እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ቀጥታ, ትራምፕ፡ መጥቃዕቲ መደበር ጸዓት ኢራን ብ10 መዓልቲ ኣናዊሑ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ብሰኑይ ኣዊጁዎ ዝነበረ ናይ 5 መዓልቲ መጠንቀቕታ እናተወድአ ኣብ ዝኸደሉ፡ መሊሱ ንተወሳኺ 10 መዓልታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ። ንሱ፡ “ብምሕጽንታ መንግስቲ ኢራን”፡ ከምኡ ኸኣ “እቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣመና ጽቡቕ ይኸይድ ስለዘሎ፡” ምዃኑ ነቲ ምኽንያት የቐምጥ።
ዜናታት
ብልጽግና፡ ሰልፊታት ኣብንን ኢዜማን ኣብ ዝወዳደርሉ ከባቢታት ሕጹያት ኣየቕረበን
ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ሰልፍታት ኣብን [ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቁ] ከምኡ ከኣ ኢዜማ [የኢትዮጵያ ዜጎች ለማህበራዊ ፍትህ] ዝወዳደርሉ ልዕሊ 80 ዝኸውን መንበራት ወከልቲ ህዝቢ ሕጹያት ከም ዘየቕረበ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ቅልውላው ነዳዲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብአን ሃገራት ዝወስድኦ ዘለዋ ስጕምታት
ኲናት ኢራን እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብዚ መስመር ዕግታ ክገብር ትንዕ ዝብል ዘሎ፡ ቀንዲ ደጋፊ ኢራን ዝዀነ ሓይሊ ሑቲን መሻርኽቱ ዕጡቓት እቲ ዞባን ክንቀሳቐሱ ኣብ ዝጀመሩሉ እቲ ሳዕቤን ክመርር ከም ዝኽእል ድማ ብኣጋ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ዋጋ ጠስሚ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ ኣየናይ ዘይቲ ክንጥቀም ይምረጽ?
ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ዕዳጋ ዝቐረቡ ዓይነታት ዘይቲ ተቘጺሮም ኣይውድኡን። ኵሎም ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህርያት ዝሓዙ እዮም። ስለዚ መዓልታዊ እንጥቀመሉ ዘይቲ ምምራጽ ቀሊል ኣይኰነን።
ሑቲ፡ 'ኣጻብዕትና ኣብ ቃታ' - ናብ እስራኤል ተኲሱ ጸቕጢ የጋድድ
እቲ ገዚፍ ወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ደገፍ ኢራን ከምዘለዎ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ የመን - ሑቲ፡ ኲናት ኢራን ካብ ዝጅመር ንፈለማ ግዜ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ እቲ ቅልውላው ካብዚ ዘለዎ ብግዜን ቦታ ከይጋፋሕ ክፍራሕ ንዝጸንሐ ኵነታት ኣጋዲዱ።
ደማሙ እንስሳ ዘቤት ክዀና ዝተገብራሉ ዘስካሕክሕ ምኽንያት
ኣብ መንጎ ደማሙን ወዲ ሰብን ዘሎ ርክብ ዝተሓላለኸ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ንልዕሊ 4,000–12,000 ዓመታት ዝማዕበለ ምዃኑ ይእመን። ሕጂ ድማ ክልተ ሓደስቲ መጽናዕትታት፡ ደማሙ ንመጀመርታ ግዜ ኣበይን ብኸመይን እንስሳ ዘቤት ከምዝዀኑ ዘመልክት ሓድሽ ፍንጪ ኣቃሊዖም ኣለዉ።
ዘለንስኪ ድሮናት ንምሻጥን ክኢላታት ንምቕራብን ድሉው ከምዘሎ ኣብ ዝገለጸሉ ናብ ስዑድያ ገይሹ
ዘለንስኪ፡ ቅድሚ ናብ ስዑድ ዓረብ ምጋሹ፡ ሃገሩ ኣሰልጢናቶም ብዘላ ክኢላታት ቴክኖሎጂ ድሮን ብደረጃ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ሰላም ንምውሓስ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና'ዩ ገሊጹ።
'እቲ ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት'፡ ሃገራት ስግረ-ኣትላንቲክ ብንግዲ ጊላነት ካሕሳ ክኸፍላ ይግባእ ዶ?
