ቦርድ ትዊተር ንምንታይ'ዩ ኢሎን መስክ ነቲ ትካል ክዕድጎ ዘይደልይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃብታም ዓለምና ኢሎን መስክ ንትዊተር ብ 43 ቢልዮን ዶላር ንምዝግዛእ ጠለብ ምቕራቡ ስዒቡ፡ ቦርድ እቲ ትካል ኣንጻር ‘ተጻባኢ’ ዝበሎ ዋንነት ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ፡፡
እቲ ቦርድ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ናይ ብጽሒት መሰል ወይ ‘ፖይዘን ፒል’ ዕላዊ ዝገበረ ኮይኑ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ትካል ካብ 15 ምኢታዊት ብርኪ ንላዕሊ ከይህልዎ ዝገብር እዩ፡፡
ካልኦት ሰባት ብሕሳር ተወሰኽቲ ብጽሒታት ክገዝኡ ብምፍቃድ እዩ ነቲ ትልሚ ክፍጽሞ ደልዩ ዘሎ፡፡
ቦርድ ትዊተር ነዚ ትልሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ፡ ዕላማ እቲ ውሳነ ኣንጻር እቲ ኢሎን መስክ ‘‘ትዊተር ንምውናን ዘቕረቦ ዘይተደለየን ቀያዳይ ዘይኮነን ውጥን’’ ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ፡፡
ኣብ ንግዲ ‘‘ተጻባኢ ዋንነት’’ ዝበሃል፡ ሓደ ትካል ኣንጻር ድልየት ኣመራርሓ እቲ ትካል (ንኣብነት ኣብ ትዊተር፡ ፈጻሚት ቦርድ) ክገዝኦ እንትፍትን እዩ፡፡
'ፖይዘን ፒል' ኣንጻር ተጻባኢ ዋንነት ዝካየድ ናይ መወዳእታ መከላኸሊ ከምዝኾነ ዝገልጽ በዓል ሞያ ፋይናንስ ጆሽ ዋይት ‘‘ኑክለራዊ መማረጺ ኢልና ኢና እንጽወዖ’’ ይብል፡፡
ዋይት ከምዝብሎ እቲ ቦርድ፡ ኢሎን መስክ ንትዊተር ንምግዛእ ዘቕረቦ መጠን ገንዘብ እኹል እዩ ኢሉ ኣይኣምንን፡፡
እቲ ሃብታም ተወሳኺ ገንዘብ ንምቕራብ ድልየት ብዘይምርኣዩ ድማ እቲ ቦርድ ነቲ ሓድሽ ትልሚ ከውጽእ ተገዲዱ፡፡
ዋና ፈጻሚ ፓራግ ኣግራዋል እውን እቲ ትካል በቲ ዝቐረበ ገንዘብ ከምዘይቅየድ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
መስክ ኣብ ቫንኮቨር ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ቲኢዲ2022 ‘‘ክገዝኦ ምዃነይ ርግጸኛ ኣይኮንኩን’’ ክብል ዝተዛረበ ኮይኑ ካልእ ኣማራጺ (ፕላን ቢ) ከምዘለዎ ተዛሪቡ፡፡
እንተኾነ እቲ ካልእ ኣማራጺ እንታይ ከምዝኾነ ኣይጠቐሰን፡፡
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኢሎን መስክ 9.2 ምኢታዊት ብጽሒት እቲ ትካል ከምዝገዘኦ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡ ወናኒ ዝለዓለ ብጽሒት ግን ኣይኮነን፡፡
ቫንጋርድ ግሩፕ ዝተባህለ ኣብ ምሕደራ ሃብቲ ዝተዋፈረ ትካል 10.3 ምኢታዊት እቲ ትካል ከምዝውንን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡
መስራቲ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ ብኣንጻሩ 2.25 ምኢታዊት ናይቲ ትካል ጥራሕ እዩ ዝውንን፡፡
መስክ፡ ትዊተር ሓሳብካ ብነጻ ናይ ምግላጽ መሰል ይድርት እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ናይ ቫንኮቨር ዋዕላ እውን ደጊምዎ እዩ፡፡
ቀንዲ ድልየቱ ድማ ሕገመንግስታዊ መሰል ኣመሪካ ዝኾነ ሓሳብ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣብ ትዊተር ንምስፋሕ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡
መኪና ዘፍሪ ብመስክ ዝውነን ኩባንያ ተስላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋግኡ ልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ካብ ኩባንያታት ኣፕል፣ ማይክሮሶፍት፣ ኣማዞንን ጉግል-ኣልፋቤትን ቀጺሉ ናብቲ ደረጃ ዝበጸሐ መበል ሓምሻይ ኩባንያ ኮይኑ ይርከብ፡፡
ንተጠቀምቲ ትዊተር፡ 10 ምኢታዊት ብጽሒት ናይቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ኩባንያ ‘‘ክሸጦዶ ወይስ ኣይፋል’’ ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድምጺ ሂቦም ነይሮም፡፡
ካብኣቶም እቶም 58 ምኢታዊት መሸጣ ብምድጋፍ ብምድማጾም፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብጽሒት ሸይጡ፡፡










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


