ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ዝስጋእ ዘሎ ሓድሽ ኲናት እንታይ ይብላ?

ምንጪ ስእሊ, Abeba Amdu
ጓል 22 ዓመት ኣበባ ዓምዱ፡ ገለ ካብ ኣገዳሲ ዓመታት ህይወታ ብሰንኪ ኲናት ክባኽን ርእያ፤ ሕጂ ዳግም ኣብ ክልል ትግራይ ካልእ ግጭት ክትሪኢ ድልየት የብላን። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣብቲ ክልል ኲናት ከይለዓል ዝብል ፍርሒ ኣለዎም።
ኣብ 2020 ኣባል ሓይልታት ትግራይ ብምዃን ኣብቲ ኣንጻር ሰራዊት ፌደራል ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ተሳቲፋ፤ እቲ ደማዊ ግጭት ካብ ዝዛዘም ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ግን፡ ብኸቢድ ስንባደ ተሃስያ ትርከብ።
"ብዙሕ ነገረይ እዩ ተበላሽዩኒ፡" ትብል።
ኣበባ ቅድሚ ኲናት፡ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዝዓቢ ሞያ ነይሩዋ፤ ቈልዓ ሸውዓተ ዓመት እንከላ ኣትሒዙ ኩዕሶ እናተጻወተት እ ያ ዓብያ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኣ ኣጥቃዒት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ 70 እንደርታ ኰይና።
ንነብሳ ከም 'ፌሚኒስት' እያ ትርእያ ነይራ፤ በዚ ድማ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ዘሎ ባህላዊ ኣተሓሳስባታት ክትቃለስ ትሕልን ነይራ። እታ መንእሰይ ብልጽቲ ተመሃሪት'ውን እያ ነይራ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኮሌጅ 'ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ' ተጽንዕን መጻኢኣ ትሃንጽን ነይራ።
ሽዑ እቲ እትፈልጦ ጥዑም ዓለም ሃንደበት መልክዑ ክቕየር ጀሚሩ። መጀመርያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ካብ ትምህርታ ቦዂራ፤ ቀጺሉ ክኣ ኲናት ተላዒሉ።
"ኣነ ኣብ ኲናት ዝኣምን ሰብ ኣይነበርኩን፤ ምኽንያቱ ወለደይ እንታይ ከም ዝሓልፉ እፈልጥ ነይረ፡" ትብል።
ኣበባ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ብ1991 ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናይ ሽዑ ገዛኢ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝነበረ መንግስቱ ሃይለ ማርያም ንምእላይ ኣብ ዝመርሖ ነዊሕን ኣዕናውን ኲናት ዝተሳተፉ ወለዳ ተሰኪሞምዎ ዝነበሩ በሰላን ስንባደን ክሳብ ሕጂ ከም ዘይሓወየ ትዛረብ።
ህወሓት፡ ክሳብ 2018 ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ሒዙ ጸኒሑ'ዩ፤ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞታት ስዒቡ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ህወሓት ዕርደይ ናብ ዝብላ ትግራይ ተደፊኡ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግን፡ ምስ ኣብይ ኣብ ቀጻሊ ኣንፈት እታ ሃገር ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ጐንጽን ፖለቲካዊ ምውጣጥን ኣትዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ 2020 ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ግጭት ተላዒሉ፤ ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ፈደራል ተሰሊፋ ኣብቲ ውግእ ተሳቲፋ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝመርሖ ልዝብ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ተዛዚሙ።
ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቀኣ ዝነበረ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ቁጽሪ እቶም ኣብቲ ግጭት ዝሞቱ ሰባት ኣስታት 600 ሽሕ ከም ዝግመት ገሊጹ'ዩ።
ኣበባ፡ ናብቲ ኲናት ምእታው ምርጫ ጥራይ ኣይነበረን፤ ውርሻዊ ግዴታ እውን'ዩ ነይሩ።
ንሳ፡ ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ ዘለውሉ ስድራቤት ስለ ዝዓበየት፡ ዛንታታት ቃልስን መስዋእትን እናሰምዐት እያ ዓብያ። እዚ ድማ፡ ፍቕሪ ሃገርን ተወፋይነትን ሰሪጹዋ።
ናብ ዕጡቕ ክንፊ ህወሓት ዝዀኑ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ክትጽንበር ምውሳና ግን፡ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝበጽሕ ዝነበረ ጾታዊ ዓመጽ ዘንቀሎ ምዃኑን፡ እዚ ኣብ ልዕሊኣ ከይበጽሕ ስግኣት ስለ ዝሓደራን ምዃኑ ትዛረብ።
"እቶም ገበነኛታት ንሓንቲ ጓለንስተይቲ ጥራይ ክዕምጹ ኣይኰኑን መጺኦም፤ ኣነ'ውን ከምአን ግዳይ ክኸውን ይኽእል ነይረ'የ፤ እዚ ኹሉ እዩ ንክቃለስ ኣገዲዱኒ፡"።
እቲ ኣብ ስፖርት ዝነበራ ፍናን ክውንነት ኲናት መንዚዑዎ። ቀጻሊ ጥሜት፡ ሕጽረት መናጽህን ካልኦት መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ዝፈራረቘ ቦታ ዓመታት ከተሕልፍ ተገዲዳ።
እንተዀነ መወዳእታ እቲ ኲናት ከምቲ ኣበባ ዝገመተቶ ሰላም ኣየምጽአን። ናብ ስድራኣን ሞያኣን ምምላስ ርእሱ ዝኽኣለ ብድሆ ኰይኑዋ።
"ናብኡ ንምምላስ ብዙሕ ጽዒረ፤ ግን ክንድቲ ዝደልዮ ኣይኰነለይን። ደኺመ፤ ሰብነተይ ይኹን፡ ስነ ኣእምሮኣይ ደኺሙ፡"።
ንነብሳ፡ ምስ ተነጽሎ ክቃለስ ትረኽቦ - እቶም ብዝሓለፈቶ ተሞክሮ ዘይሓለፉ ሰባት ክኣ ወትሩ ብጌጋ ዝርድኡዋ ዘለዉ ኰይኑ ይስምዓ።
"ሕጂ'የ ናይ ኣቦይ ባህሪ ተረዲኡኒ - ባህሪ ተጋዳላይ ናይ ቁጥዐ ስምዒት ኣለዎ። ፈጺሙ ስለ ዘይሓወየ ምዃኑ ሕጂ ተረዲኡኒ።"
ኣበባ፡ ቀጻሊ ሓዘንን በሰላን ከም ዝስምዓ ትገልጽ - ምስ እትፈትዎም ሰባት ብዙሕ ምስናይ ትስእን፡ ስራሕ ጀሚራ ተቋርጽ፡ ንበይና ተሓቢኣ ድማ ትበኪ።
"ምሳኻ ዝነበረ ሰብ ጥራይ እዩ ዝርድአልካ፡"።
"ካብ ስፖርት ንዝተወሰነ ዓመታት እንተጠፊእኻ ንምምላስ ከቢድ እዩ፡" እትብል ኣበባ፡ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ንምዃን ዘድልያ ዝነበረ ትኹረት ኣብ ቦታኡ የለን።
ናብ ልምምድ ክትምለስ እኳ እንተፈተነት፡ ክብደት ናይተን "ዝባኸና ዓመታት" ግን ነቲ ናይ ቀደም ወኒኣ ክትመልሶ ኣጸጊሙላ ይርከብ።
ኣበባ ቃንዛኣ ፍረ ናብ እትርእየሉ ሰናይ ነገር ንምቕያር፡ ንሓጺር እዋን ከም ጋዜጠኛ ኰይና ሰሪሓ፤ ን30 መንእሰያት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ንምስልጣን ዝዓለመ "ወጋሕታ" ዝበሃል ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፕሮጀክት እውን ኣበጊሳ።
ቀጻሊ ወለዶ ተጻወትቲ ከተዕቢ ተስፋ'ኳ እንተገበረት፡ ኣብ መወዳእታ ግን ፋይናንሳዊ ጸገማት ነቲ ተበግሶ ከተዓናቕፎ ጀሚሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣበባ ነዚ ጻዕርታት መዕቈቢ ንምድላይ እትገብሮ ኰይኑ ይስምዓ።
