ካብ ኵናት ኢራን፡ ኣየኖት ሃገራት'የን ክኸስባ፡ በዓል መንከ ዝያዳ ይህሰያ?
![ፕረዘደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ዢን ፒንጂንግን ናብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣንፈት እናረኣዩ ኣብ ሞንጎኦም ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ፡ ነፋሪት፡ ባንዲራ ኢራን፡ ጸሊም ትክን ነፋሪት ውግእን ይርኣ [ብቢቢሲ ዝተሰርሐ ገራፊክ'ዩ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/be7b/live/fb598220-1d5c-11f1-b048-c9424b2cf5fd.png.webp)
ኣብ ኵናት 'ዝዀነ ተዓዋቲ የለን' እዩ ዝበሃል፡ እቲ ንጹህ ህዝቢ'ዩ ምሒር ዋጋ ዝኸፍል።
ኣብዚ ኲናት ኢራን፡ ብሓፈሽኡ፡ ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳድን ጽዓት ወሰኽ ኣብ ዘርኣየሉ ዘሎ፡ ብዙሓት ሃገራት ብቁጠባ ክህሰያ'የን።
እንተዀነ፡ ገለ ሃገራት ነዚ ዘሎ ዕግርግር ናብ ረብሐአን ብምቕያር ክኸስባ ክኽእላ'የን።
ኵናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ዓለም ኣብ ቁጠባ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝዀኑ ጽልዋታት ኣስዒቡ ይርከብ።
እቲ ኵናት ንሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ከናውጸን እንከሎ ኣማኢታ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ካብቲ ዞባ ሓሊፉ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኢራን ምዕጻዉ፡ ብዙሓት ሃገራት ብሕጸረት ነዳዲ ንክጥቐዓን ቅልውላው ቀረብ ነዳዲ ንከጋጥመንን ደሪኹ ኣሎ።
እዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ኵናት ኢራን መን'የን ክኸስባ፡ መንከ ክህሰያ'የን?
ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ብወተሃደራዊ መዳይ እንተመጺእና ኢራን ቀንዲ መሓዛ ሩስያ'ያ።
ምቅታል ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኸኣ ንሩስያ ካልእ ዲፕሎማስያዊ ጽፍዒት'ዩ።
ቅድሚ ሕዚ፡ ቀንዲ መሻርኽታ ዝነበረ ፕረዚደንት ሶርያ ባሻር ኣላ ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ኣብ ሃገራ ዑቕባ ክሓትት ተገዲዱ።
ኣብ ጥሪ'ውን ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ፕረዚደንት ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማድሮ፡ ኣመሪካ ብዘካየደቶ ፍሉይ ስርሒት፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተታሒዙ ናብ ኣመሪካ ተወሲዱ፡ ክሲ ተመስሪትዎ ፍርዲ ይጽበ ኣሎ።
እዚ ኹሉ እናዀነ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ሩስያ ናብቲ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኵናት ናብ ረብሓኣ ከተውዕሎ ትኽእል'ያ።