ብባርነት ዝተሃስያ ሃገራት ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት ካሕሳ ክሓታ ጸኒሐን እየን። እቲ ሞገት ግን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብፍላይ ገለ ብታሪኽ ካብ ኣፍሪቃዊ ባሮት ዝረብሓ ሃገራትን ትካላት ንግድን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ባሮት ከም ዝተሳተፉ ብወግዒ ድሕሪ ምእማኖም፡ ተጋዲዱ ኣሎ።
ሞሮኮ፡ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኣገዳስነቱን
እዚ ሕጂ ጀሚራቶ ዘላ ውጽኢት፡ ንዅሉ ዝጸንሐ ጸገማትን ድኽመታትን ተፈቲሑ እዩ ማለት'ኳ እንተዘይኰነ፡ ግን ነቲ ስራሕ ዝሓትት ዘሎ ዕቝር ጸጋታት ዘርኢ እዩ፤ ድሕሪ ዓመታት እዛ ጋንታ እንታይ ክትገብር ከምእትኽእል ዝእምት ምልክት ድማ ሂባ'ላ።
ኢራን ስለምንታይ'ያ ንዝርርብ ኣመሪካ ነጺጋቶ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ዝርርብ ክልተ ግዜ ወጥሪ ንምቅላል ተስፋታት ከም ዘዕበየ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዙርያ ዖማን ዘአንገደቶ ንቐንዲ ስክፍታታት ኣመሪካ ዝዀነ ኒዩክለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ዝምልከት ምዃኑ ይግለጽ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ጊላነት ኣፍሪቃውያን 'ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ
እቲ እማመ - ብጋና ዝቐረበ - ነዚ ስያመ ክወሃብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ንግዲ ባሮት ይቕሬታ ክሓታን ኣብ ፈንድ ካሕሳ ኣበርክቶ ክገብራን እውን ይላቦ። መጠን ገንዘብ ኣይጠቐሰን።
ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ
ቅልውላው ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ዝሰፍሐ ጸገም'ውን ኣጕሊሑ ኣሎ። ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ዘገርም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ጸበብቲ መስመራት ዝምርኮስ ምዃኑን ንጹር ኰይኑ ኣሎ። ንምዃኑ እዞም መስመራት ኣየኖት እዮም?
ኣመሪካን እስራኤልን ንብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቀቲለን እየን፡ ትራምፕ ምስ መን'ዩ ደኣ ክዘራረብ?
ኣመሪካን እስራኤልን ብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቀቲለን እየን - እዞም ሰበስልጣን ግን ኣብ ውሽጢ መሓውር ስልጣን ኢራን ክሳብ ክንደይ ኣገደስቲ ነይሮም? ሕጂ ድማ መን እዩ ዝእዝዝ ዘሎ?
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ቪድዮ, "ቅድሚ ጕያ ኵዕሶ እየ ጀሚረ" - ኣትሌት ኣማን ጴጥሮስ
ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ስፖርት ጉያ ዝነጥፍ ዘሎ ኣትሌት ኣማን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ውድድራት ብምስታፍ ብዘምዘገቦም ዓወታት ካብቶም ጽቡቕ ሽም ዘለዎምን ዝያዳ ትጽቢት ዝግበረሎምን መንእሰይ ኣትሌታት ሓደ እዩ፡፡
ትንታነ
ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዓመታት ብኩራት ትምለሶ ዘላ ጸወታ
ተንታኒ ኲዕሶ እግሪ ነጋ ወልደገርግስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዋ ብቕዓት ኣብ ከመይ'ዩ ዘሎ፣ ንምንታይ እዩ ጸወታኣ ኣብ ሞሮኮ ክካየድ ተወሲኒ ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ ሕቶታትን ርእይቶኡ ሂቡ'ሎ፤
ተስፋ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ንነታንያሁ ኣብ ጸቕጢ የእትዎ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ክካየድ ኣመልኪቱ - እስራኤል ግን ገና ድልውቲ ከይትኸውን ትኽእል እያ።
ኲናት ኢራን ንኪም ጆንግ ኡንን ሰሜን ኮርያን የስግእ ድዩ?
ዝምድና ሰሜን ኮርያን ኢራንን ትማሊ ዝጀመረ ኣይኮነን። ካብቲ ኣብ 1979 ኣብ ኢራን ዝተኻየደ ምስላማዊ ሰውራ ጀሚሩ ዝተነድቀ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ጸላኢ (ኣመሪካ) ስለዘለወን፡ "ጸረ-ኣመሪካዊ ናይ ቅድመ ግንባር ደማዊ ምሕዝነት" ፈጢረን።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኲናት ኢራን ሕጂ'ውን ብሓባር ዶ ኣለዋ?
ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጠቅዖ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ እንታይ ይነግረና?
