ኣመሪካ 'ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም' ስደተኛታት ናብ ኡጋንዳ ሰጒጋ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ መበቆል ዘለዎም ሸሞንተ ሰባት ካብ ኣመሪካ ናብ ኡጋንዳ ተሰጒጎም።

ኡጋንዳ ምስ ኤስዋቲኒ፣ ጋናን ደቡብ ሱዳንን፡ ካብ ኣመሪካ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት ንምቕባል ስምምዕ ካብ ዝፈረማ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።

እዘን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስምምዕ ምጥያስ ስደተኛታት ካብ ዝፈራረማ ንደሓር፡ እዚ ናይ ሕዚ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ፡ ዳኛ ኣመሪካ ምስጓግ ናይቶም ስደተኛታት ምስ ኣፅደቐ፡ ትማሊ ረቡዕ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ኡጋንዳ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእሉ ሰባት ውሑስ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝዀነት ሓቢሩ።

ማሕበር ሕጊ ኡጋንዳ ነቲ ናይ ኣመሪካ ስጉምቲ ብምኹናን እቶም ውልቀሰባት ናብታ ሃገር ብ"ዘዋርድ"ን "ኢሰብኣዊ መስርሕ" ብዝተኸተለ መገዲን ከምዝመጹ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ነቲ መስርሕ ዘይሕጋዊ ብምባል ዝነቐፈ ዀይኑ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ድሕነት ኣመሪካ ርእይቶ ክህብ ሓቲቱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ብርክት ዝበሉ ሕጋዊ ናይ መንበሪ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገራት ኣባሪሩ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ስደት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ እዩ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ፖሊሲ ክኹንንዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ሕጋውነቱ ኣብ ሕቶ ከእትውዎ ይረአ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ፡ ብዛዕባ እቶም ዝተሰጎጉ ስደተኛታት መንነት ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይክእል እኳ እንተገለጸ፡ "ዩጋንዳ ንዝተጸገሙ ሰባት መጽለሊ ንምሃብን ብኽብሪ ከምዝተሓዙ ንምርግጋጽን ቃል ኣትያ ኣላ" ኢሉ።

እቶም ሰባት፡ ኡጋንዳዊ ይኹን ኣመሪካዊ ዜግነት ከምዘይብሎም'ኳ እንተገለጸት፡ "ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ክረኽቡ ብቑዓት ክኾኑ ዘይክእሉን ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይደልዩን ወይ ዘይክእሉን'ዮም" ኢላ።

ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኰነ- ሲቢኤስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኡጋንዳ ካብ ኣመሪካ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት፡ ገበናዊ ታሪኽ ክሳብ ዘይብሎም፡ ክትቅበሎም ተሰማሚዓ እያ።

ብመሰረት ጸብጻባት ማዕኸናት ዜና ኣመሪካ ግን፡ መብዛሕትኦም ናብ ሳልሳይ ሃገራት ዝስጓጉ ስደተኛታት፡ ብገበን ዝተፈርዱ እዮም።

ትራምፕ፡ ካልኣይ እብረ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምስጓግ ዓቢ ድፍኢት ኣካይዱ እዩ።

ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፃ ድማ ርኡይ ደገፍ ዘጥረየሉ ቁልፊ ፖሊሲ እዩ።