ሱዳን፡ ዒድ መዓልቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን 64 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, WHO
ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብቲ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ዝቈጻጸርዎ ምዕራብ ሱዳን ብዓርቢ ምሸት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ኢድ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።
ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብቲ ኣብ ኤል ዳይን ዝብሃል ከም መምሃርን ሆስፒታልን ኮይኑ ዘገልግል ማእከል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 13 ህጻናት፡ ክልተ ነርሳትን ሓደ ዶክተርን ዝርከብዎም 64 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘመሓለለፊፎ መልእኽቲ፡ ብሰንኪ እዚ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝጀመረ ኵናት ሓድሕድ "ዝኣክል ደም ፈፊሱ'ዩ" ብምባል እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ኵናት ደው ከብሉ ተላብዩ።
ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ድሮናት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ምብራቕ ዳርፉር ዝርከብ ኤል ዳይን ዝብሃል ሆስፒታል፡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዒድ እናኣብዓሉ ደብዳብ ከምዝፈጸማ ገሊጹ።
ኲናት ሓድሕድ ሱዳን እቶም ብሓባር ብምዃን ኣብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ዝፈጸሙ ሰራዊት ሱዳን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ብዝተፈጠረ ናይ ሰልጣን ቍሩቁስ'ዩ ኣብ ሚያዝያ 2023 ተወሊዑ።
እቲ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝተጀመረሉ ክሳብ ሕጂ ከኣ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰብ ክሃልቕ እንከሎ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም፡ እዚ ኣሃዝ'ዚ ከኣ ሓደ ሲሶ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን ዝውክል'ዩ።
ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ሞትን ምፍንቓልን ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኢሉ'ዩ ገሊጽዎ ዘሎ።
ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ እቲ ከም መምሃርን ሆስፒታልን ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ ኤል ዳይን ድሕሪ እዚ ብዓርቢ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኰኒኑ።
"ኣብዚ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ነዚ ናይ ዓርቢ ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጥዕና ብዝተፈጸመ 213 መጥቃዕትታት 2036 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ድሕነት ሰለማውያን ሰባት፡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሰብኣዊ ረድኤትን ንምሕላው እቲ ኲናት ደው ዝብለሉ እዋን ሕጂ'ዩ፡ ትካላት ጥዕና ፈጺሙ ዕላማ ክኸውን ኣይግበኦን፣ እቲ ዝበለጸ መድሃኒት ከኣ ሰላም'ዩ" ኢሉ።
ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ደርቢ ናይቲ ሆስፒታል ፈጺሙ ከም ዝዓነወ ብምሕባር፡ ኣገዳሲ ንብረታት እቲ ሆስፒታልን ክፍሊ ቀዳማይ ረዲኤት ነበረ ክፍልን ምሉእ ብምሉእ ምዕናዉ ኣብሪሁ።
ሰራዊት ሱዳን ነቲ ፈጺምካዮ ዝተበሃሎ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ብዓለምለኻዊ ሕጋጋት ከም ዝምእዘዝ ብምግላጽ፡ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣዝዩ ከም ዝተገረመ ሓቢሩ።
ጕጅለ ጠበቓታት፡ እቲ ክስተት ብነጻ ወገን ብግልጺ ክምርመርን እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ጸዊዑ ኣሎ።
እቲ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር ነቲ ብሰራዊት ሱዳንን ብዳዕመ ሰሪዕን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታትን ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕግታታን ክስንድ ዝጸንሐ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሱዳን፡ ሆስፒታል ኣል ዳይን ንኣሽሓት ሰባት ኣገልግሎት ክህብ ዝጸንሐ ምዃኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ምስ ዞባ ኮርዶፋን ዝዳወብ ምብራቕ ዳርፉር፡ እቲ ሓድሽ ግንባር ስራዊት ሱዳንን ዳዕመ ሰሪዕን ኰይኑ ዘሎ ቦታ ኰይኑ፡ ኣብቲ ቦታ ድሮናት ዳርጋ መዓልታዊ'የን መጥቃዕትታት ዝፍጽማ።
እቲ ቦታ ንኻርቱም ምስቲ ብዳዕመ ሰሪዕ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራብ ዳርፉር ዘራኽብ መስመር ኰይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ተቘጻጺርዎ።
ነዞም ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ንምሽምጋል ብኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝተወስደ ተበግሶታት ክሳብ ሕጂ ፍረ ኣይተረኸቦን ዘሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


