ካብ ሕማም ሽኮር ንምሕዋይ ተስፋ ዝህብ ሓድሽ ኣገባብ

ምስሊ ዝተፈላለዩ ጥራምረን ኣሕምልትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ማለት ምስ ምሉእ ዕድመ ዝጸንሕ ሕዱር ኩነታት ምንባር ማለት ከምዝዀነ እዩ ክሕሰብ ፀኒሑ።

ሕጂ ግን ምናልባት ዕድመ ልክዕ ዘይፀንሕ ኵነታት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ነቲ ኵነታት ናብ ንቡር ምምላስ ከምዝከኣል መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

እቲ ምስጢር ግን እንታይ እዩ?

ሓደ፡ ነቲ ጸቕጢ ካብ ኣካላትና ብምእላይ፡ ንሽኮር ደምና ብትኽክል ንምቁጽጻር ምፍቃድ።

ካልኣይ፡ ብዘይምቁራጽን ብቀጻልን ክብደት ሰብነትና ምምዝጋብ።

እዚ ብምግባር ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ክምለስን ኣብ ዘለዎ ደው ክብልን ምግባር ይከኣል እዩ።

ብፍላይ ሕማም ሽኮር ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ ክብደት ሰብነት ምጉዳል ቀሊል ኣይኰነን። ግን፡ ክፍጸም ዘይኽእል ነገር ኣይኰነን።

ሕዚ ድማ ዝርዝር እቲ ሓድሽ ኣገባብ ንርአ፤

ኣሕምልትን መለክዒ መጠን ሽኮር ደምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጠንቂ ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ?

ቀንዲ ምንጪ ጸዓት ኣካላት ወዲ ሰብ ኣብ ደምና ዝርከብ ግሉኮስ እዩ። እንተኾነ፡ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ምምጥጣን፡ ዘድልዮ ነገር እዩ።

እዚ ግሉኮስ ካብ መጠን ንላዕሊ ኰይኑ ኣብ ኣካላት ጉድኣት ከስዕብ ተኽእሎ'ሎ'፤ ኣዝዩ እንተውሒዱ ድማ ሓደ ሰብ ውንኡ ክስሕት ይኽእል።

ስለዚ እቲ መጠን ኣብቲ ኣገዳሲ ደረጃ ንኽጸንሕ፡ ሰብነትና ሓያሎ ኣካላትን ሆርሞናትን ዘጠቓልል ረቂቕ ስርዓት ይጥቀም።

ካርቦሃይድሬት ክንበልዕ ከለና፡ ስርዓተ ምሕቃቕ መግብና ናብ ግሉኮስ ይበታተኖም።

ድሕሪኡ ድማ ናብ ደም ይምጠጡ። ላልሽ (ፓንክርያስ) ነዚ ምስ ዝፈልጥ፡ ዋህዮታቱ፡ እቲ ኣካላትና ጸዓት ንምርካብ ግሉኮስ ካብ ደም ናብ ዋህዮታት ከሰጋግሮ ዝነግሮ ሆርሞን ኢንሱሊን ይለቅቑ።

ድሕሪኡ፡ ዝኾነ ልዕሊ ዓቐን ሽኮር ኣብ ጸላም ከብድን ጭዋዳታትን ይኽዘን። እቲ ግሉኮስ ኣብ ጥቕሚ ብዝውዓለ መጠን፡ ሽኮር ደም ናብ ንቡር ይምለስ እሞ መጠን ኢንሱሊን ይንኪ።

ድሕሪኡ ንዝተወሰነ እዋን ከይበላዕና ምስ እንጸንሕን ሽኮር ደምና ክወርድ ምስ ዝጅምርን፡ ላልሽ (ፓንክርያስ) ግሉካጎን ይለቅቕ። ግሉካጎን፡ ንጸላም ከብዲ ነቲ ዝተዓቀበ ግሉኮስ ናብ ደም ክመልሶ ዝነግሮ ሆርሞን እዩ።

እንተይበላዕና እንተቐጺልና፡ ጸላም ከብዲ እውን ነገራት ንኽቐጽሉ ሓድሽ ግሉኮስ ክትሰርሕ ትኽእል እያ።

እዞም መስርሓት እዚኣቶም ብሓባር፡ ንናይ ደም ግሉኮስ ብግቡእ ደረጃ ሚዛን ብምሃብ፡ ተመጋጋቢ ግብረ መልሲ ይፈጥሩ።

መስርሕ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዘርእይ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ግሉኮስ ናብ ደም ምስ ኣተወ፡ ላልሽ (ፓንክርያስ) ናብ ዋህዮታት ንምጉዕዓዝ ኢንሱሊን ይለቅቕ

ዓይነታት ሕማም ሽኮር

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልተ ቀንዲ ዓይነታት ሕማም ሽኮር ኣለዉ - ዓይነት 1ን ዓይነት 2ን።

ክልቲኦም ዓይነታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ደም ልዑል መጠን ግሉኮስ ዘስዕቡ እዮም።

