ኣመሪካ ንምንታይ'ያ ንኢራናዊት ደሴት ካርግ ኣጥቂዓታ?

ደሴት ካርግ ካብ ገማግም ኢራን 28 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ዶናልድ ትራምፕ፡ ምክልኻል ኣመሪካ ንሓንቲ ንኢራን መትኒ ቁጠባኣ ምዃነ እትግለጽ ንእሽተይ ደሴት ከምዝደብደባ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ደሴት ካርግ ዝነበረ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ኢራን ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ብምሕባር፡ ኣብታ ደሴት ዝነበረ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ግን ከምዘይሃረምዎ ሓቢሩ።

እንተዀነ፡ ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ዓጽያ ናይ ምቕጻል መደብ እንተሃይልዋ፡ ንሱ'ውን ነቲ ኣብ ደሴት ካርግ ዘሎ መስመራትን መደበርን ነዳዲ ኢራን ከምዝሃርሞ ፈኪሩ።

ኢራን ብወገና፡ ኣመሪካ ኣብ ደሴት ካርግ ንዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ነዳድን ጸዓትን እንተሃሪማቶ፡ ኢራን ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብ ነዳድን ጽላታት ጸዓታን ዝሰርሓ ኣመሪካውያን ትካላት ደብዳብ ከምእትፍጽም ኣጠንቂቓ።

ደሴት ካርግ ንምንታይ'ያ ንኢራን ኣዝያ ተገድሳ?

ንወሽመጥ ሆርሙዝ ዘርኢ ብቢሲ ዝተዳለወ ካርታ

ደሴት ካርግ ካብ ገማግም ኢራን 28 ኪሎሜትር ርሒቓ እትርከብ ንእሽተይን ከውሒ ዝበዝሐን ደሴት'ያ።

እዛ ደሴት ዋላ ድኣ ንእሽተይ ትኹን'ምበር ብመዳይ ነዳድን ጸዓትን ኣብ ቁጠባ ኢራን ዘለዋ ኣበርክቶ ኣዝዩ ልዑል'ዩ።

ኣመሪካ ነዛ ደሴት ምጥቓዓ ከኣ ኣብ መትኒ ቁጠባ ኢራን ሃስያ ከተውርድ ስለዝደለየት'ያ ትመስል።

90 ሚኢታዊት ካብ ነዳዲ ኢራን በዚ ኣብዛ ደሴት ዘሎ መኣከቢ ነዳዲ ኣቢሉ'ዩ ዝሓልፍ።

እቲ ኣብዛ ደሴት ዘሎ ነቑጣ መአከቢ ነዳዲ ብውሽጢ ባሕሪ ብዝተዘርገሐ መስመራት ካብ ሰለስስተ ዓበይቲ መዓደኒ ነዳዲ ኢራን፡ ተቐቢሉ መዓልታዊ ኣስታት 1̄.3 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ የጻሪ።

ብሓፈሻ እታ ደሴት ክሳብ 18 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ኣለዎ።

ገማግም እታ ደሴት እቲ ማያዊ ኣካሉ ኣዝዩ ዓሚቕ ስለዝዀነ መራኽብ ንክጽግዓሉ ኣዝዩ ምቹእ'ዩ።

እታ ደሴት ዓበይቲ መጸግዒ መራኽብ ስለዘለወዋ ከኣ ክሳብ 85 ሚልዮን ጋሎን ነዳዲ ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለወን መራኸብ ትቕበል።

እተን መራኽብ ካብዚ ብምብጋስ ንመጻበቦ ሆርሙዝ ሓሊፈን ናብ ከም ቻይና ዝኣመሰላ ካብ ኢራን ብብዝሒ ነዳዲ ዝሽምታ ሃገራት ይኸዳ።

በዚ መሰረት እታ ደሴት ሓንቲ ካብ ቀንዲ ምንጪ እቶት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራንን መንግስቲ ኢራንን'ያ።

ንምንታይ ደኣ ኣብታ ደሴት ንዘሎ መጻረዪ ነዳዲ ዘይተንከፈቶ?

ኣብ ደሴት ካርግ ዝርከብ መኽዘን ነዳዲድ

ምንጪ ስእሊ, Planet Labs via Reuters

ትራምፕ፡ ብዓርቢ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣዝዩ ምዕቡል ቦምባታት ብምጥቓም ኣብ ደሴት ካርግ ንዝርከብ ወተሃደራዊ ዕላማታት ከምዘዕነዎ ሓቢሩ።

ብምስዓብ "ምቕልል ስለዝበልና፡ ነቲ ኣብታ ደሴት ዘሎ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ክንድምስሶ ኣይመረጽናን" ኢሉ።

መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኢራን'ውን ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ እታ ደሴት ዝዀነ ዕንወት ከምዘይወረደ ኣፍሊጣ።

