ሩስያ፡ ኣብ ኣንጎላ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ኣበጊሱ ዝበለቶ ስርሒት

ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ ኣንጎላ ክልተ ሩስያውያን፡ ኣንጻር መንግስቲ ምንቅስቐሳስ ብምካይድ ተኸሲሶም ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ንሶም ድማ ኣማኻሪ ፖለቲካ ኢጎር ራቺንን ተርጓሚ ሌቭ ላክሽታኖቭን እዮም።

ዝቐረበሎም ክሲ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ምልዕዓል፡ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምክያድ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጽልዋ ንምፍጣር ፈተነ ብምክያድ ዝብል ይርከብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እዞም ክልተ ሩስያውያን፡ ግብረሽበራ፡ ስለያን ጽልዋ ምፍጣርን ዝብል ዘርከቦ 11 ክስታት እዩ ቀሪቡሎም።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ቅዳሕ ናይቲ ክሲ፡ እቲ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣካይዳ ፖለቲካ ኣንጎላ ንምቕያር ዝዓለመ ዝተበሃለ ስርሒት የጠቓልል።

ጠበቓታት እቶም ሩስያውያን ነቲ ክሲ "ጭቡጥን ዕላማውን ሓቅታት" የብሉን ክብሉ ይነጽግዎ።

ብመሰረት እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ሩስያውያን ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጽላሎታዊ መርበብ ኦፕሬተራትን መኮንናት ስለያን ኣፍሪቃ ወኪሎም እዮም ዝዋስኡ።

እዚ ድማ ካብቲ ሕጂ ዝሃስስ ዘሎ ዋግነር ግሩፕ ዝወጸ እዩ። መስራቲ እዚ ጉጅለ ዝዀነ የቭገኒ ፕሪጎዚን ኣብ 2023 ብሓደጋ ነፋሪት ከምዝሞተ ይፍለጥ።

ምስ ቫግነር ዝተኣሳሰሩ ፖለቲካዊ ስርሓት ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ማሊን ማዳጋስካርን፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ንጡፋት ኰይኖም ጸኒሖም እዮም።

ጉጅለ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ፖሊቶሎጂ ወይ ጉጅለ ቫግነር ምትእስሳር ከምዘይብሉ ይገልጽ። ንመንግስቲ ሩስያ ወኪሎም ከምዘይሰርሑን ኣብ ክንድኡ ኣብ ሉዋንዳ 'ባህላዊ ማእከል ሩስያ' ንምኽፈታ ይሰርሑ ከምዝነበሩን ይጠቅስ።

ኣንጎላ ኣብ ኣፍሪቃ ላዕለወይቲ ኣፍራዪት ነዳዲን ሰደድ ኣልማዝን እያ።

ሩስያ፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋኣን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣን ቀጻሊ ተገዳስነት ኣለዋ። ርክብ እተን ሃገራት ካብ ዝሑል ኲናት ዝጅምር ክኸውን ከሎ፡ ኣንጎላ ግን በብቑሩብ ካብ ዓውዲ ጽልዋ ሩስያ እናወጽአት ጸኒሓ'ያ።

ሩስያዊ ኩባንያ ዕደና ኣልማዝ ኣልሮሳን ባንክ ቪቲቢ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ዝተገብረ ዓለምለኻዊ እገዳ ካብ ኣንጎላ ክወጽእ ተገዲዱ እዩ።

ፕረዚደንት ኣንጎላ ጆኣው ሎረንሶ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ገጽ ከዘንምብል እንከሎ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን ኣይተራኸበን።

እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ናብ ኣንጎላ ብምግዓዝ ሓድሽ ባይታ ይረኽቡ ከምዘለዉ ይግለጽ።

"እዚ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሎረንሶ ብዛዕባ ኣንፈት ጉዕዞ ኣንጎላ ዘለዋ ተገዳስነት ዘመልክት'ዩ" ይብል ኣሌክስ ቫይንስ፡ ዳይረክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ኣብ ትካል ኤውሮጳዊ ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ።

"ኣብ ልዕሊ ፈደረሽን ሩስያ ዝያዳ ድንጋጸ ንምህናጽ ዝፍትንን ናይ ሩስያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ባእታ ከምዘሎ ንጹር'ዩ።"

ጎኒ ጎኒ እቶም ሩስያውያን ክልተ ኣንጎላውያን እውን ኣብቲ ምስ ሩስያ ዝተኣሳሰር ናይ ጽልዋ ስርሒት ተሳቲፎም ብዝብል ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ሩስያውያን ኣብታ ሃገር ንጥፈታቶም ከካይዱ ንጋዜጠኛ ስፖርት ኣሞር ካርሎስ ቶሜን ፖለቲካዊ ተቓላሳይ ፍራንሲስኮ ኦሊቨራን ከምዝቖጸሩ ይኸስስ።

