ምልሶት ናብ ወርሒ፡ ሎሚ ክትውንጨፍ ትዳሎ ዘላ ዳግማዊት ኣርተሚስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ንመዓልታት ዝተዳናጐየ ጉዕዞ ናይታ 'ኣርተሚስ 2' ዝተባህለት መንኮርኮር ሃገራዊ ትካል ጠፈር ኣመሪካ ሎም-ምሸት ክፍጸም ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።
እዚ ድሕሪ ፍርቂ ክፍለዘመን ናብ ዙርያ ወርሒ ዝካየድ በረራ ኣርተሚስ ፍሉይ ዝገብሮ ጠፈርተኛታት ዘሳተፈ ብምዃኑ'ዩ።
ናሳ፡ ድሕሪ 52 ዓመት ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ጸሊምን ትርከቦም ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ናብ ከባቢ እታ ግርማ ለይቲ ዝኾነት ወርሒ ክሰድድ'ዩ ዝዳሎ ዘሎ።
ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ መደብ፡ ድሕሪ ሰዓት 18፡24 ብኣቆጻጽራ ፍሎሪዳ፡ 23፡24 ለንደን፡ ከምኡ'ውን ሰዓት 01፡24 ናይሮቢ ናይ ምውንጫፍ መስርሕ ክጅምር'ዩ።
ወንጫፊ ሮኬት ናይታ መንኮርኮር ኣብቲ ቀንዲ መደበር ናሳ ዝኾነ ኣብ ክፍለሃገር ፍሎሪዳ (ኬፕ ካናቨራል) ዝርከብ ማእከል ጠፈር ከነዲ ተዳልዩ ናይ ተበገስ ትእዛዝ ይጽበ ኣሎ።
እዚ ናሳ ዘካይዶ ዘሎ በረራ ኣካል ናይቲ ሰብ ናብ ገጽ ወርሒ ንምምላስ ተተሊሙ ዘሎ ውጥን እዩ።
እቶም ጠፈርተኛታት መን እዮም? እንታይ'ከ ይማልኡ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, NASA
ኣብዚ ዓቢ ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ በረራ ኣርተሚስ ዝሳተፉ ዘለዉ ጠፈርተኛታት ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ንወርሒ ክዘሩዋ እዮም።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ በረራ ንምንቅስቓስ ናይታ 'ኦርዮን' ተባሂላ ትፍለጥ ተሽከርካሪት-ጠፈር ንምፍታን፡ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ብኸመይ ናብ ገጽ ምድሪ ምዕላብ ከምዝክኣልን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ፈተነታት ምክያድ እዩ።
ነዚ ንምግባር ኪኖ ወርሒ ብምሕላፍ ኣሽሓት ኪሎሜተራት ናብ ሃው ዝበለ ጠፈር ክበሩ ትጽቢት ይግበረሎም።
ብዘይካ'ዚ፡ ነታ ካፕሱል ብኢዶም (ማንዋል) ብምዝዋር ድማ ኣብ ዙርያ ምድሪ ክሕምበቡ እዮም።
ኣብዚ ፈታኒ ተልእኾ ኣርተሚስ፡ ጠፈርተኛታት ካብቲ ዝወስድዎ ዘይተርፍ ምርምራዊ ናውቲ፡ ብውልቆም ዘገድሶም ኣቚሑ'ውን ክማልኡ ወሲኖም ኣለዉ። መን እንታይ ክወስድ ከምዝሓሰበ ኣስዒብና ነቕርበልኩም፡
ሪድ ዋይዝማን - ኣዛዚ ተልእኾ

ምንጪ ስእሊ, NASA/BBC News
