እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ትራምፕ፡ መጥቃዕቲ መደበር ጸዓት ኢራን ብ10 መዓልቲ ኣናዊሑ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ብሰኑይ ኣዊጁዎ ዝነበረ ናይ 5 መዓልቲ መጠንቀቕታ እናተወድአ ኣብ ዝኸደሉ፡ መሊሱ ንተወሳኺ 10 መዓልታት ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ። ንሱ፡ “ብምሕጽንታ መንግስቲ ኢራን”፡ ከምኡ ኸኣ “እቲ ዝግበር ዘሎ ዘተ ኣመና ጽቡቕ ይኸይድ ስለዘሎ፡” ምዃኑ ነቲ ምኽንያት የቐምጥ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘስዓቦ ሲቪላዊ ክሳራ

    ኣብቲ ብ28 ለካቲት ዝጀመረ ግጭት ኢራን፡ ብውሕዱ 217 ህጻናት ዝርከብዎም 1,464 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ትካል ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (HRANA) ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 12 ሽሕ ቦምባታት ኣብ ቴህራን ጥራይ ድማ 3600 ቦምባታት ከምዝደርበየ ክገልጽ እንከሎ፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ድማ ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 9 ሽሕ ዕላማታት ከም ዝወደቐ ይገልጽ።

    ካብቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መብዛሕትኦም ንመደበራት ፖሊስ፡ ህንጻታት ምልሻ ባሲጅ፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ዩኒቨርሲቲታት ወተሃደራውን ፖሊስን፡ ውሑስ ገዛውቲ፡ ኣባይቲ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ዝተጠርጠሩ መኽዘናት ተተኮስትን ነቝጣታትን ዒላማ ዝገበሩ እዮም።

    እዞም ዒላማታት ግን ኣብ ውሽጢ ጽዑቕ ሲቪላዊ ከባቢታት እዮም ዝርከቡ።

    እቶም መጥቃዕትታት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምዕላቦም፡ ዋላ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ንስርዓት ኢራን ዝነቕፉ ዝነበሩ ሰባት ከይተረፈ ቂምታ ከዕምቖ ሓደጋ ከምዘለዎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

    ቢቢሲ ኣብዚ ጸብጻብ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ካብ ሰራዊት እስራኤል ርእይቶ ሓቲቱ። እቲ ሰራዊት እቶም መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ተወሳኺ ርእይቶ ግን ኣይሃበን።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድማ መልሲ ኣይሃበን።

    ኢራን እውን ብፍላይ ድማ ኣብተን መሻርኽቲ ኣመሪካ እትብለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን መንበሪ ህንጻታትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ፈጺማ እያ።

    ነበርቲ ቴህራን፡ ሰበስልጣን ነቲ ኲናት ዝሃብዎ ምላሽ ብምንቃፍ፡ ህዝባዊ መዕቆቢ፡ ካብ ሓደጋ ምውጻእ ወይ ንዝተመዛበሉ ግዝያዊ መንበሪ ሓዊሱ መሰረታዊ ስጕምትታት ድሕነት ኣብ ምሃብ ብዙሕ ከምዘይሰርሑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ኢንተርነት ኣብ ዝተቛረጸሉን ንጹር ርክብ ኣብ ዘይብሉን እዋን፡ ብዙሓት ተቓላዕነት ከም ዝተሰምዖምን ዝቕጽል መጥቃዕቲ መዓስን ኣበይን ክዓልብ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ከም ዘይኰኑን ይገልጹ።

  2. እዋናዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ, 10 ኣመሪካውያን ቆሲሎም

    ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየዱ መጥቃዕትታት ሕጂ’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

    ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣመሪካ "ኣብዚ ሰሙን'ዚ" ምስ ኢራን ክትዘራረብ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ።

