እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጽምእን ጥምየትን ዝሃለቝ ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት
22 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብታ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ትኸይድ ዝነበረት ጃልባ ንሽዱሽተ መዓልታት ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞቱ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣፍሊጡ።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ህጻንን ዝርከብዎም 26 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ብዓርቢ ብሓለዋ ዶብ ኤውሮጳ ድሒኖም።
ክልተ ካብኣቶም ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ናብ ዝርከብ ሄራክሊዮን ዝብሃል ሆስፒታል ተወሲዶም።
እታ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብ21 መጋቢት ካብ ምብራቅ ሊብያ ቶብሩክ ካብ ዝብሃል ወደበ ከምዝተበገሰት ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ንወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ጠንቂ ሞት ናይቶን 22 ስደተኛታት ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ሕጽረት መግብን ማይን ከምዝገበረ ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ገሊጹ።
ግሪኽ ምስ ጣልያን ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢላ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ትቕበል'ያ፡ መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ጎረቤታ ቱርክን ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ዝሰግሩ'ዮም።
እቲ ካብ ሊብያ ትርከበን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ግሪኽን ጣልያንን ንምእታው ዝግበር ጉዕዞ ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ዘይህልወሉ ኣብ እዋን ክረምቲ'ዩ ዝካየድ።
ሓለዋ ዶብ ግሪኽ "ኣብቲ ጉዕዞ፡ እቶም ስደተኛታት ኣንፈቶም ኣጥፊኦም ንሽዱሽተ መዓልታት ብዘይ ማይን መግብን ኣብ ባሕሪ'ዮም ጸኒሖም" ይብል።
ኣብ መወዳእታ እታ ጃልባ ካብታ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ቅሬጥስ እትርከብ ከተማ ኢራፔትራ 53 ማይልስ ርሒቓ ደው ኢላ።
ሰብመዚ ግሪኽ፡ ክልተ ዕድሚኦም 19 ከምኡ ከኣ 22 ዝዀኑ፡ ደቡብ ሱዳናውያን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሓቢሮም።
እዞም ክልተ ደቡብ ሱዳናውያን "ናብ ግሪኽ ብዘይሕጋዊ ብምእታውን፡ ብሸለልትነት ህይወት 22 ሰባት ብምሕላፍን" ዝብል ክሲ ቀሪዎም ኣብ መርመራ ይርከቡ።
ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ እቶም 21 ካብ ባንግላድሽ፣ 4 ካብ ደቡብ ሱዳን፣ እቲ ሓደ ከኣ ተወላዲ ጫድ ምዃኖም ሓለዋ ባሕሪ ግሪኽ ኣፍሊጡ።
መንነት ናይቶም 22 ዝሞቱ ሰባት ግን ኣይተሓበረን ዘሎ።
ኣብ 2025 ብውሕዱ 41,696 ሰባት ብባሕሪ ናብ ግሪኽ ከምዝኣተዉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት [ዩኤንኤችሲኣር] የመልክት።
ኣብዛ ገና ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝተለዓላ ዓመተ 2026 ከኣ ልዕሊ 4000 ስደተኛታት ናብ ብሪኽ ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ጉዕዞ ግን ብፍላይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣሰጋገርቲ ሰባት እኹል ቀረብ ወይ ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ኣብ ዘይብለን ጀላቡ ልዕሊ ዓቕመን ሰብ ብምጽዓን'ዮም ነቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዘካይድዎ።
ኣብ 2025 ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ማእከላይ ባሕሪ ብውሕዱ 103 ሰባት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝጠፍኡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ማይ መሊኣ ብከፊል ጥሒላ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ቅሬጥስ ዝጸንሓት ጃልባ ሬሳ ናይ 17 ስደተኛታት ከምዝተረኸበ ዝዝከር'ዩ።