ምቝሳል ኣፍ ዘስዕቡን ዝከላኸሉን መግብታት ኣየኖት እዮም?

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ክንጠሚ እንከለና እንበልዖም መግብታት፡ ካብ ጽጋብ ሓሊፉ ብዙሕ እወታውን ኣሉታዊን ሳዕቤናት ክህልዎም ከም ዝኽእል ርዱእ እዩ።

ሓደ ካብዚኦም ቍስሊ ኣፍ እዩ፤ ኣብ ውሽጢ ኣፍና ዘጋጥም ምቝሳል ማለት እዩ።

እዚ ኣፍቶስ ኣልሰር ወይ ካንሰር ሶር (aphthous ulcer/canker sore) ብዝብል እውን ይፍለጥ።

ናይ ብሕቲ ሓፈሻዊ ሓኪምን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፉልሃም ሓባራዊት መስራቲት ኮይን ሜዲካልን ዝዀነት ዶክተር ሉሲ ሁፐር፡ ቍስሊ ኣፍ ኣዝዩ ልሙድ ምዃኑ ትዛረብ።

ከባቢ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሰባት፡ ኣብ ሓደ እዋን ምቝሳል ኣፍ ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ወሲኻ ትገልጽ።

"እቶም ዝበዝሑ ጐዳእቲ ስለ ዘይኰኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ይሓውዩ'ዮም" ትብል። እዚ ድማ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ ዓሰርተ መዓልቲ ይወስድ።

ግን ካብዚ ብዝቐልጠፈ እውን ጠቕሊሎም ክሓውዩ ምግባር ይከኣል'ዩ።

ምናልባት እቲ ዝበለጸ ድማ ጠቕሊልና ክንከላኸሎም ምኽኣልና ይኸውን።

እዚ ድማ ግቡእ መኣዛታት ምብላዕን ጽቡቕ ጽሬት ኣፍ ምህላውን የጠቓልል። ንገለ ኵነታት፡ መድሃኒታትን ቀመማትን እውን ትዅረት ምሃብ ዝኣመሰሉ ክንገብሮም ዝከኣሉና ነገራት ኣለዉ።

ጠንቂ ምቝሳል ኣፍ እንታይ እዩ?

እዞም ብቕርጺ ክቢ ወይ ሞላሊት (ኦቫል-ሼፕድ) ዝዀኑ ቍስልታት መብዛሕትኡ ግዜ ብቐሊል ነገር ክፍጠሩ ይኽእሉ።

ንኣብነት ከም ብጌጋ ውሽጣዊ ኣካል ኣፍና ብምንካስ ክመጽኡ ይኽእሉ።

ሰረት፡ ለውጢ ሆርሞናትን ረኽሲ ቫይረስን'ውን ኣብዚ ተራ ክጻወቱ ተኽእሎ ኣሎ።

ከም ኢቡፕሮፈን ምስ ዝኣመሰሉ ገለ መዓልታዊ መድሃኒታት'ውን ምትእስሳር ዘለዎም ኣቝሳል ከም ዘለዉ ዶክተር ሁፐር ትዛረብ።

ንኣብነት ኬሞቴራፒ ዝወስዱ ተሓከምቲ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ጠንቂ ግን ጸቕጢ'ዩ።

ጸቕጢ፡ ኣብ ኣካላትና ነድሪ ከም ዘስዕብ ዶክተር ሁፐር ትሕብር።

"ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ኣካላትና ዝፍጠር ነድሪ፡ ንኣፍና ክጸልዎ ይኽእል'ዩ።"

ኣመጋግባ ምቝሳል ኣፍ ከስዕብ ይኽእል ድዩ?

እኹል ቪታሚን ቢ12፡ ሓጺን፡ ፎሌትን ዚንጎን ዘይምርካብ፡ ልሙዳት ጠንቂ ምቝሳል ኣፍ ከም ዝዀኑ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ስጋ፡ እንቋቑሖ፡ ምግቢ ባሕርን ጸባን ዘይረክብ ዝዀነ ሰብ፡ ሕጽረት እቶም መኣዛታት ከጋጥሞ ልዑል ሓደጋ ከምዘሎ እታ ዶክተር ተጠንቅቕ።

"ከም ቪጋን ወይ ቬጀቴሪያን ድንቂ ኣመጋግባ ክህልወና ኣይክእልን'ዩ ማለት ኣይኰነን፡ ንገለ ጕጅለታት [መግቢ] ክነወግድ ከለና ግን፡ እዞም ኵሎም ቪታሚናት ኣብ ኣመጋግባና ረኽቦም ከምዘለና ከነረጋግጽ ኣለና።"