    ወሲኹ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተገልጸ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ መልሲ "ትጽበ" ከምዘላ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰዓታት ኣብ ቴህራን ከቢድ መጥቃዕቲ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ኢራን፡ ኣብዚ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መመንጨዊ ኑክሌሳዊ ሓይሊ ቡሸር መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጻ። ብተወሳኺ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ኢራን ኣብ ዝርከብ ትካል ማይ ኣራክ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ሓቢራ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንሲቪላዊ ቦታታት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ከም ዝጸብጸባ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ ሓቢሩ።

    ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓድሽ መጥቃዕትን ምክልኻልን ይካየድ ከምዘሎ ሓቢረን። ኢማራት ዓረብ ድማ ምክልኻል ኣየራ፡ ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ባልስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ምዕጋት ከም ዝተዋፈረ ገሊጻ።

    ኢራን፡ ኣብልዕሊ መደበር ኣየር ልኡል ሱልጣን ስዑዲ ዓረብ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝቘሰሉ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

    እቶም ኣመሪካውያን "ኣዝዩ ከቢድ" መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም።

  3. ኣመሪካ፡ ዓበይቲ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዋፊራ

    ዩኤስኤስ ጆርጅ ኤች ደብሊው ቡሽ ብዝብል እትጽዋዕ ልዕሊ 80 ነፈርቲ እትስከም መርከብ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ትዋፈር ከምዘላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

    እታ መርከብን ሰራሕተኛታትን ስልጠናኦም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድሕሪ ምዝዛም ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ገሊጾም።

    ዩኤስኤስ ዶናልድ ኩክን ዩኤስኤስ ሜሰንን ብዝብል ዝጽዋዓ ክልተ ኣዕነውቲ ሚሳይላት እውን ኣብዚ ሰሙን ካብ ኣመሪካ ተበጊሰን ኣብ መንገዲ ይርከባ።

    ካልእ ዩኤስኤስ ሮስ ዝተባህለት መርከብ’ውን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ኣመሪካ ዝተበገሰት ኰይና ናበይ ተቕንዕ ከምዘላ ግን ብንጹር ኣይተገልጸን።

  4. ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ መራኽብ ክምለሳ ገይራ

    እስላማዊሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ ናይ ጽዕነት መራኽብ ክምለሳ ከዘገደደ ገሊጹ።

    እስላማዊሓለዋ ሰውራ ኢራን ሎሚ ንግሆ ዝወጽኦ መግለጺ፡ "ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮንተይነራት ዝጸዓና ሰለስተ መራኽብ፡ በቲ ዝተፈቐደለን መራኽብ ዝሓልፋሉ ፍሉይ መስመር ክሓልፋ ፈቲነን። ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ብዝተወሃበን መጠንቀቕታ ግን ንድሕሪት ተመሊሰን" ይብል።

    ብተወሳኺ “መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ብምዃኑ፡ ዝዀነት መርከብ ክትሓልፍ እንተፈቲና ሓያል ግበረ መልሲ ክጽበያ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ “ቻይና፡ ሩስያ፡ ፓኪስታን፡ ዒራቕን ህንድን” ዝመጻ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ሕቶ ከምዘቕረባ ሓቢሩ።

    ወሲኹ ድማ ብዓይኒ ኢራን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ “ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኣይኰነን፡ ንጸላእትና ግን ዕጽው’ዩ” ኢሉ።

  5. ኢራን፡ ኣብ ከተማ ቆም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ኢራን ከተማ ቆም ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ብእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝድገፍ ማዕከን ዜና ፋርስን ታስኒምን እቲ መጥቃዕቲ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ፓርዲሳን ከምዘጋጠመ ጸብጺበን።

    ኣብ መጀመርታ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሽዱሽተ ከምዝዀነ ተገሊጹ ነይሩ።

    ድሒሩ ግን እቲ ኣሃዝ ዝተመሓየሸ ኰይኑ፡ ካልኦት 10 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ሓቢሩ ኣሎ።

