ኣንጻር ጾታ እንቅርዖብ ዝያዳ ዘቀራርብ ዘሎ ኵነታት ኣየር

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ክሊማዊ ለውጢ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ላዕለዋይ ቀጸላ ማያት ዝያዳ ከም ዝውዒ ይገብሮ ኣሎ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ምውዓይ ላዕለዋይ ቀጸላ ናይ ማያዊ ኣካላት ንእንቅርዖባት ዝያዳ ጾታዊ ርክባት ከም ዝደልዩን ከም ዝደልያን ይገብሮም ከምዘሎ ኣረጋጊጾም።

ካብ ዩኒቨርስቲ ካሊፎርያ ነዚ ምርምር ዘካየዱ ጕጅለ፡ እቲ ምውሳኽ ዋዒ፡ ነቶም ተባዕትዮ እንቅርዖብ ድምጾም ዝያዳ መሳጥን ሰሓብን ክኸውን ይገብሮ ከምዘሎ ገሊጾም።

ነዚ ምርምር ብመሪሕነት ዘካየደቶ ጁልያን ፔኪ፡ እንቅርዖባት [እንቁርባዕ] ዛሕሊ ኣብ ዝበዝሖ ክረምቲ ድንዙዛትን ዘይንጡፋትን ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ ሙቐት ኣብ ዝብርትዓሉ ግን ድምጾም መሳጥን በሪኽን ይኸውን፡ እዚ ከኣ ነተን ኣንስትዮ እንቅርዖብ ዝያዳ ከምዝምስጠንን ንጾታዊ ርክባት ድልውነተን ከም ዘበርኾን ኣረጋጊጽና ኢላ።

ጁልያን ፔኪ "እንቅርዖባት ዘውጽእዎ ድምጺ፡ ብዅነታት ኣየር ናይቲ ከባቢ ይጽሎ'ዩ" ትብል።

"ኣብ ማይ ዘሎ ሙቐት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ፡ ድምጺ ናይቶም ተባዕትዮ እንቅርዖባት እናበረኸን ድግምጋሙ እናወሰኸን'ዩ ዝኸይድ፣ ምልውዋጥ ናይቲ ድምጺ ሰብ'ውን ከስተብህለሉ ይኽእል'ዩ፣ ዝያዳ ኸኣ እተን ኣንስትዮ እንቅርዖብ የላልየኦ'የን"።

እቲ ኣብ 'ፍሮንታየር ኢን ኢኮሎጂ ኤንደ ዘ ኢንቫይሮመን' ዝተሓትመ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ተፈላለየ እዋን ናይ ወቕትን ኵነታት ኣየርን ማይክሮፎን ተጠቒሞም ንናቋ ናይቶም እንቅርዖብ ብምቅዳሕ፡ ንንጥፈታቶም ክከታተልዎ ጀሚሮም።

ካብዚ ብምብጋስ ዋዒ ማይ ኣብ ዝወሰኸሉ እቶም እንቅርዖባት ዝያዳ መሳጥን ብራኸ ዘለዎ ድምጽን ከምዘውጽኡ፡ እዚ ከኣ እተን ኣንስትዮ እንቅርዖባት ዝያዳ ብድምጾም ተመሲጠን ንስጋዊ ርክብ ድልዋት ክኾና ከም ዝገብረን'ዩ እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ዝሕብር።

እቶም ተመራመርቲ፡ እተን ኣንስትዮ እንቅርዖብ ነቲ ዝያዳ ድምጺ ዘለዎ እንቅርዖብ ብቀሊሉ ንስጋዊ ርክብ ኣይመርጸኦን'የን፡ ነቲ ብርቱዕ ናቋ ግን ኩነታት ኣየርን ዋዒ ናይቲ ማይን ንስጋዊ ርከብ ንምፍራይን ምቹች ከምዘሎ ከም መሐበሪ ከምዝጥቀማሉ ኣረዲኦም።