ሓደ ካብቲ ምኽንያት ከኣ፡ ኣመሪካ ነቲ ንዩክረይን ትገብሮ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዛት ኣተኵሮኣ ናብቲ ኣብ ብርቱዕ ጓህሪ ዘለዎ ኵናት ማእከላይ ምብራቕ ብምዛር ክትንክዮ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ ፓሪስ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ፖሎቲካ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ዝዀነት ኒኮል ግራጀወስኪ፡ ምስ ቢቢሲ ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ "እቲ ጸረ ሚሳኤላትን ድሮናትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብብዝሒ ይውዕል ብምህላዉ፡ ዩክረይን ኣብ ዕዳጋ ክትስእኖ ትኽእል'ያ እዚ ከኣ ንሩስያ ረብሓ'ዩ" ትብል።
እንተኰነ ብኣንጻሩ፡ ካብ ኢራን ትሽምተን ዝነበረት ሻሃድ ዝብሃላ ድሮናት፡ ኢራን ትጥቐመለን ስለዘላ፡ ሩስያ ከም ቀደማ ካብ ኢራን ዘይክትረኸበን ትኽእል'ያ፡ ባዕለ ከተፍርየን ስለዝጀመረት ግን "እቲ ዝፈጥረላ ጽልዋ ሰንከልከል ዘብላ ኣይዀነን" ትብል እዛ ክኢላ።
ኣብ ኣመሪካ ዳይረክተር ናይቲ መኽሰብ ዘይብሉ መጽናዕትታ ዘካይድ ኢርኤሽያ ዝዀነት ሃና ኖተ ብግዲኣ፡ "እቲ ኵናት ኣብ ዝጀመረሉ ካብ 2022 ክሳብ 2023፡ ሩስያ ኣብቲ ካብ ኢራን ዝውሃባ ዝነበረ መከላኸሊ'ያ ትምርኰስ ነይራ፡ ኢራን'ያ ንሩስያ እተን ሻሀድ ዝብሃላ ድሮናት ትህባ ነይራ" ትብል።
"ሕጂ ግን ሩስያ ካብ ኢራን ሓገዝ ኣብ ዘይትደልየሉ ደረጃ'ያ ዘላ፡ ነተን ሻሃድ ዝብሃላ ድሮናት ባዕላ ከተፍርየን ክኢላ'ያ"።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ነቲ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሰሜን ካብ ኢራን ከኣ ንደቡብ ዝርከብ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምዕጻዋ፡ ዋጋ ነዳዲ ብደራጃ ዓለም ክውስኽ ደሪኹ ኣሎ።
እዚ ከኣ ንሩስያ ብፋይናንሳዊ መዳይ ሓደ ሩፍታ ክፈጥረላ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።
ሃገራዊ ባጀት ሩስያ ብዓቢኡ ካብቲ ንበርሚል ብ59 ዶላር ትሸጦ ነዳዲ ዝተመርኰሰ'ዩ።
ሕጂ ግን ዋጋ ሓደ ዘይተጻረየ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ኣሎ።
እተን ብብዝሒ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ በዚ ኵናት ማእከላይ ምብራቕ ትሕቲ ቅርጺ ነዳዲኤን ስለዝተሃረመን፡ ነዳዲ ከይሸጣ መጻብቦ ሆርሙስ ብኢራን ስለዝተዓጸወን፡ ሩስያ ናብ ከም ቻይናን ህንድን ነዳዲ ክትሸይጥ ከኽእላ'ዩ።
ክኢላ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ደቪድ ፍየ፡ "ኣቐድም ኣቢላ ህንዲ ካብ ሩስያ ነዳዲ ከይትገዝእ መጠንቀቕታታት ይበጽሓ ነይሩ'ዩ፡ ሕጂ ግን ካብ ሩስያ ብውሕዱ ንዝቅጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነዳዲ ክትሽምት ከምእትኽእል ብኣመሪካ ፍቓድ ተዋሂብዋ ኣሎ፡ ብተወሳኺ ነዚ ብደረጃ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ንምቅላል ንገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት ንምልዓል ዝርርባት ተጀሚሩ ኣሎ" ይብል።