ሪድ ዋይዝማን ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናይ ፈተነ ኣብራሪ ነፈርቲ ዝነበረ ጠፈርተኛ ኮይኑ፡ ምሃንድስ ብምዃን ኣብ 2014 ናብታ ቀዋሚት ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር (ኣይ-ኤስ-ኤስ) ብምብራር 6 ኣዋርሕ ዝጸንሐ እዩ።
ኣብ ገጽ ምድሪ ኣብ ብርኽ ዝበለ ምድያብ ዘፍርሖ ዋይዝማን፡ ናብ ጠፈር ምብራር ግን ኣመና ዘፍቅሮ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
እዚ ኣብ ክፍሊሃገር ባልቲሞር ዝተወልደ ምኩር ኣብራሪን ኣቦ ቆልዑን፡ ኣብ 2020 ብዓልቲቤቱ ብሕማም መንሽሮ ዝሰኣነ'ዩ።
ክልተ ኮተቴ ኣዋልድ ደቁ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ዝተረከበ ማይዝማን፡ ኣብ ህይወቱ "እቲ ዝዓበየ ብድሆን ጸጋን" ንጽል ወላዲ ምዃን እዩ ክብል'ዩ ዝዛረብ።
ብቕዓት ሓደስቲ ነፈርቲ ናይ ምፍታን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ህይወቱ ኣብ ኢዱን ጃንጥላኡን ሒዙ'ዩ ኣብ ሓደገኛ ሞያ ክሰርሕ ጸኒሑ። እዚ ናይ ሎሚ በረራ'ውን ከቢድ ስግኣት ዝሓዘለ ምዃኑ ኣይሰሓቶን።
ምናልባት፡ ብህይወት እንተዘይተመሊሱ ደቁ እንታይ ክገብራ ከምዘለወን ብንጹር'ዩ ገሊጹለን።
"ሰነድ ኑዛዜ ኣብዚ ኣለክን፡ ሰነዳት መጒዚትነት'ውን እነሆ፡ ገለ ነገር እንተኣጋጢሙኒ ከምዚ'ዩ ክኸውን . . . ኣካል ህይወት ወዲ ሰብ'ዩ" ብምባል ከረድአን ይፍትን።
ንደቅኻ ብንጹር ምርዳእ ንጠፈርተኛታት ጥራይ ዝምልከት ከምዘይኮነ ድማ'ዩ ዝምጉት- ሰብ ዘጋጥሞ ኣይፈልጥን'ዩ።
እዚ ነቶም ካልኦት ሰለስተ መናፍርቱ ልዑል ናእዳ ዘለዎ ሓላፊ ናይቲ በረራ፡ ኣብቲ ጉዕዞ ዝመጾ ሓሳብ ዝስንደሉ ንእሽቶ ማህደር ክማላእ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።
ክሪስቲና ኮክ - ፍልይቲ ክኢላ

ምንጪ ስእሊ, NASA/BBC News
ክሪስቲና ኮክ መሃንድስን ሊቕ ፊዚክስን ኮይና ኣብ 2013 እያ ጠፈርተኛ ክትከውን በቒዓ። ኣብ 2019 ናብ ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር ብምውንጫፍ፡ 328 መዓልታት ኣብ በረራ ዝጸንሐት ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ብምዃን ክብረወሰን ዝሓዘት እያ።
እታ ኣብ ግራንድ ራፒድስ ክፍለሃገር ሰሜን ካሮሊና ዝተወልደት ጠፈርተኛ ናብ ወርሒ ዝኸደት ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ክትከውን ትጽቢት ይግበረላ።
ብኸመይ ጠፈርተኛ ክትከውን ከምዝወሰነት ምስተሓተት፡ ናብ እዋን ቁልዕነታ'ያ ትምለስ። ኣብ መደቀሲ ክፍላ ሓንቲ ንፕላነት ምድሪ ኣብ ልዕሊ ወርሒ እተርኢ ፖስተር ከምዝነበረት'ያ ትዛረብ። ቢል ኣንደርስ ዝተባህለ ጠፈርተኛ ኣፖሎ 8 ዝሳኣላ ውርይቲ ሓቀኛ ስእሊ'ያ።
ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ዙርያ ገዳይም ጠፈርተኛታት ኣፖሎ 8፡ ከምኡ'ውን ዛንታታቶምን ብምሕላፋ'ውን ንባህጋ ኣሐይልዎ'ዩ።
ቪክተር ጀይ ግሎቨር- ኣብራሪ (ፓይሎት)

