እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይ ቅድሚ 50 ዓመት ኣፍቃሪኣ ንምርካብ ናብ ኣመሪካ ዝተጓዕዘት ፈረንሳዊት ንምንታይ ተኣሲራ?
ኣብ 1960ታት ንዝነበረ ፍቕራዊ ታሪኻ ዳግም ህይወት ንምዝራእ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣመሪካ ዝተጓዓዘት ጓል 86 ዓመት ፈረንሳዊት፡ ኣብ ሉዊዚያና ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ኢምግረይሽን ተታሒዛ።
እዛ ካብ ከተማ ናንት ዝዀነት ማሪ-ቴሬዝ፡ ኣብ መጀመርታ ምያዝያ ኣብ ኣኒስተን ኣላባማ ድሕሪ ምእሳራ እዩ ወዳ ምልክታ ሂቡ።
ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ዌስት-ፍራንስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ልክዕ ከም ሓደ ዕሉልኛ ገበነኛ ኣእዳዋን ኣእጋራን ብኻቴና ኣሲሮማ፡" ብምባል ነቲ ኣተሓሕዛ ገሊጹዎ።
ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምስ ስም ማሪ-ተሬዝ ትመሳሰል "ካብ ፈረንሳ ዝመጸት ዘይሕጋዊት ስደተኛ" ኣብ ሰነ 2025 ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወትን ነቲ ናይ 90 መዓልታት ቪዛኣ ኣሕሊፋ ከም ዝጸንሐትን ኣፍሊጡ።
ወዳ ንማሪ-ተሬዝ ብወገኑ፡ ኣደኡ ኣብ እዋን ማእሰርታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ትጽበ ከም ዝነበረት ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
ታሪኽ ፍቕሪ ማሪ-ተሬዝን ቢሊን ኣብ 1960ታት እዩ ዝፍልም። ቢሊ ኣብ ሴንት-ናዘር ኣብ ዝነበረ መዓስከር ኔቶ ወተሃደር፡ ማሪ-ተሬዝ ድማ ጸሓፊት ኣብ ዝነበሩሉ እዮም ፍቕራዊ ህይወት ጀሚሮም።
ቢሊ ኣብ 1966 ናብ ኣመሪካ ምስ ተመልሰ ርክቦም ተቛሪጹ። ነፍሲወከፎም ድማ ኣብ ሃሃገሮም ተመርዕዮምን ወሊዶምን።
ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ግና፡ ኣብ 2010 ዳግም ተረኺቦም ምስ መጻምድቶም ኰይኖም ክበጻጽሑ ጀሚሮም።
ክሳዕ 2022 ናይ ክልተኦም መጻምድቲ ብሞት ስለ ዝተፈለዩዎም፡ እቲ ናይ ቀደም ፍቕሮም ዳግም ህይወት ክሰኵዕ ጀሚሩ።
ቢሊ "ማራኽን ተፈታውን ሰብ" ምዃኑ ዝገለጸ ወዳ ንማሪ-ተሬዝ፡ እቶም መጻምድቲ "ልክዕ ከም ናይ መንእሰያት" ፍቕሪ ሒዙዎም ነይሩ ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመርዕዮም፡ ማሪ-ተሬዝ ድማ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ኣመልኪታ ናብ ኣላባማ ተጓዒዛ። እንተዀነ፡ እቲ ሰነድ ከይመጻ ከሎ ቢሊ ኣብ ጥሪ ብሃንደበት ብሞት ብምፍላዩ፡ ኵነታት ኢምግረይሽን ማሪ-ተሬዝ ዘይንጹር ክኸውን ከኣለ።
ድሕሪ ሞት ቢሊ፡ ወዱ ንቢሊን ማሪ-ተሬዝን ብዛዕባ ውርሻ ባእሲ ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ።
ወዳ ንማሪ-ቴሬዝ ከም ዝበሎ፡ ወዱ ንቢሊ፡ "ኣፈራሪሑዋ፣ ኣጕባዕቢዑላ፣ ዋላ'ውን ማይ፡ ኢንተርነትን ኤለክትሪክን ክሳብ ምቝራጽ በጺሑ፡" እዩ።
ማሪ-ተሬዝ ጠበቓ እኳ እንተ ገበረት፡ ቈጸራ ቤትፍርዲ ሓደ መዓልቲ ክተርፎ እንከሎ ብሰበስልጣን ኢምግረይሽን ተታሒዛ። እንተዀነ፡ እዛ ፈረንሳዊት ኣደ ናብ መዳጐኒ ማእከል ዝተወስደት፡ ወዱ ንቢሊ ብዘቕረቦ ጥርዓን ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ የሎን።
ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ፈረንሳ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ከም ዝኣተወ ዝገለጸ ወዳ፡ ኣደኡ "ተቓላሲት" ምዃናን "ጽንዓት" ከም ዘለዋን ይገልጽ።
ይዅን'ምበር ጸገም ልብን ሕቘን ስለ ዘለዋ፡ "ቀዳምነትና ካብዚ መዳጐኒ ማእከል ኣውጺኻ ናብ ፈረንሳ ምምላሳ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ንሓደ ወርሒ እኳ ክትጸንሕ ኣይትኽእልን እያ፡" ክብል የጠንቅቕ።
ዶናልድ ትራምፕ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ካብ ዝጅምር፡ ትካል ኢምግረይሽን ነቲ ምምሕዳሩ ዝሓንጸጾ ብጅምላ ናይ ምስጓጕ ተበግሶ ኣብ ምፍጻም ቀንዲ ተዋሳኢ ኰይኑ ኣሎ።
ወዳ ንማሪ-ተሬዝ ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት፡ "ከም ሓደ ሕማቕ ፊልም ናይ ኣመሪካ እዩ። ኵሉ ግዜ ንግሆ ክበራበር ከለኹ፡ እዚ ኵሉ ሓቂ ዘይኰነስ ሕልሚ ጥራሕ ምዃኑ እየ ንነብሰይ ዝነግራ፡" ብምባል ስምዒቱ የካፍል።