  6. ዘንቈንቍል ዘሎ ተቐባልነት ትራምፕ

    ትራምፕ ኣብ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ኣብ ህዝቢ ኣመሪካ ዝነበሮ ተፈታውነት ብቐጻሊ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ።

    ድሕሪ ስለስተ ሰሙን ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ጋዝ ንሓደ ጋሎን ብማእከላይ ገምጋም ናብ ኣስታት 4 ዶላር ወሲኹ። ደረጃ ቁጠባዊ ምጽዳቕ ትራምፕ ድማ ናብ 29% ኣንቈልቊሉ።

    ክሳብ’ቲ ኲናት ዝጀመረሉ 28 ለካቲት፡ 42% ኣመሪካውያን ጥራይ እዮም ኣብ ልዕሊ ትራምፕ እወታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም። ኣብዚ ሰሙን እዚ ግን እዚ መለክዒ ናብ 40% ወሪዱ። እቲ ኣብ ዝተወሰነ መቓን ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝተራእየ ቅልጡፍ ምንቁልቋል ተቐባልነት፡ መብዛሕትኡ ኣመሪካዊ ንወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ናብ ኢራን ካብ ፈለማኡ ስለ ዝተቓወሞ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።ፖለቲካዊ ማእከል ደገፍ ትራምፕ ይቕጽል ከምዝህሉ ብማእከል መጽናዕቲ ፒው ዝተቐመጠ ኣሃዛት የመልክት።

    ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኲኒፒያክ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከኣ 86% ሪፓብሊካን ነቲ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዝድግፉን 80% ድማ ትራምፕ ብኸመይ ይሕዞ ከምዘሎ ከምዘጽድቑን ኣረጋጊጹ። ካብ መላእ መራጺ ህዝቢ ኣመሪካ እንክርአ ግን እዚ ደረጃታት ናብ 39%ን 34%ን ኣንቈልቍሉ።

  7. ምንዋሕ መጥቃዕቲ ‘ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ኣይኰነን’

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝነበረ ሮበርት ማሊ ንውሳነ ምንዋሕ ግዜ መጥቃዕቲ ትራምፕ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ውሳነ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ከምዘየመልክት ገሊጹ።

    ማሊ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንመመንጨዊ ጸዓት ኢራን ንምውቃዕ ዝሃቦ ናይ 10 መዓልታት ገደብ ግዜ፡ እቲ ግዜ ቅድሚ ምውዳኡ “ምድራዊ ወራር ኣይእዝዝን ማለት ኣይኮነን” ይብል።

    እቲ በዓል ስልጣን ነበር ወሲኹ፡ ትራምፕ እቲ ምንዋሕ ግዜ ኣብ ዝርርብ ብዝረኸቦ ምዕባለ ምኽኑይ እዩ ምባል “ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ኣይኮነን” ብምባል ንዘይተጨባጥነትን ዘይተገማትነትን እቲ ምምሕዳር ኣሚቱ።

    ፔንታጎን ኣብዚ ሰሙን ተወሳኺ ኣጋር ሰራዊት ናብቲ ዞባ ኣዋፊሩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ኣመሪካ ንኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ከም ዘቕረበት ገሊጻ።

    እቲ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ውጽኢት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ "ዓቢ ስምምዕ" ዘይኮነስ፡ ትራምፕ “ከም ዝተዓወተን ዕላማኡ ከምዝረኸበ ምስ ዝውስን... ብፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ድማ ክሳቐ እዩ፡” ይብል።

  8. ትራምፕ፡ መጥቃዕቲ መመንጨዊ ጸዓት ኢራን ብ10 መዓልታት ኣናዊሑ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ብሰኑይ ኣዊጅዎ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ጸዓት ኢራን ከምዘናውሐን ኣፍሊጡ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ "ቀጻሊ" ከምዘሎ ጠቒሱ።

    እቲ ዝለጠፎ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፤

    “ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ኢራን፡ እዚ መግለጺ እዚ ግዜ መጥቃዕቲ መመንጨዊ ጸዓት ብ10 መዓልታት - ማለት ክሳብ ሰኑይ 6 ሚያዝያ 2026፡ (ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ) 8 ድሕሪ ቀትሪ ደው ኣቢለዮ ከምዘለኹ ንምሕባር ከገልግል ይፍቀደለይ። ዘተ - ዋላ’ኳ ብኣንጻሩ ብናይ ሓሶት ማዕከናት ዜናን ካልኦት ጌጋ መግለጺታት እንተተዋህበ - ጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ፤ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ስለ ዝሃብኩምና የቐንየልና!”