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ብጌጋ ነቶም ኣብ ሽኮርያ ዝርከቡ ኢንሱሊን ዘፍርዩ ዋህዮታት ዘጥቅዕን ዘጥፍእን ኩነታት'ዩ።

ብዘይ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ኢንሱሊን፡ ግሉኮስ ናብ ዋህዮታት ክኣቱ ስለዘይክእል ኣብ ደም ይእከብ።

እዚ ዓይነት ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ሽኮር ደሞም ኣብ ልክዕ መጠን ንክኸውን፡ መዓልታዊ ብመርፍእ ወይ ብፓምፕ ኢንሱሊን ክወስዱ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ምምላስ ኣይከኣልን።

እቲ ኣዝዩ ኣብ ብዙሓት ሰባት ዝርከብ ድማ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር እዩ።

እዚ ኢንሱሊን ብግቡእ ምስ ዘይሰርሕ ወይ መጠኑ እኹል ኣብ ዘይዀነሉ እዋን ዘጋጥም ኮይኑ፡ ኣብ ደምና ዘሎ መጠን ግሉኮስ ኣዝዩ ክብ ክብል ይገብር።

ንጹር ጠንቅታት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዝተሓላለዅ'ኳ እንተዀኑ፡ ብቐንዱ ግን ኣብ ውሽጢ ጸላም ከብድን ላልሽ (ፓንክርያስ) ብዝተዓቀበ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ዝድረኽ እዩ፤ እዚ ንኢንሱሊን ብኸመይ ምላሽ ከምዝህቦ ዝዕንቅፍ ኵነታት እዩ።

"ከም ንቡር፡ ኢንሱሊን ፡ ኣብ ደም እኹል ግሉኮስ ስለዘሎ፡ ንጸላም ከብዲ ምፍናው ደው ከተብል ይነግራ። ስብሒ ዘለዎ ጸላም ከብዲ ግን ንኢንሱሊን ዝጻወር ይኸውን፡ እዚ ማለት ንጸላም ከብዲ ዝወሃብ ምልክት ግቡእ ምላሽ ኣይረክብን" ይብል ኣማኻሪ ክኢላ ኢንዶክሪኖሎጂን ኣብ ምሕደራን ምምላስ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ዝነጥፍን ዶክተር ዴቪድ ካቫን።

ከም ዝተኸፈተ ቧንቧ፡ "ግሉኮስን ስብሕን ምፍናው ይቕጽል፤ ደረጃ ሽኮር ደም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይብርኽ። ላልሽ (ፓንክርያስ) ተወሳኺ ሰዓት ክትሰርሕ ብምግባር ዝያዳ ኢንሱሊን ንምፍራይን መጠን ሽኮር ደም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንኽኸውንን ይገብር።"

ውጽኢቱ ድማ ሕማቕ ዑደት ይኸውን። ኣብ ጸላም ከብዲ፡ ስብሒ እናተኣከበ ምስ ዝኸይድ፡ ተጻዋርነት ኢንሱሊን እናገደደ ይመጽእ።

መጠን ሽኮር ኣብ ደም ይውስኽ፣ ሽኮርያ ድማ ዝያዳ ኢንሱሊን የፍሪ፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ተወሳኺ ምኽዛን ስብሒ የደንፍዕ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሽኮርያ ዝርከብ ተወሳኺ ስብሒ ጸቕጢ የስዕብን ንናይ ዋህዮታት ዓቕሚ ምፍራይ ኢንሱሊንን ይጎድእ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ዋህዮታት፡ ብልዕሊ ዓቐን ስብሕን ግሉኮስን ኣዝዮም ስለ ዝጽለዉ፡ ክፈሽሉ ይጅምሩ። እዚ ድማ መጠን ሽኮር ደም፡ ብቐጻሊ ክውስኽን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ክምዕብልን ይገብር።

እቲ ንሓደጋ ተጻዋርነት ኢንሱሊን ዝውስኽ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ጥዕና ዘይብሉ ኣመጋግባ'ዩ። እዚ ድማ ከም ጻዕዳ ባኒ፡ ሽኮር ዘለዎ መስተታትን ኬካትን ዝርከብዎም ልዑል መጠን ሽኮርን ዝተጸረየ ካርቦሃይድሬትን ዘለዎም መግብታት የጠቓልል።

ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፣ ሕዱር ጸቕጢ ደም፣ ድኹም ድቃስን ገለ ዝንባለታትን እውን ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ስለዚ፡ ብሓቂ ሕማም ሽኮር ማለት እዚ እዩ።

ነዚ ኵነታት ናብ ንቡር ንምምላስ እንታይ ክንገብር ኣለና?