ንሳቶም ብቕደም ተኸተል ትሽዓተን ሓሙሽተን ክስታት ቀሪቡሎም ኣሎ። ካብዚኦም ግብረሽበራ፡ ስለያ፡ ከምኡ'ውን ሸቐጥ ጽልዋ ዝብሉ ይርከብዎም።

እቲ ንኣንጎላውያን ተኸሰስቲ ዝውክል ሕጋዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊኦም እኹል መርትዖ ከምዘየለን፡ "እቲ ክሲ ኣብ ተራ ግምት ዝተመርኮሰ" ከምዝዀነን ይሙግት።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቀዳሞት ኣባላት እታ ሩስያዊት ጉጅለ፡ ኣብ 2024 ናብ ርእሰ ከተማ ኣንጎላ ሉዋንዳ፡ ባህላዊ ማእከል ሩስያ ንምኽፋት ብዝብል ምኽንያት ከምዝኣተወት ይገልጹ።

ካብቶም ፈለማ ዝመጹ፡ ማክሲም ሹጋለይ ዝተባህለ ምስቲ ብክፍሊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ምክትታል ወፍሪታት ናይ ሓሶት ሓበሬታ እገዳ ቫግነር ዝተኣሳሰር ፍሉጥ ፖለቲካዊ ኣባል እዩ።

ንሱ፡ ምስ ናይ ነዊሕ እዋን ተርጓሚኡ ሳመር ሱኣይፋን ናብ ኣንጎላ ተጓዒዙ። ቢቢሲ ምስ ክልቲኦም ርክብ ገይሩ።

ስዋይፋን ምስቶም ተኸሰስቲ ከም ዝፋለጥ እኳ እንተኣመነ፡ ሹጋለይ ግን ከምዘይፈልጦ'ዩ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ኣብ ውሽጢ 2024-2025 ተኸሰስቲ "ፖለቲካዊ ለውጢ ንምልዕዓል" ብዝብል ዕላማ ኣብ ውሽጢ ኣንጎላ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ፕሮፖጋንዳን ግጉይ ሓበሬታን ንምዝርጋሕ ንጋዜጠኛታትን ክኢላታትን እታ ሃገር ብዙሕ ክፍሊት ፈጺሞም እዮም። እቲ ክፍሊት ብድምር ልዕሊ 24 ሽሕ ዶላር ይበጽሕ።

ሰበስልጣን ኣንጎላ፡ ነዚ ስራሕ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ዘሎ እምነት ንምድኻምን ንፖሊሲ ወጻኢ ፕረዚደንት ሎረንሶ ንምጽላምን ዝዓለመ ሰፊሕ ናይ ጽልዋ ስርሒት ገይሮም ይርእይዎ።

ሓደ ቅድሚ ሕጂ ምስ ፕሪጎዚን ኣብ ፕሮጀክትታት ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ዝነበረ ውሽጣዊ ሰብ፡ ነዚ ጻዕርታት ኣማተርነት ክብል እዩ ዝነቕፎ።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ ብዛዕባ እቶም ክልተ ሩስያውያን ዘካየድዎ ወፍሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ገለ ጽሑፋት ከም መርትዖ ይጠቅስ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 ኣብ ሓደ ናይ ፌስቡክ ገጽ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ነቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ናይ ውሽጢ ዓዲ መርበብ ሓበሬታ ኣንጎላ 24 ሆራስ ብምምሳል፡ ኣንጎላ ናብ ኲናት ዩክረይን ክትስሓብ ከምእትኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ታሕሳስ 2024 ኣብ ተመሳሳሊ ገጽ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ነቲ ካብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ናብ ወደባት ኣንጎላ ማዕድናት ዘሰጋግር ፕሮጀክት ባቡር ምዕራባውያን ዝድገፍ ፕሮጀክት ባቡር ሎቢቶ ኮሪደር ነቒፉ።

ቢቢሲ ካብ ኣንጎላ 24 ሆራስ ርእይቶ ክረክብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣንጎላ ነቲ ጉጅለ ከም ንእሽቶ ግን ከኣ ውጽኢታዊ መርበብ ገይሮም እዮም ዝገልጽዎ። ራቺን ድማ ኣብ ማእከል እቲ ጉጅለ ከምዝነበረ ይንገር።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሩስያ ኣብ ሓያሎ ዞባዊ ጎስጓሳት መረጻ ሰሪሑ ከምዝነበረን፡ ከምቲ ኣብ ቢቢሲ ዝረኣዮ ቪድዮ ባዕሉ ዝገለጾ ድማ፡ ንሕጹያቱ ብዓወት ክዛዝሙ ከምዝሓገዘ ይፍለጥ።

