ተስፋ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ንነታንያሁ ኣብ ጸቕጢ የእትዎ

ኔታንያሁ ኣብ ዲሞና ብሓይልታት ጸጥታ ተኸቢቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኔታንያሁ፡ ብሰንበት ኣብ ዲሞና ዝርከብ ብኢራን መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ከባቢ በጺሑ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣመሪካ ምስ ኢራን ሓድሽ ዝርርብ ንምክያድ ዝሓሰበቶ መደባት ዝተሓዋወሰ ኣፋፍኖት ኣብ ዝርእየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተኹሲ ይቕጽል ኣሎ።

እስራኤል ብሰኑይ ኣብ ውሽጢ ኢራን "ዓሰርተታት" መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣብ ቴህራን ንዝርከቡ ማእከላት እዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራን ምኒስትሪ ስለያን ከምኡ'ውን ንመኽዘናት ኣጽዋርን ምክልኻል ኣየርን ድሕሪ ምውቃዓ፡ ኢራን ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን እስራኤል ናብ ዝርከቡ ዒላማታት ሓያሎ ሚሳይላት ከም ዝተኰሰት ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ተልኣቪቭ ዝርከብ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ፡ ሓያለ መንበሪ ኣባይቲ ነቒዖም።

ጸብጻባት ውሽጢ ዓዲ ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ንሓያሎ መንበሪ ህንጻታት ብጸቢብ ዝሰሓተ ሚሳይል ኢራን ዘስዓቦ እዩ። በቲ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝቘሰሉ እኳ እንተገለጸ፡ ብኸቢድ ዝቘሰለ የለን።

ሓደ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመሉ ቦታ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ዝነብር ሰብኣይ፡ ናይ መጠንቀቕቲ ድምጺ ምስ ተሰምዐ ናብቲ መዕቈቢ ክበጽሕ ግዜ ከም ዘይነበሮ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ዙርያኡ ጥርሙዝ እናተሰባበረ ከሎ ካብቲ ዝነብረሉ ህንጻ ጥራሕ እግሩ ከም ዝሃደመ ገሊጹ። ንድሕሪት ተመሊሱ ምስ ጠመተ፡ ድሮ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ፍርስራስ ሓዊ ከም ዝተላዕለ ይዛረብ።

ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቴህራን ሓድሽ ዝርርብ ንምኽፋት ዝደረዀ ምኽንያት ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ሰፊሕ ግምታት ይቐርብ ኣሎ፤ ዘተ ቅድሚ ሕጂ ዋይት ሃውስ ከም መከላኸሊ ወተሃደራዊ ምዕባለ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ይለኣኹ ኣለዉ።

ኣብ እስራኤል ግን፡ ዘተ ክጅመር'ዩ ዝብል ዘረባ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብቲ ኲናት መውጽኢ መገዲ ይደሊ ከም ዘሎን፡ ዕላማታት እስራኤልን መሓዛኣን ክፈላለ ከም ዝጀመረን ዘመልክት እዩ።

"[ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን] ነታንያሁ ስምምዕ ኣይደልን'ዩ፡" ይብል ኣብ እስራኤል ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ነበርን ሕጂ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ሓላፊ ማእከል መጽናዕቲ ፍልስጤም ዝዀነን ማይክል ሚልስተይን።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ መንጐ መርገጺ ትራምፕን መርገጺ ነታንያሁን ምግርጫው ኣሎ፡" ኢሉ።

"ኔታንያሁ ነቲ ኲናት ክቕጽሎ ይደሊ። እዚ ኲናት እዚ ንኹሉ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘጋጥም ዘሎ ናይ ህላወ ስግኣታት ከብቅዕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ፤ ምናልባት'ውን ነቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ስርዓት ንምቕያር ኩነታት ከስፍሕ ይኽእል'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ እቲ ዝኣተወዎ መብጽዓታትን ኣብ መሬት ዝፍጸም ዘሎን ተፈላልዩ ኣሎ።"

ትራምፕ ካብዚ ኲናት መውጽኢ መንገዲ ንምርካብ ዕቱብ እንተዀይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ንነብሱ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ክረኽባ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

"ምኽንያቱ ዘተ እንተሃልዩ ነቲ ኲናት ከስፋሕፍሖ ኣይክእልን'ዩ፤ ንዶናልድ ትራምፕ ድማ 'ብዘይ ብኣኻ እቲ ኲናት ክቕጽሎ'የ' ክብሎ ኣይክእልን'ዩ፣ ክቕበሎ ከም ዘለዎ ይርዳእ'ዩ።"

ኢራን ብሰሉስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ መንበሪ ከባቢ ተሃስዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኢራን ብሰሉስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ዝርከብ መንበሪ ከባቢ ተሃስዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኔታንያሁ ግን እዚ ኲናት እዚ ንእስራኤላውያን ነቲ ካብ ኢራንን ኣብ ዙርያ እቲ ዞባ ዘለዉ መርበባት ኢራንን ዝመጽእ ቅጽበታዊ ስግኣት ከብቅዕ ምዃኑ መብጽዓ ድሕሪ ምእታዉ፡ ናብ ኣዝዩ ተሃዋሲ መስመር ዝኣቱ ዘሎ ይመስል። ኣብዚ እዋን ኲናት፡ ንእስራኤላውያን መረጽትን መሻርኽቱን ክሸጦ ዝኽእል ውዕል ልዑል እዩ።

