"ደቅና ክነዕቢ ኢና ንደሊ" - ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ

ሓወልቲ ሰማዕታት መቐለ

ምንጪ ስእሊ, SM

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ቅድሚ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዝተመርጸ ባይቶ ክልል ናብ ስራሕ ክምለስ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ነቲ 'በይነኣዊ ውሳነ' - መንግስቲ ፌዴራል ዝበሎ፡ ምንዋሕ ስልጣን ሹመት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስዒቡ እዩ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክትካእ ወሲኒ ዘሎ።

ገለ ነበርቲ እቲ ክልል: እቲ ውሳነ "ዝተሓዋወሰ ስምዒት" ከምዝፈጠረሎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም፤ ካልኦት ድማ ናብ ካልእ ዙር ጐንፂ ከይመርሕ ስግኣት ከምዝሓደሮም ይዛረቡ።

ንውሳነ ህወሓት ዝድግፉ ነበርቲ ከምዘለዉ ዝዛረብ ሓደ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ነባሪ፡ ሳዕቤን እቲ እንታይ እዩ ክኸውን ኣብ ዝብል "ብዙሓት ሰባት ኣብ ምድንጋርን ጭንቀትን ከምኣተዉ" ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ውሳነ "ኲናት" ወይ "ምቁራጽ ኣገልግሎት" ከየስዕብ ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ እውን ወሲኹ ገሊጹ።

"ዳግማይ ኣብ ሽግር ከይኣትዉ" ከምዝፈርሑ ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ ውሳነ ህወሓት ጽቡቕ ነገራት ከምዘምጽእ ተስፋ ከምዘይየለ እዩ ዝገልጽ።

ነበርቲ ትግራይ ብዛዕባ "መዓልታዊ ህይወቶ እዮም ዝጭነቝ ዘለዉ" ይብል።

"ተዓፂፍካ ሞት ተዘርጊሕኻ ሞት"

ካልእ ነባሪ ድማ መግለፂ ህወሓት "እዋናዊ እዩ" ብምባል ነቲ ውሳነ ደጊፉ። ንሱ፡ እቲ ህወሓት ዝወሰዶ ስጉምቲ "ንሕብረተሰብ ዝረብሕ እዩ" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ውሳነ ህወሓት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር "ግዝያዊ" እናተበሃለ ካብ ዝነብር፡ ፡ ህዝቢ "ፍትሕን ናጽነትን" ንኽረክብ መገዲ ዝጸርግ ምዃኑ ሓቢሩ።

ተመዛበልቲ ናብ ዓድታቶም ክምለሱ ንምግባር ዝተወሰነ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብቲ ክልል ፍትሒ ከምጽእ እምነት ከምዘለዎ ይዛረብ።

ቢቢሲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዝርከቡ ሰባት እውን ኣዘራሪቡ።

ሓደ ካብዚኦም ዝዀነ ተመዛባሊ መምህር ሙሉ፡ ስልጣን ሌተናል ጄነራል ታደሰ ወረደ ብሓደ ዓመት ምንውሑ፡ ኣሰንቢድዎ ከምዝነበረ ይዛረብ።

እቲ ውልቀ ሰብ ምኽንያቱ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ውሳነ "ካብ ሕጊ ወፃኢ እዩ" ይብል።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ሕጂ ነዚ ውሳነ ምውሳዱ ብምድጋፍ ነገርግን፡ "ኣብቲ ክልል ዘሎ ወጥሪ ብድርድር ብሰላማዊ መንገዲ እንተዝፍታሕ ዝሓሸ ምኾኑ" ይኣምን።።

ወሲኹ ድማ "እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ስለዘሎ እየ ነቲ ውሳነ ዝቕበሎ" ኢሉ።

ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ዝደልዩ ሰባት "ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ ሒዞም ክመጹ" ተስፋ ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ።

"ምምላስ ተመዛበልቲ፡ ብሰላማዊ መገዲ እንተዝፍፀም፡ እምረፅ፤ ንሕና'ውነን ከምኡ ኢና ንደሊ፤ እዚ ግን ዝኸውን ነገር ከምዘይኰነ ሪእና ኢና፤ ካብኡ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የለን" ኢሉ።

"ብሰላመዊ መገዲ እንድሕር ኣብዩካ፤ ሻድሻይ ዓመትና ኣብ ኬንዳ ኣለና፡ እታ እንቕለባ ዝነበርላና እንስሳ ዘይበልዓ እኽሊ፡ ካብ ዘይንረኽባ ዳርጋ ካልኣይ ወርሒ ኰይኑና ኣሎ" ብምባል፡ እቲ ዘለውዎ ኩነታት የረድእ።