ክብደት ሰብነት ብምንካይ ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ምምላስ

ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ከምዘይምለስ እዩ ክሕሰብ ጸኒሑ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን፡ ሳላ ፕሮፌሰር ሮይ ተይለር፡ እቲ ኣረኣእያ ተቐይሩ ኣሎ።

ንሱ፡ ርኽበታቱ ነቲ ሕማም ብኸመይ ከም እንርድኦን ንሕክሞን ዘተኣታተዎ መንገዲ፡ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ንምምላስ ዕድል ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

እቲ ክንገብሮ ዘለና፡ ነቲ ንኣካላትና ዝዓጽዎ ስብሒ ምእላይ እዩ።

ነዚ ንምግባር ድማ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ርኡይን ቀጻልን ክብደት ምጉዳል እዩ።

ሽኮር ተኮር ኣመጋግባ

ካልእ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ንምምላስ ዝሕግዝ ኣገባብ፡ ኣብ ሽኮር ጥራይ ብምትኳር ዝያዳ ትኹረት ዝገበረ ኣገባብ ኣመጋግባ ይምልከት።

ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንቡር መግብታቶም ምብላዕ ክቕጽሉ ይኽእሉ።

እንተኾነ ግን ከም ጻዕዳ ባኒ ዝኣመሰሉ ተወሳኺ ሽኮር ዘለዎም ዝተጻረዩ መግብታት እንተወጊዶም፡ ርኡይ ለውጢ ክርእዩ ልዑል ተስፋ ኣለዎም።

ግሉኮስ ብምንካይ፡ ኢንሱሊን ክትሕት ምግባር፡ ኣካላትና ኣብ ጸላም ከብዲ ዝተዓቀበ ስብሒ ከቃጽል ክጅምር የኽእሎ፡ እዚ ድማ ንቕሓት ኢንሱሊን ንምምላስ ይሕግዝ።

ምስሊ ሰብነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዑል ጽሕጊ ዘለዎም ካርቦሃይድሬት፡ ከምኡ'ውን ኣሕምልትን ልዑል ተራ ይጻወቱ

እዞም ኣገባባት እዚኣቶም ነቲ ንኢንሱሊን ምጽዋር ዝፈጥር ጉድኣት ንምእላይ ክሕግዙ ይኽእሉ።

እንተዀነ፡ ሰባት ኣካላቶም ኢንሱሊን ዝጥቀመሉ ኣገባብ ንምምሕያሽ ክገብርዎም ዝኽእሉ ካልኦት ነገራት ኣለዉ።

ሓደ ኣገዳሲ መገዲ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ንምምሕዳር፡ ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ።

ክንንቀሳቐስ ከለና፡ ጭዋዳታትና ካብ ደም ዝወጽእ ግሉኮስ ወሲዶም ንጸዓት ይጥቀሙሉ።

እዚ ድማ መጠን ሽኮር ደም ሃንደበት ንምንካይ ይሕግዝ።

ምስ ግዜ ስሩዕ ምንቅስቓስ፡ ጭዋዳታትና ንኢንሱሊን ዝያዳ ምላሽ ንኽህቡ የሰልጥኖም።

እዚ ብግዲኡ ኣብ ከባቢ ጸላም ከብድን ሽኮርያን ዝተዓቀበ ልዕሊ ዓቐን ስብሒ ንክቓጸል ይሕግዝ።

ኣብ ኢዱ ስብቇ ዝሓዘ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድኹም ስርዓት ምድቃስ እውን ኣብ ሕማም ሽኮር ጽልዋ ኣለዎ

ድቃስን ጸቕጢን

ድቃስ፡ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ናብ ንቡር ምምላስ ወሳኒ ግን ኣለዎ። ግን ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ እዩ ዝበሃል።

ኣብ እዋን ዓሚቕ ድቃስ፡ ኣካላትና ሚዛን ጸዓት ይመልስን ንቐንዲ መስርሓት ምትሕውዋስ መግቢ ዳግማይ ይሰርዖን። ለይቲ፡ ኣካላትና ዝጠልቦ ግሉኮስ ይንኪ። ሽኮር ደም ዘዕብዩ ጠንቅታት ድማ ይንክዩ።

እዚ ህዱእ ኩነታት እዚ፡ ኢንሱሊን ብዝያዳ ውጽኢታዊ መንገዲ ንኽሰርሕ የኽእሎ፡ እዚ ድማ ዋህዮታት ካብ ደም ግሉኮስ ንኽወስዱ ይሕግዞም።

ድቃስ ነቶም ንጥሜት ዝቆጻጸሩ ሆርሞናት እውን ይጸልዎም እዩ። እኹል ድቃስ ምስ ዘይንረክብ፡ ኣካላትና 'ሆርሞን ጥሜት'፡ ግረሊን ዝያዳ ክፈርዩ ይገብር።

እዚ ድማ ሽኮር ዘለዎም ወይ ልዑል ካሎሪ ዘለዎም መግብታት ክንሃርፍን ንጽባሒቱ ዝያዳ ክንበልዕን ክገብረና ይኽእል።

ብሓቂ ሕማም ሽኮር ንምቁጽጻር ወይ ናብ ንቡር ንምመላስ ዘድሊ ኣካይዳ ከቢድን ነዊሕን መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ግን እዚ ንምግባር ዝከኣል ምዃኑ ባዕሉ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን እዩ።