ ሕነ ንምፍዳይ ናብ እስራኤል ሮኬት ወንጪፉ።

እስራኤል ከም ግብረመልሲ ኣብ ሊባኖስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ንደቡባውን ማእከላይን በይሩትን ንገለ ክፋል ደቡባውን ምብራቓውን ሊባኖስን ወቒዓ።

ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ብ3 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሕዝቦላህ ዝመጽእ መጥቃዕቲ ደው ንምባል፡ ኣጋር ሰራዊት "ክግስግሱን ኣብ ሊባኖስ ተወሳኺ ስትራተጂያዊ ከባቢታት ክሕዙን እዮም፡" ኢሉ።

ክሳብ 20 መጋቢት ምኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ ብመጥቃዕቲ እስራኤል 118 ህጻናት ዝርከብዎም 1001 ሰባት ከም ዝቐተሉ ገሊጹ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ - ብገምጋም ሓደ ስድሲት - ካብ መንበሪኦም ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ ሊባኖስ ኣፍሊጡ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል እውን ክሳብ 8 መጋቢት ክልተ ወተሃደራቱ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ኣመሪካን እስራኤልን ስለ ምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን?

ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንምንታይ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ምውሳድ ከም ዘድሊ እኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ፡ ​​"ኣብ ልዕሊ ሃገረ እስራኤል ዝፍጸም ስግኣታት ንምእላይ ቅድመ-ምክልኻል፡" ዝዓለመ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብ2 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋሽንግተን እስራኤል ስጕምቲ ከም እትወስድ ትፈልጥ ምንባራ ገሊጹ። እዚ ማለት ድማ ​​ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ክበጽሕ ዝኽእል መጥቃዕቲ ኢራን ንምውጋድ "ኣቐዲማ" ስጕምቲ ክትወስድ እያ ማለት'ዩ።

ግን ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ።

እስራኤልን ኣመሪካን – ናይ ቀረባ መሓዛኣ – ካብ እስላማዊ ሰውራ ኢራን 1979 ጀሚረን ቀንዲ ጸላእቲ ኢራን ኰይነን ዝጸንሓ እየን።

መሪሕነት ኢራን ብቐጻሊ እስራኤል ክትውገድ ጸዊዑን ንኣመሪካ ዝዓበየት ጸላኢትና ክብል ይዅንንን።

ክልቲአን ሃገራት፡ ኢራን ኒዩክለሳዊ ቦምብ ከተማዕብል ትደሊ'ያ ይብላ፤ ኢራን ግን ነዚ ብትሪ ትነጽጐ።

ብሰነ 2025 ኣብ ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናት፡ ነቝጣታት ኑክሌርን ወተሃደራዊ ቦታታትን ኢራን ተጠቒዖም።

እስራኤል፡ ኢራን ስግኣት ህልውናይ እያ ትብል። ፕሮግራም ኒዩክለርን ሚሳይልን ኢራን ምሉእ ብምሉእ ክእለ፡ ከምኡ'ውን ለውጢ ስርዓት ኢራን ክግበር ትደሊ።

ኣመሪካ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጥሪ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ኣብ ዝጭፍጨፍሉ እዋን፡ ንኢራን ከተጥቅዕ ከም እትኽእል ብግልጺ ተዛሪባ ነይራ።

ኣመሪካን ኢራንን ኣብ መንጐ ዘተ ጀሚረን።

ትራምፕ በቲ ክሳብ 27 ለካቲት ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ "ሕጕስ ኣይኰንኩን" ኢሉ።

ድሕሪ ሰዓታት ድማ ኣመሪካን እስራኤልን መጥቃዕቲ ጀሚረን።

እዚ ኲናት ኣብ ቁጠባን ዋጋ ነዳድን ዘሕድሮ ዘሎ ጽልዋ

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባ ጽልዋ ከሕድር ጀሚሩ ኣሎ።

ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ መራኽብ ብምጥቃዕ ትኽሰስ፤ መጻብቦ ሆርሙዝ - ኣስታት 20% ካብ ዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ ዘሕልፍ ቀንዲ መስመር ዓጽያቶ ኣላ።

ትራምፕ ብ21 መጋቢት ንኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ "ምሉእ ብምሉእ ክትከፍቶ፡ እንተዘይኰይኑ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክትድምስስ" 48 ሰዓታት ግዜ ገደብ ሂቡዋ ኣሎ።

ኢራን ከምኡ እንተድኣ ኣጋጢሙ ኣብቲ ዞባ ናይ ኣመሪካ ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ምጽራይ ነዳድን ዒላማ ክትገብር ምዃና ገሊጻ።

ኣብ ዓበይቲ ማእከላት ነዳድን ጋዝን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።

እዚ መጥቃዕቲታት፡ ንገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን ምህርቲ ደው ከብሉ ደሪኽዎም - ከም ውጽኢቱ ዋጋታት ጸዓት ሓያል ወሰኽ ከም ዘርኣየ ይፍለጥ።

ናብቲ ዞባ ምጕዓዝ ውሑስ ድዩ? እቲ ኲናትከ ክሳብ ክንደይ ክጸንሕ ይኽእል?

ትራምፕ ብ20 መጋቢት፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ዕላማታታ ንምዕዋት "ኣዝያ ትቐርብ" ስለ ዘላ፡ ነቲ ኲናት "ክዛዝሞ" ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

ቅድሚ ሕጂ ንኲናት ዝኸውን ሰፊሕ ተልእኾ ኣቐሚጡ ነይሩ፤ እዚ ኢራን "ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን" ንኣመሪካ፡ እስራኤል ወይ ንዝዀነ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ ኣጽዋር ከተማዕብል ከም ዘይትኽእል ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ኣቐዲማ እቲ ኲናት ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ክጸንሕ ከም ዝኽእል ተዛሪባ ነይራ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት እቲ ወፍሪ "ኣድላዪ ክሳብ ዝዀነ ክቕጽል'ዩ፡" ኢሉ።

እዚ ኲናት ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለምለኻዊ ጕዕዞታት ካብ ዘጋጠሙ ከበድቲ ምዝንባላት ሓደ እዩ።

ገለ መንገዲ ኣየራት ስርሐን ቀጺለን ወይ ውሱን በረራታት ዳግማይ ጀሚረን ኣለዋ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክገይሽ ዝሓስብ ሰብ ምኽሪ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መገዲ ኣየራት ኣቐዲሙ ክሓትት ከም ዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።