ፍልይቲ ነፋሪት ኣመሪካ ተወቒዓ ኣብ ክልተ ከም ዝተገምዐት ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, Facebook
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ተወቒዓ ዝዓነወት ነፋሪት ዘርእዩ ኣሳእል ሓቅነቶም ተረጋጊጹ።
እቶም ኣሳእል፡ ፈለማ ወተሃደራዊ ዜናታት ኣመሪካ ኣብ ዘቃልሕ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ዝተዘርግሑ ይመስሉ። እታ E-3 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ ክልተ ከም ዝተገምዐት የመልክት።
እቲ ኣሳእል፡ ካብ ሪያድ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 100 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ልኡል ሱልጣን ከም ዝተሳእለ ቢቢሲ ፈሪቫይ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ኣሳእል ዝርአ ግምቢታት (ፓይሎናት)፡ መኻዚኖታትን ምልክታት ጽርግያን ምስቲ ብሳተላይት ዝተረኽበ ምልክታት ዝሰማማዕ እዩ።
ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ብዛዕባ'ዚ ዛጊት ብግልጺ ርእይቶኡ ኣይሃበን። ቢቢሲ ግና ርእይቶኡ ክህብ ሕቶ ኣቕሪብሉ ኣሎ።
ሓደ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ብዓርቢ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ 12 ኣባላት ከም ዝቘሰሉን ብሕልፊ ክልተ ካብኣቶም ብኸቢድ ከም ዝተጐድኡን ሓቢሩ።
ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል'ውን ብውሑዱ ክልተ ነዳዲ ዝመልኣ ነፈርቲ ኣመሪካ ከም ዝተሃስያ ኣቃሊሑ።
ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ቅርበት ዘለዋ ማዕከን ዜና ፋርስ ብሰንበት ከም ዝገለጸቶ፡ ሻህድ ዝዓይነታ ድሮን ነታ E-3 ዝዓይነታ ነፋሪት ከም ዝሃረማ ሓቢራ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ'ውን፡ ብ11 መጋቢት ኣብ ዝተላዕለ ናይ ሳተላይት ምስሊ፡ E-3 ዝዓይነታ ነፋሪት ክምልከት ክኢሉ ኣሎ። እታ ኣብ ሳተላይት ዝተራእየት ነፋሪት ምስታ ኣብ ስእሊ ተሃሪማ እትርአ ሓንቲ ድየን ግን ኣይተረጋገጸን።
ኣብ ሓደ ካብቶም ዝተረጋገጹ ኣሳእል ኣብ ክንፊ ናይታ ነፋሪት ዘሎ ቍጽሪ ብንጹር ይርአ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብምጥቃም፡ ንFlightradar24 ኣብ ዝፈተሸሉ፡ እታ ነፋሪት ብ18 መጋቢት ኣብ ጥቓ እቲ መደበር ከም ዝበረረት ከረጋግጽ ክኢሉ።
ብዓርቢ ዝተሳእለ ምስሊ ሳተላይት፡ ኣብቲ ካብ E -3 ንምብራቕ ኣስታት 1600 ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ኤፕሮን መደበር ሓይሊ ኣየር ባርዕ ከም ዘጋጠመ ዘርኢ ይመስል። እንተዀነ፡ እዚ ምስቲ ዝዓነወት ነፋሪት ዘርኢ ኣሳእል ይሳነ ድዩ ንጹር ኣይኰነን።
ቦይንግ ኢ-3 ኣዋክስ - ኣሕጽሮተ-ቓል ናይ ኣብ ኣየር ዝሰርሕ መጠንቀቕታን ምቍጽጻርን ስርዓት ኰይኑ፡ ኣብ ድሕሪት ዝተሰቕለ ብፍሉይ ዝዘውር ራዳር ዲሽ ኣሎዎ።
እዚ ራዳር እዚ፡ ኣብ እዋን ስርሒታት ውግእ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ብኣጋኡ መጠንቀቕታ ንምሃብ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ክህልዉ ዝኽእሉ ዒላማታት ንምፍላጥን ንምክትታልን የኽእሎ።
ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ እታ ነፋሪት ንኣዘዝቲ ኣብ ኣየር ንዝካየድ ውግእ ብኣድማዕነት ክቘጻጸሩን ክመርሑን ሓበሬታ ትህቦም።
እዘን ዓይነት ነፈርቲ ንፈለማ እዋን ብ1977 ናብ ኣገልግሎት ዝወዓላ ኰይነን፡ ክሳዕ 2035 ኣብ ዕጥቂ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ክጸንሓ ትጽቢት ከም ዝግበረለን ተገሊጹ ኣሎ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