ጁልያን ፔኪ፡ "እቲ ዝያዳ ዝምስጥ፡ እተን ኣንስትዮ እንቅርዖብ'ውን ንድምጺ ናይቶም ተባዕትዮ ሰሚዐንን ተረዲአንን ንምቅይያር ኩነታታት ኣየርን ዋዒ ናይ ማይን ይፈልጠኦ ምዃነን'ዩ፡ እቶም ተባዕትዮ'ውን ኩነታት ኣየር ይቐያየር ከምዘሎ ፈሊጦም፡ እቲ ማይ ገና ዋዒ ከይወሰኸ እንከሎ'ዮም ኣቐዲሞም ዝፈልጥዎ" ኢላ።

እዚ ንቅሓት ናይ እንቅርዖባት ዓሚቕ ምርምር እንተተገይርሉ ኣብ መጻኢ ምስ ከሊማዊ ለውጢ ኣብ ዝግበር ምርምራት ዝያዳ ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኽእል'ዮም እቶም ተመራመርቲ ዝገልፆ።

41 ሚእታዊት ካብ ምድረ-ማያውያን እንስሳታት ኣብ ሓደጋ ምጽናት ኣብ ዘለዉሉ፡ እንቁርዖብ መዓስ ከም ዝፋረዩ ምርድኦም ንዕቓበ እዞም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ምድረ ማያውያን እንስሳታት ወሳኒ ምዃኑ'ውን እቶም ተመራመርቲ ሓቢሮም።

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ተባዕትዮ እንቁርዖብ ካብተን ኣንስትዮ ኣቐዲሞም ኣብ ቀላያት ይበጽሑ'ሞ ምስ ተቐናቐንቲ ንምውድዳር ብዝተኻእለ መጠን ብኣጋኡ ክንቅዉ ይጅምሩ።

እተን ኣንስትዮ ግን፡ እንቋቝሖ ንኽጸፍያ ኵነታት ምቹች ምህላዉ ብድምጺ ናይቶም ተባዕትዮ ምስ ኣረጋገጻ'የን ናብቲ ሩባ ዝወርዳ።

ኣብቲ ምርምር ዝተሳተፈ ብርያን ቶድ ብወገኑ "እቶም ተባዕትዮ ናብቲ ማያዊ ኣካል ኣቐዲሞም ንኽበጽሑ ውድድር'ዩ፡ መን ቀደመ ኣብኡ በጽሐ ዓቢ ውድድር'ዩ ዘለዎም፡ እተን ኣንስትዮ ከኣ ዝተሓልፈ ምስ ተሓለፈ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ፡ እቲ ከባቢ ካብ ተጻባእቲ ሓራ ምዃኑ ዋዒ ናይቲ ማይ ከኣ ንጾታዊ ርክብ ምቹች ምህላዉ ብቃና ናይ ድምጺም ምስ ኣበሰርወን'የን እንቋቖሐን ክጸፍያ ዝመጽኦም" ይብል።

ተመራመርቲ፡ እንስሳታት ንክሊማዊ ለውጢ ዝህበዎ ግብረ መልሲ ንኽርድኡን ዝያዳ ንኽፈልጡን እዚ ውጽኢት መርመራ ደሪኽዎም ከምዘሎን ብዛዕባ ካልኦት ብተመሳሳሊ ብናቋ ንኣንጻር ጾታ ዝምስጡ እንስሳታት ኣዕሚቘም ንኽመራመሩን በሪ ከፊትሎም ኣሎ።

ጁልያን ፔኪ "ድምጺ እንቅርዖብ ክትሰምዕሉ ኣብ እትኽእሉ ከባቢ እንተሃሊኹም፡ ድምጺ ናይቶም ተባዕትዮ ምስ ዛሕልን ዋዕን ክለዋወጥ ከተስተብህለሉ ትኽእሉ ኢኹም" ኢላ።