ልቢ ኢራናውያን ዝመቓቕል ዘሎ፡ ድምጹ'ኳ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ - ሞጅታባ ኻመኒ

ሞጅታባ ካመኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሞጅታባ ካመኒ፡ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራንን ተካኢ ኣቡኡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒን ኰይኑ ተሸይሙ።

ገለ ደገፍቲ እቲ ስርዓት፡ ምስ ሓያል እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ቅርበት ከም ዘለዎ ዝእመነሉ ተሪር ሰብ ምሻሙ ንምጽንባል ናብ ጐደናታት ወጺኦም ኣለዉ።

ካልኦት ኢራናውያን ግን ለውጢ ከምጽእ እዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።

ሓደ ነባራይ ርእሰ ከተማ ቴህራን ኣብ ሰላሳታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት፡ ቍንጣር ዕድላት ለውጢ'ውን የብሉን ማለት እዩ፡" ኢሉ።

ንሱ፡ እቲ 88 ኣባላት ዝሓቘፈ - ባይቶ ሊቃውንቲ፡ ካብ ዓሊ ኻመኒ ዝረሓቐ ሰብ ክመርጽ ኣይከኣለን ኢሉ።

"ስለዚ፡ ኵሉ ነገር ከም ቀደሙ ክቕጽል'ዩ፤ ነቲ [ሓድሽ መራሒ] ንምድጋፍ ጭርሖታቶም ምቕያር'ውን ኣየድልዮምን'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ነቚፉ።

ንዓመታት፡ ሞጅታባ ኻመኒ ኣብ ኢራን ብድሕሪ መጋረጃ ልዑል ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዝገልጽ ወረታት ይስማዕ እዩ።

ብዙሓት ነቲ ናይ ኣቡኡ ተሪር (ኣኽራሪ) ፖሊሲታት ክቕጽሎ ትጽቢት ይገብሩ።

ካልእ ነባሪት ቴህራን ጓል ዕስራታት ዝዀነት ጓል ኣነስተይቲ፡ ሞጅታባ ኻመኒ "ልዕሊ ኣቡኡ ጨቋኒ ክኸውን'ዩ" ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ገሊጻ።

ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣብዚ ኲናት ክውድኡ ተስፋ እገብር፡ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ትሕቲ መግዛእቶም ኴንና፡ ኵላትና ክንመውት ኢና፡" ኢላ።

ካልእ ኣብ ሰለሳታት ዕድሚኡ ዝርከብ ነባሪ ቴህራን፡ "ሕነ ዝፈዲ'ዩ። ንኣቡኡ ቀቲሎምሉ እዮም'ሞ ኣይገድፎን'ዩ፡" ኢሉ።

"ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ሕነ ክፈዲ እንተ ዘይክኢሉ ግን፡ ንዓና ንተራ ሰባት ከውጽኣና እዩ። እስራኤልን ኣመሪካን ንዕኡ ዒላማ ክገብራ ተስፋ እገብር።"

መጥቃዕቲ እስራኤልን ኣመሪኣን ግን ፂሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, WANA/via Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ሰንበት ምሸት ጀሚሩ መንግስታዊ ተለቪዥን ኢራን ቻነል 'ኣይሪን'፡ ንሞጅታባ ኻመኒ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት፡ ማለት'ውን ቴህራን፡ ቅድስቲ ከተማ ቁም፡ ከምኡ'ውን ዝተወልደላ ከተማታት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እትርከብ ከተማ ማሽሃድ - ሓዊሱ፡ ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰልፍታት ከተርኢ ቀንያ ኣላ።

ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስልታት፡ ብዙሓት ሰባት ባንዴራ እስላማዊት ሪፓብሊክ ከንበልብሉ ይረኣዩ።

ሞጅታባ ኻመኒ፡ ንባዕሉ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ህዝቢ ኣይተራእየን ወይ ድማ ዝዀነ መደረ ኣስሚዑ ኣይፈልጥን።

ሓንቲ ሰበይቲ ነታ ቻነል ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣዚና ሕጕሳት ኢና። ሳላ ባይቶ ጸሓፍቲ። ኢድ ኣምላኽ ይሕልወና ኣሎ። ኻመኒ ሎሚ'ውን መራሒና'ዩ፡" ኢላ።

ካልእ ሰበይቲ ድማ፡ "ካብዚ ዝሓሸ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ልብና ብሓጐስ ተመሊኡ እዩ፡" ኢላ።

ቢቢሲ ፐርሽያን ቢቢሲ ቨሪፋይን እውን፡ ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ሓቅነቱ መርሚሮም ኣለዉ።

ንሞጅታባ ኻመኒ ኣብ ዝቃወም ሰልፊ፡ "ሞት ንሞጅታባ"ን "ሞት ንዕኡ"ን ዝብሉ ጭርሖታት ከምኡ'ውን "ኣላህ ወ ኣክበር" ዝብሉ ጭርሖታት ነይሮም።

እዚ ወዲ 56 ዓመት ሃይማኖተኛ፡ ኣብ ግዜ ምሕደራ ኣቡኡ ትሑት ደረጃ ዝነበሮ እኳ እንተዀነ፡ ከም ዓቃቢ ናይቲ ነፍሰሄር ላዕለዋይ መራሒ ኰይኑ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ይውረ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ 2000ታት ብዊኪሊክስ ዝተሓትመ ዲፕሎማስያዊ ወረታት ኣመሪካ፡ ኣብቲ ስርዓት "ብድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ሓይሊ" ክብል ገሊጽዎ፡ ብሰፊሑ ከም "ብቑዕን ሓያልን መራሒ" እዩ ዝቝጸር።

