እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ራፐር ካንየ ዌስት ኣብ ፖላንድ ከካይዶ ዝወጠነ ምርኢት ንምንታይ ተሰሪዙ?
ኣብ ፖላንድ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሙዚቃዊ ምርኢት ካንየ ዌስት፡ ብሰንኪ ዝሃቦ ተኸታታሊ ጸረ-ኣይሁድ፡ ዓሌታውን ደጋፊ ናዚን ዝዀነ ርእይቶታት፡ ካብ መንግስቲ ጸቕጥን ኵነኔን ስለ ዝበዝሐ ምስራዙ ኣዳላወቲ ናይቲ መድረኽ ገሊጾም።
ዌስት ኣብ ሰነ 19 2026 ኣብ ቾርዞው ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ምርኢቱ ከቕርብ መደብ ነይሩዎ።
እንተ ዝቐንዕ፡ ድሕሪ 15 ዓመታት ኣብ ፖላንድ ዘካየዶ ቀዳማይ ምርኢት ምዀነ ነይሩ። እንተዀነ፡ እቲ ስታድዩም ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ ሕጋዊ ምኽንያታት እቲ ምርኢት ከም ዘይካየድ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ምኒስተር ባህሊ ፖላንድ ማርታ ሴንኮውስካ፡ ካንየ ዌስት ክዕደም ምውሳኑ "ተቐባልነት የብሉን" ክትብል ገሊጻቶ።
ካንየ ዌስት ቅድሚ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ፈረንሳ ክገብሮ ዝወጠኖ ምርኢት ኣሰጋጊሩዎ እዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሓደ ዓቢ ፈስቲቫል ንኸይሳተፍ ናብ ሃገራ ከይኣቱ ከልኪላቶ።
እቲ ኣመሪካዊ ራፐር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምልክት ናዚ ዘለዎም ማልያታት ክሸይጥ ጀሚሩ ነይሩ። ድሕሪኡ እውን "ሃይል ሂትለር" ዝብል ደርፊ ብምውጻእ፡ ምስ ናዚዝም ከም ዝወገነ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ዓመት፡ "ኣነ ናዚ ኣይኰንኩን፣ ንኣይሁድ ድማ አፍቅሮም እየ፡" ብምባል ብመንገዲ ጋዜጣ ይቕረታ ሓቲቱ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ዘለዎ "ሕማም ኣእምሮ" ካብ ክውንነት ርሒቑ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣብ ፖላንድ ምልክት ናዚ ምጥቃም ገበን እዩ።
እቲ ዘረባታቱ ንፖላንዳውያን ኣዝዩ ዘቐንዙ እዩ፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ጀርመናውያን ኣብ መሬት ፖላንድ መዓስከራት ብምስራሕ ሚልዮናት ኣይሁድ ዘጽነትሉ ቦታ ስለ ዝዀነ።
እታ ምርኢት ክካየደላ ዝተሓርየት ከተማ ቾርዞው እውን፡ ጀርመናውያን ኣብ 1939 ንፈለማ እዋን ካብ ዝወረርወን ከተማታት ሓንቲ እያ።
ምኒስተር ባህሊ ፖላንድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝገለጸቶ፡ "ባህሊ፡ ጽልኢ ንምዝርጋሕ መሳርሒ ክኸውን ኣይግባእን።"
ዌስት ኣብ ለንደን ክገብሮ ወጢኑዎ ዝነበረ ምርኢት ቪዛ ስለ ዝተከልከለ ተሰሪዙ እዩ፤ እቲ ኣብ ፈረንሳ ክገብሮ ዝነበረ ድማ ንግዜኡ ተሰጋጊሩ ኣሎ።