    ፕረዚደንት ዶናልድ ጀይ ትራምፕ!

  9. ኣመሪካ 10 ሽሕ ኣጋር ሰራዊት ክትልእኽ ትሓስብ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 10 ሽሕ ተወሳኺ ኣጋር ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምልኣኽ ይሓስብ ከምዘሎ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

    እቲ ክግበር ዝኽእል ወፍሪ ወተሃደራት፡ ንትራምፕ “ምስ ቴህራን ዝግበር ዝርርብ ሰላም እናመዘነ ዝያዳ ወተሃደራዊ ኣማራጺታት” ንምሃብ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣተሓሒዙ የረድእ።

    እቲ ሓይሊ፡ ኣጋር ሰራዊትን ድሩዓት መካይንን ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ድሮ ናብቲ ዞባ ተዋፊሮም ዘለዉ 5000 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ምዃኑን እቲ ዎል ስትሪት ይሕብር።

    እቲ ሰራዊት ብልክዕ ኣበይ ከም ዝዋፈር ግን ንጹር ኣይኮነን።

    ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ምስ ዋይት ሃውስን ፔንታጎንን ተወኪሱ’ሎ፤ ዛጊት ግን ምላሽ ኣይረኸበን።

  10. ትራምፕ፡ 'ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም፡ ግን ድማ ሓያላት ተዛተይቲ' ኢሉ ።

    ሕጂ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት የካይድ ኣሎ።

    ንሱ፡ 28 ለካቲት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ‘ውሑዳት ጥራይ ብዝረእዩዎ ደረጃ’ ክትሃርሞ ጸኒሓ'ያ ይብል።

    ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢራን "ምሉእ ብምሉእ" ከም ዝደምሰሰትን፡ "ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ኣገmaገm" ናይ መወንጨፊ ሚሳይላት ኢራን፡ ምናልባት’ውን፡ ልዕሊ 90% ካብቶም ሚሳይላት ከም ዘዕነወት ትራምፕ ተዛሪቡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ “ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም ግን ከኣ ሓያላት ተደራደርቲ” ኢሉዎም።

    ትራምፕ፡ ሕጂ እታ ኩuዕሶ ኣብ ሜዳ ኢራን ከምዘላ ብምምጓት፡ እቲ ስርዓት ነቲ ዝቐረበ ውጥን-ሰላም እንተዘይተቐቢሉ፡ ገና ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከም ዝፅበዮ ኣጠንቂቑ።

    “እንተዘይገይሮምዎ፡ ንሕና’ኮ ንዐኦም ኣዚና ኢና ነፍርሖም” ኢሉ ትራምፕ።

    “በቃ ብዘይ ምቍራፅ፡ ብቐፃሊ ክንብቍፆም ኢና"።

    ኣመሪካ ንኢራን ናብ መኣዲ ዘተ ብኸመይ ከተእትዋ መደብ ከምዘለዋ ግን ኣይተገልፀን።

  11. ኢራን፡ ንውጥን ሰላም ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ቅድመ-ዅነት ኣቕሚጣ, ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምቁጽጻር 'ሕጋዊ መሰል’ ከምዘለዋ ገሊፃ

    ካቢኔኡ ዘዘራርብ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ እንታይ ከምዝብል ንምስማዕ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ፡ ኢራን ግብረ መልሲ ሂባ።

