እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራናውያን ብዛዕባ'ቲ ኲናት እንታይ'ዩ ዝንገሮም ዘሎ?
እቶም ቀዳሞት ኣብ ናይ ወጻኢ ስክሪናት ዝቐረቡ ጸብጻባት፡ መብዛሕትኦም ኢራናውያን ኣይርኣዩዎምን።
ብ28 ለካቲት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ "እቲ መላኺ ድሕሪ ሕጂ ከም ዘየለ ዘርኢ ምልክታት፡" ኣሎ ብምባል፡ ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካሜነይ ኣብ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከም ዝተቐትለ ሓቢሩ።
መንግስታዊ ተለቪዥን ዝከታተሉ ዝነበሩ ኢራናውያን ግን ዝዀነ ሓበሬታ ኣይበጽሖምን። ሰበስልጣን መንግስቲ ንሞት ካሜነይ ኣየረጋግጹን፤ ወይ ኣይነጸጕዎን።
ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይቲ መንግስቲ ቻነላት IRTV3፡ ሓደ ኣቕራቢ ዜና፡ ተዓዘብቲ ንዕኡን መንግስቲ ዘቃለሖ "እዋናዊ ሓበሬታን" ክኣምኑ ተማሕጺኑ።
ንሱ፡ ዜና ሞት ካሜነይ "መሰረት ዘይብሉ ወረ" ክብል ነጺግዎ፤ እዚ ድማ "ኣብ ቀረባ እዋን ክግለጽ'ዩ፡" በለ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሞት ኻሜነይ ድሕሪ ምግላጹ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ክሳብ እቲ ዝቕጽል መዓልቲ ነዚ ወግዓዊ ኣይገበርኦን።
እቲ ኣብ ኢራን ልዕሊ 1200 ሰባት ቀቲሉ ናብ ሃገራት ሊባኖስን ወሽመጥ ዓረብን ዝተዘርግሐ ኲናት፡ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ንሓቂ ምስ ልቢ ወለድ ብምውህሃድ፡ ወግዓዊ ቅዲ ፍጻመታት ንውሽጣዊ ተዓዘብቲ ኣቕሪበን።
ሚልዮናት ኢራናውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝመደበሮም ብቋንቋ ፋርስ ዝሰርሑ ሳተላይት ቲቪ ቻነላት እኳ እንተተኸታተሉ፡ ናጻ ሓበሬታ ምርካብ ግን ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ምጥፋእ ኢንተርነት፡ ሳንሱርን ዝተገደበ ቻነላትን፡ ኢራናውያን ኣብ እዋን ናዕብን ግጭትን ብዓቢኡ ካብቲ ዝተረፈ ዓለም ክፍለዩ ይገብሮም።
ቢቢሲ ንመጀመርታ ሰሙን ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ብዛዕባ እቲ ኲናት ዝነበረ ሽፋን ኣድሂቡ ብዝገበሮ ምጽራይ፡ እቶም ጸብጻባት ኣብ ሲቪላዊ ስቓይ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ "ጸላእታ ሕነ ትፈዲ" ከም ዘላ፡ ንእስላማዊት ሪፓብሊክ ህዝባዊ ተኣማንነት ዝደፍኡ ምንባሮም ክግንዘብ ክኢሉ።
ኣብ ርእሲኡ ድማ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝተሃርሙ ወተሃደራውን መንግስታውን መሳለጥያታት ብዙሕ ኣቓልቦ ከም ዘይተዋህቦም ተዓዚቡ። ኣብነታት ዝተሰነዐ ሓበሬታ እውን ረኺቡ።
ስርዓት ሚዲያ ኢራን
ብመሰረት ጸብጻብ ተሓላቚ ሚድያ፡ ማሕበር ዶብ-ኣልቦ ጋዜተኛታት፡ ኢራን ሓንቲ ካብተን ንናጽነት ፕረስ ዝዕፍና ሃገራት ዓለም እያ።
እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ካብ እትመስረተሉ ሰውራ 1979 ጀሚሩ፡ ኩለን መራኸቢ ብዙሓን ብጽኑዕ ገደብ ይንቀሳቐሳ ነይረን። ቢቢሲ ፋርስ ሓዊሱ መብዛሕትአን ኣብ ምዕራብ ዝመደበረን ብቋንቋ ፋርስ ዝፍኑዋ ማዕከናት ዜና፡ ካብታ ሃገር ጸብጻባት ከየቕርባ ተኸልኪለን ኣለዋ።
ቀንዲ መድረኻት ናይቲ ስርዓት ቴሌቪዥንን ሬድዮን'ኳ እንተዀኑ፡ ብመንገዲ ኢንስታግራም፡ ቴሌግራምን ኤክስን ዝኣመሰሉ ናይ ኢንተርነት መርበባት'ዉን ይጥቀም።
