'ኬክ ይብልዑ!' - ብሓቂ በሃሊኦም ዘይፍለጥ ዓበይቲ ጥቕስታት ዓለምና

ጥቕስታት መብዛሕትኡ ግዜ ሓስብና ብቅልጡፍን ቀሊልን እሞ ድማ ብዝድነቕ መገዲ'ዩ ንምግላጽ ይሕግዙና እዮም።
ስለዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ ዘረባኦም ዝኾነ ፍሉጥ ኣበሃህላ ወይ ጥቕሲ ድርብር ከብሉ ምስማዕ ልሙድ እዩ።
ግን እንጥቀመሎም ጥቕስታት ብሓቂ ናይ ምዃኖም ርግጸኛ ዲና?
እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ፍሉጣት ጥቕስታት ብፍሉጣት ሰብ ታሪኽ ከምዝመንጨው ክንገር ጸኒሒ እዩ። እንተኾነ ግን ቅኑዓት ምናልባት እውን ብሓቂ በቶም ሰባት ዝተበሃሉ ኣይኮኑን።
'ኬክ ይብልዑ!' - ማሪ ኣንቶኔት
ኣብ እዋን ቅድሚ ሰውራ ፈረንሳ 1789፡ ማሪ ኣንቶኔት ንግስቲ ፈረንሳ እያ ነይራ።
ኣብቲ እዋን ነበርቲ ፈረንሳ ዝበልዕዎ ባኒ ከምዘይብሎም ክንገራ እንከሎ "ኬክ ይብልዑ!" ከምዝበለት ክንገር ጸኒሑ እዩ።
እዚ ጥቐሲ ብዛዕባ መነባብሮ ድኻታት ብዙሕ ሓበሬታ ከምዘይብላ ንምርኣይ ወይ ድማ በቃ ብዛዕባ ድኻታት ከምዘይትግደስ ንምምልካት ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
እቲ ዛንታ ኣብ ጽሑፋት ፈላስፋ ዣን ጃክ ሩሶ ኣብ ከባቢ 1767 ዝተጀመረ ይመስል።
እንተኾነ ግን ንሱ ምስ 'ዓባይ ልእልቲ' ጥራይ እዩ ዘተኣሳስሮ። ኣንቶኔት ኣብቲ እቲ እዋን ቆልዓ ስለ ዝነበረት፡ እታ ዝጠቕሳ ዘሎ ልእልቲ ምዃና ዘይሕሰብ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዘይግደሱ ልዑላት ተመሳሳሊ ዛንታታት ንዓመታት ይንገር ነይሩ።
ንመጀመርያ ግዜ ምስ ማሪ ኣንቶኔት ብዝተኣሳሰር ዝቐረበ እዚ ኣበሃህላ፡ ኣብቲ ጸሓፊ ዣን-ባፕቲስት ኣልፎንስ ካር ድሕሪ ሞታ 50 ዓመት ኣብ ዝተሓትመት ፓምፍሌት እዩ ነይሩ። ሽዑ እውን እንተኾነ እቲ ንሳ ተዛሪባቶ ዝተባህለ ነገር ሓቂ ከምዘይኰነ ንምምልካት እዩ ነይሩ።
'ኣብ ዓለም ክትሪኦ እትደሊ ለውጢ ኩን' - ማሃትማ ጋንዲ