    እዚ፡ ኢራን ነቲ በዓል-15 ነጥቢታት ውጥን ኣመሪካ ኣመልኪታ፡ ዝሃበቶ ፈላማይ ግብረ መልሲ እዩ።

    ምስ እዚ- ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ፡ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ ቴህራን ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ምላሽ ከምዝሃበትሉ ፀብፂቡ።

    ታስኒም ንሓደ "ሓበሬታ ዘለዎ” ዝበሎ ስሙ ዘይተፅርሐ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ እያ፡ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኵነት ኢራን ፀብፂባ።

    • "ብጸላኢ ዝፍፀም ተግባራት መጥቃዕታትንን ቅንፀለታትን- ደው ክብል
    • "ኲናት ዳግማይ ከምዘይለዓል ጭቡጥ ዘተኣማምን ኩነታት ክቐውም
    • "ካሕሳን ካሕሳ ኲናትን ክረጋገጽን ብንጹር ክውሰንን
    • "ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኩሉ ግንባራትን ንኹሎም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ጉጅለታት ክተግበር ኣለዎ" ይብል።

    እቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መሓዙትን ኢራን ብምጥቃስ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።

    እቲ በዓል ስልጣን፡ ልኡላውነት ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምጥቃስ፡ "ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል" እታ ሃገር ከምዝዀነ ነቲ ማዕኸን ዜና ከምዝገለፀ ተሓቢሩ።

  12. ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀጻሊ ዕንወት ዘርእዩ ሓደሽቲ ምስልታት

    ሎሚ ሓሙስ ዝወፅኡ ዘለዉ ምስልታት፡ ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝበፅሕ ዘሎ ዕንወት ዘርእዩ እዮም።

    ብፍላይ ድማ፡ መጥቃዕቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን፡ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ሊባኖስን ዘስዓቦ ብርሰትን ሃሰያን የመልክቱ።

    እቶም ኣሳእል፡ ኣበይ ከምዝተፈጸሙ፡ ብዝርዝር ዝገልጽ ነፍሲ-ወከፍ መብርሂ ኣለዎም።

  13. ዓለማዊ ንግዲ ዝጸልዉ 5 ቀንዲ መስመራት ባሕሪ

    ኢራን ነቲ ኣገዳሲ መስመር መራኽብ ነዳዲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ዓጽያቶ ትርከብ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ድማ ኣብ ልዕሊ በቲ መስመር ክሓልፋ ዝፈተና ዓሰርተታት መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺማ እያ።

    እቲ ቅልውላው ግን ዝሰፍሐ ጸገም'ውን ኣጕሊሑ ኣሎ። ዓለማዊ ንግዲ ኣብ ዘገርም ውሑድ ቍጽሪ ዘለዎም ጸበብቲ መስመራት ዝምርኮስ ምዃኑን ንጹር ኰይኑ ኣሎ።

    ንምዃኑ እዞም መስመራት ኣየኖት እዮም?

  14. እስራኤል ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም ዝቐተለት ገሊጻ

    እስራኤል ንኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዓሊረዛ ታንግሲሪ ከም ዝቐተለት ገሊጻ።

    ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፡ ታንግሲሪ "ቀጥታዊ ተሓታቲ ናይቲ ደብዳባትን ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝን'ዩ፡" ብምባል "ተቐቲሉ፡" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ ካልኦት ብርክት ዝበሉ "ላዕለዎት ሓለፍቲ እ ሓይሊ ባሕሪ" እውን ከም ዝተቐትሉ ይዛረብ።

    ኢራን ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበትን።

    ዓሊረዛ ታንግሲሪ ኣብ 2018 ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ኰይኑ ተመዚዙ።

    ቅድሚ ሕጂ ካብ 2010 ጀሚሩ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

    ብሽሙ ዝተኸፍተ ናይ ኤክስ ኣካውንት ካብ 10 መጋቢት 2026 ጀሚሩ ንጡፍ ኰይኑ፡ ማዕከናት ዜና ኢራን ካብቲ ኣብቲ ኣካውንት ዝወሃብ ሓበሬታታት ከጣቕሳ ጸኒሐን እየን።