ካብ ውሽጢ ኢራን ነዞም ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምጥቃም ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ (VPN) የድሊ።
ብፍላይ ኢንተርነት ኣብ ዝቋረጸሉ እዋን፡ ኣብ ሃገር ውሽጢ ስሩዕ ሚድያ ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ ኰይኑ ኣሎ።
"ምሉእ ብምሉእ ተዓወትቲ ምዃኖምን ወተሃደራዊ ሓይሎም ኣዝዩ ሓያል ምዃኑን፡" ከም ዘቕርቡ ብምሕባር፡ "ዝፈጥሩዎ ተረኻት ኣለዎም፡" ትብል ክኢላ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዊትነስ ዝዀነት ማህሳ ዓሊማርዳኒ።
ሓይልታት ኢራን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝቐተሉ ወይ ከም ዝቘሰሉ ብርክት ዝበላ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ጸብጺበን ኣለዋ፤ እዚ ድማ ቁጽሪ ናይ ጸላኢ ጉድኣት ከም ዘዕበዮ ተገሊጹ።
ብ3 መጋቢት፡ ምስ ኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን (IRGC) ዝተኣሳሰር ወግዓዊ ማዕከን ዜና ታስኒም ኒውስ፡ ንወሃቢ ቃል እቲ ሰውራ ብምጥቃስ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ናይቲ ኲናት 650 ወተሃደራት ካብ ኣመሪካ ከም ዝተቐትሉ ጸብጺቡ።
እዚ ከም ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ቱርኪን ናይጀርያን ዝኣመሰላ ዓለማዊ ማዕከናት ዜና ተቐቢለንኦ።
ኣብቲ እዋን ፔንታጎን ሞት ሽዱሽተ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ብ13 መጋቢት ማእከላይ እዝ ኣመሪካ ሞት ተወሳኺ 7 ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።
ምዝባዕ ክውንነት
ሓድሽ ቴክኖሎጂ፡ መንግስታዊ ሚድያታት ፕሮፖጋንዳ ከስርጻሉ'ዉን ይሕግዝ ኣሎ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ካብ ፌስቡክ ኣብ ዝተኣለየ ጽሑፍ፡ እቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዝሰርሕ ቻነል ዜና ፕረስ ቲቪ፡ ቪድዮ ናይ ሓደ ብሓዊ ዝነድድ ህንጻ ኣቕሪቡ፤ ካብዚ ልዑል ትኪ ክወጽእ ይርኣይ።
ምስዚ፡ "ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ባሕሬን ካብ ዝርከብ ልዑል ደርቢ ትኪ ይወጽእ ኣሎ፡" ዝብል መግለጺ ተነቢቡ።
ብቐረባ ምስ ተጻረየ ግን ኣብቲ ቪድዮ ዘይተለምደ ዝርዝራት ተራእዩ - ከም ክልተ መካይን ኣብ ሓደ ዝተሓዋወሳ ይመስላ - እዚ ድማ ቪድዮ ናይ ሓሶት ምዃኑ ዘርኢ ምልክት እዩ።
ብተወሳኺ፡ ብኤኣይ ዝተመስርሐ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
"ኣብ ፕሮፖጋንዳ ኲናት ብኤኣይ ዝስራሕ ትሕዝቶ ምጥቃም ብርግጽ ሓድሽ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ብዓበይቲ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና - ዋላ'ውን እተን ንሓቂ ደው ብምባል ዝና ዘይብለን- ብኤኣይ ዝተሰርሐ ናይ ሓሶት ምስሊ ምጥቃም ግን ኣዝዩ ዘደንቕ'ዩ፡" ይብል ላዕለዋይ ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ኢንስቲትዩት ስትራተጂካዊ ዝርርብ ብሬት ሻፈር።
"መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን ብተደጋጋሚ ዲፕፌክ ምጥቃሙ፡ መለለዪ ናይቲ ዝገብርዎ ዘለው ጸብጻባት ኲናት እዩ፡" ኢሉ።