ኵናት ኢራን፡ ሃገራት 'ንምዝንጋዕ' ዝድብደባሉ ሓድሽ ስርዓተ ዓለም
ትራምፕ ብምስዓብ "ንምዝንጋዕ ገለ ተወሰኽቲ ደብዳባት'ውን ንፍጽም ንኸውን ኢና" ምባሉ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣመሪካ ተካይዶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምምኽናይ ትጥቐመሉ ቃላት እዚ ቀጥታውን ዲፕሎማስያዊ ቃላት ዝጎደሎን ተባሂሉ'ዩ ክግለጽ ዝከኣል።
ኢራናውያን ብዛዕባ'ቲ ኲናት እንታይ'ዩ ዝንገሮም ዘሎ?
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ብዛዕባ እቲ ኲናት ዝህብኦ ሽፋን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝበጽሕ ዘሎ ክሳራትትን ንኢራን ዘወድስ ዲጂታላዊ ምትላልን ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ እዋን ኲናት፡ ነፈርቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብኸመይ'የን ዝበራ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘስዓቦ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ወሽመጥ ዓረብን ዘሎ ክሊ ኣየር ኣዝዩ ተገዲቡ ይርከብ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።
ኣመሪካ ንምንታይ'ያ ንኢራናዊት ደሴት ካርግ ኣጥቂዓታ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ምክልኻል ኣመሪካ ንሓንቲ ንኢራን መትኒ ቁጠባኣ ምዃነ እትግለጽ ንእሽተይ ደሴት ከምዝደብደባ ገሊጹ። ትራምፕ ኣብ ደሴት ካርግ ዝነበረ ወተሃደራዊ መሳለጥያታት ኢራን ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ብምሕባር፡ ኣብታ ደሴት ዝነበረ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ግን ከምዘይሃረምዎ ሓቢሩ።
ካብ ኵናት ኢራን፡ ኣየኖት ሃገራት'የን ክኸስባ፡ በዓል መንከ ዝያዳ ይህሰያ?
ብደረጃ ዓለም ዋጋ ነዳድን ጽዓት ወሰኽ ኣብ ዘርኣየሉ፡ ብዙሓት ሃገራት ብቁጠባ ክህሰያ'የን። እንተኰነ ገለ ሃገራት ነዚ ዘሎ ዕግርግር ናብ ረብሐአን ብምቕያር ክኸስባ ክኽእላ'የን። ግን ካብ ኵናት ኢራን መን'የን ክኸስባ፡ መንከ ክህሰያ'የን?
ማይ፡ ኣብ ውግእ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ከም መሳርሒ ኲናት ውዒሉ ድዩ?
ኣብዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኣመሪካን እስራኤልን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ትሕተ ቅርጺ ማይ ዒላማ ምግባር ስግኣታት የልዕል።
ጄፍሪ ኤፒስተይን ክልተ ሓገዝቲ ነይሮምዎ- ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ገንዘቡን ምስጢራቱን ዓቂቦም?
ካንን ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ጠበቓ ኤፕስተይን ዳረን ኢንዳይክን፡ ንዅሉ ሃብቱን ንብረቱን ዝቈጻጸሩ ፈጸምቲ ጉዳይ ርስቲ ኤፕስተይን እዮም።
ኵሎም ወገናት 'እንዋግኣሉ ምኽንያት ኣለና' ዝብልሉ ኣዕናዊ ኲናት ሱዳን
ሓያል ቀረብ ኣጽዋርን ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ኲናትን፡ ግጭት ሱዳን ንምፍታሕ ኣሸጋሪ ይገብሩዎ። ሱዳን ኣብ 1956 ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጽነት ካብ እትረክብ ንደሓር ዝበዝሕ ግዜ ብገለ መልክዕ ኣብ ኲናት እያ ጸኒሓ - እዚ ማለት ካብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት 58 ዓመታት እዩ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተጻባኢ ኣጀንዳ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዘለዎ'ዩ- ኤርትራ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መግለጺ፡ "ናይ ኢትዮጵያ ስርዓት ሰልፊ ብልጽግና ኣንጻር ሃገረ ኤርትራን እቲ ዞባ ብዓቢኡን ሓደገኛን ግጭት ዝቕስቅስን ኣጀንዳ ይኽተል ኣሎ" ክብል ከሲሱ።
ኣፍኮን 2025፡ ሞሮኮ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና - ሰኔጋል ዋንጫ ተመንጢላ
ሰኔጋል ብ18 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ንሞሮኮ ሓደ ንባዶ ብምስዓር፡ ኣአንገዲት ጋንታ ሸቶ ከይተመዝገባ ፍጹም ቅላዕ ምስ ተዋህባ፡ ተጻወትቲ ሰኔጋል ምጽዋት ምስ ኣበዩ ሕልሚ ኰይኑዋ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ዕጡቓት ኩርድ፡ ብደቀንስትዮ ጥራይ ዝቘመ ሕቡእ ወተሃደራዊ ቦጦሎኒ
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሮም ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ቢቢሲ ንሓደ ጉጅለ ደቀንስትዮ ዝሓቖፈ ቦጦሎኒ ሳሕቲ ዝርከብ ኣጋጣሚ ብምርካብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እነሆ።
ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፋ ደቀንስትዮ ብዛዕባ ዝስጋእ ዘሎ ሓድሽ ኲናት እንታይ ይብላ?
