ኵናት ኢራን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ?

ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ባንዴራ ኢራንን ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ባንዴራ ኢራንን ዘርኢ ስእሊ
ንባብ: 6 ደቓይቕ

እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብ28 ለካቲት 2026 ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተኦ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሑዳት መዓልታት ንማእከላይ ምብራቕ ኣናዊጹዎ ኣሎ።

እታ ናይዚ መጥቃዕቲ ቀንዲ ዕለማ ዝዀነት ኢራን፡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝርከቦም ሓያሎ ላዕለዎት ሓልፍቲ ክቕተሉዋ እንከለዉ፡ ንሳ'ውን ሕነ ሞት መራሕታ ንምፈዳይ፡ ናብ እስራኤልን መዓስከራት ኣመሪካ ናብ ዝርከበን ሓያሎ ጎረባብታ ሃገራት፡ መጥቃዕቲ ሚሳየልን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣካይዳ።

እተን ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጐደና ምዕባለ ክሕንበባ ዝጸንሓ ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕረይን፡ ስዑድያ፡ ኩዌት፡ ቐጠርን ካልኦት ሃገራት ብደብዳባት ኢራን ተሓሚሰን።

ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ባሕረይን፡ ዖማን፡ ስዑድያ፡ ኩዌት፡ ቐየር፡ ኢራን፡ ኢራቕ፡ ሊባኖስ፡ እስራኤልን ቖጵሮስን ናይ ሚሳይልን ድሮናትን ደብዳብ ይዓልበን ኣሎ።

እቲ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሰሜን፡ ካብ ኢራን ከኣ ንደቡብ ዝርከብ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ተወዝ ትብል መርከብ ከይትሓልፎ ብኢራን ተለኲቱ ኣሎ።

እዚ መጻብቦ 20 ሚኢታዊት ዝተጻረየን ዘይተጻረየን ነዳዲ ዝሓልፈሉ ስትራተጂካዊ መስመር ብምዃኑ ንመላእ ዓለም ኣሻቒሉዋ ኣሎ።

ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ግን ኲኖ ቑጠባዊ ጽልዋ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓዲሽ ኵናት ከየኸትል የፍርሕ ኣሎ።

እታ ብሚሳይልን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን ዝተደብደበት ስዑድያ ምዕራባዊ ማያዊ ኣካላ ቀይሕ ባሕሪ'ዩ። ስለዚ ብጂኦግራፍያዊ ኣቐማምጣ እንተርኢና'ውን ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርሑቕ ኣይዀነን።

እዚ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይደኦ ዘለዋ ኵናት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ክጸልዎ ከምዝኽእል ንተንተንቲ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽምን ዶ/ር መብራህቱ ኣተወ ብርሃንን ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ እቲ ኣብ ማእከለይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ልዕሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ከምዝህልዎ እዩ ዝዛረብ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኢማራት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጻኢ ከኣ ኣብ ከም ብዓል ሊብያን ኣልጀርያን ኣብ ዘሎ ግጭታት ትዋሳእ እያ ተባሂላ ትሕመ እያ። ብፍላይ በቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላውን ውግእን ብቐጥታ ክትክሰስ ጸኒሓ'ያ።

ነዚ ድሕሪ ባይታ ምርኩስ ዝገበረ ዓብዱራሕማን "ሕጂ ግን ኢማራት ዋላ ድኣ ብዕሊ ኣይትእተዎ እምበር ካብ ኢራን ብዘጋጥማ ዘሎ ደብዳብ ተታሒዛ ስለዘላ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ከባቢታትን ከተካይዶ ዝጸንሐት ምትእትታው ከተጉድሎን ምናልባት'ውን ጠቕሊላ ከተቋርጾን ትኽእል እያ" ክብል ገምጋሙ ይህብ።