ከምቲ መብዛሕትኡ፡ ብዛዕባ እቲ ኲናት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዘዕለቕለቐ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ ዝተዳለወ ትሕዝቶታት፡ እዚ ቪድዮ'ዉን መን ከም ዝሰርሖን ካበይ ከም ዝመአጽን ንጹር ኣይኰነን።
ይኹን እምበር፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ቢቢሲ ካልኦት ኣብነታት ምስልታት ኤኣይ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ክቐርቡ ርእዩ።
መብዛሕትኡ እዚ ምስሊ ልዕሊ ዓቐን ዘይክውንነታዊን ንምድንጋር ዘይኰነስ፡ ንወደሳ ዝዓለመ እዩ።
ዋይት ሃውስን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን እውን ብስሩዕ ብኤኣይ ዝተሰርሑ ምስልታት ወይ ንወደሳ ዝዓለሙ ቪድዮታት የካፍሉ'ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢንስታግራም ንነብሱን ትራምፕን ከምኡ'ዉን ኣብ እዋን ኲናት ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝነበረ ዊንስተን ቸርችል ብዓወት ዘርኢ ምስሊ ኣብ ኢንስታግራም ኣካፊሉ።
እቲ ጽሑፍ ብሓደ ማዕከን ዜና ብመንገዲ ናይቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት መድረኽ ናይ ምትሕብባር ባህሪ ዝተወሰኸ እዩ።
ሕመረት ሓቂ
ኢራን ጐኒ ጐኒ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምስ ቁሩብ ሕመረት ሓቂ ሓዊሳ ምቕራባ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ብዙሓት ነቐፍቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘለዎም ጥርጣረ ክዓቢ ገይሩ'ዩ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ብ3 መጋቢት ኣብ ልዕሊ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 160 ህጻናትን ሰራሕተኛታትን ከም ዝተቐትሉ ምስ ጸብጸባ፡ ብተወሳኺ ካብ ኣየር ዝወስደ ስእሊ ጃምላዊ ቀብሪ ኣካፊለን ነይረን።
እዚ፡ ተንተንቲ ኣብ ጥቓኡ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዒላማ ዝገበረ ስርሒት ኣመሪካ ክኸውን ከም ዝኽእል እዮም ዝገልጹ።
ተቓወምቲ መንግስቲ፡ እቲ ቀብሪ ብኤኣይ ዝተመስርሐ እዩ ይብሉ። እቲ ምስሊ ግን ናይ ብሓቂ እዩ ነይሩ።
ካብቲ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 3.7 ኪ.ሜ ርሒቑ ናብ ዝርከብ መካነ መቓብር ጂኦሎኬሽን ብምግባር፡ ኣግራብ፡ ኣቀማምጣ ጽርግያን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ህንጻን ምስቲ ብሳተላይት ዝተሳእለ ስእሉ ዝቃዶ ምዃኑ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ሓድሽ ዝተዃዕተ መቓብራት እውን ካብ ድሕሪ ቀብሪ ጀሚሩ ኣብ ምስሊ ሳተላይት ይረአ።
ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ፡ እቲ መሬት ዝዀነ ነገር ኣይነበሮን።
"ኣብ ተመሳለሊ እዋን ክልተ ሓቅታት ክንሕዝ ኣለና፡" ትብል ማህሳ ዓሊማርዳኒ።
ስርዓት ኢራን መብዛሕትኡ ግዜ ፈጻሚ ግህሰት ክኸውን ከሎ መርትዖታት ይሓብእ፤ ኣብ እዋን ኲናት ግን ኣብ ምስናድ ሲቪላዊ ክሳራታት ከይተረፈ ብዙሕ ወፍሪ ክገብር ይርኣይ።
እዚ ንፕሮፖጋንዳን ንተረኽ ኲናት ናይቲ መንግስትን ከገልግል ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ብቐጥታ ሓሶት ከም ዘይገብሮ ግን ትዛረብ።
ኣብ መንግስታዊ ጸብጻብ ኢራን፡ ሓደ ሰብ "ጥዑይ ጥርጣረ" ክህልዎ ከም ዘለዎ ኣሊማርዳኒ ይሕብር።