    ኣብቲ ጽሑፋቱ ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ብዙሕ ግዜ ሓበሬታ ጠቂዑ ኣሎ።

    "ምስ ኣንጻር ኢራን ወረርቲ ምትእስሳር ዘለዋ ዝኾነት መርከብ ክትሓልፍ መሰል የብላን፡" ይብል።

    ታንግሲሪ ደፋር ተዛራባይ ኣዛዚ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ብዙሕ መግለጺታት ሂቡ።

    ኣብ 2019፡ ሰደድ ነዳዲ ኢራን እንተ ተዓንቂፉ መጻብቦ ሆርሙዝ ክዓጽዎ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

    ኢራን ኣብ ጥቓ እቲ መጻብቦ ንዝነበረት ናይ ኣመሪካ ናይ ምክትታል ድሮን ድሕሪ ምውዳቓ፡ ታንግሲሪ ምስ ካልኦት ኣዘዝቲ ብምዃን ብ2019 ብቤት ጽሕፈት ትሬዠሪ ኣመሪካ እገዳ ተገይሩላ።

  15. 'ብህዝቦም ከይቅተሉ ይፈርሑ'ዮም' - ትራምፕ ኣብ ጉዳይ መራሕቲ ኢራን ዝተዛረቦ

    ኣብዚ ሰሙን፡ ቴህራን ምስ ዋሽንተን ዝተኻየደ ዝርርብ ከም ዘየለ ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ትዘራረብ ከም ዘላ እዩ ደጋጊሙ ዝዛረብ ዘሎ።

    ትማሊ ምሸት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ምእካብ ገንዘብ ሃገራዊ ኮሚተ ኮንግረንስ ሪፓብሊካን፡ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ መፋርቕ መረጻ፡ ኢሚግሬሽንን ቬንዝዌላን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ሸፊኑ።

    ብዛዕባ ኢራን ኣብ ዝተዛረቦ፡

    • ኢራን "ስምምዕ ክትገብር ልዑል ድልየት ኣለዋ፡" ኢሉ። መራሕቲ ኢራን ግን "ብህዝቦም ክንቅተል ኢና ዝብል ስግኣት ስለ ዘለዎም ከይዛረቡ ይፈርሑ'ዮም፡" ኢሉ። ወሲኹ፡ "ብኣና ከይቅተሉ እውን ይፈርሑ" ኢሉ
    • ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኻየደ ኲናት "ወተሃደራዊ ስርሒት" ምዃኑ ገሊጹ። "[ካብ ኮንግረስ ኣመሪካ] ፍቓድ ክትረክብ ስለ ዘለካ ኲናት ዝብል ቃል ኣይፈትዉን እዮም። ስለዚ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝብል ቃል ክጥቀም እየ፤ እቲ ሓቂ ድማ ከምኡ'ዩ ዘሎ፡" ክብል ተዛሪቡ።
    • ኣመሪካ ንኢራን "ተጥፍኣ" ከም ዘላን "ኣብ ልዕሊ ኢራን [እዚ] ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ [ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን] ስለ ዝርእያ ኣብ ተለቪዥን ክረኣዩ ዘይክእሉ ዓበይቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ኣለዉ" ይብል።
    • ትራምፕ፡ ኢራን "ብዘየማትእ" ኣንጻር ኣመሪካ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ክትቀጥም ትኽእል ነይራ። ኣመሪካ እንተዘይትህሉ "ዓለም ብምልእታ ኣብ ስግኣት ሞት ምሃለወት፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ተስፋ ሰላም'ውን ንዘልኣለም ምጠፍአ፡" ኢሉ
    • ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝመጽእ ለውጢ ናይ ሓጺር ግዜ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ "ነቲ መንሽሮ ከተጥፍኦ" ግድን ነይሩ ይብል። "እቲ መንሽሮ ኢራን ምስ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እያ ነይራ። ሕጂ ኣሊናዮ ኣለና፤ ክንውድእ ኢና ኸኣ።"
  16. ትራምፕ፡ ኔቶ ኣብ ኢራን 'ንኽሕግዝ ዝዀነ ነገር ኣይገበረን'