ላክሽታኖቭ ካብ ዘመነ ሶቭየት ጀሚሩ ኣብ ኣንጎላ ከም ተርጓሚ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረን ኣብቲ ስርሒት ደጋፊ ተራ ከምዝተጻወተን ኣኽበርቲ ሕጊ ይኣምኑ።

ፍራንሲስኮ "ቡካ ታንዳ" ኦሊቨራ ዝተባህለ መራሒ መንእሰያት ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጎላ ዩኒታ፡ ቀንዲ ናይቲ ከባቢ ምትእስሳር ነይሩ። ንሱ፡ ኣብ መንጎ 2015ን 2019ን ኣብ ሩስያ ምህንድስና ኬሚካል ድሕሪ ምጽናዑ ቋንቋ ሩስያ ክዛረብ ዝኽኣለ እዩ።

ዓቃቢ ሕጊ፡ ኦሊቨራ ንፖለቲከኛታት ኣንጎላ ምስቶም ተኸሰስቲ ከላልዮም መደብ ከምዝተዋህቦ ይገልጽ።

"ንሱ ነዚ ትካል [ፖለቲሎጂ]ን ምስዚ ትካል ዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ንጥፈታትን ኣይፈልጦን እዩ። ዝፈልጦ ነገር እንተሃልዩ፡ ባህላዊ ማእከል ሩስያ ክምስርቱ ከምዝደለዩ ጥራይ'ዩ" ይብል ጠበቓ መከላኸሊ ፔድሮ ካንጎምቤ።

ቶሜ ዝተበሃለ ኣብ ኣንጎላ መንግስታዊ ቲቪ ቻነል ቲፒኤ ጋዜጠኛ ስፖርት፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መልክዕ እታ ሃገርን ሕጹያት ፕረዚደንት ክኾኑ ዝኽእሉን ሓበሬታ ብምእካብ፡ ከምኡ'ውን ምስቲ ጽልዋ ተፈጢሩ ዝበሃል ስርሒት ዝተኣሳሰር ትሕዝቶ ንምፍራይን ንምሕታምን ብምሕጋዙ ይኽሰስ።

እቲ ክሲ፡ ኣብ 2024ን 2025ን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኣንጎላ እናተቐያየሩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ነይሮም ዝበሎም ተወሰኽቲ ሽዱሽተ ሩስያውያን እውን ይጠቅስ።

ሰበስልጣን ኣንጎላ፡ ብተወሳኺ ላክሽታኖቭን ራቺንን ካብ ገዛኢ ሰልፊ ኤምፒኤልኤን ዩኒታን ምስ ዝመጹ ሓያሎ ላዕለዎት ፖለቲካውያን ሰባት ከምዝተራኸቡን ንንጥፈታት ጎስጓስ ደገፍን ምወላን ከምዝሃቡን ይገልጹ።

ብዓቢኡ ድማ ኣኽበርቲ ሕጊ ምስ ጀነራል ሂጂኖ ካርኔሮን መራሒ ዩኒታን ኣዳልበርቶ ኮስታ ጁንየርን ኣኼባ ከምዘካየዱ ይኸስስ። ክልቲኦም ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንዝካየድ ምርጫ ፕረዚደንት ክኾኑ ዝኽእሉ ሕጹያት ከምዝዀኑ ይግመት።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቶም ሩስያውያን ንካርኔሮ ክሳብ 15 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ደገፍ ጎስጓስ ከምዝሃብዎን፡ ጎኒ ጎኒ ናይ ጸጥታ ሓገዝ፡ ስትራተጅያዊ ምኽርን ስለያ ምእካብን ከምዝገበሩሉን ይገልጹ።

ቢቢሲ ኣብቲ ዝረኣዮ ክሲ ብዛዕባ እዚ ዝቐረበ መርትዖ ኣይነበረን።

መራሒ እቲ ሰልፊ ምስ ስርሒት ጽልዋ ወጻኢ ዘተኣሳስር ክስታት ሓሶት ምዃኑን፡ ፍርዳዊ መስርሕ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ይውዕል ከምዘሎን ወኪል ዩኒታ ጆናስ ሙላቶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ይገልጽ።

ቢቢሲ ካብ ካርኔሮ ርእይቶ ክረክብ ሓቲቱ ነይሩ፤ እንተዀነ ዛጊት መልሲ ኣይረኸበን።

ደማዊ ተቓውሞታት ኣንጎላ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣንጎላ፡ ኣብ 2002 ኣብ መንጎ ዩኒታን ኤም.ፒ.ኤል.ኤን (MPLA) ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ደማዊ ተቓውሞታት ርእያ እያ።