ዶ/ር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን እውን ተመሳሳሊ ርድኢት እዩ ዘለዎ። ዋላ'ኳ እቲ ውግእ ገና ኣብ መጀመርትኡ ስለዘሎ ናበይ ገጹ ከምዘምርሕ ክፍለጥ እንተዘይተኻእለ፡ እቲ ኲናት እንተተናዊሑ ኢማራት ኣብ ሃገራዊ ድሕነታን ዘቤታዊ ጉዳያታ ከተድህብ ከምእትግደድ ይኣምን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኢማራት ካብ የመን ከምዝሰሓበት እዩ ዝንገር። ኣብ ሶማል'ውን ብዘይካ ኣብ በርባራ ኣብ ካልእ ህላወ የብላን።

ኣብ ሱዳን፡ ምስ ዳዕመ ሰሪዕ ኮነ ኣብ ምብራቕ ሊብያ ምስ ጀነራል ሓፍታር እትገብሮ ወተሃደራዊ ደገፋት ደው ንኸተብሎ ብዙሕ ጸቕጥታት ከምዝግበረላ ዝሕብር ዓብዱራሕማን፡ "ብሰንኪ ኵናት ኢራን ዘጋጥማ ዘሎ ደብዳብ እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትገብሮ ምትእትታው ንኸተውሕዶ ከገድዳ'ዩ" ብምባል ኵናት ኢራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህልዎ ጽልዋ ይትንትን።

እዛ ካብ ናይ ነዳዲ ቁጠባ ጠቕሊላ ዘይወጽአት ኢማራት፡ ድሮ ብደብዳብ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ቁጠባኣ ይትንከፍ ብምህላው እዚ ንማእከላይ ምብራቕ ኣናዊጹ ዘሎ ደብዳብ እንተዘይሃዲኡ እታ ሃገር ብኸቢድ ከምእትህሰ ዶ/ር መብራህቱ የረድእ።

" ኢማራት ዋላ'ካ ካብ ናይ ነዳዲ ቁጠባ ወጺኣ ኣብ ንግድን ቱሪዝምን ክትዋሳእ እንተፈተነት ኣብዚ ዓሰርተ መዓልቲ ዒላማታት ነዳዲኣ ኮነ መዓልቦ ነፈርታ ብቐጻሊ ይድብደብ ስለዘሎ ኣብ ክንዲ ናብ ግዳም ናብ ውሽጣ ክትጥምት ክትግደድ እያ" ይብል።

እዚ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሚሳይላትን ድሮንን መጥቃዕቲ ወፍሪ በቶም ኢራን እትድግፎም ሕዝቡላህ፡ ሓማስን ሑቲን ንኸይጓሃሃር ዓቢ ስክፍታ ኣሎ።

ብፍላይ እቲ ኣብ የመን ዝርከብ ሑቲ ከምቲ እስራኤል ንሓማስ ከተጥቅዕ እንከላ ናይ እስራኤልን ኣመሪካን መራኽብ ፈልዩ ዘጥቅዕ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ንኢራን ብምድጋፍ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንመስምር ንግድ ነዳዲ ዓለምና ብዓቢ ከይጸልዎ ሻቕሎት ኣሎ።

ዓብዱራሕማን ሰይድ ነዚ ስግኣታት ብምጒላሕ፡ "እዞም ኣብ የመን ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እተን ብባብኤል መንደብ ዝሓልፍ መራኽብ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነዚ ከባቢ ክህውኽዎ ይኽእልኡ እዮም" ይብል።

ዓብዱልራሕማድ ሰይድ ኣቡሓሽም

ምንጪ ስእሊ, Aburahman

መግለጺ ስእሊ, ዓብዱልራሕማድ ሰይድ ኣቡሓሽም

መጻብቦ ባብኤል መንደብ፡ ብምብራቕ ምስ የመን፡ ብምዕራብ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ዝዳወብ፡ ካብን ናብን ህንዳዊ ውቕያኖስን ቀይሕ ባሕርን መራኽብ ዝሓልፋሉ ኣገዳሲ እስትራቴጂካዊ መጻብቦ'ዩ።

