ኣብ እዋን ኲናት፡ ነፈርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ'የን ዝበራ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣብ ሰማያት ኢራንን ወሽመጥ ዓረብን ኣብ ዝውንጨፉሉ ዘለው እዋን፡ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር፡ ብ ጽዑቕ ክሊ ኣየር ኣቢሎም ነፈርቲ መጓዓዝያ ክሓልፋ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ካርታ መከታተሊ በረራታት፡ ግብጽን ጆርጅያን ክሳብ ክንደይ ጽዑቕ በረራታት ከም ዘለወን የርኢ። ነፍሲ ወከፍ ተቘጻጻሪ ትራፊክ ኣየር ግን፡ ጐና ጐኒ ዝተፈላለየ ክፋል ናይቲ ካርታ ይከታተል፤ ኣየኖት ነፈርቲ ናብ ክሊ ኣየር ሓንቲ ሃገር ይኣትዋን ይወጽኣን ከም ዘለዋ ይርኢ።
ኣብ ንቡር ግዜ፡ ሓደ ውልቀ ተቘጻጻሪ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ከባቢኡ ሽዱሽተ ነፈርቲ ከማሓድር ይኽእል እዩ። ኲናት ምስ ዝህሉ ግን ዕጽፊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
"ጻዕቒ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ሓንጐል ካብ 20 ክሳብ 30 ደቓይቕ ጥራይ እዩ ከተኵር ዝኽእል፡" ይብል ጡረተኛ ተቘጻጻሪ ትራፊክ ኣየር ብራያን ሮቸ።
ንሱ፡ ተሞክሮ 18 ዓመታት ኣለዎ፤ ፈለማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ድሕሪኡ ድማ ኣብ ለንደን ኣካል ህጹጽ ረድኤት ተጕዓዝቲ ነፈርቲ ኰይኑ ሰሪሑ።
ጻዕቒ ነፈርቲ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ኣብ ፍሉይ ከባቢታት ንዝለዓለ መጠን ነፈርቲ ንምምሕዳር ዝያዳ ተቘጻጸርቲ ይኣትዉ፤ ከይደኽሙ ድማ ብተደጋጋሚ ይቀያየሩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓደ ሰብ ፈረቓ፡ ካብ 45 ክሳብ 60 ደቓይቕ ኰይኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30 ደቓይቕ ዕረፍቲ ከም ዘለዎ ሮቸ ይገልጽ። ኣብ እዋን ግጭት ግን ን20 ደቓይቕ ጥራይ ከም ዝሰርሑን ድሕሪኡ ንተመሳሳሊ ንውሓት ግዜ ከዕርፉ ከም ዝግበርን ኣመልኪቱ።
"እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ዝዀኑ፡ ንምእማኑ ዘጸግም ተቐያያሪ ፈረቓ እዩ ዝገጥሞም፤ እዚ [ምስ] ዘይእመን መጠን ትራፊክ ማለት'ዩ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, FlightRadar24
ኣብ 2014፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ማሌዥያ ኤምኤች17 ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ብሩስያ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ተሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 298 ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።
ኣብቲ እዋን ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ውግእ ይካየድ ነይሩ። እዚ ሓደጋ ድማ ግጭት ንመስመር ነፈርቲ ተጓዓዝቲ ብኸመይ ክጸልዎ ከም ዝኽእል ዘጉልሕ እዩ።
ኣብቲ እዋን ዩክረይን ብተዛማዲ ትሑት ደረጃ ግጭት ዝነበራ ዞባ እያ ነይራ።
እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ውግእ ብኣየር ናብ ዝግበረሉ ኲናት ሰፊሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ ብርክት ዝበላ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ተሃሪመን ወዲቐን ነይረን። እዚ ዝዀነ ሰብ ክድገም ዝደልዮ ክስተት ኣይኰነን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነፈርቲ ውግእ ኣብ ሰማይ እንከለዋ፡ ነዳዲ እትመልእ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ሽዱሽተ ኣመሪካውያን ኣባላት እታ ነፋሪት ሞይቶም።
እታ ነፋሪት ኣብቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናተሳተፈት እንከላ'ያ ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ወዲቓ።
ብተጻባኢ ወይ ናይ ወገን ግጭት ከምዘይተሓምሸሸት ዝገለጸ እቲ እዚ፡ ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፈት ካልእ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ ከምዝኸኣለት ሓቢሩ'ሎ።
እታ ከይ-ሲ-135 ዝተባህለት ዓባይ ነፋሪት ንካልኦት ነፈርቲ ውግእ ኣብ ሰማይ እንከለዋ ነዳዲ ብምቕባል ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሰማያት ክጸንሓ እተኽእል እያ። እንተኾነ ዛጊት ብዘይተነጸረ ኩነታት ክትወድቕ ተገዲዳ።
ክሊ ኣየር ሃንደበት ምስ ዝዕጾ ወይ ጽቕጥቕጥ ምስ ዝህልዎ፡ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ኣብረርቲ ናበይ ክኸዱ ከም ዘለዎም፡ ክንደይ ነዳዲ ከም ዘለዎምን ኣየኖት መዓርፎ ነፈርቲ ክቕበልኦም ከም ዝኽእላን ይረዳድኡ።
ተቘጻጸርቲ ኩለን ብዝተፈላለዩ ዓቐናት ዝመጽኣ ነፈርቲ፡ ዓበይቲ ናይ ተሳፈርቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ከባቢአን ንዝርከባ ነፈርቲ ዝያዳ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ስለ ዘስዕባ፡ ድሕነት ነፈርቲ ንምሕላው፡ እቲ ዝንቀሳቐሳሉ መስመስር፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ብዝህልወን ብራኸ ንሓድሕደን ዝመሓላለፋሉ መስመር ዘለዎ ራሕቕን ብምፍልላይ የውሕስዎ።
እዚ ማለት ንኣሽቱ ነፈርቲ ርሒቐን ክምራሓን ዝያዳ መከላኸሊ ክወሃበንን ኣለዎ፤ ንእሽቶ ናይ ንግዲ ነፋሪት ድማ ጠቕሊላ ክትግዕዝ ከድልያ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃንደበታዊ ምዕጻው ክሊ ኣየር ግን ሳሕቲ ከም ዘጋጥም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብራሪ ኰይኑ ዝሰርሐ ጆን ይጠቅስ።
ሕጂ'ዉን ኣብራሪ ኰይኑ ይሰርሕን ኣብ መስመራት ማእከላይ ምብራቕ ስለ ዝበርርን ትኽክለኛ ሽሙ ክጥቀም ኣየፍቀደን።
መብዛሕትአን መንገዲ ኣየራት ካብ ሓደ ፍሉይ ክሊ ኣየር መዓስ ክርሕቓ ከም ዝደልያ ኣቐዲመን ከም ዝውጥና ይዛረብ - እዚ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ወይ ኲናት ክኸውን ይኽእል።
ኣብረርቲ ግርጭታት ንምክልኻል ኣማራጺ ውጥናት በረራታት ካብ ምፍላጥ ሓሊፎም፡ ናብቲ ዝብገሱሉ ቦታ ክምለሱ ወይ ካብቲ ዝሓሰቡሉ ቦታ ርሒቑ ናብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክቕይሩ እንተድኣ ኣድልይዎም ብዝተኻእለ መጠን ነዳዲ ክስከሙ ክጽዕሩ እዮም።
"እዚኦም ፍጹም ንቡር፡ ዝተለምዱ፡ ክትቈጻጸሮም እትኽእል ፍጻመታት እዮም፡" ይብል ጆን።
ኣብረርትን ተቘጻጸርትን ጽዑቕ ክሊ ኣየር ካብ ምምሕዳሮም ወጻእ ንከይኸውን ብደቂቕ ከም ዝኽተልዎ'ውን ይጠቅስ።
እዚ "ከምቲ ዕግርግር ዝፈጥር ጽቕጥቕጥ ትራፊክ ኣይኰነን።"
እቲ ጽቡቕ ስርዓት ዘለዎ ህድኣት፡ ጆንን ካልኦት ኣብረርትን ምስ ሰራሕተኛታት በረራን ተጕዓዝትን ንክረዳድኡ ዝፍትንሉ ነገር ምዃኑ ሓቢሩ።