"እስራኤላውያን እቲ ኲናት ክውዳእ ይደልዩ። እቲ ቅኑዕ መንገዲ ንኽውዳእ ንሕና ነቲ ስርዓት ብምስዓር እምበር እዚ ተመሊሱ ደጋጊሙ ክስዕበና ብምግባር ጥራይ ከም ዘይኰነ ጥራይ ኢና ንርዳእ፡" ይብል ኣባል ባይቶ ሊኩድ ዳን ኢሎውዝ።

"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቲ ናይ ምዕጋት ፖሊሲ ፈቲንናዮ ኢና፡ ምስ ሓማስ ጌርናዮ ኢና፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ገጽና ከጥቅዕ ርኢናዮ ኢና፡ ስለዚ ምስ ኢራን ተመሳሳሊ ነገር ክኸውን ኣይንደልን ኢና።"

ኔታንያሁ ብሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ምዝርራብ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሊባኖስን መጥቃዕቲ ትቕጽል ከም ዘላን፡ "ኣብ ዝዀነ ኵነታት ድማ ኣገዳሲ ረብሓታት [ኣገደስቲ ረብሓታታ] ክትሕሉ፡" እያ ኢሉ።

ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ እስራኤል ካትዝ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ሓይልታት እስራኤል ካብ ሩባ ሊታኒ ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ክፋል ሊባኖስ ዞባ ጸጥታ ክምስርቱ ምዃኖምን፡ ማሕበረሰባት እስራኤል ካብ መጥቃዕቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ክሳብ ዝድሕኑ ነበርቲ ናብኡ ክምለሱ ከም ዘይፍቀደሎምን ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ እትፍጽሞ ዘላ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ክትቅጽሎ ብሰፊሑ ትጽቢት ይግበር።

ተንታኒ ኢራን ኣብ ቴልኣቪቭ ዝርከብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝዀነ ዳኒ ሲትሪኖቪች ግን፡ ኣብ ክልቲኡ መርገጺን ትጽቢትን ዘሎ ክፍተት ንምድልዳል ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ዙርያ ኢራን ስምምዕ ክግበር ተኽእሎ ከም ዘየለ ይዛረብ።

"ብወገን ኢራን፡ ይዕወቱ እምበር ኣይስዓሩን ዘለዉ፡ ስለዚ ካሕሳን ውሕስነትን ክጠልቡ እዮም። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ትራምፕ [ኢራን] ካብ ሕጂ ጀሚራ ንኹሉ ጠለባት ኣመሪካ ከተጽድቕ እያ ኢሉ ይሓስብ።"

ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ትራምፕን ነታንያሁን ወይ ነቲ ስርዓት ክቕይርዎ፡ ወይ ድማ ጠለባቶም ክሓድጉ ክግደዱ እዮም ይብል።

"እዚ ስርዓት ኢዱ ዝህብ ኣይኰነን - ንኣመሪካውያን ቅድሚ ኲናት ዘይሃብዎም ነገር ሕጂ ኣይህብዎምን'ዮም" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ነቲ ዕንቅፋት ኣህጉራዊ ቁጠባ - መጻብቦ ሆርሙዝ - ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ጽዑቓት መስመራት ነዳዲ፡ ኢራን ዓጽያቶ - ይቈጻጸሩዎ ኣለው፤ ኣብ ዝርርብ ድማ ላዕለዋይ ኢድ ዘለዎም ኰይኑ'ዩ ዝስምዖም፡" ክብል የብርህ።

እቲ ርእሰ-ምትእምማን ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ንኢራን ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት እታ ሃገር ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክስዕብ'ዩ ብምባል ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምስሓቡ፡ ክውስኽ ገይሩዎ'ዩ።

ቴህራን ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ምስ ኣመሪካ ዝተኣሳሰሩ ናይ ጸዓት ቦታታት ሕነ ክትፈዲ ምዃና ድሕሪ ምፍርራሓ'ዩ፡ ትራምፕ ነቲ መጠንቀቕታኡ ዝሰሓበ።

ተንተንቲ ከም ዘመልክትዎ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንሓድሽ ዙርያ ዝርርብ ቅርብቲ ምዃና ዘመልክት ኰይኑ ብምቕራብ፡ ዕዳጋታት ጸዓት ንምህዳእ ይኹን፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ኢራን ምክፍፋል ንምዝራእ ወይ ንሓድሽ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ግዜ ንምዕዳግ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ሓደ ተዓዛቢ፡ ትራምፕ ዓርቢ ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን እንተድኣ ተበራቢሩ ዘገርም ኣይኰነን ኢሉ።

እዚ ኲናት ሕጂ ኣብ መንጎ ኢድ ምሃብን ምብራኽ እቲ ኲናትን ዝተቐርቀረ ይመስል፣ ክልቲኦም ወገናት ገና ነቲ ጸላኢ ዝደልዮ ውዕል ንምግባር ዝኣክል ድኹማት የለዉን።