ጠፈርተኛታት፡ ኣብ ህዋ ኰይኖም ተመኵሮኦም ኣካፊሎም

ምንጪ ስእሊ, NASA
እቶም ኣብ መንኰርኰር ዳግማዊት ኣርተሚስ ኰይኖም ናብ ዙርያ ወርሒ ዝተጓዓዙ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብቲ ንኻልኣይ መዓልቲ ዘካይዱዎ ዘለዉ ጕዕዞ ኰይኖም ተመኵሮኦም ኣካፊሎም።
ኣብ ቀጥታዊ ፈተነ ክዛረብ ዝጀመረ ኮማንደር ሪድ ዋይዝማን፡ "ን[ፕላኔት] መሬት ካብ ጠፈር ክትርእያ መስተንክትር ትርኢት እዩ፡" ኢሉ።
"ንብምልእታ [ፕላኔት] መሬት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ክትርእያ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኣዝዩ መስተንክር ህሞት ኰይኑ፡ ንኣርባዕተና ተዓዚምና ክንድነቕ እዩ ገይሩና።"
እቶም ጕጅለ ጠፈርተኛታት፡ ንመኰርኰር ኦርዮን ናብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ከወንጭፍ ዝኽእል ኣገዳሲ ምንዳድ ሞተር ዛዚሞም ኣለዉ።
ዋይዝማን፡ እዚ ታሪኻዊ ተልእኾ ክሳብ ክንደይ ዕቱብን ኣገዳስን ምዃኑ እታ ጋንታ ከም ዝተረድአት ገሊጹ። እቲ ጕዕዞ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ካብ ዝተጓዕዞ ንላዕሊ ክወስዶም እዩ።
ኣብዚ ናይ 10 መዓልቲ ጕዕዞ፡ ካብ መሬት ኣስታት 406,840 ኪሎሜትር ክርሕቑ እዮም። እዚ ድማ ካብቲ ኣፖሎ-13 ኣብ 1970 ዘመዝገበቶ ክብረወሰን (400,349 km) ንላዕሊ እዩ።
ኣብዚ ተልእኾ'ዚ እቶም ጠፈርተኛታት ኣብ ወርሒ ኣይክዓልቡን እዮም። እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ 2028 ኣብ ወርሒ ንምዕላብ ተወጢኑ ዘሎ ባይታ ከንጽፉ እዮም።
"ኣብዚ ንቡር ነገር የሎን፡" ይብል ሪድ።
"ደቂ-ሰብ እንታይ ዓቕሚ ከም ዘለና ዳግማይ ኣርእዩና'ሎ፡" ክብል ንመጀመርታ ግዜ ናብ ወርሒ ዝኸደ ካናዳዊ ሃንሰን ይገልጽ። "እቲ ንመጻኢ ዘለኩም ተስፋታት እዩ ሕጂ ናብ ዙርያ ወርሒ ክንጓዓዝ ኣኽኢሉና፡" ኢሉ።
ሃንሰን ነቲ ንፈለማ እዋን ዝገበሮ በረራ "ካብ ንቡር ንላዕሊ፡" ክብል ገሊጽዎ።
እቶም ጠፈርተኛታት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ፈለማ ናይ ዓይኒ-ምድሪ ጸገማት ኣጓኒፉዎም እንተ ነበረ፡ ጕዕዞኦም ልዕሊ ዝተጸበዩዎ ጽቡቕ ክኸውን ምኽኣሉ ገሊጾም።
እቲ ናይ ዓይኒ-ምድሪ ጸገም ድሒሩ ተፈቲሑ እዩ። ሓደ ካብ ጠፈርተኛታት ዝዀነ ኮች፡ ብሓደ "ናይ ጠፈር ፕላምበር (ክኢላ ቱቦ)" ከም ዝተዓረየ ተዋዝዩ።
ኮች እናሰሓቐ፡ "[ፕላንበር - ንዝተዓብሰ ዓይኒ-ምድሪ ዝኸፍት መሳርሒ] ኣብ ጠፈር እቲ ኣገዳሲ መሳርሒ ምዃኑ ክዛረብ ደስ ይብለኒ፡" ኢሉ።
መስኰት ናይ መንኰርኰር'ውን ብልክዕ ከምቲ ዝተሓሰበ ኣይሰርሐን። እቶም ጠፈርተኛታት፡ ናብቲ መስኰት ተጸጊዖም እናሻዕ ክስእሉ ክብሉ ኣርሲሖሞ። እቶም ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናሳ፡ ማይን ጨርቅን ገይሮም ከጽርዩዎ ሓቢሮሞም።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ውሽጢ እታ ንእሽቶ መንኰርኰር ኦርዮን ኰይኖም ብኸመይ ክድቅሱ ከም ዝኸኣሉ'ውን ኣካፊሎም፤ ኮች "ከም መንካዕ ተንጠልጢሉ፡" ክድቅስ ከሎ፡ ግሎቨር ድማ ኣብ መንጎ መሳርሕታትን ናሕስን ኣብ ዝርከብ ጸቢብ ቦታ ደቂሱ።
"መስሓቕ'ዩ... [ግን] ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ምቹእ'ዩ፡" ይብል ግሎቨር። "ክብደት ኣልቦ ኴንካ ምድቃስ ደስ ዘብል'ዩ።"
ሓደ ኣቕራቢ መደብ ብዛዕባ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ምፍልላይ ምስ ሓተቶም፡ ግሎቨር ኣመሪካውያን ብድሕሪ እቲ ተልእኾ ብሓባር ክእከቡ ተማሕጺኑ።
"ካበይ ምዃንናን እንታይ ንመስልን ብዘየገድስ፡ ሓደ ህዝቢ ኢና፡" ኢሉ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