ከም ቪጋን ወይ ቬጀቴሪያን፡ ሕጽረት መኣዛታት ንኸየጋጥመና ድማ እዞም ኣመጋግባታት ክንክተል ትምዕድ።

• ብቢ12 ዝሃብተመ ካብ ተኽሊ ዝተመስረተ ጸባ ምስታይ።

• ብዚንጎ ዝሃብተሙ ካብ ዓተርን ፉልን ዝተሰርሑ መግብታት ምምጋብ።

• ከም ምንጪ ፎሌት፡ ደባንን ቀጠልያን ሕብሪ ዘለዎም ኣትክልትን ባልደንጓ ኣብ መግቢና ምሕዋስ።

• ከም ኣሕምልቲ ዝኣመሰሉ ብሓጺን ዝሃብተሙ ኣሕምልቲ ምምጋብ።

ምቝሳል ኣፍ ዘስዕቡ ወይ ዘጋድዱ መግብታትን መስተታትን

ኣልኮላዊ መስተ፡ ዝተመቐሩ መስተታትን፡ ከም ለሚን ኣራንቺ ዝኣመሰሉ ፍረታትን ቀንዲ ጠንቂ ምግዳድ ምቝሳል ኣፍ እዮም።

ብተደጋጋሚ ንኣሲዳዊ መግብታትን መስተታትን ምቅላዕ ኣብ ኣፍና ዘሎ ፒኤች ክንኪ ከም ዝገብር ዶክተር ሁፐር ተብርህ።

እዚ ብግዲኡ ነቲ ናይ ኣፍ መከላኸሊ ቀጸላ ብምዝራግ፡ ነቶም ቀንዲ ተኸላኸልቲ ፕሮቲናት ይጐድኦም። ኣካላት ኣፍና ድማ ንኣቝሳል ዝያዳ ተቓላዕቲ ይዀኑ።

ካብዚ ብተወሳኺ ግን ዘይነስተብህለሎም ጠንቅታት ኣለዉ።

"ስትሮቤሪን ኮሚደረን ምስ [ኣሲድ] ምትእስሳር የብሎምን። ግን ከኣ ክልቲኦም ቍስሊ ኣፍ ከበግሱ ተኽእሎ ኣሎ" ትብል ዶክተር ሁፐር።

ካብ ጨው ዝበዝሖምን ቀመማዊን መግብታትን አውን እንተ ተቘጠብና ይምረጽ።

"እዚኦም ነቲ ኣብ ሽፋን ኣፍን ዝርከብ ረቂቕ ልፋጫዊ ጽሕጊ ከቘጥዑ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ቍስሊ ኣፍ ንምልዕዓል እኹል እዩ።"

ድሮ ቍስሊ እንተሃልዩና ድማ፡ ቅርጺ መግቢታት'ውን ኣብ ግምት ምእታው ከም ዝግባእ ዶክተር ሁፐር ተተሓሳስብ።

"ዝኾነ ተሪር፡ ደረቕ ወይ በሊሕ ጫፍ ዘለዎም መግብታት ነወግድ።"

ኣብ ኣመጋግባና ክንሕውሶም ዘድልዩ ገለ መግብታት ግን ኣለዉ።

ዶክተር ሁፐር፡ ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ እቶም ብተኽሊ ዝሃብተመ ኣመጋግባ ዝበልዑ ተሳተፍቲ፡ ትሑት ምድግጋም ቍስሊ ኣፍ ከም ዘጋጥሞም ይሕብር ትብል።

ገለ ፕሮባዮቲክስ ድማ ቍስሊ ኣፍ ንምፍዋስን ቃንዛ ንምንካይን ክሕግዙ ይኽእሉ።

ስነ-ጽሬት ኣገዳሲ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ብሓፈሻ ጽቡቕ ጽሬት ስኒን ብቐጻሊ ናብ ሓኪም ስኒ ምኻድን፡ ቍስሊ ንኸይፍጠር ክሕግዝ ከም ዝኽእል እታ ዶክተር ትሕብር።

መዓስ ኢና ናብ ሓኪም ክንከይድ ዘድሊ

መብዛሕትኦም ቍስሊ ኣፍ፡ ዋላ'ኳ ንኣሽቱ እንተዀኑ፡ ዓቢ ጽልዋ ግን ክህልዎም ይኽእል።

ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ጸረ-ቃንዛ ብምውሳድ ክንሓልፎም ንኽእል።

ካብ ሓደ ሴንቲሜተር ዝዓቢ ቍስሊ፡ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን እንተጸኒሑን ወይ ድማ ካልእ ምልክታት እንተ ኣስዒቡን ግን፡ መርመራ ምግባር ዝበለጸ ከም ዝዀነ ዶክተር ሁበር ትምዕድ።