ሱዳን፡ ኣካል 'መዓልታዊ ህይወት' ኰይኑ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ

ዕንጸይቲ ተሰኪሞም ዝኸዱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ገለ ከባቢታት ሱዳን፡ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን "ኣካል መዓልታዊ ህይወት" ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሕክምናዊ ግብረ ሰናይ ትካል ሜዲሲንስ ሳንስ ፍሮንቲርስ (MSF) - ዶብ ኣልቦ ሓኻይም - ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኵነታት ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ናብ ካልእ ቦታታት ኣብ ዝተሰጋገረሉ ከይተረፈ የጋጥም ኣሎ።

እቲ ዓመጽ "ቀንዲ መግለጺ" ናይቲ ግጭት እዩ ዝብል እቲ ጸብጻብ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዓብላሊ መልክዑ ብዕጡቓት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝፍጸምን መብዛሕትኡ ግዜ ብተግባራት ጭካነን ውርደትን ዝተሰነየ ከም ዝዀነን ሓቢሩ።

እዚ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሱዳን ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ እቲ ዝሰፍሐ ጸብጻብ እዩ።

መጠንቀቕታ፤ እዛ ዛንታ እዚ ንገሊኦም ሰባት ዘጨንቕ ዝርዝር ጾታዊ ዓመጽ ዝሓዘ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ጥሪ 2024ን ሕዳር 2025ን ኣብ መላእ ሰሜንን ደቡብን ዳርፉር ኣብ ዝርከባ ብትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝድገፋ መሳለጥያታት ሕክምና ካብ ዝጠለቡ 3,396 ግዳያት ዝተረኽበ ምስክርነት መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ እዩ።

እቶም ተጻባእቲ ወገናት ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ ሰሪዕን ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰሱ። ዳርፉር ግን ዳዕመ ሰሪዕ ስለዝኾነት እቶም ብግዳያት ዝተለለዩ ገበነኛታት መብዛሕትኦም ኣባላት እዚ ጉጅለ እዮም።

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቐሱ ፍጻመታት፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ግጭት ዝበዝሖ ቦታ ሰሜን ዳርፉር ዘጋጠሙ እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብቶም ዝተሓከሙ ግዳያት፡ ካብዞም ከባቢታት ናብ ውሑስ ቦታ ዝዀነት ታዊላ እናተጓዕዙ ከለዉ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ይገልጽ።

እቲ መጥቃዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ዓመጽቲ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ከም መግረፍቲ ወይ ቅትለት ኣዝማድ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓይነት ጽንኩር ዓመጻትን ምፍርራሕን የጠቓልል።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰት ሓንቲ ጓለንስተይቲ፡ "ናብ ክፉት ቦታ ወሲዶምና" ትብል።

"እቲ ቀዳማይ ሰብኣይ ክልተ ግዜ፡ እቲ ካልኣይ ሓደ ግዜ፡ እቲ ሳልሳይ ኣርባዕተ ግዜ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ሓደ ግዜ ዓሚጹኒ" ክትብል ዘጋጠማ ነገር ትገልጽ።

"ብዘይካ እቲ ዓመጽ፡ ብበትሪ ይሃርሙናን ብሽጉጥ የፈራርሑናን ነይሮም። ካልእ ጓል 15 ዓመት... ብሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ተዓሚጻ፣ ምሉእ ለይቲ ዓሚጾሙና።"

ካልእ ግዳይ ድማ "ክልተ ካብተን ኣብ ጕጅለና ዝነበራ ደቀንስትዮ ኣብ ቅድሜና ብሚሊሻታት ዳዕመ ሰሪዕ ተዓሚጸን። ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮ ብሓባር ዝገብርዎ እዩ። ሓንቲ ጓል 22 ዓመት እያ ነይራ ኣብኡ ድማ ሞይታ" ኢላ።

