እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀይሕ ባሕሪ ብሑቲ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ሓዲሽ ደበና ስግኣት
ኣብ የመን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኵናት ኢራን ኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ዝደፈነሉ ንመጀመርታ ግዜ ናብ እስራኤል ሚሳይል ቶኲሶም።
እዞም ንርእሰ ከተማ ሰንዓን ሰሜናዊ ክፋል የመንን ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ ናብ እስራኤል ሚሳይል ብምትኳስ ነቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝሕምስ ዘሎ ኵናት ተጸንቢረሞ ኣለዉ።
እስራኤል እትህቦ ግብረ መልሲ ግን ብሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን።
ዕጡቓት ሑቲ ናብ እስራኤል ሚሳይል ድሕሪ ምትዃስ "ንተኣፋፊ ወተሃደራዊ መደበራት" እስራኤል ዕላማ ከምዝገበሩ ገሊጾም።
እስራኤል ካብ ሑቲ ዝትኰሳ ሚሳይላት ካብቲ ካብ ኢራን ዝዘንባ ዘሎ ደብዳባት ሚሳይልን ድሮናትን ክዛይድን ከስግኣን ከምይክእል ግን ንጹር'ዩ።
እስራኤል ነቲ በ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ዝተፈጸማ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ሓማስ መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ምስ ከፈተት፡ ዕጡቓት ሑቲ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ናብ እስራኤል ሓያለ ግዜ ሚሳይላት ቶኲሶም ነይሮም'ዮም።
እንተዀነ እቲ ሑቲ ናብ እስራኤል ዝትኵስዎ ዝነበሩ ሚሳይላት ገሊኡ ብኣሃዱ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ገሊኡ ክኣ ብኣይሮን ዶም እስራኤል ኣብ ሰማይ ከሎ ይብርዕን ስለዝነበረ ኣዝዩ ውሑድ ሃስያ'ዩ ዘውርድ ነይሩ።
ሑቲ ፈጢሮምዎ ዝብሃል ስግኣት፡ እቲ ኣብ ገማግም የመን ዝፍጽምዎ ዝነበሩ'ዩ።
ዕጡቓት ሑቲ ንሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ፡ ነተን ብሞንጎ ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን ብመጻብቦ ባብኤል መንደብ ዝሓልፋ ዝነበራ መራኽብ የጥቅዑ ብምንባሮም ብዙሓት መራኽብ ግዳይ ክዀና ክኢለን'የን።
ባብኤል መንደብ፡ ብምብራቕ ምስ የመን፡ ብምዕራብ ከኣ ምስ ኤርትራን ጅቡትን ዝዳወብ፡ ንህንዳዊ ውቕያኖስ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ጸቢብ ማያዊ ኣካል'ዩ።
እቲ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓልፋ ዝነበራ መራኽብ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ መጥቓዕትታት ነቲ ንዕዳጋ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትይዎ ነይሩ'ዩ።
ሕጂ'ውን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እቲ 12 ሚኢታዊት ቁጠባ ዓለም ካብን ናብን ዝመሓላለፈሉ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ኣብ ሓደጋ እንተኣእትየምዎ፡ ምስ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ተደሚሩ፡ ንቁጣብ ዓለም ብኸቢድ ክሃስዮ ዓቢ ተኽእሎ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ጸዓታውን ትሐተ-ቅርጺ ብዓል ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝርከበአን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ'ውን መጥቓዕትታት ክፍጽሙ ይኽእሉ'ዮም።
ቅድሚ ሕጂ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ብባብኤል መንደብ ዝሓልፋ መራኽብን መጥቓዕትታት ኣብ ዝፈጸምሉ ኣመሪካን እስራኤልን ንላዕለዎት ሓላፍቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ንምቅንጻልን ንወተሃደራዊ ትሕተ ቅርጺ ንምዕናውን ሓያለ ናይ ኣየር ደብዳብ ይፍጽማ ነይረን'የን።
ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ከምዚ ዓይነት ደብዳባት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝደለቡ'ዮም ዝመስሉ።
እቲ ሕጂ ዝልዓል ሕቶ፡ ሑቲ ክሳብ ክንደይ ንእስራኤል ንምጥቓዕ ተዳልዩ ኣሎ ዝብል'ዩ።
ሑቲ ንሓማስን ንፍሊስጤማውያንን ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ ኣብ ልእሊ እስራኤል ናይ ሚሳየልን ድሮንን ደብዳባት ምስ ፈጸሙ፡ ብገለ የመናውያንን ገለ ሃገራት እቲ ዞባን ደገፍ ይመጽኦም ነይሩ'ዩ።
ሕጂ ግን እታ ቀንዲ ደጋፊቶም ዝነበረት ኢራን ኣብ ዝተፈለየ ኵነታት'ያ ዘላ።
የመን'ውን ኣብታ ሃገር ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር፡ እዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተዛማዲ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት'ያ ጸኒሓ።
ሑቲ ንኢራን ብምድጋፍ ናብቲ ኣመሪካን እስራኤልን ብጽምዶ ኣንጻር ኢራን ዘካይደኦ ዘለዋ ኵናት እንተተጸንቢሩ ጠንቂ ምብጋስ ሓዲሽ ቅልውላው የመን ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ዕጡቓት ሑቲ እቲ ኣብ ልእሊ እስራኤል ዝፈጸምዎ ናይ ሚሳይል መጥቓዕቲ ኣብ ዝቅጽል መዓልታት'ውን ከምዝቅጽልዎ ይገልጹ ኣለዉ።
ሑቲ ከም ቃሎም፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝጀመርዎ ዳረባ ሚሳይል እንተቐጺለምዎ፡ እቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ ኵናት ክሰፍሕን ካልእ መልክዕ ክሕዝን ተክእሎ ኣሎ።