ሕቡራት ሃገራት፡ ጊላነት ኣፍሪቃውያን 'ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት' ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ እዋን ንግዲ ባሮት ስግረ-ኣትላንቲክ ዝነበረ ጊላነት ኣፍሪቃውያን "እቲ ዝኸበደ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቡ።

እዚ ስጕምቲ፡ ንሕውየትን ፍትሕን መንገዲ ክኸፍት ተስፋ ከም ዝህብ ተገሊጹ።

እቲ እማመ - ብጋና ዝቐረበ - ነዚ ስያመ ክወሃብ ዝጽውዕ ኰይኑ፡ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ንግዲ ባሮት ይቕሬታ ​​ክሓታን ኣብ ማዕከን ካሕሳ ኣበርክቶ ክገብራን እውን ይላቦ፤ መጠን ገንዘብ ግን ኣይጠቐሰን።

እቲ እማመ፡ 123 ናይ ደገፍ ድምጽን ሰለስተ ተቓውሞን - ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኣርጀንቲናን - ተቐባልነት ረኺቡ። ዓባይ ብሪጣንያን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሓዊሱ 52 ሃገራት ድምጸ-ተዓቅቦ መሪጸን።

ከም በዓል ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ናይ ሎሚ ትካላት ንሕሉፍ በደላት ተሓተትቲ ክዀና ኣይክእላን እየን ብምባል፡ ካሕሳ ክኸፍላ ንዝቐርብ ጠለባት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘን ነጺገንኦ እየን።

ዘይከም ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ካብ ሓፈሻዊ ባይቶ ዝመጽኡ ውሳነታት ዝለዓለ ዓለማዊ ርእይቶ ዝስከሙ'ኳ እንተዀኑ፡ ብሕጊ ቀየድቲ ኣይኰኑን።

ፕረዚደንት ጋና ጆን ማሃማ ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ ነቲ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ታሪኽ ምልክት ክገብረሉ ከሎ፡ ንዝኽሪ ናይቶም ብንግዲ ባሮት ዝተሳቐዩ ሚልዮናትን ብዓሌታዊ ኣድልዎ ዝሳቐዩ ዘለዉን ሚልዮናት ዝግበኣና ከም ዝገበርና እዩ ዝስነድ፡" ኢሉ።

''ምጽዳቕ እዚ ውሳነ ሕሉፍ ንዘይምርሳዕ ዋልታ ኰይኑ የገልግል። ነቲ ነባሪ በሰላ ባርነት እውን ይብድህ፡'' ኢሉ።

ኣቐዲሙ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጋና ሳሙኤል ኦኩድዘቶ ኣብላክዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ካሕሳ ንሓትት ኣለና ፤ ግልጺ ንዅን - መራሕቲ ኣፍሪቃ ንገዛእ ርእሶም ኣይኰኑን ገንዘብ ዝሓቱ ዘለዉ፡" ኢሉ።

"ንግዳያት ፍትሒ ክረኽቡን እቲ እንጣበቐሉ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ማዕከን መትከሊ እግሪን ስልጠናታት ክእለትን ብገንዘብ ክድገፍን ንደሊ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ጐስጓስ ካሕሳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ርኡይ እናዀነ መጺኡ - "ፍትሒ ካሕሳ" ናይ 2025 ወግዓዊ ቴማ ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ መራሕቲ ሃገራት ኮመንወልዝ ድማ ብሓባር ኣብዚ ጉዳይ ዘተ ክካየድ ጸዊዖም።

ኣብላክዋ ብተወሳኺ፡ ምስቲ ውሳነ፡ ጋና ቃንዛኣ ልዕሊ ናይ ካልእ ሰብ ደረጃ ኣይኰነትን እትሰርዖ፤ እኳ ድኣ ታሪኻዊ ሓቂ ጥራይ እያ ትስነድ ዘላ ይብል።

ካብ 1500 ክሳብ 1800 ኣስታት 12 ክሳብ 15 ሚልዮን ሰባት ኣብ ኣፍሪቃ ተታሒዞም ናብ ኣመሪካ ተወሲዶም ገላዩ ኰይኖም ክሰርሑ ተገዲዶም'ዮም። ኣብቲ ጕዕዞ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይግመት።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበረሰብ ካሪብያንን ዝድገፍ እማመ፡ ሳዕቤናት ባርነት ብመልክዕ ዓሌታዊ ዘይማዕርነትን ትሑት ምዕባለን "ኣብ ኵሉ ክፋላት ዓለም ንዝርከቡ ኣፍሪቃውያንን መበቈል ኣፍሪቃውያንን ይጸሉ፡" ከም ዘሎ ይገልጽ።

ኣብላክዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብዙሓት ወለዶታት ብሰንኪ እቲ ስግረ-ኣትላንቲክ ዝተኻየደ ንግዲ ባሮት፡ ሚልዮናት ካብታ ኣህጉር ብምፍላዮም ድኻታት ኰይኖም፡ ብተነጽሎን ዓሌታውነትን ይሳቐዩ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ፡ ብዙሓት ተመሳሳሊ ርእይቶ ገሊጾም።

ኣብ ንግዲ ባሮት ስግረ-ኣትላንቲክ ካብ ዝነጥፋ ዓበይቲ ሓይልታት ሓንቲ ዝዀነት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ሰባት ዝበጽሐ ዘይተነግረ ጉድኣትን ሕሰምን ከም ዘስተብሃለት ገሊጻ።

ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጀምስ ካሪዩኪ ግን ኣብ መደረኡ ነቲ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ብመንጽር ኣጠቓቕማ ቃላትን ኣህጉራዊ ሕጊን ጸገም ዘለዎ ምዃኑ ገሊጹ።

"ዝዀነ ግፍዒ ካብ ​​ካልእ ንላዕሊ ወይ ዝወሓደ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ክውሰድ የብሉን፡" ኢሉ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተመሳሳሊ ነጥብታት ብምግላጽ ሃገሩ "ኣብቲ ንግዲ ባሮት ዘጋጠመሉ እዋን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ዘይሕጋዊ ዘይነበሩ ታሪኻዊ በደላት ካሕሳ ናይ ምኽፋል ሕጋዊ ግዴታ ኣፍልጦ ኣይትህብን፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ዳን ኔግሬ፡ ኣመሪካ "ዘመናዊ ጸጋታት ምስቶም ታሪኻዊ ግዳያት ርሑቕ ዝምድና ናብ ዘለዎም ሰባትን ሃገራትን ንምውሳድ ታሪኻዊ በደላት ከም መሳርሒ ምጥቃም፡" ከም እትቃወሞ ገሊጹ።

ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣፍደገታት ንግዲ ባሮት ስግረ-ኣትላንቲክ ዝነበረት ጋና፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ንካሕሳታት ክትጣበቕ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ሓደ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ባሮት ኣፍሪቃውያን ኣብ ትሕቲ ኢሰብኣዊ ኵነታት ተታሒዞም ዝነበሩሎም ዕርድታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንታሪኽ ተዓቂቦም ይርከቡ።

ከምኡ'ውን ኣብ ዙርያ ካሕሳታት ዘሎ "ሕጋዊ ጸገማት"፡ እቲ እማመ "ተቐበልቲ 'ካሕሳ ፍትሒ' መን ክዀኑ እዮም፡" ዝብል ንጹር ከም ዘይኰነ እቲ ኣምባሳደር ገሊጹ።

ዳን ኔግሬ፡ ነቲ ማሃማ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ "ታሪኽ ጸለምቲ ምድምሳስ ንቡር ገይሩዎ፡" ክብል ዝሃቦ ነቐፌታ'ውን ምላሽ ሂቡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ነቲ "ጸረ-ኣመሪካዊ ስነ-ሓሳብ" ዝበሎ ንምስፋሕ፡ ንባህላውን ታሪኻውን ትካላት ኣመሪካ ዒላማ ገይሩ'ዩ።

ትእዛዛት ትራምፕ ከም ምሕዳስ ሓወልትታት ኮንፈደረሽንን ኣብ ፊላደልፍያ ዝርከብ ማእከል ኤግዚብሽን ባርነት ንምፍራስ ዝግበር ፈተነን ዝኣመሰሉ ስጕምትታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ማሃማ ብሰሉስ "እዞም ፖሊሲታት ንኻልኦት መንግስታት ከምኡ'ውን ንገለ ናይ ብሕቲ ትካላት መርኣያ ይዀኑ ኣለዉ፡" ኢሉ ነይሩ።

ኔግሬ ግን ፕረዚደንት ትራምፕ "ካብ ዝዀነ ካልእ ፕረዚደንት ንላዕሊ ንጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝያዳ ከም ዝሰርሐ፡" ገሊጹ።

"ንዓኣቶም ንምምላእን ሃገርና ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ንምዕባይን 24 ሰዓት ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ እማመ ብተወሳኺ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ዝተሰርቁ ባህላዊ ቅርስታት ናብ መበቈል ሃገሮም ክምለሱ ይጽውዕ።

"እቶም ኵሎም ዝተዘምቱ ቅርስታት ክምለሱ ንደሊ ኢና፣ እዚኦም ድማ ንውርሻና፡ ባህልናን መንፈሳዊ ትርጕምናን ዝውክሉ እዮም፡" ይብል ኣብላክዋ።

"እቶም ኵሎም ንብዙሕ ዘመናት ክሳብ መግዛእታዊ ዘመን ዝተዘምቱ ቅርስታት ክምለሱ ይግባእ ነይሩ።"