ማዕኸን ዜና ፋርስ፡ መጥቓዕቲ ኣመሪካ ንስርዓት ምክልኻል ኣየር፡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ፡ መቆጻጸሪ መዓርፎ ነፈርትን መክዘን ሄሊኮፕተራትን ከምዝሃረመ ኣፍሊጣ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ደሴት ካርግ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኢራን ብወገና፡ ኣመሪካ ንትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ደሴት ካርግ እንተኣጥቂዓቶ፡ ንሳ'ውን ከም ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ጽላት ዕደና ነዳዲ ዝሰርሓ ኣመሪካውያን ትካላት መጥቓዕቲ ከምእትፍጽም ኣጠንቂቓ።

ኣብታ ደሴት ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ እንተ ተጠቒዑ ንኢራን ከቢድ ቁጠባዊ ሃስያ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን።

እንተዀነ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ እታ ደሴት እንተተሃሪሙ ከኣ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዕግርገር ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከዕርጎ ይኽእል'ዩ።

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኵናት ካብ ዝጅመራ፡ ልዕሊ 2 ሰሙን ገይረን ኣለዋ።

ኢራን ከኣ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ እተን ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን ዝበለተን ጎረባብታ ሃገራት ካብ ምድብዳብ ዓዲ ኣይውዓለትን።

ኢራን ካብዚ ክብ ብምባል ነተን ካብ ባሕሪ ማይ ብምጽራይ ንሚልዮናት ዝስተ ማይ ዘቕርባ ፋብሪካታት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብምጥቓዕ ንህይወት ምልዮናት እዘን ሃገራት ኣብ ሓደጋ ከተውድቖ ትኽእል'ያ።

ኣባል ሰራዊት ብሪጣንያ ነበርን ተንታዊ ወተሃደራዊ ጉዳያትን ጀስቲን ክራምፕ፤ ትራምፕ ነታ ደሴት ዘጥቕዓሉ ምኽንያት፡ ኢራን ነቲ ግጭት ካብዚ ንላዕሊ ከይትወስዶ ንምፍርራሕ'ዩ ዝመስል ኢሉ።

ጀስቲን ክራምፕ ምስ ቢቢሲ ራድዮ 4 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ትራምፕ መሓሪ ምዃኑ [ነቲ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ዘይምህራሙ] ከርኢ ይደሊ ኣሎ፡ ማዕረ ማዕሩኡ ከኣ ንኢራን ብኸቢድ ክቀጽዓ ከምዝኽል ከኣ ይነገር ኣሎ" ኢሉ።

ትራመፕ ኣቕድም ኣቢሉ ዕላማ ናይቲ ኵናት፡ ህዝቢ ኢራን ተላዒሉ ንስርዓት ኢራን ንክዓልዎ'ዩ ኢሉ ነይሩ።

ሕጂ ግን እቲ ዕላማ ካልእ ይመስል ይብል ጀስቲን ክራምፕ።

ጀስቲን ክራምፕ ብዛዕባ ምህራም እዛ ደሴት ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ቁጠባ ኢራን ንነዊሕ ዓመታት ክሓዊ ዘይክእል ስንበራት ክገድፍ ይኽእል'ዩ ይብል።

"ምህራም እዛ ደሴት ምስ ምልዕዓል ህዝቢ ኢራን ዝኾነ ዘተሓሕዝ ነገር የብሉን" ብምባል ኣብ 1980ታት ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኢራቕን ኵናት ኣብ ዝነበረሉ ትሕተ ቅርጺ እዛ ደሴት ተሃሪሙ ዳግማይ ንክህነጽ ዓመታት ከምዝወሰደሉ ተዛሪቡ።

ኣመሪካ ነዛ ደሴት ክትሕዛ ትፍትንዶ ትኸውን?

ምስሊ ደሴት ካርግ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ

ሰራዊት ኣመሪካ ንደሴት ካርግ ሓንቲ መዓልቲ ክቆጻጸራ ከምዝደሊ ጽንጽንታታት ኣሎ።

ኣመሪካ ነታ ደሴት እንተሒዛት፡ ሰደድ ነዳዲ ኢራን ብጎረርኡ ከም ዝተተሓሓዘ'ዩ ዝግለጽ።

ብተወሳኺ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብዛ ደሴት ብምብጋስ ናብ ውሽጢ መሬት ኢራን ናይ ኣጋር መጥቓዕቲ ንኽፍጽም መርገጺ እግሪ ክትኮኖ ትኽእል'ያ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ ኣስታት 5000 ባሕረኛታት ዝሓዛ ኣምፍቢያናት ኣመሪካ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ተሰዲደን ኣለዋ።

እዚ ነቲ ድሮ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣስፊራቶ ዘላ ሰራዊት ዝድርዕ'ዩ ክኸውን።

ፔንታጎን ግን ብዛዕባ እዞም ናብ ወሽመጥ ዓረብ ይኸዱ ኣለዉ ዝተበሃሉ 5000 ባሕረኛታት ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

እታ ደሴት ብሰራዊት ኣመሪካ እንተ ተታሒዛ፡ መንግስቲ ኢራን መትኒ ቁጠባኡ ክብተኽን ኣብ ኵናት ከውዕሎ ዝኽእል ንዋት ክሓጽሮ ከምዝኽእልን ተንታኒ ጸጥታ ሚኪ ካይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።