ትግራይ፡ ንህፃን ናኦድ ተኽላይ ጨውዮም ዝቐተሉ ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, YG
ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ወረዳ እንዳባጉና ብገበን ቅትለት ህፃን ናኦድ ንዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት ከም ዝፈርደ ፀብፃባት የመልክቱ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብቅትለት ህፃን ናኦድ ተጠርጢሮም ንዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ውልቀሰባት ውሳነ ገበን ብምሕላፍ፡ መቕጻዕቲ ከም ዝበየነ ተሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ክብሮም ኣማረ ብሞት ክቕፃዕ ክፍረድ እንከሎ፡ ዓንዶም ገብረስላሴ ኣብ ዘየለወሉ ብፅኑዕ ማእሰርቲ 25 ዓመታት፣ ከሰተ ደበብንን ፀጋይን ነብሲ ወከፎም ብፅኑዕ ማእሰርቲ 23 ዓመታት ክቕፅዑ እቲ ቤት ፍርዲ በይኑ።
ከምኡ ድማ፡ ነብያት ገብረሊባኖስ ብማእሰርቲ 4 ኣዋርሕ፣ ያሬድ ይፍጠር ብማእሰርቲ 6 ኣዋርሕ ክቕፅዓ ተወሲኑ።
ነቲ ህፃን ቀቲሎም፡ ብህይወት ከምዘሎ ብምምሳል፡ ካብ ወላዲት ህፃን ናኦድ - ዮርዳኖስ ጋይም ዝተቐበልዎ 600 ሽሕ ብር፡ ናብ ዋናኡ ክምለስ እቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝወሰነ ድማ፡ ሓላፊ ምፅራይ ገበን እቲ ዞባ ኮማንደር ገብረስላሴ ኣማረ ከም ዝሓበረ እቲ ፀብፃብ የመልክት።
ህፃን ናኦድ ተኽላይ 25 ሓምለ 2017 ዓ.ም. [ግ] ተጨውዩ ከም ዝተቐተለ ዝዝከር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, YG
እቲ ኵነታት እንታይ እዩ?
ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2025 ንህዝቢ እንዳባጉና ዘሰንበደ ሓደ ዘሕዝን ክስተት ተፈጺሙ ነይሩ።
ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ጨውዮም ንወላዲቱ ገንዘብ ሓቲቶም፣ እቲ ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ድማ ንውሉዳ ቀቲሎም ኣብ ቢንቶ ደርብዮሞ ከይዶም።
ጓል 32 ዓመት ዮርዳኖስ ጋይም ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ። በዅራ ጓል 17 ዓመት ክትከውን እንከላ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኢድ ጨካናት ጨወይቲ ኣትዩ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት እዋን እቲ ፍጻመ ብኣስካሕካሒ ኵነታት ተቐቲሉ ኣስከሬኑ ብሓለውቲ ከብቲ'ዩ ተረኺቡ።
ዮርዳኖስ ኣብ ኤርትራ ከም ዝተወለደትን ኤርትራዊ ኣቦኣ ምስ ዓረፈ፡ ኣደኣ ትግራወይቲ ስለ ዝዀነት ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብ እንዳባጉና መጺኣ ከም ዝዓበየት ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ዘካየደቶ ቃለመሕትት ገሊጻ ነይራ።
ደቃ ከተዕብን ዝሓመመት ወላዲታ ክትኣልን ኢላ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተሰደደት ድማ ቅድሚ 10 ዓመት'ዩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ስደት ናብ እንዳባጉና ተመሊሳ ክትነብር ጀሚራ ነይራ።
ኣብ መንጎኡ ኣብ ትግራይ ኲናት ስለ ዝተወልዐ ግዜ ዕጽዋን ክባን ኣብ እንዳባጉና እያ ኣሕሊፋቶ።
ውዕል ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ ዳግማይ ናብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝተሰደደት እትገልጽ ዮርዳኖስ፡ እዚ ንልባ ዘሰንበደ መርድእ ብተሌፎን ተደዊሉ ከም ዝተነግራ ኣዘንትያ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