ኣብ ርእሲ'ቲ ምስ ሓለዋ ሰውራ ዘለዎ ቅርበት፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኢዱ ብምእታውን ንፍርቂ ወተሃደራዊ ሓይሊ ባሲጅ ብምእዛዝን ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።

ደገፍቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኢንገላብ ተኣኪቦም ነቲ ሓድሽ መራሒኦም ንምጽንባል ተኣኪቦም።

ሰባት ኣሳእል ሞጅታባ ኻመንን ኣቡኡን ሒዞም፡ መካይን ድምጺ እናስመዓ ባንዴራታት ይንብልበል ነይሩ።

ሓደ ሰብኣይ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሕጂ እቲ መንገዲ ብመሪሕነቱ ከም ዝቕጽል ርግጸኛታት ኢና;" ኢሉ።

ሓንቲ ሰበይቲ ዝተሰመዓ "ዓሚቝ ሓጐስ" ክትገልጽ ከላ፡ ሞጅታባ ኻመኒ "ቅምጥ ኢሉ ንኣቡኡ ይመስል" ኢላ።

"ካብ ኵሎም ክዀኑ ዝኽእሉ ሕጹያት፡ እቲ ዝበቕዐን [ምስ መራሒ ነበር] ዝያዳ ዝመሳሰልን እዩ።"

ኣብታ ኣብ ጥቓ ቴህራን እትርከብ ከተማ ካራጅ፡ ሓደ ነባሪ፡ ቅድሚ ምሻሙ ብዛዕባ ሞጅታባ ኻመኒ ብዙሕ ከም ዘይሰምዐ ገሊጹ።

"ሕጂ ትራምፕ ምስኦም ክስማመዕ ድዩ ንጹር ክኸውን'ዩ። ንዕኡ ዒላማ ክገብሩዎ ኣለዎም፡" ይብል እቲ ኣብ ዕስራታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ።

ካልእ ሰብኣይ ድማ፡ "እዚ ማለት ዝቕየር ነገር የሎን ማለት እዩ፡" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

"ተመሳሳሊ መንገዲ'ዩ፡ ምናልባት'ውን ዝገደደ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ዝጸንሕ ግን ኣይመስለንን።"

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምምራጽ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ተራኡ ክጻወት ከም ዝደለየን ሞጅታባ ኻመኒ ድማ "ቅቡል ከምዘይኰነን" ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ሽመት ቅድሚ ምእዋጁ ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ፡ ትራምፕ ብዘይ ፍቓዱ፡ ስልጣን ዝሕዝ "ነዊሕ ኣይጸንሕን" ኢሉ።

እስራኤል'ውን ወዲ ዓሊ ኻመኒ ሓድሽ መራሒ ኰይኑ ከም ዝተሾመ ቅድሚ ምእዋጁ፡ መጠንቀቕታ ኣውጺኣ፣ "ንነፍሲወከፍ ተካኢ ዒላማ ክገብር እየ፡" ብምባል።

ዝዀነ ኣቐዲሙ ዝገበሮም ህዝባዊ መደረታት ዝገልጽ ሰነድ የሎን።

ሳሕቲ ኣብ ህዝቢ ቀሪቡ፡ ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ስራሕ ሒዙ ኣይፈልጥን። ጐድኒ ጐድኒ እቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝነበረ ኣሳእል ኣቡኡ ተራእዩ ኣይፈልጥን።

ስእሊ ሞጅታባ ካመኒ ዝሓዘት ደጋፊት

ምንጪ ስእሊ, EPA/Shutterstock

ነፍስሄር ኣያቶላህ ካብቲ ኣብ ሰውራ 1979 ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ውርሻዊ ስርዓት ንግስነት ክቝጠብ ስለ ዝደለየ፡ ካብቲ ተኸታታሊ ስርዓት ከም ዘውጽኦ ይንገር።

መብዛሕትኦም ኢራናውያን ድምጹ እኳ ሰሚዖሞ ኣይፈልጡን።

ገለ ምልክታት ኣረኣእያኡ ግን ይፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ተሪር መስመር - እምነት ዘለዎም - ንስርዓቶም ንምክልኻል ንነብሶም 'ሰብ-መትከል' ዝብሉ - ማእከል መድረኽ ኣብ ዝሕዝሉ ዘለዉ ህሞት፡ እዚ ሕጂ'ውን ዝተፈለየ ተርእዮ ክወስድ ይኽእል'ዩ ዝብሉ ድምጽታት ኣለዉ።

ምስ ኻመኒ ቅርበት ዘለዎ ፖለቲከኛ - ዓብዶልረዛ ዳቫሪ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኣዝዩ ገስጋሲ"ን "ንተረርቲ ሰልፈኛታት ንጐድኒ ዝግልፍን" ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ምስቲ ማሕበራዊ ናጽነታት ኣብ ንግስነታዊ ስርዓት ዘስፍሐ ወራሲ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣመሳሲሉ ገሊጹዎ።