ኣብዚ ቦታ ዝፍጠር ዝዀነ ዓይነት ህውከት ከኣ ንመስመር ቀይሕ ባሕሪ ከናውጾ ይኽእል እዩ።

እቲ ሓደጋ እንተጋጢሙ ከኣ ኤርትራ፡ ጅቡቲን ሶማልያን እየን ብቐጥታ ዝጽለዋ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ እታ ምስ ኢራን ኣብ ኵናት ተጸሚዳ ዘላ እስራኤል፡ ነታ ሶማልያ ኣካል ግዝኣተይ'ያ እትብላ ሶማሊላንድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ'ውን ኣብቲ ዞባ ሓዲሽ ክውንነት ክፈጥር ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ሰነ 2025 ን12 መዓልታት ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ኢራን ደብዳብ ኣካይደን ነይረን'የን።

ነቲ ኢራን ተማዕብለሉ ኣላ ዝበለኦ ሰለስተ መደበራት ንዩክለር ኣዕኒናዮ ኢና ብምባል ከኣ ነቲ ደብዳብ ኣቋሪጸነኦ።

እስራኤል ብድሕሪ እዚ'ያ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂባታ፡ ሶማሊላንድ'ውን ድሮ ኣብ እስራኤል ኤምባሲ ከፊታ ኣላ።

ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤልን ግድኦን ሳር'ውን ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ናብ ሶማሊላንድ ታሪኻዊ ምብጻሕ ብምክያድ፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዱላሂ ተራኺቡ።

እዚ፡ እስራኤል ናብ ዕጡቓት ሑቲ ብዝያዳ ንኽትቐርብ፡ ንሶማሊላንድ መርገጺ እግሪ ንኽትገብራ ዝተጠቐመትሉ ሜላ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ዓብዱራሕማን ይዛረብ።

"እስራኤል ካብ ሶማሊላንድ እናተበገሰት ንሑቲ ከተጥቕዕ እንተጀሚራ፡ ሑቲ ንሶማሊላንድ ክድብድብዋ ይኽእሉ'ዮም፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምስ ሃቡዋ'ውን መጠንቀቕታ ሑቲ ነዚ ዘነጽር'ዩ ነይሩ" ክብል ይትንትን።

ዶክተር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን

ምንጪ ስእሊ, Mebrahtu

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር መብራህቱ ኣተወ ብርሃን

እታ ብኢማራትን እስራኤል ከምእትድገፍ ዝንገረላ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምስ ሶማሊ ላንድ ኣትያቶ ዝነበረት ስምምዕ ኣፍደገ ባሕርን፡ ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን ብተደጋጋሚ እተካይዶ ዘላ ናይ ወራር ፕሮፖጋንዳን እውን፡ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ሓዊ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክስሓብ ከምዝኽእል ዶር መብራህቱ የጠንቅቕ።

" ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ተጠቃምነት ወደብን ብሕጋዊ መገዲ ብዘተን ልዝብን ክካየድ እናተገበአ ብሓይልን ወራርን ከተረጋግጾ ምፍታን ነቲ ቀደም ዝተገብረ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዘህለቐ ጌጋ ምድጋም እዩ" ይብል ዶ/ር መብራህቱ።

ዓብዱራሕማን ሰይድ እውን "እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ ምድላዋት፡ ጉዳይ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪን፡ ነዚ ዞባ ናብ ካልእ ቅልውላውን ኵናትን ዘምርሕ'ዩ" ብምባል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብባርዀት እስራኤልን ኣመሪካን ንጸጥታ እዚ ከባቢ ክሕሉ'የ ብምባል ወተሃደራቱ ብምውዳብ፡ ናብ ካልእ ረጽሚ ከምርሕ ከምዝኽእል የረድእ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ 26 ጥሪ 2018 ዓ.ም (ብ3 ለካቲት 2026) ንተወከልቲ ቤት-ምኽሪ ኢትዮጵያ እንተስ "ብባሌ እንተስ ብቦሌ" ኣፍደገ ባሕሪ ምርካባ ኣይተርፍን ክብል ተሓንዩ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ነዚ ሕቶታት ባሕርን ወደብን "ኣህጉራዊ ሕጊ ዝግህስ ሕልሚ'ዩ" ብምባል ክነጽጎ ይስማዕ።