እዘን ደቀንስትዮ፡ ኣብ ሕሉፍ ውግእ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ከቢድን በዳህን ግዜ ኣሕሊፈን እየን። ዳግም ኲናት ከይለዓል ዘስግአን በሰላታት ምህላው ድማ ይዛረባ።
ናብ ሕጫጨን ምሳሌታትን ዝሰገረ ዳርባ ቃላት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን
ጠንቂ ምትፍናን ክልቲአን ሃገራት ንምግላጽ ሓያሎ ረቛሒታት ክጥቀስ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ልኡላዊ' መሰል ከምዘለዋ ምግላጻ ዘጓሃሃሮ'ዩ ዝመስል። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብቐጻሊ ተሪር ዳርባ ቃላት ክለዋወጡ ጸኒሖም'ዮም።
ብምስላታት ትግርኛ ዝተሰነየ መጠንቀቕታ ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትሪ ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስላታት ትግርኛ ብምጥቃም ንትግራይን ኤርትራን ተሪር መጠንቀቕታታት ኣሕሊፉ። "ጥሩፍ ጸረ-ለውጢ፡" ብምባል ዝወረፎም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት፡ "ምስ ጨና ልምዓት ዘይፈልጡ ግዳማዊ ሓይልታት ወዘልዘል ይብሉ ኣለው፡" ብምባል'ዉን ነቒፉዎም።
እስራኤልን ኣመሪካን ስለምንታይ ንኢራን ኣጥቂዐን፡ እቲ ኲናትከ ክሳዕ መዓስ ክጸንሕ ይኽእል?
ክሳብ ሰኑይ 2 ለካቲት 2026፡ ቀይሕ ወርሒ ኢራን ኣብታ ሃገር፡ ኣብ 130 ቦታታት 555 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ኢራን፡ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ጥቓ መደበር ዘብዒ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ተቐቲሎም።
ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን- ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ- መን'ዩ?
ንሱ፡ ኣብ ዓንኬል እቲ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ሕምብርቲ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ይርከብ፤ ዝዀነ ህዝባዊ ፖሊሲ ከጽድቕን ክነጽግን ዝኽእል ገባርን ሓዳግን ጥራይ ኣይኰነን። ንሕጹያት መራሕቲ ብኢደ ወነኑ ከቐምጥን ከልዕልን ዝኽእል ስልጣን ኣለዎ።
ኮሚቴ ወልቃይት፡ ኣብ ጉዳይ ቤትፍርዲ ቦርድ መረጻን ስምረትን ኣትዩ ክማጎት ሓቲቱ
ኮሚቴ ወልቃይት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣመልካቲ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ስምረት ትግራይን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያን ኣብ ቤትፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጉዳይ መሰሉን ረብሓኡን ዝትንኪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዩ ክማጐት ብጠበቓኡ ኣቢሉ ንላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ከም ዝሓተተ ኣፍሊጡ።
ወተሃደራት እስራኤል፡ ንፍልስጤማዊ ቈልዓ ብጥይት ሃሪሞም ክሳብ ዝመውት ደው ኢሎም ምርኣዮም ዘረጋገጸ ቪድዮ
እቶም ወተሃደራት - ብድምር 14 - ድሕሪኡ ብውሑዱ ን45 ደቓይቕ ኣብ ዙርያ ጃድ ብዘይ ገለ ዕላማ ደው ኢሎም፡ ንሱ ድማ ካብ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ብጥይት ዝተሃረመሉ ክፍሊ ኣካላቱ ይደሚ ነይሩ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ
ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ጥምረት ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጽኑዕ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኢትዮጵያ ንኤርትራ፤ ንዓለወኛታት (ተቓወምቲ) ፋኖ ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ትድግፍን ኣብ ርእሲኡ ድማ ዶብ እታ ሃገር ጥሒሳ ኣትያ ኣላ ብምባልን ትኸስስ ኣላ።
'ሞት ምሓሸኒ፡ ጕዕዞ ሲኦል'ዩ ነይሩ' - ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ
ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ብሊብያ ዝሓልፉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ጾታዊ ንግድን ምስርጣይ ይዀኑ ከም ዘለው ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።