መቐለ፡ ጀነራል ታደሰ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ

ጀነራል ታደሰ ወረደ

ምንጪ ስእሊ, Office of the President-Tigray

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕድመ ስልጣኑ ዝተናውሐ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ጀነራል ታደሰ፡ እቲ ካብ ህወሓት ተመሓላሊፉ ዘሎ ውሳነ፡ "ኲናት ከስዕብ ዝኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ እዩ ወሲኑ።

ጀነራል ታደሰ ግን፡ ኣብዚ ሎሚ ኣብ መቐለ ዝሃቦ መብርሂ፡ ውሳነ ህወሓት ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘብቅዕ ከምዝዀነ ብምግላፅ ነቒፍዎ ኣሎ።

"እዋናዊ መብርሂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ንክምለስ ዝተወሰነ ውሳነ ነቲ ናይ ፕሪቶሪያ ስምምዕነት ውድቂ ዝገበረ እዩ" ኢሎም።

"እዚ ውሳነ ናይቲ ተፈራራሚ ኣካል ውሳነ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት፡ "ነዚ ስዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ኲናት እዩ። እቲ መማረፂ ኲናት ምቕፃልን፡ ሰላም ዛላቂ ክኸውን ምግባርን እዩ" ከምዝበለ ቤት ጽሕፈቱ ዘውጽኦ ሓበሬታ ይጠቅስ።"

ነቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ ንምፍታሕ ልዝብ ክካየድ እቲ ፕረዚደንት ፀዊዑ።

"ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ስርሑ ከም ዝቕፅል፡ ኣብያተ ዕዮታት እውን ኣብ ስራሕ ከም ዘለዋ ብቐፃልነት እውን ከም ዝሰርሓ" እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ኣብ መስከረም 2013 (2020) ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መረጻ ክናዋሕ ንዘመሓላለፎ ውሳነ ብምቅዋም ዝተገብረ ኰይኑ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ክብል ኣፍልጦ ዘይሃቦ ምንባሩ ይዝከር።

ህወሓት ነቲ መረጻ ክግበር ምድፍኡ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልል ትግራይን ማእካላይ መንግስትን ዝነበረ ምትፍናን ናብቲ ደማዊ ኲናት ከምርሕ ካብ ዝገበሩ ቀንዲ ጠንቂታት እዩ ነይሩ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኪኡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዝኸውን ሓደ ዓመቱ ዝሓለፎ ኰይኑ፡ እቲ መጋቢት 30 ዘብቅዕ ዝነበረ ስልጣኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዝሃቦ ውሳነ ብወግዒ ተናዊሕሉ ይርከብ።

እንተኾነ ህወሓት ነቲ ስጉምቲ 'በይናዊ ውሳነ' ኢሉ ብምቅዋም፡ ስልጣን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ፌደራላዊ ተቐባልነት ዘይረኸበ ምምሕዳር ክምለስ'ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ መረጻ ተኻይዱ ወግዓዊ ምምሕዳር ክሳዕ ዝምስረት፡ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝካየድ ፖለቲካዊ ዘተ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቐውም ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ'ዩ።

በዚ መሰረት ኣብቲ ዓመት ብ23 መጋቢት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ንኣቶ ጌታቸው ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ክምስርት መዝነት ሂቡዎ።

እቲ ዝቐወም ምምሕዳር ግን ውክልና ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘረጋግጽን ኣሳታፍን ክኸውን ከምዝነበሮ ድማ እቲ ሽዑ ዝወጸ መምርሒ የመልክት።

ስምምዕ ፕሪቶሪያ እቲ ካብ 25 ጥቅምቲ 2022 (2015) ክሳብ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ'ዩ ተፈሪሙ።

"ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ክምለስ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ዝፍተሓሉ ባይታ ክፍጠር፣ ከምኡ'ውን፡ ተሓታትነት፣ ሓቂ፣ ዕርቅን ሕውየትን ንምውሓስ ፖሊሲ መሰጋገሪ ፍትሒ ምርግጋጽን ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም።