ኤርትራ፡ ንሓራምዝ ዘስግእ ዘሎ ሓድሽ ናይ ዘርኢ ጸገም

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ሓራምዝ ዝተገብረ ዓቢ ናይ ዘርኢ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ንበይኖም ተነጺሎም ዝርከቡ ሒደት ሓራምዝ፡ ብሰንኪ ምስ ከምኦም ዘርኢ ጥራሕ ምውሳቦም ንጥዕናኦም ዝሃሲ ናይ ዘርኢ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።

እዚ ኣብ ጆርናል 'ኔቸር ኮሚንዩከሽን' ዝተሓትመ ጸብጻብ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ 17 ሃገራት ዝርከቡ 232 ሓራምዝ ብምምርማር፡ ናይ ዘርኢ ኵነታቶም ብዝርዝር ከም ዝገምገመ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ብሓፈሻኡ ክርአ ከሎ፡ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሓራምዝ ገና ናብ ሰፊሕ ቦታታት እናተንቀሳቐሱ ዘርኢ ስለ ዝለዋወጡ (ስለ ዝዋሰቡ) ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ጥዕና ይርከቡ።

ይዅን'ምበር፡ እቶም ካብ ካልኦት ተነጺሎም ኣብ ወሰናስን ሃገራት ዝርከቡ ሓራምዝ ግን ዓቢ ስግኣት ኣንጸላልዩዎም ኣሎ።

እቶም "ዝተነጸሉ" ናይ ኤርትራ ሓራምዝ

ካብቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተጠቕሱ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ዝርከቡ ሓራምዝ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እዮም።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ኣስታት 100 ሓራምዝ ጥራሕ ዝተረፉ ኰይኖም፡ ካብ ዝዀነ ካልእ ጭፍራ ሓራምዝ ብኣስታት 400 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ንበይኖም ተነጺሎም ይርከቡ።

እዚ ማለት ምስ ካልኦት ሓራምዝ (ንኣብነት ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ዘለዉ) ተራኺቦም ዘርኢ ክለዋወጡ ዘኽእሎም ተፈጥሮኣዊ መንገዲታት ተዓጽዩዎም ኣሎ።

እዚ ኣብዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ዝተገልጸ ብዝሒ ሓራምስ ኤርትራ፡ ምስቲ መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ ነሓሰ 2025 ሕታማ ዝገለጸቶ ዝቀራረብ ይመስል።

እታ ጋዜጣ፡ ብዝሒ ሓርማዝ ይስስን ከም ዘሎ ጸብጺባ ነይራ፣ "እቲ ኣስታት 15 ዝበጽሕ ዝነበረ ቍጽሪ እቶም እንስሳ ዘገዳም፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ኣማኢት ክብ ኢሉ ከም ዘሎ፡" ገሊጻ።

ኣብ 2009 ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓደ ሓራምዝ ዝርከብሉ ፍሉይ ማሕድሮ ወይ ክሊ ኣሎ።

"ካብ ተከዘ - ከባቢ ሰቲት ክሳብ ከባቢ ኣለቡ 120 ኪሎ-ሜትር ዝሽፍን ክሊ ሓራምዝ፡ ኣብ ንኡስ ዞባታት ላዕላይ-ጋሽ፡ ጎኘን ሃይኮታን ዝዝርጋሕ 44,320 ሄክታር ከም ዘጠቓልል፡" ወኪል በዓል ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳም ኣብ ላዕላይ-ጋሽ ዝዀነ ኣቶ ገብረመድህን ተኽለ ንመግስታዊ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።

ነዚ ኣብ 'ኔቸር ኮምዩኒከሽን' ዝተሓትመ ምርምር ዝመርሐት ፓትሪስያ ፔችነሮቫ ከም እትብሎ፡ "እዞም ሓራምዝ እዚኦም ካብ ካልኦት ኣዝዮም ዝተነጸሉ ብምዃኖም፡ ዋላ'ኳ እቶም ሓራምዝ ዘይደልዩዎ እንተዀኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ምስ ዝስእኑ ግን ምስ ናይ ቀረባ ዘርኦም ጥራሕ ናይ ምፍርራይ ዕድሎም ይሰፍሕ።"