ቻይና
ቻይና እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵናት ኣብ ቁጠባኣ ዘውርዶ ሃስያ ብሕጂ'ዩ ክረአ፡ እቲ ረስኒ ግን ናብኣ'ውን በጺሑ ኣሎ።
ቻይና ካብ እትርበሖ ነዳዲ፡ እቲ 12 ሚኢታዊት ካብ ኢራን'ያ ትሽምቶ።
ብሓፈሻ ቻይና ንነዊሕ ኣዋርሕ ከጽንሓ ዝኽእል ነዳዲ ከዚና ኣላ፡ እሱ ክውዳእ ኣብ ዝተቓረበሉ ከኣ ብቀሊሉ ካብ ሩስያ ክትሽምት ክትጅምር ትኽእል'ያ።
ጽላት ሰደድ ቻይና ግን በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵናት ምህሳዩ ኣይተርፎን'ዩ።
ብመሰረት ዝተረኸበ ጸብጻብ፡ ካብ ሓፈሻዊ እቶት ቻይና፡ እቲ 20 ምኢታዊት ካብ ሰደድ ዝርከብ'ዩ።
እዚ ዝህሰየሉ ምኽንያት ከኣ፡ ቻይና ናብ ወሽመጥ ዓረብ እትገብሮ ሰደድ ብሰንኪ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሞዝ ክሰናኸል ግድን'ዩ።
እቲ ንርሑቕ ምብራቕ ምስ ኣውሮጳ ዘራኽብ ባብኤል መንደብ ከኣ በቶም ብኢራን ዝምወሉን ንኢራን ዝድግፉን ኣብ የመን ዝመደበሮም ዕጡቓት ሑቲ ብዝፍጽምዎ መጥቓዕትታት ኣብ ሓደጋ ስለዝወድቕ፡ ቻይና ናብ ኣውሮጳን ገለ ክፋላት ኣፍሪቃን እትገብሮ ሰደዳት ብኣሉታ ክጽሎ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

ክኢላ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ደቪድ ፍየ፡ "ኣብ ልዕሊ እተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ሕጂ'ውን ከቢድ መጥቓዕትታት ክጅመር ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ፡ እዚ ከኣ እተን ካብን ናብን ባብኤል መንደብን መትረብ ትወጽን ክሓልፋ ዝግበአን መራኽብ ብደቡብ ኣፍሪቃ ንቕፈ ጽቡቕ ተስፋ [Cape of Good Hope] ተኳሊለን ንኽኸዳ ከገድደን'ዩ" ይበል።
ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ ኒል ቑሊም ብወገኑ "እዚ ከቢድ ዋጋ ከኽፍል ዝኽእል ነገር'ዩ" ይብል።
ብምስዓብ "[ብደቡብ ኣፍሪቃ ተኳሊልካ ዝግበር ጉዕዞ] ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ግዜ ካብ 10 ክሳብ 14 መዓልታት ዘወስኽ'ዩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ዓይነት ንብረት'ኳ ዝምርኰስ እንተዀነ ኣብ ጽዕነት ሓንቲ መርከብ ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ኽፍሊት ዘምጽእ'ዩ" ኢሉ።
ቻይና፡ ንኵናት ኢራን፡ ከም ሞንጎኛ ኰይና ንምፍትሑ ኣብ እትገብሮ ተበግሶታት ዲፕሎማስያዊ መኽሰባት'ውን ከምጽኣላ ከምዝኽእል ኣመሪካዊ ፉል ሸትለር ጆንስ ካብ ዩኬይ ሮያል ስቴት ሰርቪስ ይሕብር።
ፕረዚደንት ቻይና ዢን ፒንጂምግ፡ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ብምንጽጻር እቲ ዝረግአ መራሒ ተባሂሉ ንክግለጽ ንኵናት ኢራን ተጠቒሙ ምስሉ ኣብ ምጽብባቕ ክኸስብ ይኽእል'ዩ።
ብዘይካ እዚ ነዚ ኵናት ከም መእተዊ ተጠቒማ፡ ትራምፕ ብዛዕባ እታ ቻይና ኣካለይ'ያ ትብላ ርእሰ ምምሕዳር ታይዋን ዘለዎ መርገጺ ንክቕይር ክትሓባብሎ ትኽእል'ያ።
ካልእ ሃገራትከ?
