ኣመሪካን ኢራንን ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ንዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ይቀዳደማ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ልዕሊ ወርሒ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ተወቒዓ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ካብኣ ንዝወረደ ኣመሪካዊ ንምርካብ ኣመሪካን ኢራንን ይጓየያ ኣለዋ።

እታ ኤፍ-15E ዝተባህለት ኣብ ሰማይን ምድርን እተጥቅዕ ነፋሪት ምስ ተሃርመት፡ ሓደ ካብ ኣብረርታ ብሓይልታት ኣመሪካ ተረኺቡ ክድሕን እንከሎ፡ ካልእ ኣካል እቲ በረራ ዝነበረ ሓደ ሓላፊ ስርዓተ ተተኳሲ ግን ከም ዝጠፍአ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ሓቢሮም።

ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ድማ ነቲ ዝጠፍአ ወተሃደር ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ኢራን ስርሒት ይገብር ከም ዘሎ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ ምድሓን ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ኢራን ትሒተን ክበራ ከም ዝተራእያ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢራን ብወገነን፡ ዝተሰባበረ ኣካላት እታ ነፋሪት ድሕሪ ምውጽአን ነቲ ኣባል ናይታ ዝወደቐት ነፋሪት ሒዙ ዘረከበ ሰብ 66,100 ዶላር ግንዖ ክወሃቦ ብሰብመዚ ኢራን ቃል ከም ዝተኣትወ ኣቃሊሐን።

እተን ማዕከናት ዜና ወሲኸን፡ እቲ ኣባል ናይታ ዝተወቕዐት ነፋሪት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢራን ክዓልብ ከም ዝኽእል ግምታተን ኣቐሚጠን።

እዚ ዜና'ዚ ምስ ተቓልሐ፡ ኣብ ክልተ ደቡባዊ ኣውራጃታት ዝርከቡ ስቪላውያን ዕጡቓት ነቲ ወተሃደር እናደለዩዎ ዘርኢ ቪድዮታት ክዝርግሑ ጀሚሮም።

ኣብ ሓደ ካብቲ ቪድዮታት፡ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ኩዘስታን ሓያሎ ሰባት ብረትን ባንዴራ ኢራንን ሒዞም እናደለዩዎ ከለዉ ይርኣዩ። ሓደ ካብኦም ድማ፡ "ኣምላኽ እንተ ፈቒዱዎ ክንረኽቦ ኢና፡" ይብል።

ዝጠፍኡን ዝተኸርደኑን ኣባላት ንምድሓን ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒታት ንምክያድ ዝቘመ ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ኣመሪካ፡ ነዚ ካብ ዝተወቕዐት ነፋሪት ዝጠፍአ ወተሃደር ኣመሪካ ንምርካብ ስርሒት ከም ዘበገሰ ይፍለጥ።

እዚ ኣሃዱ ኣብዝሓ ግዜ ተልእኾኡ ብሄሊኮፕተራት ዝፍጽም ክኸውን እንከሎ፡ ነዳዲ ዝመልኣ ከምኡ'ውን ዒላማታት ዝወቕዓ ነፈርቲ ኣካል ናይዚ ስርሒት እየን።

ሓድሓደ ግዜ፡ ልክዕ ከምዚ ናይ ሕጂ ናይ ኢራን ተጓንፎ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ጸላኢ መስመር ብምእታው እውን ዝፍጸም እዩ።

ሓደ ኣዛዚ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርሒታት ዝነበረ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነዚ ኣብ ኢራን ጠፊኡ ዘሎ ኣባል በረራ ንምድሓን ብውሕዱ 24 ኣባላት ብላክ ሆክ ሄሊኮፕተር ተጠቒሞም ኣብቲ ከባቢ ተፍትሽ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

እቲ ስርሒት ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ኮማንደር፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ካብ ነፋሪት ክዘሉን ሕክምናዊ ሓገዝ ብምሃብ ካብ ውሽጢ ጸላኢ ንምውጻእ ስጕምቲታት ክወስዱን ከም ዝኽእሉ ወሲኹ ይገልጽ።

ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኢራን ከይረኸቦ እንከሎ ምእንቲ ከድሕኖ ብቕልጡፍ ምንቅስቓስ ክገብር ስለ ዝግደድ እቲ ኵነታት ተሃዋሲ ምዃኑ ይግለጽ።

ክኢላ ፍሉይ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነበር ጆናታን ሃኬት፡ እቲ ኣሃዱ ህይወት ኣድሕን ፈለማ እቲ ሰብ ብህይወት ከም ዘሎ ምልክታት ክደሊ ምዃኑ፣ ብድሕሪኡ ካብታ ኣብ መወዳእታ ዝተራኣየላ ቦታ ክሳብ ክንደይ ክርሕቕ ከም ዝኽእል ብምግማት ዳህሳስ ከም ዝካየድ ይሕብር።

ቅድሚ ሕጂ፡ እዚ ኣሃዱ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት፡ ንዝቘሰሉ ወይ ዝተኸርደኑ ሓይልታት ኣመሪካ ንምድሓን ኣሽሓት ተልኦኾታት ከም ዘካየደ ይፍለጥ።

ኣብ 2005፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተወግአ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እቲ ኣሃዱ ብዘካየዶ ስርሒት ክድሕን ክኢሉ። እቲ ፍጻመ ድሒሩ 'ሎን ሰርቫይቫር' ብዝብል ብመልክዕ ፊልም ተሰሪሑ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዝወደቑ ኣብረርቲ ንምድሓን ብኣመሪካ ዝተኻየዱ ናይ ምድሓን ስርሒታት ሒደት እዮም።

ኣብ 1999፡ ሓደ ኣብራሪ ኤፍ-117 ኣብ ውግእ ሰርብያ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ኣሃዱ ተልእኾታት ምድላይን ምድሓንን ኣመሪካ ድሕሪ ዝገበሮ ስርሒት ድሒኑ። ኣብ 1995'ውን ኣብ ቦዝንያ ኣመሪካዊ ኣብራሪ ስኮት ኦ'ግሬዲ ተወቒዑ ድሕሪ ምውዳቑ ኣብቲ ሃዲሙ ዝተሓብኦ ንምርካቡ ሽዱሽተ መዓልቲ ዝወሰደ ስርሒት ተኻይዱ ነይሩ።