ስለዚ ይብል፡ " ቃልሰስኻ ኣሐይልካ፡ ናብ ቦታኻ ምምላስ እዩ ዝሐሸ። ኲናት ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ፤ ቀሊል ነገር ኰይኑ ኣይኰነን። ብዙሕ መስዋእቲ ክኽፈል እዩ፤ ሞትን ኣካል መጉዳእትን ከስዕብ እዩ፤ ኣብ ኢንቨስትምነት ብዙሕ ዕንወት ከስዕብ እዩ፡ ግን ካልእ ኣማራፂ የለን"።

"ንሕና እንተዀንና'ውን'ኮ፡ 'ብሰላማዊ መገዲ ይኹን' እናበልና ብተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፊ ወፂእና ኢና፤ ነገር ግን ከምዚ ኢልና ክሳብ መዓዝ ክንነብር? ምሟት ንምመሟቱስ፡ ካብ ተዓፂፍካ ሞት ተዘርጊሕኻ - መስዋእቲ ከፊልካ ምሟት ይሐሽ" ይብል ብቐቢፃ ተስፋ ስምዒት።

"ንሕብረተሰብ ማእከል ዝገበረ ኣይኰነን"

መምህር ኣርኣያ ዝተብሃለ ካልእ ነባሪ ድማ ነዚ ዝፃረር ርእይቶ ኣለዎ።

"ንሕብረተሰብ ማእከል ዝገበረ ኣይኰነን፤ ንህበረሰተብ ይጠቅም ድዩ ኣይጠቅምን ተባሂሉ ዝተወሰነ ኣይኰነን" ይብል።

እቲ ውሳነ ምስ ህዝቢ ብምምኽኻር ከምዘይተወሰደ ዝገለጸ እቲ ነባሪ፡ ነዚ መርገጺ ህወሓት "ኣይቅበሎን" ይብል።

እቲ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሰላም ዝረጋገጽ ንዝርርብ ትዅረት ዝገብረ ውሳነ እንተዀይኑ እዩ" ብምባል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ይኹን መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ዘይኮነስ ብውልቆም ዝወሰንዎ ስለዝኾነ ከምዘይቕበሎ ኣስሚሩ።

"ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለኒ" ዝበለ እቲ ነባሪ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ መከራ ከስዕብ ከምዝኽእል ገሊጹ።

"ውሳነ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ክልል ትግራይ እንታይ ዓይነት ፅልዋ ከም ዝህልዎ ንነብስና ክንሓትት ኣለና" ዝበለ እቲ ነባሪ "ብኹናት ተሃሲና ኢና፤ ቁጠባና ደቒቑ እዩ። ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ብጥሜት ዝተጠቕዑ ተመዛበልቲ ኣለው" ክብል ገሊፁ።

እቲ ቀንዲ ሕቶ ነዞም ጸገማት ብኸመይ መፍትሒ ንረክብ ዝብል እዩ ይብል።

"ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኲናት ኣይድግፍን፤ ንምንታይ እንተኢልኪ በቲ ዝሓለፈ ኲናት'ውን ዝመፅአ ለውጢ የለን። ተንጠልጢሉ ዝቐፀለ ነገር እዩ ዘሎ፤ ሕዚኸ ካልእ ህልቂት ተፈፂሙ እንታይ እዩ ክርከብ? ውዕል ፕሪቶርያ ኣሎ ብኡ ኣቢሎም ፀገሞም ዘይፈትሑ፤ ብምዝርራብን ብንግግርን እዩ ክፍታሕ ዘለዎ በሃሊ እየ" ክብል ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያ'ውን ከምዘይድገፍ ኣረዲኡ።

ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ድሮኳ፡ መናእሰይ ፎቘድኡ ይብተንን ይሃድምን ከምዘሎ ካልእ ተመሳሳይ ርእየቶ ዘለዎ፡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።

"ብሓፈሽኡ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ ዝደሊ፤ ስሰሪሑ ክበልዕን ደቂ ከዕብን እዩ ዝደሊ፤ ምኽንያቱ ናየዕቲ ዝሓለፈ'ኳ ዓብዪ ጅግንነት ዝተፈፀመሉ፤ ኣብዚ እተ ዝበሃል ክብርነ ምስጋናን ዘይተውሃበሉ፡ ሕዚ መን እዩ ክዋጋእ? ብዊልቸርን ብክራንች መዓት መንእሰይ እዩ ዘሎ፤ ነዚ ናረእኻ ከመይ ገይርካ እዩ ኲናት ዝምረፅ፤ ብዝዀነ ይኸዑን ኰናት ክንፅየፍ ኣላና"።