"ንምሕባእ ንምፍታን እምበር ንክትሰርሕ፡ ክትመሃር፤ ክትነብር ዝምችእ ነገራት ሃልዩ ኣይኰነን፤ ብህይወት ተሪፍና ኢና፤ ግን ምስ ስቓይ። ሕማቕ እናተሰምዓና፡ ባህግና ዘይሰመረ ኢና ዘለና፡"።

ምንጪ ስእሊ, Selam Hailu
እቲ ዝዓበየ ስግኣት ኣበባ ዳግማይ ኲናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል እዩ።
ብጎረቤት ክልል ኣምሓራ ዝተታሕዙ ከባቢታት ንምምላስ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ መንጐ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ሓጺር ግጭት ከም ዝተፈጠረ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ክልል መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተፈጸመን ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ዝግበር በረራታት ንኣስታት ሓደ ሰሙን ደው ኢሉ ከም ዝነበረን ይፍለጥ።
መንግስቲ ፌደራል እውን ኤርትራ ኣብቲ ክልል ኢዳ ብምእታው ንሓይልታት ትግራይ ትድግፍ ኣላ ክብል ከሲሱ። ኤርትራ ነቲ ክሲ ትነጽጎ።
ህወሓት ብወገኑ፡ መንግስቲ ፌደራል ንሓድሽ ውግእ ንምድላው ናብ ጥቓ ዶባት ትግራይ ሰራዊት የዋፍር ኣሎ ክብል ክኸስስ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ድማ እቲ ጉጅለ ሓይልታቱ ንምዕጣቕ ገንዘብ መንግስቲ ይወስድ ኣሎ ክብል ይኸስስ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ፍርሒ ይርኢ ኣለኹ - ፍርሒ ካልእ ግጭት" ትብል ኣበባ።
"ኲናት ኣድላዪ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ፍታሕ ዝህብ ዘተ - እምበር ውግእ ከም ዘይኰነ ርኢና ኢና።"
ጓል 30 ዓመት ጠበቓን ኣደ ክልተ ቈልዑን ዝዀነት ሰላም ሃይሉ እውን ተመሳለሊ ስምዒት ኣለዋ።
ናብቲ ውግእ ክትጽምበር ከላ፡ ኣደ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ምንባራ ትሕብር። ወለዳ፡ ድሮ ናብቲ ኲናት ዝተጸንበሩ ጡረተኛታት ሰራሕተኛታት መንግስቲ'ዮም ነይሮም።
"ናብ መቐለ ክኣትው ከለው፡ ደኺሞም ጥዕናዊ ኵነታቶም ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ነይሮም። ንዕኦም ምስ ርኣኹ ኣነ ክወጽእ ኣለኒ ኢለ። ጾታዊ ዓመጽ፡ ጃምላዊ ቅትለት ድቃስ ዝኸልእ፡ ጽባሕ'ውን ንዓይ'ዩ ዘብል እዩ ነይሩ፡" ትብል።
ምስ ንእሽቶ ሓፍታ ድማ ምስ ሓይልታት ትግራይ ክትጽንበር ከም ዝኸደት ትዛረብ። ከም ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ፡ መጀመርያ ሓጺር ግን ከኣ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዳ።
ሰላም ናብራ ኣኽራናት ትግራይ በዳሂ ኰይኑ ረኺባቶ፤ ንዓይ ኣብ በረኻ ሽንቲ ምሻን'ኳ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።"
ካብኡ ዝተፈለየ ብድሆ ግን፡ ጾታ መሰረት ዝገበራ ኣፈላላያትን ኣረኣእያን መራሕቲ እቶም ዕጡቓትን እዩ።
"ጓለንስተይቲ ምስ ጸላኢ ጥራይ ኣይኰነትን እትገጥም፡ ምስቲ ስርዓት- ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ዝነበረ ነገራት ምችው ኣይኰነን። ምኽንያቱ ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ክትነብር ከለኻ፡ ብብዙሕ ነገር ከይትስጉም ዝሕዘካ ነገራት ኣሎ። እቲ ሰራዊት እውን ካብኡ ዝወጽአ ስለ ዝዀነ ንጓለንስተይቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ኣተሓሕዛ ተመሳሳሊ እዩ፡" ትብል።