እቲ ትካል ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ነቲ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ዝቐረቡ ብዙሓት ጸብጻባት ዘደልድል እዩ። ከም ዛጋዋ፡ ማሳሊትን ፉርን ዝኣመሰሉ ዓረብ ዘይኮኑ ማሕበረሰባት ኣብዚ ግፍዕታት "ኰነ ተባሂሉ ዒላማ" ከም ዝተገብሩ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

መሪሕነት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ እዋን ምቍጽጻር ኣል-ፋሸር "ውልቃዊ ጥሕሰት" ከም ዝተፈጸመ እኳ እንተኣመነ፡ እቶም ፍጻመታት ይምርመሩ ከም ዘለዉን እቲ መጠን ግፍዒታት ድማ ከምዝተጋነነን ይገልጽ።

ከምዚ ዓይነት ዓመጽ ኣብታ ካብ ንጡፍ ዞባታት ግጭት ዝረሓቐት ደቡብ ዳርፉር ኣካል መዓልታዊ ህይወት ኰይኑ ከምዘሎ ኤምኤስኤፍ ይገልጽ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ካብቶም ኣብቲ ግዝኣት ኣብ ዝርከባ ክሊኒካት ኤምኤስኤፍ ሓገዝ ዝሓተቱ ልዕሊ 1300 ግዳያት፡ እተን 56 ሚእታዊት ከም ዕንጸይቲ ምእራይ ወይ ማይ ምምጻእ ወይ ኣብ ስርሓት ሕርሻ ተዋፊረን ኣብ ዝነበራሉ እየን ተዓሚጸን።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰት ጓል 40 ዓመት ጓለንስተይቲ፡ "መዓልታዊ ናብ ዕዳጋ ክንከድ እንከለና፡ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመጻት የጋጥሙ" ትብል።

"ናብ ሕርሻ ክንከይድ እንከለና የጋጥመና፣ ደቂ ተባዕትዮ፡ ገጾም ሸፊኖም ይዕምጹ... ነቲ ዓመጽ ደው ዘብል መንገዲ የለን። እቲ እንኮ መንገዲ ኣብ ገዛና ክንውዕል ምፍታን'ዩ።"

"ሰለስተ ነይርና - ከምኡ'ውን ሓትነይ" ትብል ካልእ ኣብ 20ታት ዕድመ እትርከብ ጓለንስተይቲ።

"ሰለስተ ወተሃደራት ድማ ነይሮም። ንነፍሲ ወከፍና ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ወሲዶምና። ኵላትና... ሓፍተይ፡ ዓሚጾማ ሕጂ ድማ ጠኒሳ... ዓሚቝ ቃንዛ'ዩ ዝስምዓኒ" ትብል።

"ቃንዛ ይስምዓኒ... እዚ ኣብ ኣዋልድ ይፍጸም ኣሎ፡ መዓልታዊ - መዓልታዊ፡ ኣብ ከባቢና። ኵሉ ግዜ ኣዋልድ ይዕመጻ ኣለዋ።"

ኣብ ደቡብ ዳርፉር፡ 68 ሚእታዊት ካብ ግዳያት ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን እኳ እንተገለጻ፡ ሲቪላት፡ ገበነኛታት ጕጅለታትን ናይ ቀረባ መሻርኽትን ዝርከብዎም ካልኦት ገበነኛታት እውን ኣለልየን ኣለዋ።

ኣብዛ ግዝኣት ካብ ዝተዓመጻ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ፡ እታ ሓንቲ ትሕቲ 18 ዓመት ኰይና፡ እተን 41 ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመአን እየን።

ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም፡ ከም ቀጻሊ ዘይውሕስነትን ምዝንባልን ዝኣመሰሉ ርኡይ ዕንቅፋታት ክንክን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣሃዛት ሓቀኛ ስፍሓት ናይቲ ግህሰት ከም ዝውክል ይገልጽ።

እቲ ናይ ሕክምና ግብረ ሰናይ ትካል፡ እቲ ሰብኣዊ ስርዓት ንጠለባት ናይተን ግዳያት ክምልስ ከም ዘይከኣለ ብምግላጽ፡ ተሓታትነት ክህሉን ስጕምቲ ክውሰድን ይጽውዕ።