ነዳዲ ንምቑጣብ ኢትዮጵያ እትርከበን ሃገራት ዓለም ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምቲታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ዋጋ ጸዓት ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ኣሎ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት፡ መራሕቲ መኪና ገደብ ፍጥነት ክገብሩ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ኰይኖም ክሰርሑ ከተባብዑን ክምሕጸኑን ጀሚሮም ኣለው።
ኢትዮጵያ፡ ኩባንያታት ነዳዲ ንኤጀንሲታት ጸጥታ፡ ኣፍረይቲ ትካላትን መጓዓዝያን ቀዳምነት ክህባ ኣዚዛ።
ተቘጻጻሪ ቀረብ ጸዓት እታ ሃገር፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ምክፍፋልን ዕዳጋን ነዳዲ ዝያዳ ጽኑዕ ቁጽጽር ከም ዘተግበር ይገልጽ።
እዚ መምርሒ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዙን ነዳዲ ንምዕቃብ ካብ ዝወሰዶ ተሪር ስጕምትታት ሓደ'ዩ።
እቲ ስክፍታ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዝንጸባረቕ ዘሎ ኰይኑ፡ ከም ዛምብያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ነዳዲ ኣታዊ ኣብ ምግባር ዝምርኰሳ ሃገራት ድሮ ኣማራጺታት ክደልያ ጀሚረን ኣለዋ።
ብናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎተ ዝውነን ፋብሪካ መጻረዪ ነዳዲ፡ ቀረብ ንምውሓስ ካብ ዝደልያ ሃገራት ጠለባት ክቕበል ከም ዝጀመረ ይገልጽ።
ኣብ ዓለማዊ ዕዳጋታት ነዳዲ ዝውስኽ ዘሎ ዘይርጉእነት ድሮ ኣብ ናይጀርያን ሶማልያን ዋጋ ነዳዲ ብልዕሊ ሰላሳ ሚእታዊት ሓፍ ክብል ገይሩ ኣሎ። እቲ ግጭት እንተቐጺሉ ተወሳኺ ወሰኽ ዋጋታት ከም ዝህሉ ተንተንቲ የጠንቅቑ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ዓለምለኸ ትካል ጸዓት (IEA) ኣብ መላእ ዓለም ዝሃልኽ መጠን ጸዓት ንምንካይ ዓሰርተ ስጕምትታት ክውሰዱ ሓሳብ ኣቕሪቡ፤ እዚ ድማ ንመገሻ፣ ገዛን ልምዲ ስራሕን ዝሽፍን እዩ።
ፈጻሚ ዳይረክተር እቲ ትካል ፋቲሕ ቢሮል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዓለም "ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዓለማዊ ስግኣት ድሕነት ጸዓት" የጋጥማ ከም ዘሎን፡ መንግስታት ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ጸዓት ትርር ዝበለ ምምሕያሽ ዝገብርሉ እዋኑ ምዃኑን ገሊጹ።
ብዙሓት ሃገራት ኤስያ ድሮ ሃልኪ ጸዓት ንምድራት ስጕምትታት ክወስዳ ጀሚረን ኣለዋ።
ኣብ ባንግላድሽ፡ መዝሓሊ ኣየር ትሕቲ 25 ዲግሪ፡ ኣብ ታይላንድ ድማ ካብ ትሕቲ 26 ዲግሪ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ።
ገሊኦም ድማ ንቤት ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ዝሓጸረ ሰዓታት ብምትእትታው፡ ንመንግስታዊ ሰበስልጣን ናይ ኣየር ጉዕዞ ይድርቱ ኣለዉ።
ፓኪስታንን ፊሊፒንስን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ክሰርሑ ኣፍቂደን ኣለዋ።
ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ጃፓንን ካልኦት 24 ሃገራት ኤውሮጳን ሓዊሱ 32 ሃገራት ኣባላት ዓለምለኸ ትካል ጸዓት እየን።
እዚ ትካል፡ ኣብ ዓለማዊ ጸገማት ጸዓት፡ ከም ድሕነት ጸዓትን ናብ ጽሩይ ጸዓት ዝግበር ስግግርን ኣመከኪቱ ትንታነታትን ለበዋታትን ይህብ።
ካብ ንመንግስታት፣ ትካላት ንግድን ውልቀሰባትን ዝህቦም ሓሳባት፤
- ኣጠቓቕማ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምድንፋዕ
- ናይ ብሕቲ መካይን በብርጊ ሓሓደ መዓልታት እናነጠራ ክንቀሳቐሳ ምግባር
- መኪና ብሓባር ምጥቃምን ስሉጥ ልምዲ ምዝዋርን ምትብባዕ
- ዝክኣል እንተዀይኑ፡ ናይ ኣየር ጉዕዞ ምውጋድ ብፍላይ ናይ ንግዲ በረራታት
- ኣብ ገዛ መግቢ ብኤሌክትሪክ ምብሳል ዝብሉ ይርከቡዎም።
ቢሮል፡ እዞም እማመታት ኣብ ርእሲ'ቲ ኣባል ሃገራት እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ገሊጹ።
እተን ሃገራት፡ 400 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ክልቅቕ ተሰማሚዐን'የን፤ እዚ ድማ 20% ናይቲ ህጹጽ ዕቑር ነዳዲ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ፡ "ኣብ ቁጠባ ዘሎ ሸኸም ንምቅላል፡ ኣድላይነት ኣሎ ኢልና እንተኣሚንና፡" ተወሳኺ ነዳዲ ክፍኑ ከም ዝኽእልን፡ እዚ ድማ ድሮ ምስ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ይዘራረበሉ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ዓለም ገና ዕምቆት ናይቲ ዘጋጥመና ዘሎ ብድሆ ድሕነት ጸዓት ብጽቡቕ ኣይተረድኣቶን ዝብል እምነት ኣለኒ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዝነበረና ኣዝዩ ዝዓበየ'ዩ... ካብቲ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘጋጠመና ወሰኽ ዋጋ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ'ውን ዝዓበየ'ዩ።"
ኣብ ሰብዓታት ድሕሪ ዝተራእየ ምውሳኽ ዋጋ ጸዓት፡ መንግስታት ብሓድሽ ስትራተጂታት ምላሽ ሂቦም ነይሮም ኢሉ።
"ሓደ ካብኣቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝተሃንጹ ዓቢ ማዕበል መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክለር እዩ ነይሩ፡" ይብል ቢሮል።
"ካልኣይ፡ ኢንዱስትሪ መካይን ዓቢ ለውጢ ኣርእዩ። 100 ኪሎ ሜተር ንምዝዋር እንጥቀመሉ መጠን ነደዲ ብፍርቂ ነክዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ መካይን ብዝረአ ምምሕያሽ ብቕዓት፡ ውሕስነት ነዳዲ፡" ምምሕያሽ ይክለል'ዩ ኢሉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ምፍራይ ተሓዳሲ ጸዓትን ቴክኖሎጂ ባትሪን ከምኡ'ውን ኣብ ምፍራይ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ዝያዳ ወፍሪ ክህሉ ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ቢሮል ግን ወሲኹ፡ "እቲ እንኰ ኣገዳሲ መፍትሒ ናይዚ ጸገም፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ምኽፋት'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ተበጻሕነት እንተተመሊሱ'ውን፡ እቲ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዝበጽሕ ጉድኣት፡ ምስቲ ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ክነጻጸር እንከሎ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ናብ ወጻኢ ዝልእኽኦ ዘለዋ መጠን ነዳድን ጋዝን ከጉድል ተኽእሎ ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ንዓለማዊ ዕዳጋታት ጸዓት ቀጻሊ ጸገማት ከስዕብ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።
ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ ዕደና ነዳዲ፡ መጻረዪ ነዳዲን ሻምብቆታትን "ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ ናብ ዝነበሮም ክምለሱ ኣዋርሕ፡" ክወስድ'ዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