ንሳ ወሲኻ፡ "ወርሓዊ ጽግያት ኣብ እንርእየሉ ባህርያትና ክቕየር ከሎ'ኳ ዝርድኣና ሰብ የለን፡" ኢላ።
እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ ብድሆ ግና እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት እዩ ነይሩ።
"ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት ዝነበሩ ጸገማት፡ ጓለንስተይቲ ንፍዕቲ ምዃና፡ ትኽእል ምዃና፡ ብፖለቲካ ለውጢ ከተምጽእ እትኽእል ወይ ብቕዕቲ ምዃና ኣይኣምኑላን፡" ትብል።
"ንጥይት ዘይፈረሐት ንናይ ሓደ ሓላፊ ቃል፡ ወይ መቕጻዕቲ ትፈርሕ ማለት እዩ፡" ብምባል ብዙሓት ካብኣተን ግዳያት ዘይመትከላዊ ርክባት ክዀና ከም ዘስተብሃለት ሓቢራ።
ንሳ ብዕድመ ካብኣተን ዝዓበየትን ጠበቓን ስለ ዝነበረት፡ ኣንጻር ከምዚ ዓይነት "ዘይመትከላዊ ዝምድናታት" ተዛሪባ - ንሓንቲ ለይቲ ድማ ተኣሲራ።
ሰላም ኣብዚ እዋን ዳግማይ ኲናት ክለዓል ከይክእል ዝብል ስግኣታት ካብ መንጐ ዘሻቕሎም ውልቀሰባት እያ።
"መንእሰያት ብዝዀነ ይኹን መገዲ - ብሕጋዊ ይኹን ዘይሕጋዊ - ይወጽኡ ኣለዉ። ኣብ ገጽ ኩሉ ሰብ ተጻሒፉ ፍርሒ እዩ ዝርአ። ካባና ንላዕሊ ሰላም ዘድልዮ ሰብ የለን - ካልእ መስዋእቲ ክንከፍል ኣይንኽእልን ኢና።"

ምንጪ ስእሊ, Rahwa Gebremedhin
ንጓል 30 ዓመት ራህዋ ገብረመድህን መምህር ዩኒቨርስቲ መቐለ እያ። ቅድሚ ምጅማር ኲናት ትግራይ (2020)፡ ልክዕ ከም ካልእ መንእሰይ እታ ሃገር ብሞያኣ ክትዓቢ፡ ገዛ፡ መኪናን ቈልዑን ክህልዋ ባህጊ ነይርዋ።
ይኹን'ምበር "ሓይልታት ጸላኢ" ብዝፈጸምዎ ግፍዒ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተጸንቢራ።
"ናይ ሰርቫይቫል ጉዳይ እዩ ነይሩ፤ መርሸንቲ፡ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ኩሉ ቦታ እዩ ዝፍጸም ነይሩ። ጓለንስተይቲ ዒላማ ናይቲ ውግእ ዓውዲ'ያ ነይራ። በቲ ቅትለታት ሰንቢደ፡" ትብል።
ኲናት ብፊልም እምበር ኣብ ሕሉፍ ህይወታ ተሞክሮ ዝነበራ ኣይኰነትን።
"መልክዓ ምድሪ ምልማድ፡ ምዕጣቕ፡ ምልምማድ በዳሂ ነይሩ፡" ትብል።
እቲ ኲናት ደው ንምባል ድሕሪ ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶሪያ ግን፡ ከምኣ ዝኣመሰላ ኣብቲ ውግእ ተሳትፎ ዝነበረን ደቀንስትዮ ንጐድኒ ከም ዝተሓደጋ ትኣምን።
"ድሕሪ ኲናት ሙሉእ መሉእ ኢና ተገሊልና - ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሓዊስኻ። ንዓይ ዘተኣናግድ ኵነታት የለን። ዝተፈላለዩ ቢሮታት ይጣየሹ እዮም፡ ሓቛፊ ግን ኣይኰኑን፡" ብምባል፡ ስምዒታውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዕንወት እቲ ኲናት ኣዝዩ ዓቢ ብምንባሩ፡ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ምምላስ በዳሂ ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ ገሊጻ።
"ኵሉ ምልክታት ስንባደ [post-traumatic stress disorder] ኣባይ ክርኣዩ ይኽእሉ'ዮም። ኩለን ደቀንስትዮ ተመሳሳሊ ተሞክሮ ኣለወን፡"።
"ናብ ስራሐይ ተመሊሰ'የ፡ ግን ከም ቀደሙ ኣይኰነን። ንምንባር ጥራይ እየ ዝጽዕር ዘለኹ።"









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


