ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ዳግማዊት፡ መሰጥቲ ኣሳእል ዓለምና ክሰዱ ጀሚሮም

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ናሳ፡ ጠፈርተኛታት ኣርተሚስ ዳግማዊት ብማእከል ዓለምን ወርሕን እናሐለፉ እንከለዉ ዝሰኣልዎ ኣዝዩ ንጸሩር ኣሳእል ከካፍል ጀሚሩ።

ነቲ ኣገረምቲ ኣሳእል ላዕለዋይ ኣዛዚ እቶም ጠፈርተኛተት ረይድ ዌስማን ከም ዝሰኣሎ ናሳ ሓቢሩ።

ብኣቈጻጽራ ዓዲ እንግሊዝ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ እቶም ጠፈርተኛታት ካብ ምድሪ 228,500 ኪሎሜተር ካብ ወርሒ ከኣ 212,433 ኪሎሜተር ርሒቖም ከም ዝነበሩ ናሳ ሓቢሩ።

እታ 'ሄሎ' ዝብል ስም ዝተዋህባ ቀዳመይቲ ስእሊ፡ ንዝሰፍሐ ክፋል ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እተርኢ ኰይና፡ ኣብ ደቡባውን ሰሜናውን ዋላታታት ከኣ ቀጠልያ መብራህቲ ይርአ ነይሩ።

ኣብቲ ስእሊ መሬት ተገልቢጣ ትረአ፣ ምዕራባዊ ሰሃራን ሓውሲ ደሴት ኣይቤርያን ብጸጋም፣ ምብራቓዊ ክፋል ደቡብ ኣመሪካ ድማ ብየማን ይርአ።

ናሳ ነታ ኣብ ታሕቲ ብየማን ዘላ ድሙቕቲ ብርሃን ከኣ ፕላኔት ቬኑስ ምዃና ኣለልዩ።

እቶም ምስልታት፡ እቶም ጠፈርተኛታት ዓርቢ ናይ ንግሆ ናይ መወዳእታ ምንዳድ 'ትራንስ ሉናር' ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሞም ዝተሰኣሉ'ዮም።

እቶም ኣብታ መንኰርኰር ዝነበሩ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ነቲ ልዕሊ 321,868.8 ኪሎሜተር ናብ ወርሒ ንምጓዓዝ ኣብ ዝዓለምሉ እዋን፡ ብቐዳማይ ቃጸሎ ኣርዮን'ዮም ካብ ክሊ ምድሪ ወጺኦም።

ሕጂ ኣርተሚስ ዳግማዊት ኣብቲ ክኖኣዊ ክፋል ወርሒ ናብ ዝወስዳ መስመር'ያ ዘላ።

እዚ ድማ ነቶም ጠፈርተኛታት ኣብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ኣብጺሑ ክመልሶም'ዩ።

ድሕሪ 1972 ደቂ ሰባት ካብ ክሊ መሬት ወጻኢ ክጓዓዙ እዚ ናይ ፈለማ እዋን እዩ።

እቶም ጠፈርተኛታት ብ6 ሚያዝያ ኣብ ርሑቕ ሸነኽ ወርሒ ክሓልፉን ብ10 ሚያዝያ ናብ መሬት ክምለሱን ምዃኖም'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

እቶም ጠፈርተኛታት "ኣብ መስኮት ለጊቦም" ስእሊ ይወስዱ ከም ዝነበሩ ክኢላ ተልእኾ ጀረሚ ሃንሰን ኣብ ሂዩስተን ንመቈጻጸሪ ተልእኾ ገሊጹ።

"ብወርሒ ዝበርህ ጸልማት ሸነኽ መሬት ጽቡቕ ትርኢት ንረክብ ኣለና፡" ኢሉ።

ድሒሩ ዋይዝማን ናብቲ ኣብ ሂዩስተን ዝርከብ ቍጽጽር ተልእኾ ደዊሉ፡ እቶም ጠፈርተኛታት ናብ ህዋ ንምርኣይ ናብቲ ሞስኮት ምስ ተጸግኡ እቲ መስኮት ስለ ዝረስሐ ነቲ መስኮት ብኸመይ ከም ዘጽርዩዎ ሓቲቱ።

እቲ ኣዛዚ፡ ኣብ መጀመርታ ንፕላኔትና ካብታ መንኰርኰር ጠፈር ስእሊ ንምውሳድ ኣጸጊሙ ከም ዝነበረን ኣብ ከምዚ ዝበለ ርሕቀትን ቅልጡፍ ዑደትን ስእሊ ምውሳድ ንናይ ምቅላዕ ቅጥዕታት ንምትዕርራይ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮን ገሊጹ።

ካልእ ብዋይዝማን ዝተሰኣለት ቅላዕ መሬት ብለይትን መዓልትን ተኸፋፊላ ዘርኢ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ብርሃንን ጸልማትን ዘሎ ዶብ፡ 'ተርሚናተር' ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።

ጽንሕ ኢሉ'ውን ናሳ ዓለምና በቲ እቶም ጠፈርተኛታት ዝነበርዎ ሸነኽ ምሉእ ጸልሚታ እንከላ ዘርኢ ስእሊ'ውን ዘርጊሑ።

ኣብቲ ስእሊ እቲ ብሰብ ዝተሰርሐ መብራህቲ ዝደመቓ ከተማታትን ግን ዳርጋ ብሩሃት ነይረን።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ 2026 ዝሰኣል ዘሎ ምስሊ መሬት ምስቲ ብጕጅለ ኣፖሎ 17 ኣብ 1972 ዝተሰኣለ ኣሳእል ከምኡ ከኣ ደቂ ሰባት እግሮም ኣብ ወርሒ ንመወዳእታ ግዜ ዘዕለብሉ እዋንን ብምንጽጻር ስእልታት ዘርጊሑ።

ናሳ "ኣብ ዝሓለፉ 54 ዓመታት ክሳብ ክንድዚ በጺሕና ኣለና፡ ሓደ ነገር ግን ኣይተቐየረን፡ ዓለምና ካብ ጠፈር ኣዝዩ ውቑብ ምስሊ'ዩ ዘለዋ፡" ኢሉ ጽሒፉ።