ምንጪ ስእሊ, NASA/BBC News
ቪክተር ግሎቨር ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብራሪ ነፋሪት ኲናትን ናይ ፈተነ ኣብራሪን ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 2013 ጠፈርተኛ ክኸውን በቒዑ።
ኣቐዲሙ ኣብራሪ ናይታ ብናሳ ዝተወንጨፈት ስፔስኤክስ ክሪው 1 ከምዝነበረን፡ ኣብ ዓለምለኻዊት መደበር ጠፈር ን6 ወርሒ ዝጸንሐን እዩ።
ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ ዝኾነ ግሎቨር ንፈለማ እዋን ናብ ወርሒ ዝኸደ ጸሊም ሰብ ክኸውን ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ።
እዚ ኣብ ፖሞና ካሊፎርንያ ከምዝተወልደ ዝንገረሉ ግሎቨር፡ ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብሎ ሰለስተ ማስተርስ ዲግሪታት ብናይ መሃንድስነት በረራታት ፈተነ፡ ሲስተምስ ኢንጂነሪንግ፡ ከምኡ'ውን ወተሃደራዊ ስርሒታዊ ኣርትን ሳይንስን ብምርካቡ'ዩ። ስለዚ ድማ'ዩ 'ኣይክ' (ኩሉ እየ ዝፈልጥ) ዝብል መጸውዒ ስም ተዋሂብዎ ዘሎ።
ግሎቨር፡ ብብልሑ ጥራይ ዘይኮነ ብኣካዳድንኡ'ውን ህቡብነት ዝረኸበ ምዃኑ'ዩ ዝንገረሉ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀለቤት ቃልኪዳኑ፡ ናይ ስድራቤቱ መዘከርታ ዝኾነ ቅርስታትን፡ ብገዲም ኣባል ኣፖሎ 9 ዝኾነ ጠፈርተኛ ራስቲ ስክዊካርት ዝተጻሕፈ መሳጢ ጥቕስታትን ጠርኒፉ'ዩ ንበረራ ተዳልዩ ዘሎ፡ ንብለኩም።
ሰናይ ዕድል ትምነየሎም!
ጀረሚ ሃንሰን፡ ፍሉይ ክኢላ

ምንጪ ስእሊ, NASA/BBC News
ጀረሚ ሃንሰን ኣብ ሓይሊ ኣየር ካናዳ ኣብራሪ ነፋሪት ኲናትን ክኢላ ፊዚክስን ኮይኑ ኣብ 2009 ኣባል ትካል ጠፈር ካናዳ ክኸውን ዕድል ዝረኸበ'ዩ።
ዋላ'ኳ ቅድሚ ሕጂ ናብ ጠፈር ከይዱ ዘይፈልጥ እንተኾነ፡ ኣብቲ ጆንሰን ስፔስ ሰንተር ዝተባህለ ጨንፈር ናሳ ጠፈርተኛታት ኣብ ምስልጣን ኣገዳሲ ግደ ጸኒሕዎ'ዩ።
እዚ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ፡ ምንስፋፍ ጃልባን ምሕኳር ኣኻውሕን ጐቦታትን ዝፈቱ'ዩ።
ንሱ'ውን ከም ክሪስቲና ብኣፖሎ 8 ዝተሳሕበ ኮይኑ፡ ስእሊ ናይቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ገጽ ምድሪ እግሩ ዘንበረ ካልኣይ ሰብ ዝኾነ ባዝ ኣልድሪን ብምርኣይ ንዝነበረቶ ገዛ-ገረብ ናብ ቅርጺ ሮኬት ዝቐየረ'ዩ።
ከምቲ ኣዛዚ ኣርተሚስ 2 ንኣዋልዱ ዝበለን፡ ሃንሰን'ውን ንደቁ ንምርግጋእ ብዛዕባ ተኽእሎታት ሓደጋ ገለ እንተሰሚዖም ንውሕስነት ብዝብል ምዃኑ ክርድኡ'ዩ ከእምኖም ዝፍትን።
እቲ መደብ እንተቐኒዕዎም፡ ንፈለማ እዋን ናብ ወርሒ ዝኸደ ካናዳዊ ክኸውን'ዩ።
"ወርሒን ምምላስን" ዝተጻሕፋ ካቴና ኣሲሩ ክበርር መዲቡ ከምዘሎ ድማ'ዩ ዝፍለጥ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