ኣብ ህንዲ ኣንጻር መግዛእቲ እንግሊዝ ዝኻየድ ምንቅስቓስ ነጽነት ዝመርሕ ዝነበረ ማሃትማ ጋንዲ፡ ምንጪ ብዙሓት ጥቕስታት እዩ።
ካብዞም ጥቕስታት ሓንቲ፡ ዓለማዊ ለውጢ ብውልቃዊ ሓላፍነት ከም ዝጅምር እተጉልሕ እያ።
እቲ ጸገም ብጭቡጥ ጋንዲ ነዚ ከምዝበለ ዝገልጽ መርትዖ የለን።
እቲ ናብዚ ዝቐረበ ዝበሎ ነገር፡ ኣብታ ንሱ ዝመስረታ ጋዜጣ ኢንዲያን ኦፒንዮን ኣብ 1913፡ "ንሕና ግን ንዓለም ኢና ነንጸባርቕ። ኵሎም ኣብ ደጋዊ ዓለም ዝርከቡ ዝንባለታት ኣብ ኣካላዊ ዓለምን ይርከቡ። ንነብስና ክንቅይር እንተንኽእል ኣብ ዓለም ዘሎ ዝንባለታት'ውን ምተቐየረ" ዝብል እዩ።
'እትብልዎ ነገር ኣይቅበሎን፡ ግን እትብልዎ ነገር ናይ ምግላጽ መሰልኩም ክሳብ ሞት ክከላኸለልኩም እየ' - ቮልቴር
እዚ ጥቕሲ ብፈረንሳዊ ጸሓፍን ፈላስፋን ቮልተር ከምዝተበሃለ ክንገር ጸኒሑ እዩ።
ተጣበቕቲ ብነጻ ሓሳብ ምግላጽ ድማ ነዚ ጥቕሲ መብዛሕትኡ ክጥቀሙሉ ይረኣዩ። ብሓጺሩ፡ ሰባት ዝኣምንዎ ናይ ምግላጽ መሰሎም ኣትሪርኩም ትኣምኑ እንተዀይኑም፡ ዋላ ብሓቂ ክትሰምዖ ዘይትደልይዎ ወይ ዘሕርቕ ነገር እንተዀነ እውን፡ ክዛረቡ ከለዉ ትከላኸለሎም ኢኹም ዝብል ኣመለኻኽታ የንጸባርቕ።
ኣብ መንጎ 1694ን 1778ን ከምዝነበረ ዝግለጽ ቮልተር፡ ብርግጽ ኣብ ናጻ ምዝራብ እምነት ነይርዎ። መብዛሕትኡ ጽሑፋቱ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንናጽነት ሰባት ንምድራት ዝገበረቶ ፈተነታት ዝቃወም ነይሩ።
እንተዀነ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጥቕሲ ኢልዎ ከምዘይፈልጥ ዳርጋ ርግጽ እዩ።
ሱር እቲ ጥቕሲ ቮልተር ድሕሪ ምሟቱ ብ1906 ብኤቨሊን ቢኣትሪስ ሆል ኣብ ዝተሓትመ ታሪኽ ህይወት እዩ ዘጋጥም። እታ ደራሲ ብዛዕባ ነጻነት ዝተዛረቦ ንምጥቕላል ኣብ እትፍትነሉ እዋን እያ ነዚ ዓረፍተ ነገር ጽሒፋ።
'ክፍኣት ንኽዕወት ዘድሊ ነገር እንተሃልዩ፡ ሕያዎት ሰባት ዋላ ሓንቲ ዘይምግባሮም ጥራይ እዩ' - ኤድሙንድ በርክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤድሙንድ በርክ ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ፈላስፋ እዩ።
ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዊግ ዝነበረ ጸሓፊ ኰይኑ፡ ካብቶም ብብዝሒ ዝንገሩ ጥቕስታቱ ሓንቲ እዛ ኣብዛ ርእሲ ዝተጥቕሰት እያ።
እዚ ሓሳብ ዘደንቕ ይመስል፤ እንተዀነ ብትርጉሙ ቁሩብ ኣጠራጣሪ እዩ ኢሎም ዝማጎቱ ኣለዉ።
ደራሲ መጽሓፍ 'ዘ ኢንተለክቹዋል ላይፍ ኦፍ ኤድሙንድ በርክ' ዝዀነ ከምቲ ዴቪድ ብሮምዊች ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብዛዕባ እዚ ኣበሃህላ ዘደናግረካ... ክሳብ ክንደይ ውሑድ ትርጉም ከም ዘለዎ'ዩ፡ ክፍኣት ንኽዕወት ዘድሊ ስቕታ ሕያዎት ሰባት ጥራይ ኣይኰነን። እቶም ነቲ ክፍኣት ዘሰጉሙ ሰባት... ሓያላትን ቆራጽትን ክኾኑ ኣለዎም፤ እቶም ግዳያት ድማ ወይ ናብ ምግዛእ ወይ ንቕድሚት ክኸዱ ድሌት ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም" ይብል።
ኣብ 1770 በርክ ዝበሎ፡ "ሕማቓት ሰባት ክወሃሃዱ ከለዉ፡ እቶም ጥዑያት ክተሓሓዙ ኣለዎም፤ እንተዘይኮይኑ፡ በብሓደ፡ ኣብ ቃልሲ ዘይድንግጽ መስዋእቲ ክኸፍሉ እዮም" እዩ።
እቲ ጥቕሲ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ዝተሰንዐ ይመስል፤ ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ ኣብ 1961 ኣብ ዝሃቦ ፍሉጥ መደረ ከይተረፈ ተጠቒሱ እዩ።
'ሓሶት ክዛረብ ኣይክእልን፡ ነታ ገረብ ፍረ ቆሪጸያ'የ' - ጆርጅ ዋሽንግተን

እቲ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆርጅ ዋሽንግተን፡ ብቕንዕናኡ ፍሉጥ እዩ ነይሩ።
እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ዛንታ ይግለጽ። ወዲ 6 ዓመት ዋሽንግተን እንከሎ፡ ናይ ኣቡኡ ገረብ ቸሪ ቆሪጹ ይበሃል። እንተዀነ ግን፡ ዕንወት እቲ ገረብ ምስ ተረጋገጸ፡ ብኡንብኡ ብገበኑ ተሓቲቱ።
እዚ ብዙሕ ግዜ ዝንገርን ፍቱውን ዛንታ እዩ።
ከም ጽቡቕ ባህርያት ዋሽንግተን ድማ ይርአ።
እዚ ዛንታ ንመጀመርያ ግዜ ኣብቲ ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ሜሰን ሎክ ዊምስ ብዛዕባ ህይወት ዋሽንግተን ዝጸሓፎ ጸብጻብ እዩ ተራእዩ።
እዚ ጸብጻብ እዚ ዋሽንግተን ኣብ 1799 ምስ ሞተ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ ተሓቲሙ።
እንተዀነ ኣብ 1806 ዝተሓትመ ሓሙሻይ ሕታም መጽሓፍ ዊምስ እኳ ኣይተኻተተን።
ቅድሚኡ ካልእ መርትዖ ስለዘይነበረ፡ ገለ ሰባት እቲ ዛንታ ምሉእ ብምሉእ ምህዞ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