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ደጊሙ ንኣባል ሃገራት ኔቶ ብምንቃፍ፡ ኣብ ኢራን ሓገዝኩም ኣይደልን ኢሉ።

    ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዝጠቅዖ ጽሑፍ፡ "ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ኣብታ ሕጂ ብወተሃደራዊ መገዲ ተዳኺማ ዘላ ኢራን ንምሕጋዝ ዝዀነ ነገር ኣይገበራን፤ ኣመሪካ ካብ ኔቶ ዝዀነ ነገር ኣይትደልን። ግን ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ 'ፈጺምኩም ከይትርስዑዎ'!" ኢሉ።

  17. ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ናብ ዱባይ ዝግበር ጕዕዞታት ብኸመይ ክጸልዎ'ዩ?

    ዱባይ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣዕኑድ ኢንዱስትሪ ኣቭየሽን ኰይና ኣላ።

    መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ - ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ (DBX) - ንኣህጉራውያን ተጓዓዝቲ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ተጓዓዝቲ ዝሓልፈሉን ዘአንግድን እዩ።

    እዚ ካብ መዓፈፎ ነፈርቲ ብሪጣንያ ዝዀነ ሄትሮ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ።

    ኣብ 2024፡ ልዕሊ 92 ሚልዮን ተጓዓዝቲ በቲ መዓርፎ ነፈርቲ ሓሊፎም።

    ኣብ ንቡር ኵነታት፡ እተን ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ወሽመጥ - ኣቡዳቢን ርእሰ ከተማ ቐጠር ዶሓን ሓዊሱ - ብሓባር ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 3000 በረራታት ዝካየደለን ኰይኑ፡ መብዛሕትአን ድማ ብናይ ውሽጢ ዓዲ መንገዲ ኣየር፡ ኢማራትስ፡ ኢትሓድን መንገዲ ኣየር ቐጠርን ዝካየዳ እየን።

    ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ግጭት ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ግን፡ ኣብዞም ዓበይቲ ማእከላት መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከባ ነፈርቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ክንቀሳቐሳ ስለዘይክኣላ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ተጓዓዝቲ ጕዕዞኦም ተሰናኺሉ እዩ።

    እቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሚሳይላትን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ትራፊክ ኣየር እቲ ዞባ ብኸቢድ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

    ግን ጉዳይ ነዳዲ እውን ካልእ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር እዩ።

    ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ካብ እትዓግቶ ንደሓር፡ ካብ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ መጻረዪ ነዳዲ ዝመጽእ ዝነበረ ቀረብ ተሓኒቑ።

    ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነዳዲ ጀት ኤውሮጳ ካብቲ ዞባ ዝመጽእ ኰይኑ፡ ሕጽረት ከየጋጥም ዝፈጠሮ ስግኣት ድማ ዋጋታት ብዕጽፊ ክውስኽ ገይሩ።

    ገለ መገዲ ኣየራት ድሮ በረራታት ምቑራጽ ጀሚረን ኣለዋ።

    ብመሰረት ተንተንቲ ሲርየም፡ እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ልዕሊ 30 ሽሕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት ከም ዝተሰረዘ ይፍለጥ።

    እዚ ኣብ ነዊሕ እዋን ነቲ ኣዝዩ ዕዉት ዝዀነ "ሞዴል ወሽመጥ" ኣቬሽን - ንነዊሕ ርሕቀት ዝግበር ጕዕዞ ብምቕያርን ሕሱር ብምግባርን ብሰፊሑ ክንኣድ ጸኒሑ'ዩ።

    እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ድማ ነዚ ክሃስዮ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይዛረቡ።

    እቲ ግጭት እንተቐጺሉ፡ ተጓዓዝቲ ኣማራጺ መገዲታት ክደልዩ ክግደዱ'ዮም፤ እዚ ድማ ዋጋታት ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኸውን ክኢላታት ይዛረቡ።

  18. ኢራን፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል እንታይ ትሓትት ኣላ?

    መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢራን ፕረስ ቲቪ ንሓደ “ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖለቲካዊ-ጸጥታ” ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ነቲ ሕጂ ዘሎ ኲናት ንምውዳእ ዝዓለመ እማመ ኣመሪካ ከም ዝነጸገቶ ገሊጹ።

    እቲ በዓል ስልጣን ነቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኢራን ናይ ገዛእ ርእሳ ቅድመ ኵነት ምስ ተማልአ ጥራይ ነቲ ኲናት ደው ከተብሎ እያ፡" ኢሉ።

    ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክማላኡ ዘለዎም ሓሙሽተ ቅድመ ኵነታት ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ድማ፥

    • ብጸላኢ ዝፍጸም "መጥቃዕትን ቅትለታትን" ደዉ ምባል
    • እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዳግማይ ከም ዘይውላዕ ውሕስነት ዘለዎ ጭቡጥ ኣገባባት ምቕማጥ
    • ውሕስነት ዘለዎን ብዝተነጸረን ክፍሊት ካሕሳ ኲናትን ዕንወትን ክህሉ
    • ኣብ ኵሉ ግንባራትን ኵሎም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት መኸተን ዘሎ ኲናት ምዝዛም
    • ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ላዕለዋይ ስልጣን ንምጥቃም ልዑላዊ መሰል ከም ኣህጉራዊ ኣፍልጦን ውሕስነትን ምሃብ ዝብሉ'ዮም።

    ኢራናውያን፡ እቲ ኲናት ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ እምበር፡ ተዅሲ ደው ምባል ጥራይ ከም ዘይደልዩ ብተደጋጋሚ ገሊጾም እዮም።

  19. ትራምፕ ምስ መን'ዩ ክዘራረብ?

    ኣመሪካን እስራኤልን ንብዙሓት መራሕቲ ኢራን ቀቲለን እየን።

    ሰራዊት እስራኤል ንዝዀነ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢራን ዒላማ ክገብር ስልጣን ከም ዝተዋህቦ፣ ተወሳኺ ፍቓድ ከም ዘየድልዮ ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ ኣፍሊጡ'ዩ።

    እዞም ሰበስልጣን ግን ኣብ ውሽጢ መሓውር ስልጣን ኢራን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ተራ ነይርዎም?

    ሕጂ ብውጽኢታዊ መንገዲ መን እዩ ኣዛዚ ዘሎ?

  20. ተስፋ ዝርርብ ኣመሪካን ኢራንን ንነታንያሁ ኣብ ጸቕጢ የእትዎ

    ኣመሪካ ምስ ኢራን ሓድሽ ዝርርብ ንምክያድ ዝሓሰበቶ መደባት ዝተሓዋወሰ ኣፋፍኖት ኣብ ዝርእየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጐ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ምልውዋጥ ተኹሲ ይቕጽል ኣሎ።

    ዶናልድ ትራምፕ ምስ ቴህራን ሓድሽ ዝርርብ ንምኽፋት ዝደረዀ ምኽንያት ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ሰፊሕ ግምታት ይቐርብ ኣሎ፤ ዘተ ቅድሚ ሕጂ ዋይት ሃውስ ከም መከላኸሊ ወተሃደራዊ ምዕባለ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ይለኣኹ ኣለዉ።

    ኣብ እስራኤል ግን፡ ዘተ ክጅመር'ዩ ዝብል ዘረባ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ካብቲ ኲናት መውጽኢ መገዲ ይደሊ ከም ዘሎን፡ ዕላማታት እስራኤልን መሓዛኣን ክፈላለ ከም ዝጀመረን ዘመልክት እዩ።