ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝልመድ ዘሎ መብጣሕቲ ሕርስን ሳዕቤኑን

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ መብጣሕቲ ሕርሲ ወይ ሲዛርያን ሰክሽን (CS) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ክግበር ይምዕድ።

መብጣሕቲ ሕርሲ፡ ህይወት ኣደታትን ዕሸላትን ንምውሓስ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ክግበር ዝላበው ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝውለዱ ህጻናት ካብ 10–15 ሚእታዊት ጥራይ እንተዀነ ይምዕድ።

ይዅን'ምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብመብጣሕቲ ዝካየድ ሕርሲ ኣዝዩ እናወሰኸ ብምምጽኡ ስክፍታታት የልዕል ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም መጠን ካብ ዝውለዱ ህጻናት ብገምጋም እቶም 21.1 ሚእታዊ ብመብጣሕቲ እዮም ዝውለዱ ዘለዉ።

እዚ ኣሃዝ ድማ ክሳብ 2030፡ ብገምጋም 28.5 ሚእታዊት ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ምዕቡላትን ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራትን መብጣሕቲ ሕርሲ ኣዝዩ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ መጠን መብጣሕቲ ሕርሲ ካብቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝላበዎ ዝተሓተ (5.4 ሚእታዊት) እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ግን እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

እንተዀነ እቲ መጠን ከከም ከባቢኡ ክሳብ 29.5 ሚእታዊት ይበጽሕ። ኣብ ገጠራት ድማ ተበጻሕነት እቲ ኣገልግሎት ሕጂ'ውን ድሩት እዩ።

ብወገን ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ዘሎ መጠን መብጣሕቲ ሕርሲ ንጹር ኣይኰነን።

እንተዀነ ኣብ 2022 ኣብ ሆስፒታል ደቀምሓረ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ መጠን መብጣሕቲ ሕርሲ 10.1 ሚእታዊት ከምዝዀነ የመልክት። እዚ ድማ ካብቲ ለበዋ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዙሕ ዝርሓቐ ኣይኰነን።

እዚ መጠን ብዘሰክፍ ቍጽሪ ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እንታይ ስክፍታት ከስዕብ ከምዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን።

መብጣሕቲ ሕርሲ ኣገዳሲ ዝኸውን መዓስ እዩ?

መብጣሕቲ ሕርሲ (ሲ-ሴክሽን) ኣብ ከብድን ማህጸንን እታ ኣደ ብዝግበር መስርሕ፡ ዕሸል ክውለድ ዘኽእል ኣገባብ እዩ።

ብተለምዶ ብርሕሚ ሕርሲ ውሑስ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ድማ ህይወት እታ ኣደን ዕሸልን ንምውሓስ ይፍጸም።

ነቲ መብጣሕቲ ንምክያድ መደንዘዚ ዝወሃብ ኰይኑ፡ ካብ 40–60 ደቓይቕ ይወስድ። እታ ኣደ ካብ 3–5 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ክትድቅስ ኣገዳሲ ኰይኑ ክትሓዊ ድማ ሓያሎ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል።

እዚ መስርሕ እዚ ግን ኣብ ኵለን ኣደታት ኣይፍጸምን። ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጥራይ ካብ መበል 39 ሰሙን ጥንሲ ጀሚሩ ክፍጸም ከምዘለዎ ይምከር።

መብጣሕቲ ሕርሲ ኣገዳሲ ክኸውን ካብ ዝገብሩ ገለ ረቛሒታት፡ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።

  • ኣቀማምጣ ዕሸል፡ ዕሸላት ርእሶም ንላዕሊ እንተዀይኑ፡ ወይ ኣእጋሮም ንታሕቲ ዝገበሩ እንተዀይኖም
  • ምትሕልላኽ ሕርሲ፡ ዝያዳ ግዜ ዝወስድ ሕርሲ ወይ ከም ሕጽረት ምስትንፋስ ዝኣመሰሉ ኣብ ዕሸላት ዘጋጥሙ ጸገማት።
  • ቅድሚ ሕጂ ዝተፈጸመ መብጣሕቲ ሕርሲ፡ ምስ ጻዕሪ ሕማም ሕርሲ፡ ማህጸን ክትርባዕ ዘሎ ሓደጋ ስለ ዝውስኽ።
  • ጥዕና ኣደታት/ዕሸላት፡ ከም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ረኽሲ፡ ኣዝዩ ዓቢ ኣካላዊ መጠን ዘለዎም ዕሸላትን ዝኣመሰሉ ስክፍታታት ምስ ዝህልዉ።

እወታዊን ኣሉታውን ጐድኒ መብጣሕቲ ሕርሲ

መብጣሕቲ ሕርሲ ንኣደታትን ዕሸላትን እወታውን ኣሉታውን ጐድኒ ኣለዎ።

ካብ እወታዊ ጐድኑ ክንጅምር።

እዚ ኣገባብ ሕርሲ ዝካየደሉ ዕለትን ሰዓትን ኣቐዲም ዝተተለመ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዙርያ ግዜ ሕርሲ ዘሎ ዘይርጉጽነትን ጭንቀትን ከጕድል ይኽእል።

ንህጻን ዝያዳ ውሑስ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ሓደጋ በሰላ ሕርሲ ከስዕብ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ።

ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ጻዕሪ ሕማም ሕርሲ ኣይህሉን።

ከም ልዑል ጸቕጢ ደም፡ ኵነታት ልቢ ወይ ረኽሲ ዝኣመሰሉ ጥዕናዊ ጸገማት ንዘለወን ኣደታት እቲ ዝበለጸ ውሑስ መንገዲ ሕርሲ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ እዋን መብጣሕቲ ሕርሲ፡ እቲ ዕሸል ብርሕሚ ስለዘይሓልፍ፡ ኣብ ጭዋዳታት ጎሎ ሓደጋ ክበጽሕ ዘሎ ዕድል ትሑት እዩ።

ኣብ ፈንዶት (perineum) ክበጽሕ ዝኽእል ምትርባዕ እውን ይንኪ።

ሕጂ ድማ ገለ ኣሉታዊ ጐድንታቱ ክንርኢ።

መብጣሕቲ ሕርሲ፡ ካብ ልሙድ ሕርሲ ዝያዳ ቃንዛ ኣለዎ። እቲ መስርሕ መብጣሕቲ ስለዘጠቓልል፡ ኣደታት ካብቲ ንኽሓውያ ነዊሕ ግዜ የድልየን፤ ብፍላይ ድማ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ሰሙናት ድሕሪ ሕርሲ፡ ዝያዳ ዘይምቾት ከጋጥመን ይኽእል እዩ።

ሓደጋ ረኽሲ ከጋጥም ዘሎ ተኽእሎ እውን ካብቲ ልሙድ ሕርሲ ይዛይድ። ኣብቲ መብጣሕቲ ዝተገብረሉ ኣካል ዝተፈላለየ ረኽሲ ከጋጥም ይኽእል። እዚ ድማ ተወሳኺ ሕክምናዊ ፍወሳን ወጻኢታትን ዝሓትት እዩ።

ብመብጣሕቲ ዝወለደት ኣደ፡ ድሕሪ ሕርሲ ምክትታልን ምሕዋይ ምምሕዳርን ኣድላይ ስለዝኸውን፡ ኣብቲ ሆስፒታል ነዊሕ ግዘ (ክሳብ 5 መዓልታት) ምጽናሕ ከድልያ ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ ብዙሕ መፍሰስቲ ደም ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። ብሰንኪ'ዚ እታ ኣደ ንሓደጋ ዋሕዲ ደም ናይ ምቅላዕ ዕድላ ክብ ክብል ይኽእል።

ብሰንኪ እቲ ሕማም በሰላን ኣብ መጻኢ ጥንስታት ድማ ምትሕልላኻት ይገድፍ። ብሰንኪ'ዚ ኣብ መጻኢ ብርሕሚ ዝግበር ሕርሲ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ይኸውን።

መብጣሕቲ ሕርሲ ውሑስ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ እቶም ዕሸላት ቅድሚ 39 ሰሙን ጥንሲ እንተተወሊዶም፡ ጸገም ምስትንፋስ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከጋጥምሞም ይኽእል። ኣብ ንኡስ ዕድመኦም እውን ዝተወሰኑ ናይ ጥዕና ጸገማት ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል።

መብጣሕቲ ሕርሲ ኣብ መጻኢ ህይወት ዘስዕቦም ጽልዋታት

መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ፡ ኣብ ሓጺር ይዅን ነዊሕ ግዜ ኣብ ጥዕና ህጻናት ጽልዋ ኣሎዎ ድዩ ዝብል ሕቶ የልዕሉ።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ምስ ብጻዕሪ ሕማም ሕርሲ (ብርሕሚ) ምውላድ ክነጻጸር እንከሎ፡ መብጣሕቲ ሕርሲ ዝያዳ ጽልዋ ከሕድር ተኽእሎ ኣሎ።

ህጻናት ብሕርሲ ክውልዱ እንከለዉ፡ ብርሕሚ ኣብ ዝሓልፉሉ እዋን ካብ ኣደኦም ሓገዝቲ ባክተርያ ይወስዱ። እዞም ባክተርያ ኣብ ሕማም ምክልኻልን ጥዕናን ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎም እዮም።

ኣብ እዋን መብጣሕቲ ሕርሲ ግን እቶም ዕሸላት ነዞም ባክተርያ ኣይረኽቡን። ስለዚ ድማ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ሕማም ሽኮር፡ ቍጥዐ (ኣለርጂ) ከምኡ'ውን ኣዝማን ናይ ምምዕባል ዕድል ከጋጥሞም ይኽእል።

እንተዀነ ብሓፈሻ እንክርአ፡ መብዛሕትኦም ብመብጣሕቲ ዝውለዱ ህጻናት ጥዑያትን ምዕቡላትን ኰይኖም እዮም ዝዓብዩ።

ምክትል ፕረዚደንት ዘ ሮያል ኮሌጅ ኦፍ ኦብስተትሪሻን ጋይናኮሎጂስትስ ዝዀነት ዶክተር ኣሊሰን ራይት፡ ኣገዳሲ ኣብ ዝዀነሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ መጥባሕቲ ካብ ምግባር ግን ክዓግታ ከምዘይብለን ትገልጽ።

"ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት፡ መብጣሕቲ ምግባር ህይወት ዘድሕን መስርሕ'ዩ፡ ንጓለንስተይትን ንዕሸላትን ድማ ቅኑዕ ምርጫ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።