እቲ ከም ሰላማዊ ተቓውሞ መራሕቲ ታክሲ ዝጀመረ ሰልፊ፡ ቀልጢፉ ናብ ሃገራዊ ናዕቢ ተቐይሩ።

ሰልፈኛታት፡ ደለይቲ ፍትሒ "ልዕሊ ዓቐን" ክብሉ ዝገልጽዎ ሓይሊ ፖሊስ ተራኺቦም።

ብመሰረት ወግዓዊ ኣሃዛት ብውሕዱ 29 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1200 ድማ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

ኣኽባሪ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ ነቲ ተቓውሞታት ከም ዝወደብዎ ይኸስስ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ሞባይሎም ዝተረኽቡ ብራቺን ዝተሳእሉ ስእልታትን መዘኻኸሪታት ከም መርትዖ ይጠቕሱ።

ቢቢሲ ኣብ ዝረኣዮም ሕጋዊ ወረቓቕቲ፡ ጠበቓታት ራቺን፡ ነቲ ምስልታት ንውሕስነት ኢሉ ዝሰኣሎምን መጥቃዕቲ እንተዝበጽሖ ከም መርትዖ ክሕዞም ስለዝደለየን ከምዝዀነ ይምጉቱ። ቢቢሲ ነተን ኣሳእል ይኹን ነቶም መዘኻኸሪታት ኣይረኣየን።

ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ደለይቲ ፍትሕን ኣንጎላ፡ እቲ ተቓውሞታት ተፈጥሮኣዊ ኣይነበረን ክብሉ ይነቕፉ። ሰበስልጣን ኣንጎላ ድማ ንሩስያውያን ከም መበጀውታት ይጥቀሙሎም ከምዝህልዉ ይሙግቱ።

ባንኪ ዓለም ዳርጋ 40 ሚእታዊት ኣንጎላውያን ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ መዓልቲ 3 ዶላር ዝግመት ዓለምለኻዊ ድኽነት ክነብሩ ከምዝኽእሉ ይግምት።

"ሰባት ብሰንኪ ኩነታት መነባብሮኦም እዮም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ነይሮም እምበር፡ ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ሰብ ስለዝመርሖም ኣይኰነን" ትብል ተመራማሪት ኣንጎላ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝዀነት ሺላ ንሃንካለ።

እቲ ክሲ ንባዕሉ ገለ ነቐፌታታት ኣለዎ።

ንኣብነት ኣኽበርቲ ሕጊ ስርሒት ሩስያ ብ9 ጥቅምቲ 2024 ምስ ምምጻእ ማክሲም ሹጋሌይን ካልኦትን ከምዝጀመረ ይጠቕሱ፤ ሹጋለይ ግን ብ19 መስከረም 2024 ኣብ ጫድ ተታሒዙ ብ16 ሕዳር 2024 ናብ ሞስኮ ከምዝተመልሰ ይገልጽ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚን ካልእ ዘይምስምማዕን፡ ካብ ዓቃቢ ሕጊ ኣንጎላ መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ'ኳ እንተነበረ መልሲ ግን ኣይረኸበን።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ማእከል መጽናዕቲ ኣፍሪቃ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ተሓባባሪ መጽናዕትን ክኢላ ሕጊን ዝዀነ ሩይ ቨርደ፡ እቲ ቀንዲ ብድሆ ንኣኽባሪ ሕጊ፡ እቶም ኣብቲ ክሲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ተግባራት፡ ኰነ ተባሂሎም ዝተፈጸሙን ኰነ ተባሂሎም ዝተወደቡ ፍኖተ-ካርታ ምዃኖምን ምርኣይ ከምዝዀነ ይዛረብ።

ሓያሎ ምንጭታት፡ እቶም ሩስያውያን እንተተፈሪዶም ናብ ዓዶም ክጥረዙ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ።

ሰበስልጣን ሩስያ ግን ሓገዝ ንምቕራብ ዝህንጠዩ ኣይመስሉን።

ምስ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ሩስያ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ስነ-መጎት ቀሊል'ዩ፡ እዞም ሰባት ወግዓዊ ዕማማት መንግስቲ ኣይፍጽሙን ነይሮም፡ ተወዓዓልቲ ጥራይ'ዮም ነይሮም። መርገጺ ሩስያ ኣብታ ሃገር ድሮ ድኹም'ዩ፡ ስለዚ ነገራት ምግዳድ ትርጉም የብሉን" ይብል።

"እዞም ተረፍ መረፍ ስርሒት ፕሪጎዚን ባዕሎም ይፍትሕዎ" ይብል እቲ ምንጪ።