ሃና ኣብ ነዊሕ ርሕቀት በረራታት መራሒት ሰራሕተኛታት በረራ እያ።
ንመገዲ ኣየር ወኪላ ክትዛረብ ስልጣን ስለ ዘይብላ ትኽክለኛ ስማ ኣይክንጥቀምን ኢና።
ሃና እትበረሉ መስመራት መብዛሕትኡ ግዜ ብማእከላይ ምብራቕ ይሓልፍ።
ንሳ፡ ግጭት ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፡ ሰራሕተኛታት በረራ ብፍላይ ንዝተሰናበዱ ተጓዓዝቲ ኣብ ምርግጋእ ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎም ትረዛብ።
"ስራሕና ካብቲ ናብራና ንምሕጋዝ፡ ዓማዊል ንድራሮም ስጋ ደርሆ ዶ ከብቲ ትደልዩ እናበልካ ካብ ምሕታት ዝዛየደ'ዩ። ብዙሓት ሰባት ስራሕና ኣብ መዳይ ድሕነት ዘለዎ እጃም ይዝንግዑዎ'ዮም። እቲ ምትእንጋድ ካልእ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምስ ዝኸውን እንገብሮ'ዩ።"
ምዝንባል ውጥናት በረራን ዝተዘርገ መደባትን፡ ኣብረርትን ሰራሕተኛታት በረራን ኣብ መንጐ ስራሕን ህይወትን ምዕሩይ ሚዛን ንክረኽቡ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ሃና ትዛረብ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ከምቲ ንሳ እትሰርሐሉ መገዲ ኣየር ዝበላ መገዲ ኣየራት ብክሊ ኣየር ኢራ ንክሓልፋ ስለ ዘይኽእላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓፈፎ ነፈርቲ ዝያዳ ክዓርፋ ተገደዲን ኣለዋ።
"ሰራሕተኛታት በረራ ኩላትና ኣካል ናይ ሓንቲ ዓባይ ስድራቤት ኰይኑ'ዩ ዝስምዓና፡" ትብል።




![ፕረዘደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ዢን ፒንጂንግን ናብ ክልተ ዝተፈላለየ ኣንፈት እናረኣዩ ኣብ ሞንጎኦም ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ፡ ነፋሪት፡ ባንዲራ ኢራን፡ ጸሊም ትክን ነፋሪት ውግእን ይርኣ [ብቢቢሲ ዝተሰርሐ ገራፊክ'ዩ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/be7b/live/fb598220-1d5c-11f1-b048-c9424b2cf5fd.png.webp)







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