እዚ ድማ ኣብቲ ናይ ዘርኢ ዋሕዚ ዓቢ ክሳራ የስዕብ።

እዞም ናይ ኤርትራ ሓራምዝ ኣብቲ ምብራቓዊ ወሰናስን መሬት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብምዃኖም፡ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ደረቓዊ ወይ ሓውሰ-በረኻዊ ኵነታት ተላሚዶም ዝነብሩ ፍሉያት እዮም።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ወሰናስን ዝርከቡ (periphery populations) ብምባል ይጽውዖም፤ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ንዘሎ ስነህይወታዊ ብዙሕነት ኣዝዮም ወሰንቲ ምዃኖም የርኢ።

ጥዕናዊ ጸገማትን ስግኣት ሕማምን

እቲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን ዝወጽአ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ጸቢብ ዓሌት ጥራሕ ዝግበር ምውሳብ፡ "ጕድኣት ዘለዎም ዘርኢታት" (deleterious mutations) ኣብቶም ሓራምዝ ክእከቡ ይገብር።

እዚ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ጸገማት የስዕብ፤

  • እቶም ሓራምዝ ምስ ተለዋዋጢ ኵነታት ኣየር ናይ ምልማድ ዓቕሞም ይጐድል፣
  • ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዝያዳ ተቓላዕቲ ይዀኑ፣
  • ብሓፈሻ እቲ ዘርኢ ሓራምዝ ኣብ መጻኢ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ይጸብብ።

ኣህጉራዊ መጠንቀቕታታት

ኣብ ኣፍሪቃ ብጠቕላላ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ሓራምዝ ከም ዘለዉ ይግመት።

ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት ህዝቢ፡ ሕርሻን ህንጸት ትሕተ-ቅርጽን፡ እቶም ሓራምዝ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ተንቀሳቒሶም ዝራኸብሉ ጥንታውያን መንገዲታት እናተዓጽዉ ይኸዱ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ኣብ መዕቈቢ ሓራምዝ ባቢሌ ኣስታት 300 ሓራምዝ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ሰባትን ሃድንን ኣብ ጸቢብ ቦታ ተዓጽዮም ይርከቡ።

እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ንዘርኢ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ፍሉያት ሓራምዝ ንምዕቃብ፡ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ዕጽዋ መፍትሒ ክድለየሉ ከም ዝግባእ የመልክት።

ምስ ካልኦት ዓንቀጻት ሓራምዝ ዝራኸብሉ መንገዲ እንተ ዘይተፈጢሩ፡ እቲ ዘርኢ ሓራምዝ ኤርትራ ብሰንኪ ሕጽረት ምትሕውዋስ ምስ ካልኦት ዘርእታት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ የጠንቅቑ።

ሓራምዝ ኣብ 37 ሃገራት ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ክዀኑ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ክፍለ-ዓለም ይርከቡ።

ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሓራምዝ ከም ዘለዉ ይግመት። ካብዚኣቶም እቶም ኣብ ጐላጕል ዝነብሩ ሓራምዝ (savanna elephants) ኣስታት 70% ይሽፍኑ።

ኣፍሪቃውያን ሓራምዝ ብሰንኪ ንግዲ ስኒ-ሓርማዝን ምጥፋእ ክነብሩ ዘኽእሎም ተፈጥሮኣዊ ከባብን ቍጽሮም ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ መንገዲ እናጐደለ መጺኡ እዩ።

ኣብ 2024 ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 1964 ክሳብ 2016 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሓራምዝ ብዘሰንብድ ደረጃ ጐዲሎም እዮም።

በዚ መሰረት፡ እቶም ኣብ ጐላጕል ዝነብሩ ሓራምዝ ብ70%፡ እቶም ኣብ ጫካታት ዝነብሩ ድማ ብ90% ቍጽሮም ከም ዝነከየ ተሰኒዱ ኣሎ።