እዚ ወጥሪ ዘንፀላለዎ ሓደጋ ኲናት ኣሎ፤ እቲ ስግኣት እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን።

ሱዳን ብኵናት ሓድሕድ፡ ሶማልያ ብዘይሃገራዊ ርግኣትን ሕቶ ሶማሊላንድን፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ውሽጣዊ ቅልውላዋትን ከምኡ ከኣ ብጉዳይ ዓቢ ግድብ ህሳሰ ምስ ግብጺ ኣብ ወጥሪ ተጸሚዳ፡ ብሓፈሻ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓቢ ዘይምርግጋእ'ዩ ዘሎ።

ብፍላይ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ብቐጻሊ እዩ ዝፈልሕ ዘሎ።

እተን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ርኡይ ጽልዋ ዘለወን ስዑድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከኣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነናተን ደንበ ፈልየን ብቀጥታን ዘይቀጥታን ኢደን ክሕውሳ ምጽንሐን ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

"ኣብ ኣሰላልፋ እንተርኢና ስዑዲ ዳርጋ ዲፕሎማስያዊ'ዩ ክብሃል ዝኽእል ማእከላይ ዝዀነ መርገጺ እዩ ዘለዋ። ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ርክብ ኣለዋ ምስ ኤርትራ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግን ብቅሉዕ ምስ ኢትዮጵያ'ያ ጸግዒ ሒዛ ዘላ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን'ውን ብተመሳሳሊ ምስ ዳዕመ ሰሪዕ'ያ ተሰሊፋ ዘላ፡ ኣብ ሶማልያ'ውን ጸግዒ ናይ ሶማሊላንድ'ያ ሒዛ ዘላ"ይብል ዓብዱራሕማን። ኢማራት ግን ነቲ ዝቐርበላ ክሲ ትነጽጎ'ያ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ [ጸጋም] ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ [የማን]
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ [ጸጋም] ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ [የማን]

እቶም ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሰራዊት ሱዳን ከኣ ብስዑድያን ግብጽን'ዮም ዝድገፉ።

ኣብ ሞንጎ ኢማራትን ስዑድያን ኣብ ጉዳይ የመን ዝጀመረ ረጽሚ ኣሎ። ስዑድያ ኣብ ሓድነት ናይ የመን'ያ ትኣምን፡ ሕቡራት ኢማር ዓረብ ግን ኣንጻር ንገለ ሓይልታት የመን ኣዕጢቓ፡ ንደቡብ የመን ካብቲ ሰሜን ክትፈልዮ ፈቲና ነይራ።

"እዘን ክልተ ሃገራት ካብ የመን ሓሊፈን ኣብ ሱዳን'ውን ጽልወአን ንምውሓስ ስዑድያ ንምዱብ ሰራዊት ሱዳን፡ ኢማራት ከኣ ንዳዕመ ሰሪዕ ብምሕጋዝ ኣብ ዘይቐጥታዊ ግጭት'የን ዘለዋ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ክሳብ ሕጂ ናብ ከምዚ ዓይነት ግጭት ከምርሐን ዝኽእል ዕድል ኣይተራኣየን እዩ" ይብል ዓብዱራሕማን።

ዶ/ር መብራህቱ፡ ኣብ ዝተፈለላየ ኣጋጣሚታትን መድረኽን፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ እዘን ክልተ ድኻታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ናይ ህልኽን ውድድርን ወጺአን ብዝረግአ መንፈስ ንጉዳያተን ብዘተን ልዝብን ክፈትሐኦ እምበር ብጓህሪ ናይ ግዳም ከይልብለባ ብልቦና ክምርሓ እዩ ዝምሕጸን።

እዞም ክልተ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኵናት ኢራን፡ እተን ከም ኢማራት ዝኣመሰላ ጽልወአን ንምስፋሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ርኡይ ወተሃደራዊ ምትእትታው ዝገብራ ዘለዋ ስርዓታት፡ ነቲ ኩነታት ስኽን ኢለን ክርእየኦ ከምዘገድደን ይኣምኑ።