እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ድርብ ዓወት ብምጉንጻፍ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ካልኣይ እግሪ ግጥም 2 ብ 1 ተዓዊታ።
ኤርትራ ብኣጥቃዓይ ዓሊ ሱሌማን ብዘመዝገበትን ሸቶታት'ያ ነዚ ድርብ ዓወት ክትሓፍስ በቒዓ ዘላ።
እቲ ምስ ግብጻዊት ክለብ ኤለክትሪክ ዝጻወት ዓሊ፡ ሎሚ'ውን ኣብ መበል 50 ከምኡ'ውን ኣብ 57 ደቓይቕ ወሰንቲ ሸቶታት ኣመዝጊቡ'ሎ።
ምዱብ ግዜ ተወዲኡ ተወሳኺ ደቓይቕ ምስተዋህበ ኢስዋቲኒ ብዝተረፎም ናይ መወዳእታ ጸዓት ሓንቲ ሸቶ ከመዝግቡ'ኳ እንተኽኣሉ፡ ንደገፍቶም ካብ ምሕጓስ ትሓልፍ ኣይነበረትን።
ኤርትራ ኣብ ክልቲኡ ግጥማት ብዘዋህለለቶ ሸቶታት 4 ብ 1 ብምስዓር'ያ ሓሊፋ ዘላ።
ኤርትራ ኣብዚ ኣብ ንግስነት ኢስዋቲኒ ዝተኻየደ ካልኣይ-እግሪ ናይ ቅድመ-መጻረዪ ግጥም ብምስዓር'ያ ናብቲ ዝቕጽል መደረኽ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ ዘላ።
ኣብቲ ኣብ ሞሮኮ ዝተኻየደ ቀዳማይ-እግሪ ግጥም ክልቲአን ጋንታታት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ዓብለሎም ተኽለዝጊ (ኣምበስ) ኣብ መበል 81 ደቂቕ፡ እቲ ኣቐዲሙ ፍጹም ቅላዕ ዝሰሓተ ዓሊ ሱሌማን ከኣ ኣብ መበል 90+4 ደቂቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት'ያ ነቲ ዓወት ንደገፍታ ኣበሲራ።
ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዓለምለኻዊ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቅድሚ ናብ ሞሮኮ ምብጋሳ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ከምዝተመደበላ ይዝከር።
እቲ ኮሃ ሓሺም ያኪን ዝተባህለ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ኣብ ፈላሚ ግጥማቱ ድርብ ዓወታት ምሕፋሱ ካብ ደገፍቲ እታ ጋንታ ዓቢ ናእዳ ኣጥርዩሉ ኣሎ።
እታ ጋንታ ኣብ ደገ ካብ ዝነብሩ ንኣሽቱ መንእሰያትን ኣብ ሃገር ካብ ዘለዉ ተጻወትቲን ብምስላፍ'ያ ነዚ ዓወት በቒዓ ዘላ።
ዝቕጽል ብድሆ እቲ ሓድሽ ኣሰልጣኒ፡ ተጻወትቲን ሓለፍቲ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪን ኤርትራ ነዚ ዓወታት እዚ ኣብቲ ዝጽበዮም ነዊሕ ናይ መጻረዪ መስርሕ ምድጋም'ዩ ክኸውን።