እተን ምሉእ ኣብ ቀረብ ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ዝምርኰሳ፡ ሃገራት ደቡብ ምብራቕ ኤስያ፡ እተን በዚ ኵናት ኢራን ብኸቢድ ክጽለዋ ዝኽእላ ሃገራት'የን።
ገለ'ውን ድሮ ጸልይወንሲ ነቲ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ገለ ስጉምትታት ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ።
ኣብ ቬትናም፡ ዋጋ ነዳዲ ብ60 ምኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ፡ መንግስቲ፡ ወጻኢታት ነዳዲ ንምንካይ፡ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ካብ ገዛኦም ኮይኖም ክሰርሑ ነጊርዎም ኣሎ።
እታ 95 ምኢታዊት ካብ ትሽምቶ ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ እተምጽእ ፍሊፕንስ'ውን እንትርፎ ውሑዳት፤ ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ክሰርሑ ውሳነ ኣሕሊፋ ኣላ።
ፓኪስታን'ውን፡ እንተርፎ ሰራሕተኛታት ባንኪ፡ ዝተረፉ ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ከምዝሰርሑ'ያ ገይራ ዘላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሻሪፍ ኣብ ተለቪዥን ሃገሩ ቀሪቡ፡ እቲ ኣብ መኽዘናት እታ ሃገር ዘሎ ነዳዲ ብጥንቓቐ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ ባንግላድሽ'ውን ነዳዲ ብመቑነን ክውሃብ፡ ንመካይን ንመዓልቲ 10 ሊትሮ፡ ንሞተር ብሽክለታ ከኣ 2 ሊትሮ ጥራይ ክውሃብ መንግስቲ ኣብ ዝኣወጀሉ፡ ኣብ ብዙሓት ንቑጣታት መዐደሊ ነዳዲ ነዊሕ ሪጋ ክረአ ጀሚሩ'ሎ።
![ኣብ ብዙሓት ነቑጣታት መዐደሊ ነዳዲ ነዊሕ ሪጋ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ [6 መጋቢት 2026፡ ካራቺ ፓኪስታን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/42d4/live/c6bfda80-1d4f-11f1-9120-a910fc22c6ac.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኵናት እናተናወሐ ኣብ ዝኸደሉ ግን እቲ ዝፈጥሮ ጽልዋ ካብ ጽላት ነዳዲ ሓሊፉ ኣብ ካልእ ሃለኽቲ ነገር'ውን ሕጽረታት ከጋጥም ክረአ ክጅምር'ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፡ ሓረስቶት ምህርቶም ንኸፍርዩን ፍርያምነት ሓመዶም ንኸሰስኑን ባህርያውን ዘበናዊ ድዅዕን'ዮም ዝጥቀሙ።
መራኽብ ካብን ናብን ወሽመጥ ዓረብን ካልእ ክፋላት ዓለምን ብነጻ ክንቀሳቐሳ ዝጽገማሉ ክስተት እንተኣጋጢሙ፡ ሓረስቶት እኹል ዘበናዊ ድዅዒ ስለዘይረኽቡ፡ እኹል ምህርቲ ኣይከፍርዩን'ዮም፤
ብሰንኪ እዚ ከኣ፡ ሕጽረት መግቢ ከጋጥም ባህርያዊ'ዩ።
ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ ኒል ቑሊም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "30 ሚኢታዊት ካብቲ ካብ ተረፍ መረፍ ጭቃ ነዳዲ ዝርከብ ድዅዒ፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ'ዩ ዝሓልፍ፡ ስለዚ 30 ምኢታዊት ካብቲ ናብ ሓረስቶት ክበጽሕ ዝግብኦ ድኹዒ ይዕገት እንተሃልዩ፡ ኣብ ዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ግድን'ዩ" ይብል።
ብምስዓብ፡ "ኣብ መዳይ ሕጽረት መግቢ ጽልዋ ናይዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ዝመጽእ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ትሽዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ኢና ክንርእዮ፡ ሓረስቶት ሕጂ ክረኽብዎ ዝግብኦም ድዅዒ ክረኽብዎ እንተዘይክኢሎም፡ እቲ ኵናት ኣብ ውሕስነት መግቢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ ቀስ ኢልና፡ ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ኢና ክንርእዮ" ኢሉ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


